ብፁዕ ኣቡነ ፐዚ መደብ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ፑቲን ናይ ዘተ ትእምርቲ እዩ እንክብሉ ይገል ብፁዕ ኣቡነ ፐዚ መደብ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ፑቲን ናይ ዘተ ትእምርቲ እዩ እንክብሉ ይገል 

ብፁዕ ኣቡነ ፐዚ መደብ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ፑቲን ናይ ዘተ ትእምርቲ እዩ እንክብሉ ይገል

ቅድስቲ መንበርን ፈደራላዊት ሩሲያ ካብ 1990 ዓ.ም. ክሌኣዊ ርክብ ዘበገሳን ካብ 2009 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ፈደራላዊት ሩሲያ ልኡከ መግስቲ መንበር ቆዩሙ ኣብ ሩሲያ እውን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ መንበር ቆይሙ ወግዓዊ ስነ ሜላዊ ርክብ ከምዘጸንዐ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 4 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣትዉ ናይ ፈደራላዊት ራሻ ርእሰ ብሔር ቭላድሚር ፑቲን ተቐቢሎም ከዘራረቡ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ሓላፊ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ዕለት 7 ሰነ 2019 ዓ.ም. ሓቢሮም ከምዝነበሩ ይዝከር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ካብ ዝተሓረዩሉ ዕለት 13 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ንነጀው እቲ ዕለት 4 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ምስ ርእሰ ብሔር ቭላድሚር ፑቲን ዘካይድዎ ርክብ ንሳልሳይ ግዜ ክኸውን እንከሎ፡ ቀዳማይ ርክብ ዕለት 25 ሕዳር 2013 ዓ.ም. እቲ ካልኣይ ዕለት 10 ሰነ 2015 ዓ.ም. ዝተኻየደ ርክብ እውን ከምዝነበሩ ይዝከር።

ቀዳማይ ርክብ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ኣብ 2013 ዓ.ም. ዕለት 13 መጋቢት ምስ ርእሰ ብሔር ፑቲን ዘካየድዎ ቀዳማይ ርክብ 35 ደቓይቕ  ዝወሰደ ግላዊ ዝርርብ ዝተኻየደሉ ከምዝነበረን፡ ብዛዕባ ኩነታት ሶሪያ ብሰፊሕ ዝተመያየጡሉ ርክብ  ከምዝነበረን

ካልኣይ ርክብ

እቲ ኣብ 2015 ዓ.ም. ካልኣይ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ መንበር ኣብ ዝርከብ ቤተ መዝገብ ዝተኻየደን ንሓምሳ ደቓይቕ ዝኣክል ብዛዕባ ቅድስቲ መንበርን ፈደራላዊት ራሻን ዘሎ ርክብን ብዛዕባ ኡክራይንን ማእከላይ ምብራቕን ሶሪያን ዒራቕን ናይ ሓሳብ ልውውጥ ከምዘካየዱ ይዝከር።

ነዚ መሰረት ብምግባር ኣብ ሞስኰ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፐዚ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብቲ ዝካየድ ርክብ ብርግጽ ብዛዕባ ሰላምን ምክልኻል ምህዳርን ዝብሉ ነጥብታት ከምዘይጐድሎ ርጉጽ እዩ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሞስኮ ምብጻሕ ከካይዱ ካብ ርእሰ ብሔር ፑቲን ብወግዒ ናይ ይብጽሑና ዕድመ ክቐርብ ተስፋ ኣሎ ይኹን ደኣ እምበር ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብቲ ናይ ርእሰ ብሔር ፑቲን ዝክረ ነገር ዘሎ ኣይመስለንን ኢሎም።

ብፅዕ ኣቡነ ፓውሎ ፐዚ ሜጥሮፖሊታ እመ ኣምላክ ሰበኻ ኣብ ሞስኮ፡ እቲ ኣብ ዕለት ኣርባዕተ ሓምለ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ መንጐ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ፈደራላዊት ሩሲያ ርእሰ ብሔር ፑቲን፡ ንኻየድ ዝተወሰነ ርክብ ብሓቂ ውዕዉዕ ስምዒት ከምዝፈጠረሎምን ናይቲ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ዝተበገሰ ክሌኣዊ ዘተ መቐጸልታ እዩ ቅድስቲ መንበርን ፈደራላዊት ሩሲያ ካብ 1990 ዓ.ም. ክሌኣዊ ርክብ ዘበገሳን ካብ 2009 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ፈደራላዊት ሩሲያ ልኡከ መግስቲ መንበር ቆዩሙ ኣብ ሩሲያ እውን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ መንበር ቆይሙ ወግዓዊ ስነ ሜላዊ ርክብ ከምዘጸንዐ ኣዘኻኺሮም።

ሩሲያ ኣብ ዓለም ሰላም ንምርግጋጽ ኣብ ዝካየድ ጻዕሪ ዓቢይ ግደ ዘለዋ ሃገር እያ፡ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ፖለቲካ ተጽእኖ ፈጣሪት ሃገር እያ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዓለምን ኣብ መንጐ ኣሕዛብን ሰላም ክረጋገጽ ብዅለ መዳይ ዘካይድዎ ጻዕሪ ፍሉጥ ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ከም ጋሻ ምእንጋድ ነቲ ሃይማኖታዊ ጉዳይ ዘገድስ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ካብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ሩሲያ ወግዓዊ ዕድመ ኣይቀረበን፡ ስለዚህ ርእሰ ብሔር ፑቲን ብገዛእ ፍቓዶም ነዚ ሃይማኖታዊ ጉዳይ ሰጊሮም ንቕዱስ ኣቦና ናብ ሩሲያ ክዕድሙ ወይ ካብ ኦርቶዶክሳዊት ሩሲያ ድጋፍ ከይረኸቡ ክፍጽምዎ ይኽእሉ ዝብል ሓሳብ የብለይን ኢሎም።

05 July 2019, 09:27