ድለ

ር.ሊ.ጳ.ዮሓንስ ጳውሎስ 1ይ ር.ሊ.ጳ.ዮሓንስ ጳውሎስ 1ይ  

ር.ሊ.ጳ.ዮሓንስ ጳውሎስ 1ይ ዝዓበይሉ ቤት ንበጻሕቲ ተኸፊቱ

ቦታ ልደት ናይ ኣልቢኖ ሉሽያኒ ድሒሮም ር.ሊ.ጳ.ዮሓንስ ጳውሎስ 1ይ ዝኾኑ፣ ካብ ዕለት 2 ነሓሰ 2019ዓምፈ ጀሚሩ ንሕዝቢ ክፉት ከምዝኸውን ተገሊጹ።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

ብዕለት 2 ነሓሰ 2019ዓምፈ ልክዕ ሰዓት 5፣00 ናይ ምሸት ኣብ ኣልፒኖ መበቆል ዓዲ ናይ ር.ሊ.ጳ.ዮሓንስ ጳውሎስ 1ይ ብሕጻንነቶም ብኣልቢኖ ሉሽያኖ ዝብል ስም ዝፍለጡ ዝዓበይሉ ቦታ ናይ መጀመርያ በጻሒ ክቕበሉ ከምዝኾኑ ተፈሊጡ።

እቲ ንሶም ዝዓበይሉ ዓዲ ኣብ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ 976 ሜ. ብራኸ ዘለዎ ጎቦታት ዶሎሚተ፣ ዝርከብ ኮይኑ ካናለ ዳጎርዶ ድማ ይበሃል። እዚ ቦታ’ዚ ንዝተወሰነ ጊዜ ብዕደናዊ ንጥፈታት ንመላእ ከባቢ ቢዮኢስ፣ ምንጪ ቁጠባዊ ዕቤት ኮይኑዎም ከምዝነበረ ዝዝከር ኮይኑ፣ ኣብ’ዚ ጊዜ’ዚ ዓመታዊ ናብ’ቲ መበቆል ዓዲ ናይ’ቲ ፈታው ሰሓቕ ከምዝነበረ ስፍለጥ ር.ሊ.ጳ. ኣልቢኖ ሉሽያኒ ብብዝሒ ሰባት ይነግዱ።

ኣገዳሲ ዝኾነ ቦታ

ናይ ቪቶርዮ ቨነቶ ኣቡን ዝኾኑ ካራዶ ፒዝዮሎ ብዝሃብዎ መግለጺ ብመሰረት እቲ ቤት ናይ ር.ጳ.ጳ.ዮሓንስ ጳውሎስ 1ይ፣ኣብ ወርሒ ሰነ ብዝተገብረ ስምምዕ መሰረት፣ በቲ ሃገረ ስብከት ናይ’ቲ ከባቢ ንኽውረስ ኣብ መስርሕ ከምዘሎ ተገሊጹ። ይኹን እምበር እቲ መስርሕ ናይ ንበጻሕቲ ክፉት ምዃን ዝብል ድሮ እቲ ታሕተዋይን ቀዳማይን ደርቢ ካብ 2 ነሓሰ ጀሚሩ በጻሕቲ ንኸእንግድ ድሉው ከምዝኾነ ተሓቢሩ። እቲ ቤት ናይ ር.ሊ.ጳ.ዮሓንስ ጳውሎስ 1ይ ናይ ጊዜ ልደቶምን ጥምቀቶምን ገዛ ከምዝኾነ ይፍለጥ። እዚ ኢዩ’ውን ነቲ ቦታ ከም ሓደ ኣገዳሲ ስፍራ ዝገብሮ ኢሎም።

ንበጻሕቲ ምቹእ ምእንቲ ክኸውን፣ ሰበስልጣን ናይ’ቲ ከባቢ፣ ምስ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከቡ ሰብ ጀርዲን ብምዝርራብ ናብ’ቲ ቤት ዝወስድ መንግዲ ከምዘተዓራረዩ ክፍለጥ እንከሎ፣ር.ሊ.ጳ. ሉሽያኒ ፋውንደሽን ብወገኖም’ውን ምስ ናይ ቤተመዘክር ኣልቢኖ ሉሽያኖን ቁምስና ናይቲ ዓድን ዝኾኑ ኣሰነይቲ ኣጋይሽ ተሓባቢሮም ንበጻሕትን ነጋድያንን ክሕብሩን ከመርሑን ከምዘሰናደውዎም ሓቢሮም።

ንር.ሊ.ጳ.ዮሓንስ ጳውሎስ 1ይ ዝተወፈየ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ

ኣብ ዕለት 2 ነሓሰ ዝግበር ምክፋት ናይ’ቲ ቤት፣ ሓደ ካብቶም ብዙሓት ንር.ጳ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ 1ይ ዝተወፈዩ ንጥፈታት ከምዝኾነ ተመልኪቱ።

ኣብ መጀመርያ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ እቲ መኽንትያት ቅድስና ናይ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ 1ይ ዘዳለወ ብፁዕ ካርዲናል በንያሚኖ ስቴላ ብምኽትሉ ዝኾኑ ስተፋንያ ፋለስካ፣ ምስ ዳቪደ ፊዮኮን፣ ናይ ታሪኽ ምሁር ዝኾነ ማውሮ ቨላቲን ተሓባቢሮም ትሕዝቶ ናይ’ቲ መጽሓፍ ከቕርብዎ ከምዝኾኑ ግሊጾም።

እቲ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ጽሑፍ ካብ ኣርካይቭ ዝተረኽበ ሓበሬታት መሰረት ዝገበረን ብደቂቕ ናይ ስነጽሑፍ መጽናዕቲ ዝሓለፈ ናይ መጀመርያ ምሉእ ዝኾነ ታሪኽ ናይ ኣልቢኖ ሉሽያኒ ዝሓዘ ኮይኑ፣ ሰፋሕቲ መወከሲ መጻሕፍትን ናይ 188 ሰባት ምስክርነትን’ውን ከምዘጠቓልል ተገሊጹ። ገለ ካብቶም ምስክርነታት ድማ ናይ ር.ሊ.ጳ.አመሪቱስ በነዲግት መበል 16፣ ናይ ንሞት ናይ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ 1ይ ዘረጋገጸ በዓል ሞያ ጥዕና ዶር. ረናቶ ቡዞነቲ፣ ከምኡ’ውን ናይ ኣብ ቤት ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ 1ይ እተገልግል ዝነበረት እናቴ ማርገሪታ ማሪን ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ምሸት ብሓገዝ ዳይረክተር ናይ ር.ሊ.ጳ.ሉሽያኒ ፋውንደሽን ዝኾነ ሎሪስ ሰራፊኒ ብምውህሃድ ብሓባር ኣብ ጣውላ ከቢቦም ነቲ ʽጆቫኒ ፓውሎ ፕሪሞ ኢንዲመንቲካቢሊʼ ወይ ʽበዓል ጽቡቕ ዝኽሪ ዮሓንስ ጳውሎስ 1ይʼ ዝብል ኣርእስቲ ዝተሰምየ ብኣንቶንዮ ፕረስዮሲ ዝሕተም መጽሓፍ ክመያየጥሉ ከምዝኾኑ ተፈሊጡ።

ብድምጺ ንምክትታል!
30 July 2019, 19:57