ፊሊፒናዊ-ኣባ-ጀራርድ ቲሞነር ሳልሳይ ናይ በነዲክታውያን ማሕበር ሓድሽ መምህር ንኽዀኑ ተሓርዮም ፊሊፒናዊ-ኣባ-ጀራርድ ቲሞነር ሳልሳይ ናይ በነዲክታውያን ማሕበር ሓድሽ መምህር ንኽዀኑ ተሓርዮም 

ፊሊፒናዊ-ኣባ-ጀራርድ ቲሞነር ሳልሳይ ናይ በነዲክታውያን ማሕበር ሓድሽ መምህር ንኽዀኑ ተሓርዮም

ገዛእ ርእስና ዘይኰንናስ ቤተ ክርስቲያን ዘማዕድዉ ክውንነትን መንነትn ንኽንበር ዝተጸዋዕና ኢና

ኣብ ኣውስትሪያ ርእሰ ከተማ ቪየና ዕለት 8 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ተበጉሱ ኣብ ዝኸተኻየደ ናይ በነዲክታውያን ገዳማውያን ሰባክያን ማሕበር ሓፈሻዊ ጠቕላሊ ዓውደ ኣኼባ ዕለት 15 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ናይቲ ማሕበር ሓድሽ ጠቕላሊ ሓለቓ በቲ ናይቲ ማሕበር ኣጸዋውዓ መምህር ደሞኒካውያን ንኽዀኑ ፍሊፒናዊ ኣባ ጀራርድ ቲሞነር ሳልሳይ ከምዝሓረዮም ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጀራርድ ቲሞነር ሳልሳይ ወዲ 51 ዓመት ፊሊፒናዊ ኣባል ማሕበር ዶመኒካውያን - ሰባክያን ማሕበር ጠቕላሊ ሓለቓ ንምዃን ዝበቕዑ ቀዳማይ ተወላዲ እስያ ክዀኑ እንክለዉ፡ ድሕሪ ምሕራዮም፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ቀንዲ እንታይነት ሱታፌ እዩ፡ ኣሕዋት ሓቢሮም ቅዱስ ቁርባን ከዕሰርዑ እንከለዉ፡ ሱታፌ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ዝብል እዩ እንክብሉ ከምዝገለጹ ዝሓበሩ ሎሞናኰ ኣስዒቦም፡

ሕውነታዊ ሱታፌ

ንሕና በነዲክታውያን ይብሉ ኣባ ጀራርድ ቲሞነር ሳልሳይ፡ ከም ሕውነታዊ ሱታፌ ቤተ ክርስቲያን ዝጽሓፍ ታሪኽ ኢና፡ ስለዚህ ዶመኒካውያን ዝነብርዋን ዝጽሕፍዋን ቤተ ክርስቲያን ሕውነታዊ ሱታፌ ዝንጸባረቐላን፡ ገዛእ ርእስና ዘይኰንናስ ቤተ ክርስቲያን ዘማዕድዉ ክውንነትን መንነት ንኽንበርን ዝተጸዋዕና ኢና ቢሎም፡ ኣባላት ማሕበሮም ብጸሎቶም ቀረባይ ምዃኖም ከምዘረጋገጹለይን፡ ብሓቂ ኣብ ንሓድ ሕድና ምጽልላይ ሓይሊ ሱታፌና ንገልጽ ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

ኣባ ቲሞነር ሳልሳይ ኣብ 2014 ዓ.ም.  ናይቲ ብሓልዮት ጳውሎስ ሻድሻይ ዕለት 11 ሚያዝያ 1969 ዓ.ም. ናይ ዝቖመ ዓለም ሓቆፋዊ ቲዮሎጊያዊ ድርገት ኣባል ንኽዀኑ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምእተሰመዩን፡ እዚ ድርገት’ዚ ቅድስቲ መንበር እዋናውን ዓበይትን ጠመቓውያን ጉዳይ ዝምልከቱ ሕቶታት ኣብ እተካይዶ ቲዮሎጊያዊ መርመራ ዝድግፍ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ እዞም መበል 88 ተኸታሊ ቅዱስ ዶመኒኮ በዓል ጉዝማን ንዝቕጽሉ 9 ዓመታት በዚ ሓላፍነት’ዚ ንማሕበሮም ዝመርሑ ከምዝዀኑ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ኣባ ቲሞነር ንናይ ማሕበሮም ጠቕላሊ ሓለቓ ንናይ ኣሲያ ጉዳይ ኣማኻሪ ኰይኖም ዘገልገሉን፡ ዕለት 26 ጥሪ 1968 ዓ.ም. ኣብ ፊሊፒንስ ዞባ ቢኮን ከተማ ሉዞን ዝተወልዱን፡ ኣብ ፊሊፒንስ ዓለም ሓቆፋዊ በነዲክታውያን ተቕዋም ብፍልስፍና ዝተመረቑን ኣብ ፊሊፒንስ ቅዱስ ቶማስ ዘኣኵይኖ መንበረ ጥበብ ብቲዮሎጊያ ትምህርቶም ዘጠናቐቑን፡ ኣብ 1995 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ተቐቢሎምን ኣብ ሆላንድ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ኑጂመገን ብቲዮሎጊያ ሊቕነት ኣመስኪሮም፡ ኣብ ፊሊፒንስ ኣብቲ ዝተመሃሩሉ መንበረ ጥበብ መምህርን ምኽትል ዋና ኣመሓዳርን ኰይኖም ከምዘገልገሉን ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሉት ኣስዒቡ፡ ብናይ ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ ናይ ጸብጻብ ሰነድ፡ ማሕበረ በነዲክታውያን ኣብ ዓለም 557 ገዳማት ዘለዎን 4,299 ካህናት ብጠቕላላ 5,747 ኣባላት ዝሓቁፍ ምዃኑ የዘኻኽር። 

ፊሊፒናዊ ኣባ ጀራርድ ቲሞነር ሳልሳይ ናይ በነዲክታውያን ማሕበር ሓድሽ መምህር
16 July 2019, 17:30