ንናይ ኡክራይን ናይ ቢዛንታይን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መንበረ ጳጳስ ቅዋሜ ኣብ ኢጣሊያ ንናይ ኡክራይን ናይ ቢዛንታይን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መንበረ ጳጳስ ቅዋሜ ኣብ ኢጣሊያ 

ንናይ ኡክራይን ናይ ቢዛንታይን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መንበረ ጳጳስ ቅዋሜ ኣብ ኢጣሊያ

ናይ ግክሪስ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኡክራይን (ናይ ቢዛንታይን ስርዓት እትኽተል) ብዝብል ወግዓዊ መጸውዕ እትፍለጥ ኣብ ኢጣሊያ ዝቕመጡ ናይ ቢዛታይን ስርዓት ሰዓብቲ መእመናን ተወለደቲ ኡክራይን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቢዛንታይን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኡክራይን (ብወግዒ ናይ ግሪክ ስርዓት  እትኽተል ዝብል መጸውዕ ዘለዋ) ኣብ ኢጣሊያ ንዝቕመጡ ምእመናን እታ ቤተ ክርስቲያን መንበረ ጳጳስ ከምዘቖሙ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ክሕብር እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ነቲ ሓዋርያዊ መስተናብር ኣብ ኢጣሊያ ንዝቕመጡ ናይ ቢዛንታይን ስርዓት ንናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኡክራይን ንናይ ሰበኻ ሮማ ንቕዱስነቶም ሓፈሻዊ ሓዋርያዊ ተራዳኢ ንሰበኻ ሮማ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ዶናቲስ ከምዝሰመይዎም መግለጺ ቅድስቲ መንበር ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ግክሪስ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኡክራይን (ናይ ቢዛንታይን ስርዓት እትኽተል) ብዝብል ወግዓዊ መጸውዕ እትፍለጥ ኣብ ኢጣሊያ ዝቕመጡ ናይ ቢዛታይን ስርዓት ሰዓብቲ መእመናን ተወለደቲ ኡክራይን ኣብ ኢጣሊያ ምእታው ዝጀመሩ ቅድሚ 20 ዓመታት ክኸውን እንከሎ፡ ንኣኣቶም ኣገልግሎት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ናይ ምቕራብ ሓላፍነት ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብዛዕባ ስደተይናታ ንዝከታተል ቤት ጽሕፈት ተዋሂቡ ከምዝጸንሔን ንናይ ኡክራይን ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳስ ሓዋርያዊ ወኪል ኣብ ኢጣሊያ ናይ ምእመናን ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኡክራይን ብፁዕ ኣቡነ ዲኦኒሲኦ ላቾቪችዝ ከምዝዀኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ይሕብር።

ሎሚ እታ ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምእመናን ኣብ ኢጣሊያ ኣብ 145 ማሕበረሰብ ዝተወደበት ብጠቕላላ 70 ሺሕ ምእመናን እትሓቁፍ ከምዝዀነትን ብ 62 ካህናት መንፈሳዊ ድጋፍ ዝወሃቦም ከምዝዀነን ናይ ኤክሳርካጦ መንበር ኣብ ሮማ ዝርከብ ቁምስና ቅዱሳት ሰርጆን ባኮን ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ንናይ ኡክራይን ናይ ቢዛንታይን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መንበረ ጳጳስ ቅዋሜ ኣብ ኢጣሊያ

 

Photogallery

ንናይ ኡክራይን ናይ ቢዛንታይን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መንበረ ጳጳስ ቅዋሜ ኣብ ኢጣሊያ
11 July 2019, 17:52