ድለ

ኒካራጉዋ፡ ምእመናን ንብፁዕ ኣቡነ ኣልቫረዝ ካብ መጥቃዕቲ ሓውሲ ወተሃደራት ይከላኸሉ ኒካራጉዋ፡ ምእመናን ንብፁዕ ኣቡነ ኣልቫረዝ ካብ መጥቃዕቲ ሓውሲ ወተሃደራት ይከላኸሉ 

ኒካራጉዋ፡ ምእመናን ንብፁዕ ኣቡነ ኣልቫረዝ ካብ መጥቃዕቲ ሓውሲ ወተሃደራት ይከላኸሉ

ናይ ርእሰ ከተማ ማናጉዋ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኣውጉስቶ ብረነዝ ንብፁዕ ኣቡነ ኣልቫረዝ ቅርበቶምን ጸሎቶምን ኣረጋጊጾም፡ ምእመናን ንዘርኣይዎ ናይ ጓሳኦም ናይ ምክልኻል ተግባር፡ ጓሶት ምእንቲ መጓሰይ ገዛእ ርእሶም ኣሕሊፎም ኣብ ምሃብ ጸዋዕታኦም ዘበረትዕ እዩ

ኣብ ኒካራጉዋ ናይ ሰበኻ ማታጋልፓ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሮላንዶ ኣልቫረዝ ኣብ ከባቢ ሰበኻኦም ናብ ከተማ ተራቦና ኣብ ዝወስድ መገዲ እናተጓዕዙ እንከለዉ ኣብቲ ዝሓልፉሉ መገዲ ሓውሲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዓሪዱ ከምዝነበረ ዝረኣዩ ናይቲ ከባቢ ሓረስቶት ነታ ዝጓዕዙላ ዝነበረት ማኪና ዓጊቶም ካብቲ ኣብ ልዕሌኦም ክፍጸም ዝነበረ መጥቃዕቲ ከምዘድሓንዎም ተፈሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብፁዕ ኣቡነ ኣልቫረዝ እቶም ሓረስቶት ብንጹሕ ኣእዳዎምን ሰብኣውነቶምን ካብ ናይ ሞት መጥቃዕቲ ከምዘድሓንዎም ገሊጾም፡ ብማኪና እናተጓዕዙ እንከለዉ ኣብቲ ክሓልፍሉ ዝተረፎም መገዲ ተፈንጃሪ ቦምቢ ከምዝነበረን ካብቲ መገዲ ውጽእ ቢሉ ዝዓረደ ሓይሊ ሓውሲ ወተሃደራዊ ጉጅለ ከምዘሎ ዝረኣዩ ሓረስቶት ንዝመስከርዎን ንዘርኣይዎን ሓልዮትን ፍቕርን ንኢዶም፡ ሰላም ዝፈጥርን ዘድሕንን ፍቕሪ እዩ፡ ዘይጓንይን ወገነይ ወገንካ ዘይብል፡ ናይ ካልእ ሓሳብ ዘኽብርን ኣብ ሓቂ ዝኣምንን እዩ፡ ከምዝበሉን ነዚ ዝሰምዑ ናይ ርእሰ ከተማ ማናጉዋ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኣውጉስቶ ብረነዝ ንብፁዕ ኣቡነ ኣልቫረዝ ቅርበቶምን ጸሎቶምን ኣረጋጊጾም፡ ምእመናን ንዘርኣይዎ ናይ ጓሳኦም ናይ ምክልኻል ተግባር፡ ጓሶት ምእንቲ መጓሰይ ገዛእ ርእሶም ኣሕሊፎም ኣብ ምሃብ ጸዋዕታኦም ዘበረትዕ እዩ ኢሎም።

ምእመናን ንብፁዕ ኣቡነ ኣልቫረዝ ካብ መጥቃዕቲ ሓይሊ ሓውሲ ወተሃደራት ይከላኸሉ
19 July 2019, 17:55