ብፁዕን ጳጳሳት ፓናማ፡ ንሓድሽ ርእሰ ብሔር ሃገሮም ግልጽነትን ሓቅ ቅንዕናን ይሓትቱ ብፁዕን ጳጳሳት ፓናማ፡ ንሓድሽ ርእሰ ብሔር ሃገሮም ግልጽነትን ሓቅ ቅንዕናን ይሓትቱ 

ብፁዕን ጳጳሳት ፓናማ፡ ንሓድሽ ርእሰ ብሔር ሃገሮም ግልጽነትን ሓቅ ቅንዕናን ይሓትቱ

ብፁዓን ጳጳሳት ፓናማ እቲ ኣብ ፓናም ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ምልስ ቢሎም ብምስትውዓል እቲ ዓቢይ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኵነት ዘጸገዎ ተመክሮ ተጠቐምቲ ንምዃን ካብቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ መዓልቲ መንእሰያት ተረኺቦም ዝሃብዎ መርሕ ቃልን ስብከታቶምን ኩሉ ዘማእከለ ካብ 2019 ክሳብ 2022 ዓ.ም. ዝቕጽል

ህልው ኵነታት ፓናማን መደብ ሕንጸት ዛዕባ ስነ ጾታውን ርእየተ ፖለቲካዊ ጸቕጢ ዘለዎ ስነ ጾታዊ ዝምልከት መደብ ሕንጸትን ዛዕባ ህልው ኩነታት መንእሰያትን ዝምልከት ጉዳይ ዝትንትን መግለጺ ናይ ፖናማ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብወግዒ ከምዝቕረበ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣሊና ቱፋኒ ሓቢረን ኣተሓሒዘን እውን ናይቲ መግለጺ ማእከላዊ ሓሳብ፡ ግልጽነትን ቅንዕናን ሓቅን ዝብል ምዃኑ ኣፍሊጠን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መንግስቲ ምስ ኵለን በርገሳውያን ማሕበራት ዘተ ከካይድን፡ ጉዳይ ምህዳርን ናይ ሃገር ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ተጠቃምነት ክብ ንምባል ዝግበርን ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ናይ ምውጻእ ዕዮ ናይ ሰራሕተይናታት መሰልን ክብርን ናይ ተቐማጦን ደቀባት ሃገርን ኣፍሮፓናማውያን መሰልን ክብርን ዝግህስ ከይኸውንን ኣብ ሕግን ፍትሕን ኪደት ኣድልዎ ከይህሉን፡ ኣብ ውሽጢ ዜጋታት ምግምማዕ ዝፈጥር ፖለቲካዊ ኪደት ክውገድን ንውጹዕን ድኻን ዝተነጸለን ዝሓቁፍ ስርዓት ኣብ ምፍጣር ክዓዪ ሓደራ ዝበሉ ናይ ፓናማ ብፁዓን ጳጳሳት ኣስዒቦም፡ ኣብ ናይ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ናይ ሓባር ጥቕምን ውሑስ ኣብ ምግባር ዝዓዪ ክኸውን ከምእተላበዉ ቱፋኒ ሓቢረን።

መደብ ሕንጸት ዛዕባ ስነ ጾታ

ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም፡ ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ካቶሊክ ስነ ሕንጸት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ዘውጸኦ ሰነድ ዝጠቐሱ ናይ ፓናማ ብፁዓን ጳጳሳት፥ መንእሰይ ወለዶ ካብ ስነ ጾታዊ ዝምልከት ዝነዛሕ ዘዛብዕን ዘደናግርን ሕንጸት ክሕለው ካብ ተደናጊሮም ዘደናግሩ ዝተፈላለዩ ሓደስትን ተራባሕያንን ኢሓናጽያን መደብ ሕንጸት ገዛእ ርእሱ መታን ክከላኸል ነዚ ዘብቅዖ ሕንጸት ክረክብን ክሕገዝ ኣተሓሳሲቦም፡ ስነ ጾታዊ ሕንጸት ካብ ዝዀነ ይኹን ፖለቲካዊ ርእየት ጸቕጢ ናጻ ክኸውን እንክብሉ ጻውዒት ከምዘቕርቡ ዝሓበራ ቱፋኒ ኣስዒበን፡

ናይ ወሲብ ዓመጽ ገበን ንምግጣም ሓቅን ግልጽነትን

ብፁዓን ጳጳሳት ፓናማ ሃብትታትና ንምክልኻል ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ናይ 2016 ዓ.ም. ሰነድ ጠቒሶም፡ ብዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣብ ዝምልከት ጉዳይ፡ ቅድስቲ መንበር ዝሃበቶ መምርሒ መሰረት፡ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ኣብ ልዕሊ ዘይብሎም ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽ ንዝምልከቶ ኣካል ብቐጥታ ምሕባርን ክሲ ምቕራብን ከምዘድሊ ገሊጾም፡ እዚ ገበን እዚ ከይኽሰት ኵሉ ክተሓባበርን ሓቅን ግልጽነትን ዝመርሖ ኪደት ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ኣብ ፓናማ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ተመክሮ ተጠቃምነት ንምዃን

ብፁዓን ጳጳሳት ፓናማ እቲ ኣብ ፓናም ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ምልስ ቢሎም ብምስትውዓል እቲ ዓቢይ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኵነት ዘጸገዎ ተመክሮ ተጠቐምቲ ንምዃን ካብቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ መዓልቲ መንእሰያት ተረኺቦም ዝሃብዎ መርሕ ቃልን ስብከታቶምን ኩሉ ዘማእከለ ካብ 2019 ክሳብ 2022 ዓ.ም. ዝቕጽል ናይ ሰለስተ ዓመት መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንመንእሰያት ክብገስ ሓሳብ ኣቕሪቦም፡ ቅዋሜ ናይ ፓናማ ቅዱስ ዮሴፍ ዓቢይ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ምኽንያት ብፁዓን ጳጳሳት ዓመት ኢዮቤል ኣብ ፓናማ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ክካየድ ወሲኖም፡ እዚ ኸኣ ነቲ ቤት ትምህርቲ ውሉደ ክህነት ንምልላይን ናይቲ ዛዕባ መንእሰያት ዝመኸረ ሲኖዶስ ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ዘመሓላለፍዎ ክርስቶስ ህያው እዩ ዝብል ድህረ ሲኖዶስ ሓዋርያዊ ምዕዳን ክስትንትን ክትግበርን ዝድግፍ መደባት ንምክያድ ዝሓቀነ እውን ምዃኑ ቱፋኒ ይገልጻ።   

ብፁዕን ጳጳሳት ፓናማ፡ ንሓድሽ ርእሰ ብሔር ሃገሮም ግልጽነትን ሓቅ ቅንዕናን ይሓትቱ
06 July 2019, 17:48