ድለ

2019.07.02 ንጽንተት ዘይኮነ ንድሕነት ካብ ጻት ናብ ጻት ዝተሃንጻ ኣገልግሎት ጥዕና ካቶሊካዊት ቤ/ክ 2019.07.02 ንጽንተት ዘይኮነ ንድሕነት ካብ ጻት ናብ ጻት ዝተሃንጻ ኣገልግሎት ጥዕና ካቶሊካዊት ቤ/ክ 

እምነተይ ወልደአብ ወልደማርያም እዩ! አባ ብርሃነመስቀል ተኽሉ ዐፅመ-ነጌ

ነዛ ሓረግ እዚኣ ዝበሉ ኣባ ብርሃነመስቀል ተኽሉ ዐፅመ-ነጌ ፍትሒ ይውጻእ ኤርትራ ናጽነታ ይወሃብ ብዝብል ጐስጓስ ተኸሲሶም ብገዛእቲ ኢትዮጵያ ምስ ተኣስሩ ‘ሃይማኖትኩም እንታይ እዩ’ ኢሎም መርመርቲ ምስ ሓተትዎም ብትብዓት ዝመለሽዎ ቅኔ ሓዘል ሓረግ እዩ። እቲ ቀጥተኛ ትርጉሙ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ብጉዳይ ናጽነት ኤርትራ ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ይብሉ ስለዝነበሩን ድሮ ብረታዊ ቃልሲ ተጀሚሩ ንምዅላፉ ብዙሕ ዓመጽን ዘስካሕክሕ ግፍዕን ምቅጻል ዓድታትን ጃምላዊ ሕልቂትን ዝረኣየሉ ዝነበረ ግዜ እዩ። እታ ካልአይቲ ትርጉማ ከኣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ እግዚአብሔር ኣብን ወዲ ድንግል ማርያምን ብዝብል ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን ኢላ ንእትኣምን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንምግላጽ ካቶሊካዊ እየ ንማለት ነበረ።
ብድምጺ ንምክትታል!

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅንያቱ ቅዱስ ሚካኤል ሰነ ኣብዒልካ ካብ ፀሓይካን ዝናምካን ንዓና ዝኸውን ሃበና ጐይታየ ኢልካ ግራትካ ኣዋዲድካ መዓንጣኻ ሸጥ ኣቢልካ ቆልዓ ሰበይቲ ኣኸቲልካ ብተስፋ ትዘርእሉን ግራትካ ካብ ባልዕ መሬትን ሰማይን ንምክልኻል ተጊህካ እትሕልወሉን ዘመን ሕርሻ የዘኻኽር። ኰይኑ ግን ግዜ ብዝፈጠሮ ከምቲ ጋዜጠኛ ተኽለ ኣንዋር ‘ኣቱም ሰባት’ ክብል ናብ ንቡር ክንምለስ ዝጽውዕ ኣንቱም ሰባት ዘብሉ መንእሰያትና ክንዲ ከምቲ ናይ ኣቦታቶምን ኣደታቶምን ኣብ ሕርሻ ሓላል መሬት ዝወፍሩ ድሕሪ መጋረጃ ኰንካ ኣብ ጸለመ ዝወፈሩ ኣጸጊሞምና ገለ በሉና ስለዝበሉ ከም ሓቁ እኳ ኣይመዋዕልትና ኣይመዛርብትና ኢልና ክንሓልፍ ዝምረጽ እንተኾነ ብዙሓት ዘዕበናዮም ስለዝኾነ ናይ ውሉድ ነገር ኰይኑና ብዛዕባ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ቁሩብ ክነመልክት ተገዲድና።

እዞም ኩነታት ኣገዲድዎም ፈቀዶኡ ተዘርዮም ዘለው ደቂ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣብ ልዕሊ እታ ቤተክርስትያንን ልኡካንን ዝበሃል እሞ ስምዑዎ ኣባቴ ኤሎም ነቲ ኩሎም ኣብ ዘመናዊ መራኸብቲ ሓፋሽ ዘሎ እርይ ቊጽር ኣቢሎም ሰዲዶምለይ ርእየን ሰሚዔን ገሪሙኒ። ካብ ኩሉ ጸለመ ብጸለመኡ መሠረት አልቦ ዓጽሚ ቅዱሳን ኣቦታትና ዝትንክፍ ተራገም እኳ ዘብል እንተኾነ ኣሠር መምህሮም ተኸቲሎም ብብርቱዕ ጻዕርን ሰማዕትነትን ዝኰስኰሱና ግን ነቲ ‘ደቂ እቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ምእንቲ ክትኮኑ ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ ምእንቲ እቶም ዘሳድዱኹም ጸሎት ግበሩ’ (ማቴ 5.25) ዝብል ቃል ጐይታ ስለዘስረጹልና እግዚአብሔር ኣብ ልቦም ይምልሶም ንብል።

ሓደ ካብቲ ዝሰደዱለይ ዓለም ኣይትጹርኒ ዝብል ዝመስል ሓደ መንእሰይ ሻቦጥ ሒዙ ነዛ መሬት እናተሳሃላ ውጻእ ተስፋጸን እናበለ ጋኔን ዘውጽእ ክመስል ይግዕር። ብከምኡ ብቀሊሉ ዝወጽእ ጋኔን እንተዝኸውን ንኩልና ምሓሸ ነይሩ። ምናዳ ነዞም ንጸለመን ንምቚንጻብን ምናዳ ኸኣ ኣብ ድሕነት ነፍስን ሥጋን ንዝተወፈያ ትካላት ከምኡ ጌርካ ምዝላፍ ዘዀለሰካ ኢድ ምንካስ ይመስል።

መልስን ግብረ መልስን!

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ነቲ ካብ ነፍሲ ኣድሕን ጀሚርካ ክሳብ ዝለዓለ ሕክምና ካብ ጻት ናብ ጻት ሃይማኖት ወገን ዓሌት ከይፈለየ ብሕልና ብጽፈት ኣገልግሎት ዝህብ ዝነበረ ትካላት ጥዕና ጸላኢ እኳ ብዘይገበሮ ኣገባብ ንምህጋር ንዝተሃንደዱ ኣይፋልኩም ካቶካዊት ቤተክርስትያን ንሰብ ብነፍስን ብሥጋን ክትረድእ ከምቲ ለኣኺኣ ሓደራ ኢሉ ዝተላበዋ ንጥሙይ ክትዕንግል ንጽሙእ ከተጥልል ንሕሙም ክትፍውስ ንዝሓዘነ ክተጸናንዕ ኮታስ ሸሸውዓተ ነጥብታት ዝሓዛ ናይ ነፍስን ናይ ሥጋን ናይ ምሕረት ሥራሕ እዩ ተልእኮኣ እንተበለት፥ ከምቲ እንግሊዛውያን ንከልቢ ክትሓንቆ እንተደሊኻ መጀመርያ ሕማቅ ሽም ሃቦ ደሓር ሕንቆ ዝብልዎ ባዶ ሰለስተዶ ባዶ ሽድሽተ እናበልካ ዝግበር ወፈራ ጸለመ ግዜኡ በጺሑ እቲ ሓቂ ምስ ተጋህደ ክፍለጥ እዩ። ከምቲ ኣበው ዝምስልዎ ነገሩ ‘ሓሶትን ስንቅን እናሓደረ ይፈኵስ’ ስለዝኾነ ኣይንህወኸሉን።

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን!

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን መአስ ጀሚራ ንዝብል ሕቶ ምስቲ በዓላቶም ብሃርያ ጉብኤ በዓለ ቅዱሳን ጴጥሮስን እንዝክሮ ‘ንስኻ ከውሒ ኢኻ ኣብዛ ከውሒ እዚኣ ከኣ ቤተክርስትያነይ ክሃንጽ እየ’ (ማቴ 16.18) ጀሚራ ኣብ ምድሪ ሓበሻ በቲ ብሓዋርያ ፊሊጶስ ዝተጠምቀ ህጽዋ ሕንደኬ (ግሐ 8.27) ብቅዱስ ኣቡነ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ብትሥዓቱ ሮማውያን ቅዱሳን ኣብ ሻድሻይ ዘመን ኣብ መጨረሻ ከኣ ሕዳሴ ብቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ዩስጢኖስ ብውረድ ተዋረድ ዝመጸት እያ።

ኣብ ጒዕዞ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ከምቲ ንመምህራ ዘጋጠመ ማለት ካብቶም 12 ሓዋርያት ሓደ ክርዳድ ኰይኑ መንገዲ ጥፍኣት መሪጹ ንመምህሩ ኣሕሊፉ ዝሃበ ኩሎም ልኡኻታ ጽሩይ ስርናይ ኣይኮኑን። ሓሓሊፉ ክርዳድ ኣይሰኣንን። ምስ ግዜዚ ሕገ ቀኖናን ካልእ ስርርዓትን ምስ ማዕበለት ከኣ ነቶም ከምዚ ዚኣመሰለ ጠባያት ዘርእዩ ነናይ ዘመኑ ይሁዳታት ወይ ክርዳድ ንበሎም ክትውግዝ ኣይውክሉናን እዮም ክትብል ተረኺባ እያ።

ዘመነ መግዛእቲ ጣልያንን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራን!

መግዛእቲ ቱርክን ናይ ሓጸይ ቴድሮስ ተቃውሞን ናይ ማህዲስት ወራራትን ነናቱ ቦታ ሃልይዎ እታ ብሰንኪ ካቶሊካውቲ ቤተክርስትያን መግዛእቲ ጣልያን ኣትያ ትበህል ክነተኩር። ኣብ ዘመነ መግዛእቲ ጣልያን ከም ኩሎም ኤርትራውያን ኤርትራዊ ካቶሊክ ምናዳ ውሉደ ክህነት ክሳብ ምሥጢረ ኑዛዜ ክፈትሑ ዝተገደዱ ንእዝጊ ሒዞም ግን ንኩሉ ኣደራዕ ዝሓለፉ ጀሚርካ ድሕሪ ብርቱዕ ፋሽሽታዊ ሌላን ጉሌላን መግዛእቲ ጣልያን ተሓሊፉስ ብ1930 ዓም ቀዳማይ ጸሊም (ንምሉእ ሓበሻን ኣፍሪቃን ዝውክል) ጳጳስ ኣቡነ ኪዳነማርያም ክሳብ ምሻም ዓቢ ዋጋ ዝኸፈለት እያ።

እቲ ዘገርም ዘዝመጸ መግዛእቲ ነዛ ቤተክርስትያን እዚኣን ትካላትን ክዓጹን ክህግርን ምህንዳዱ ኮይኑ መግዛእቲ ጣልያን ንኤርትራ ጐቢጡ ምስ ሓዘ ቀዳማይ ገዛኢ ዝነበረ ሜጀር ጀነራል ጋንዶልፊ ኰይኑ ካብ 1890-1892 ዝነበረ ተቀዳዲሙ ኣብ ምጽዋዕ ብደናግል ደቂ ፍቅሪ ዝካየድ ዝነበረ ድኻታት ዝምገቡሉ ዘኽታማት ዝእለዩሉ ከምኡ እውን ቤትትምህርቲ ዓጸወ።[1] ኣብ ርእሲ እዚ ነቲ ግብረሠናይ ዝወጽእ ንዝነበረ ኣብ 1888 24,000 ፈረንካ ፈረንሳ ንዝነበረ ብ1891 ናብ 6,000 ፈረንካ ፈረንሳ ከምዘንቈልቈል ገበረ እሂ ደኣ እንተበልካ ካልቶካዊት ቤተክርስትያን ተጻይ መግዛእቲ ጣልያን ስለዝተፈረጀት ዝብል ምኽንያት ተዋህበ።[2] ዝገደደ ዓመጽ ከኣ ንመንበረ ጴጥሮስ ነቶም ብመሪሕነት ኣብ ፈረንሳ እትርከብ መራሒት ማሕበረ ልኡካን ብካልእ ናይ ጣልያን ክትክኡ ቀድምነት ኣገልግሎት ከኣ ኣብኡ ንዝርከቡ ጣልያን ክወሃብ ኣገደዱ።[3]

ምስጓጒ ፈረንሳውያን ልኡካነ ወንጌል!

ቀጺሎም ብምኽንያት ሠውራ ደግያት ባህታ ሓጐስ (ኣባ ጥመር) ፈረንሳውያን ዘበሉ ልኡካን ብዘይ ምንም መርተዖ ተደናገጽቲ ተባሂሎም ተሓግሒጎም ክወጹ ብምእዛዝ ብ1895 ኣሰናበትዎም። መርትዖ እንተረኸቡ ኢሎም ኣብ ከረንን ምጽዋዕን ኣብ ኣኽሩርን ንዝርከብ ዝነበረ መንበሪ ማሕበረ ልኡካን ብሓደ ዕለት ብሓደ ሰዓት ብሓይሊ ብምእታው በርበርዎ ምንም ግን ኣይረኸቡን።[4]

ጽንዓት አባ ክፍለማርያም!

ብሳልሳይ ደረጃ ኣባት ነፍሲ ደጊያት ባህታ ሓጐስ (ኣባ ጥመር) ዝነበሩ ካቶሊካዊ ካህን ኣባ ክፍለማርያም ንዝበሃሉ ኣሲሮም ብዛዕባ ደጊያት ባህታ ሓጐስ ዝፈልጥዎ ዘበለ ክነግሩ ብርቱዕ መርመራ ገበሩሎም ንሶም ግን ካቶሊካዊ ካህን እሞ ከኣ ኣባት ነፍሲ ይመውት ይሥዋዕ ደኣ እምበር ምሥጢር ኣይነግርን ኢሎም ምስ ኣቅበጹ ንሞት ተፈርዱ ደሓር ግን ዓገብ ዝብሉ ግዲ ረኺቦም ንምሉእ ሕይወቶም ኣብ ዓሰብ ክሕየሩ ተፈርዱ። አባ ክፍለማርያም ፍርዶም ተቀቢሎም ንክሕየሩ ካብ ሰገነይቲ ጥራሕ እግሮም ድሕሪ በቕሊ ተኣሲሮም ብልዕሊ እሾዅ በለስ እናተጐተቱ ንባጽዕ ወረዱ። እዚ ሥቃይ እዚ ናይ መሬት ኣቀማምጣኡን እሾዅ በለሱን ምስቲ ቅልጣፌ ዝጐታኦም ዝነበራ ኣባቕል ንክልተ መዓልቲ ቀሊል ኣይነበረን። ድሕሪ መሪር ጒዕዞ ናይ ክልተ መዓልቲ ባጽዕ በጺሖም ካብኡ ኣብ ዓሰብ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ተኣሲሮም ናብ ፍሉይ ቦታ ጽምውን ርሑቅን ውሰድዎም ተባሂሎም ናብ ዋስደምባ ተወሲዶም ኣብኡ ዓሪፎም መቃብሮም ኣብኡ ኣሎ።[5]

መሰል ግሂሱ መሰል ዝኸልእ ናይ ትማሊ አዋጅ!

ራብዓይ ግፍዒ ፋሽሽታዊ ጣልያን ካብ 1890 ዓምፈ ንሃገረ ኤርትራ ከም ግዝኣቱ ካብ ዝእውጅ ዝኾነ ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝውነን ንብረት ምንም ሕጋዊ መሰልን መሠረትን ብዘይብሉ ንግዚኡ ንክጥቀሙሉ ጥራይ ይኹን ዝብል ኣዋጅ ኣዊጁ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ ኣብ መደካን ሽናራን ዝነበረ ሰፊሕ መሬት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብ1894 ዓምፈ ተሃጊሩ ካብ ሃገረ ጣልያን ዝመጹ ጐበጥቲ ተዋሂቡ።[6]

ብሓምሻይ ደረጃ ኣብ ከረን ዝነበረ ገዛኢ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ምንም ከይትገብር ብምእጋድ እቲ ኮሚሳርዮ ኣብኡ ዝነበረ ክሳብ ኣብቲ መዕበይ ዘኽታማት ኣትዩ ነቶም ኣብቲ ግዜቲ ከም ባርያዩ ዝሽየጡን ዝልውጡን ዝነበሩ ዘድሓንዎም ክልተ መንጢሉ ናብ ጐይቶቶም ከምዝመለሰ ኣውን ኣባ መቶድዮ ይትርኹ።[7]

ነቶም ንካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዘድመዩ ደም እቶም ሰማዕታት ውሒጥዎም!

መግዛእቲ ፋሽሽታዊ ጣልያ ኣፓርታይድ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃስ ይኹን ኣብ ካልእ ሃገራት ከይሳዕረረ ናይ ኤርትራ ኣፓርታይድ ከመይ ከምዝነበረ ብዝተፈላለየ መራኸቢታት ተዘንትዩ ተጽሒፉ ተደሪፉሉ። ኤርትራዊ ገዛእ መሬቱ ከይረግጽ ከም ሰብ ከይረኤ ነቲ ሕስም ብዙሓት ገሊጾሞ። ብልሙድ ኮሚሽታቶ እንብሎ ካምፖ እስታቶ ሓበሻ ኣይሽንኳይ ክረግጾ ብማዕዶ ክጥምቶ እኳ ዘይፍቀደሉ ግዜ። ገለ ከባቢታት ሓበሻ ጨሪሱ ተወዝ ክብለሉ ዘይነበሮ ክሳብ ኣብቲ ቤት ኣምላኽ ዝኾነ ኩሉ ፍጡር ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ማዕረ እዩ ዝበሃለሉ ኣብያተ ክርስትያን ከይተረፈ ፍልልይ ነሩ። ኤርትራዊ ወደባት ካብ ራብዓይ ክፍሊ ንላዕሊ ከይመሃር ኣዊጆም ኣርባዕተ ናይ ቊጽሪ መደባት ማለት ምድማር ምቅናስ ምርባሕ ምክፋል ክሓልፍ የብሉን ኢሎም። ክሳብ ሳእኒ ክወድዩ መሰል የብሎምን ዝብል ግህሰት ነሩ።

ኰይኑ ከምቲ ኣቡነ ኣብርሃ ኣብ በዓለ ቅዱሳን ሓዋርያት ጴጥሮስን ጳውሎስን ዝበልዎ ‘ሕዝብና ተቀባል ጋሻ እዩ።’ ወላ ነቲ ክሓርዶን ከጥፍኦን ከጽንቶን ንዝመጸ ከም በዓል ጒዲት መሓመድ ግራኝ ከምዝተቀበሉ ደም ሰማዕታት ውሒጅ ኮይኑ ነቶም ከጥፍኡ ዝሓሰቡ ከምዝወሓጦም ዝሰበኽዎ መግዛእቲ ጣልያን እውን ማስጣ ኩሉ በጺሕዎም ብ1941 ዓምፈ እንግሊዛውያን ሓግሒጎም ኣውጽኦም። ከባቢ ከረን ናይ ጥንቚልሓስ ውግእን ህድማን ሞትን መቊሰልትን ሽንፈትን ከዘንትውዎ ከሎ ዘገርም እዩ።

ዘመነ መግዛእቲ እንግሊዝ!

እቲ መቐረቱ ዘይውዳእ ባህሊ ዓድና ናዕዳን ወቐሳን ከም ዳእላን ምቚር መሕለፍ ግዜን ዝወስዶ ‘ኣዲኣ ዶ ሓውትኖኣ ይሕሻ’ ኢለን ጎርዞታት ንመርዓት እንዳ ወዲ እንክትኣቱ ዝሳሃልዋ እዚኦም ሓደ ካብቲ ሓደ ዘይሕሹ ኰይኖም ነቲ መግዛእቲ ጣልያን ነበርቲ መሲልዎም ካብ ደቂ ኣባት መንዚዖም ዶማንያለ መሬት መሬት መንግሥቲ እናበሉ መገበቲ ሃብቲ ክኾኖም ዝተኸልዎ ሕርሻስ ይኹን ፋብሪካ ክሳብ እታ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ኣፍሪቃ ዝተተኽለት ካብ ኣሥመራ ንባጽዕ ኣቊሑት ተመላልስ ዝነበረት ተለፈሪካ እትበሃል ብሰማያ ሰማይ ሸተት ተብል ዝነበረት ሓጺነ መጺን ከይተረፈ ለይትን መዓልትን ኣግዒዞም ወሰዱ።

ንካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ እዚኦም እውን ኣይቀደውዋን ብሱዳን ብምእታዎም ብናይ ሎሚ ኤጳርቅና ባረንቱ ጀመሩ። ኣብኡ ምዕብል ዝበለ ማእከል ወይ መዋፈሪ ስብከተ ወንጌል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ይረኽቡ። ኣላታን የብላን ይህግርዎ ቅንይ ኢሎም ከይሓፈሩ ናይ ኤርትራ ማእከል ፖሊስ ይገብርዎ።[8]   

'ዲቪደ ኤት ኢምፐራ' ማለት ከፋፊልካ ግዛእ!

እንግሊዛውያን ዝፍለጡሉ ነቲ ‘ካብ ክፉእ ዝገብሩኻ ክፉእ ዝምህሩኻ’ ዝብል ምስላ ሃገርና ዘመልክት ሮማያውን ማዕረ እዝጊ ርእሶም ክሰርዑ ኣብ ዝፈተኑሉ ግዜ ግዝኣት ምስ ሰፍሐ እቲ ዝገዝእዎ ናብኦም ከየቅልብ ነንሕድሕዱ ክባላዕ ዲቪደ ኤት ኢምፐራ ማለት ከፋፊልካ ግዛእ ዝብል ሰይጣናዊ ስልቲ፥ እንግሊዛውያን እውን ኣብ ዝኸድዎ እንክጥቀመሉ ኣብ ኤርትራ ግን ከም ሕማም መንሽሮ ኰይኑ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ዘሳቅየና ብቀቢላን ብከባብን ብሃይማኖትን ንክበታትኑ ብዙሕ ምክፍፋል ከምዘእተው ዝዝከር እዩ። ሓደ ካብዚ ንካቶሊዊት ቤተክርስትያን ከተውድቅ እንተዀይኑ ሰላሕታዊ ብዝኾነ መንገዲ ከንሻ ነእቱ ንጐስጒስ ኢሎም ነቲ ገርሂ ዝኾነ ሕዝብና ኣብ ሓደ ክርስቶስ ንዝኣምን ምእንቲ ክመቃቅሉ ብውሽጢ ውሽጢ ብዙሕ ገሮም።[9] ካልእ ናይ ኣውራጃታት ምክፍፋልን ዝገደደ ከኣ ደርጊ እውን ዝተጠቅመሉ ቆላ መታሕት ዝብል ምስ ሱዳን ክቊረን ዝብል ሰይጣናዊ ክፍፍል ኣብ ኤርትራ ንምትእትታው እምነት መታሕት እስልምና እዩ ዝብል እውን ኣታኣታትዮም። እዚ ኩሉ ብሓፈሻኡ ንኤርትራ ንምሕቃቅ እኳ እንተኾነ ኣብ ክርስትያንን ኣስላምን ካቶሊኽን ከንሻን እናበልካ መቃቂልካ ብሓንሳብ ንከይትሓድር ነበረ።

ብዝኾነ እዚኦም እውን ግዜኦም በሊዖም ሓለፉ። እቲ ዝዘርእዎ መርዚ ግን ክሳብ ሎሚ ዘዝመጸ ዓማጽን እምባገነን ገዛእን እናተጠቅመሉ ገና ዝተመሃርናን ዝተሰቈረናን ኣይመስልን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነት ምስ ኢትዮጵያ ፈደረይሽን ዝብል ተበጺሑስ ሓጸይ ሃይለሥላሴ ደበኽ በሉ።

ዘመነ ሓጸይ ሃይለሥላሴ!

እቲ ታሪኻዊ ትንተና ንሊቃውንቲ ገዲፍና ዘመነ ሓጸይ ሃይለሥላሴ ብቀንዱ ነቲ ናይ እንግሊዝ ምክፍፋል ተኸቲሉ ንካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ  ምስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኣፋጢጥካ ካቶሊካዊ እምነት ናይ ደቂኣባት ማሕበረ ክርስትያን እምነት ኣይኮነትን ውንጭቅ ውንጭቅ ክትብል ብሒላብ ጃልባ ብፋሽሽቲ ጣልያን ዝመጸት እያ ዝብል ጐስጓስ ብምክያድ ማሕበር ኣንድነትን ሕብረትንዶ ክርስትያንዶ ኣስላምዶ እናበለ ኣብዚ እውን ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብሰላሕታስ ይኹን ብግህዶ ብዙሕ ወራራት ተኻዪዱ።

ኣብ ዘመነ ሓጸይ ሃይለሥላሴ ብቐንዱ እቲ ዝተገብረ ምጽንባር ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ማለት ምፍራስ ፈደረይሽን ብብዙሓት ቀልቢ ዘለዎም ስለዘይተዋሕጠ እቶም ኣብ ዓውዲ ፖሎቲካ ዓደይ ዓደይዶ ሕብረትዶ ኣንድነትዶ ኤርትራ ንኤርትራውያንዶ ኣል ራቢጣዶ ማሕበር ሸውዓተዶ ኣብ ዝበሃል ዝነበረ ምንቅስቃሳት ከም ዓለሞም ዝተዋስኡ ካቶሊካውያን ብዙሓት ነበሩ ኰይኑ እቶም ብትምህርቲ ዝበሰሉን ዝመጽእ ዝሕሞምን ዝነበረ ካህናትና መነኮሳትን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብሕጊ ቤተክርስትያን ኣብ ምንም ፖሎቲካዊ ምንቅስቃስ ክሕወሱ ስለዘይፍቀደሎም ኣብ ቦታኦም ኰይኖም ዓገብ ክብሉን ሕብረተሰብኣዊ ትምህርቲ ቤተክርስትያንን ዓው ኢልካ ምምሃር ጥራይ ነበረ። ልዕሊ እቶም ብረት ዓጢቆም ዝጋደሉ እዚኦም ተባዓት ኣቦታት እዚኦም ስለዝመረርዎ መግዛእቲ ሓጸይ ሃይለሥላሴ ብዛዕባ ፍትሕን መሰልን ናጽነት ወዲሰብ ዝሰበኸን ዝመሃረን ወይልኡ ዚዓይነቱ ከጒባዕብዕ ጀመረ። ምፍርራህ ሓሊፉ በብሓደ ክቅፍድ ከሳድድ ጀመረ።

ብዙሕ ቊምስናታት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ምናዳ ኣብ ከባቢ በጐስ ምስ ሓርነታዊ ብረታዊ ቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራ ብምትሕሓዝ ከም ጸላእቲ ተራእየን ዝተራሰያ ዝነደዳ ብ1970 ብፁዕ ኣቡነ ኣብራሃ ፍራንሷ ንመንበረ ሮሜ ዘመሓላለፍዎ ጸብጻባት ይሕብር። ብዓቢኡ ድሕሪ ምፍራስ ፈደረይሽን ‘ሓርነት ተመንየ ልምን ኣቢለ ብኢዱ ስሒበ ናብ ቤተይ ኣእትየዮስ ሕሉፍ ሓሊፍዎ ናይ ሕይወት ደቀይን ኣዲኦምን ናብ ሕይወተይን ንብረተይንዶ ምተበጸሓኒ ሓውይ! ቈርበቱ ረቒቑ ብዅሪ ወደይ እንተተጠማመቶኸ ማዕረ ክንድዚ ዘጨኻክን እንታይ ነበሮ። ጽልእን ቂምን በቀልን ወሪሱና ብደም ሓውና ሰኺርና ነዕበድብድ ኣሎና። ብዘኢ ኸኣ ኣምላኽ በዓል ነገርና ኰይኑ ከይጠብእ ቀልጢፍና ንተዓረቕ። ዓዳቦ ሓላፍነተይ መሰለይ ብቋንቋንኡ ሕዝቢ መንግ ጓስዩ ይኽእሎ ቢሎም ሓላፍነተይ መሰለይ ምሳለይ ዝበሃል ኣብ ዓድና ከይስማዕ ኣዊጆም ሓርነት ኣሕዋት ቀበሩ፣ ሓርነት ደቂ እግዚአብሔር ዝስምዖ ሰብ ንሕሰም ካብ ክግዛእ ብሕሱም ክቕተል ይቐርብ።’እንክብሉ ኣትሪሮም ተዛሪቦም ነሮም።

ብፁዕ ኣቡነ ኣብርሃ ፍራንሷ ብ1971 ዓምፈ ኣብ ንግደት ቅዱስ ሚካኤል ከረን!

ብዓቢኡ ድሕሪ ህልቂት ዖናን በስክዲራን ብፁዕ ኣቡነ ኣብርሃ ፍራንሷ ብ1971 ዓምፈ ኣብ ንግደት ቅዱስ ሚካኤል ከረን ዘቅረብዎ ታሪኻዊ ስብከት ‘ኢትዮጵያ ቀደም ሃገር ክርስትያን እያ ይበሃል ነበረ። ከመይ መራሕቱ ክርስትያን ስለዝነበሩ። ሎሚ ግን መራሕቲ ኢትዮጵያ ሥራሕ ክርስትና ሓድጎም ተግባር ኣረምነት ክፍጽሙ ይርከቡ ኣለው። ካልእስ ይትረፍ እቲ ኣይትቅተል ዝብል ትእዛዝ ኣማልኽ እኳ ጠፊእዎም። ሠራዊት ኢትዮጵያ ቘልዓ ሰበይቲ ቐቲሎም ኣናብስ ዝቐተሉ ክመስሉ እናፈከሩ። ኣንበሳ ገዳይ እናበሉ ኣትዮምና። ነዚ ዝገበሩኸ ኣብ ምንታይ ኣሚኖም እዮም! ኣብ ፈረስ! ኣብ ብረት! ኣብ ሓይሊ! ኣብ ጉልበት! ነዚ አሚኖም እንተዀይኖም ኣንታ በዓል ፈረስ ብፈረስ ኣይትመካሕ ክዕንቀፍ እዩ! ኣንታ በዓል ብረት ብብረትካ ኣይትመካሕ ክሕንግድ እዩ! ኣንታ ብዓ ጒልበት ብሓይሊ ጒልበትካ ኣይትመካሕ ክደክም እዩ። ካብዚ ሓይሊ እዚ ሓይሊ እግዚአብሔርን ሓይሊ ሕውነትን ይሕሸካ። ሓውኻ ናይ ዝቀተልካ ዝተዓወትካ ኣይምሰልካ። ብሞቱ ሓውኻ እዩ ረቲዑካ። ብስም እግዚአብሔር ንብለኩም ኣሎና ኣይትቕተሉ| ኣይትቕተሉ! ኣይትቅተሉ!’ ክብሉ ተረኽቡ። እዚ ብዓቢ ትብዓት ዝሰበኽዎ  ሓቀኛን ፍትሓውን ስብከት ንመላእ ሕዝቢ ኤርትራ ኣስላሙ ክርስትያኑ ዘተሓባበረን ንቃልሲ ሓርነት ቈሪጹ ከምዝለዓልን ዝገበረ ኣጋጣሚ ነበረ።

ገድሊ ካህናትን መነኰሳትን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን!

ነዛ ዓንቀጽ እዚኣ ከም ኣርእስቲ መሪጽያ ዘሎና ‘እምነተይ ወልደኣብ ወልደማርያም እዩ’ እትብል ሓረግ ዝበሉ ኣባ ብርሃነመስቀል ተኽሉ ዐፅመ-ነጌ ሓደ ካብኦም ኰይኖም ብዙሕ ግዜ ተኣሲሮም እዚ ዘይበሃል ግፍዒ ወሪድዎም ክሳብ ሃለዋቶም ዘጥፍኡ ምቅጥቃጥ ሓሊፎም ንሞት እውን ተፈሪዶም ነበሩ ግን ነዚኦም እውን ከምቲ ናይ ኣባ ክፍለማርያም ኣብ ዘመነ መግዛእቲ ጣልያን ገለ ዓገብ ዝብሉ ተረኺቦም ጽሉል እዮም ኢሎም ኣብ ናይ ቤት ማሕዩር ካብ ኣሥመራ ተንከስ ከይበሉ ክነብሩ ተፈሪድዎም ክሳብ ዕለተ ዕረፍቶም ካብ ገዳም ዘርአ ክህነት ኣሥመራ ተንከስ ከይበሉ ነዚ ኣይትርኣዩ ኣይትስምዑ ኢልዎም ቀቅድሚ ናጽነት ዓሪፎም ኣብ ዓዶም መጻሉ ደቀምሓረ ኣኰለጉዛይ ተቀቢሮም። ብሕሱም ዝተሃድኑን ዝተኣሥሩን መነኰሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ነፍሰኄር ኣባ ኣጐስጢኖስ ተድላ ኣባ ማሲሞ ተወልደ ነፍሰኄር ኣባ ኤፍረም ተድላ ወዘተ ምስ መረሮም ንቤተክርስትያን ኣሰናብትና ኢሎም ብረቶም ኣልዒሎም ንገድሊ ዝተጸምበሩ ስውእ ተጋዳላይ ዶክተር ኣባ ይስሓቅን ካልኦትን ኣብ ቀጻሊ መደብና ክነቅርቦ ኢና።

ይቅጽል  

 

[1] Kevin O’Mahoney, “The Ebullient Phoenix”. A History of the Vicariate of Abyssinia (vol. 1). Asmara: Ethiopian Studies Centre 1992, p.68

[2] Ibidem.

[3] Ibid., 75,78

[4] Ibid., 83

[5] Ibid., 84

[6] Ibid., 77

[7] Metodio da Nembro, “La missione dei Minori cappuccini in Eritrea” (1894-1952), edizioni Ist. Storico dei Cappuccini collana Biblioteca seraphico-capuccina, 1953. 45.

[8] Ibid., 243

[9] Ibid., 148

02 July 2019, 15:44