ድለ

2019.07.18  መብርሂ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ 2019.07.18 መብርሂ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ 

'ንሓቂ ኸኣ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፥ እታ ሓቂ ድማ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ’(ዮሓ 8፡31-32)

ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና ኣብ ዝሓለፈ መደባትና በብእዋኑ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ እትህቦ መበራርሂ ክነጋውሓልኩም ከምዝቀነና ዝዝከር ኰይኑ ሎሚ እውን ነቶም ኰነ ኢሎም ከደናግሩ ሒዅ ዝብሉ ዘለውን ዘይባህርያን ዘይመልክዓን ከልብስዋ ዝጽዑሩን ኣይፋልኩም እቲ ሓቂ እዚ እዩ እንክብሉ ትማሊ ዘውጽእዎ መብርሂ ነቅርበልኩም።
ብድምጺ ንምክትታል!

“ቤተክርስትያን ብስም ኣምላኽ ንወድሰብ እናገልገለት፣ብናይ ሰባት ምድራዊ ግድላት (ትምህርትን ጥዕናን .... ካልእን) ከይተገደሰት ክትተርፍ ኣይትኽእልን እያ” (ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ 6 ስብከተ ወንጌል)። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እውን ንነፍስወከፍ ምእመን ኮነ ንቤተክርስትያን ዝሃቦ ነቕ ዘይብል ትእዛዝ ኣሎ፣ ንኣምላኽ ንምፍቃርን ንምኽባርን ጥራሕ ከምዘየኣክል፣ ንብጻይካን ንኹሉ ሰብን ምፍቃርን ሰናይ ምግባርን ግዴታ ምዃኑ ዜነጽር እዩ። ምእንት’ዚ ብደቃ ገቢራ ቤተክርስትያን ንሰባት እትህቦ ኣገልግሎት፣ ሰዓብቲ ንምስፋሕ እትጥቀመሉ መጋበሪ ዘይኮነስ፣ ናይ ትሕዝቶ እምነታ ቀንዲ ኣካል ስለዝኾነ እዩ፣ ብግብሪ ዘይረአ እምነት ምዉት እዩ (መልእ.ያዕቆብ፡2፡26)።

መንግሥቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣገልግሎት ዚህብ ናይ ካቶሊካዊት ቤትክርስትያን ተቀዋማት ብዛዕባ ዚገብሮ ውሳኔን ፍጻሜን፣ በዚ ቅንያት’ዚ ዚወሃብ ዘሎ መግለጽን ትንተናታትን ኣንፈቱ ዝሰሓተ ብምዃኑ፣ ንዝኾነ ይኹን ነቲ ጉዳይ ከም ሓቁ ኪርደኦን ንዚደሊ ክንገልጸሉ ትሑዛትኢና።

1.    ናይ 1995 ኣዋጅ መንግሥቲ ኣሎ፣ ነዚ ተኸቲሉ ዚኸይድ ሕጋዊ ውሳኔ እዩ ዚብል ኣዘራርባ’ውን ኣሎ።

እዚ ኣዋጅ’ዚ ብዝወጽኣሉ ጊዜ፡ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንመንነታን ነቲ ኵሉ ኣገልግሎታን ብዚርኢ ብመንጽር’ቲ ኣዋጅ’ቲ ዘለዋ ግንዛቤ ኣነጺራ ገሊጻ እያ። ዜድሊ መረዳእታን መኣረምታን ምእንቲ ኪህሉ ብማለት እዩ። ነኣኻ ዚትንክፍ፡ ነቲ መሰልካን ግቡእካን ንመንነትካን ዚርኢ ዝኾነ ይኹን መደብን ኣገባብን ኪወጽእ እንከሎ ስቕ ኢልካ ክትርኢ ኣይከኣልን እዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ብዛዕባ’ቲ ኣዋጅ ኣብ ዘተ ንምእታው እውን ዕድመኣ ኣቕሪባ፣ ናይ ናጽነት ቁምነገር ከኣ ንሱ እዩ። ብዛዕባ ርእስኻን መሰልካን ጉዳይካን ብናጽነት ክትዋሳእ ክትረዳዳእ ከተረድእ ምኽኣል ማለት እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ’ቲ ኣዋጅ’ቲ ዝተንጸባረቐ ናይ ቤተክርስትያን መንነትን፡ ናይ ኣገልግሎታን እምነታን ዝንቡል ርድኢትን ኣመልኪታ ንጹር ምላሽ ሂባ ኢያ።

መንነታን ዕላማ ኣገልግሎታን ኣነጺራ ከተብቅዕ፣ እዚ መንነታን፡ ንረብሓ ሰብ እተውዕሎ ኣገልግሎታን ኵሉ፡ ምስ ዝኾነ ይኹን ሕግን ሕጋውነትን ዘይጋጮ ምዃኑ፡ መንግሥቲ “ቆይመሉ ኣሎኹ” ንዚብሎ ምልኣትን ምዕባሌን ኅብረተሰብ’ውን ዚድግፍ ደኣ’ምበር ዝኾነ ጸገም ዘየምጽእ፣ ብጊዜ ኪረአ ከሎ ንዝሓለፈ 2ሽሕ ዓመት ኪፍጸም ዝጸንሐ፣ ብቦታ እንኪረአ ከኣ ኣብ ኵለን ሃገራት ዓለም ዝተዘርግሐ ምዃኑ ገሊጻ። ቤተክርስትያን ብመሠረት መንነታን ኣገልግሎታን፡ ቤትጸሎትን መቕደስን ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲ ናይ ፍቕሪ ብጻይ መደብ እምነት እትፍጽመሉ ቦታ’ውን  የድልያ እዩ። እዚ መደብ  ፍቕር ብጻይ’ዚ ነቲ ዘይደልዮ ኣይተገድዶን፣ ነቲ ዚደልዮን ዜድልዮን ንኽትፍጽመሉ ግን፣ ናጽነታን መሰላን ምዃኑ ትገልጽ። ምኽንያቱ ናይ እምነታ ክፍሊ እዩ። ብዘይካኡ እቲ እምነት የለን ወይ ትርጕም የብሉን ማለት እዩ። ስለ’ዚ ብሕመቓ ኪጐድል የብሉን፣ ኣውራ ግን ብናይ ካልኦት ውሳኔ ኪትንከፍ ከሎ መሰል እምነታ ተተንኪፉ ማለት እዩ።

2.   እዚ ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዚካየድ ዝተፈላለየ ናይ ኣገልግሎት ተቅዋማት፣ ካብ ገበርቲ ሠናይ ዝተለገሰ ስለዝኾነ፡ ናይ’ታ ቤተክርስትያን ወይ ናይ’ቶም ብስማ ዜካይድዎ ማኅበራት ንብረት ኣይኮነን፡ ኣይምልከቶምን እዩ…ዚብል ዘረባ’ውን ይስማዕ እዩ።

ሀ.    እቲ ሓገዝ ካብ መንም ገባር ሠናይ እየ ብሃሊ ወይ በሃልቲ ዝተረኽበ ዘይኮነስ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ካብ ዚርከቡ ካቶሊካውያን ምእመናን፡ እሞ ከኣ ኣብ ምምዕባል ንዚርካባ ኣሓት ኣብያተክርስትያን ንምትሕግጋዝ ዚነትፉ ገበርቲ ሠናይ ዝተለገሰ እዩ። እዞም ገበርቲ ሠናይ ግን ተረዲኦም፡ ይሓይሽ ቢሎም ኣስተውዒሎም፣ እቲ ንብረት’ቲ ናትና ኪኸውን፣ በኣና ኣቢሉ ንሕዝቢ ከገልግል ደልዮምዎ፣ ነቲ ናትና ብቕዓትን፣ ኣብ’ቶም ዜድልዮም ሰባት ከምዚውዕል ብዘሕደርዎ እምነትን መሠረት፣ ነኣና ኣረኪቦምና፣ ስለምንታይ ደኣ’ሞ ንመንግሥታዊ ትካላት ዘይህብዎ ነበሩ? ብኻልእ ወገን ከኣ፡

 መንግሥታት ከይተረፉፍስ ደገፍትና ካብ ዚብሉዎም ወገናት ሓገዝ ይቕበሉን፡ ብኣኡ ገይሮም ድማ ንሕዝብን ሃገርን ዚደምዕ ነገራት ይገብሩዶ ኣይኮኑን ? 

18 July 2019, 17:55