ኵባ፥ መንግስቲ ን2,600 እሱራት ዝሃቦ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ዝተሰምዓ ሓጐስ ትገልጽ ኵባ፥ መንግስቲ ን2,600 እሱራት ዝሃቦ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ዝተሰምዓ ሓጐስ ትገልጽ 

ኵባ፥ መንግስቲ ን2,600 እሱራት ዝሃቦ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ዝተሰምዓ ሓጐስ ትገልጽ

እሱራት ናጻ ምልቃቕ ሰብኣዊ ተግባርን ሚዛን ርህራሄን እዩ፡ ከምዚ ብምዃኑ እቶም ናጻ ዝልቐቑ ምስ ሕብረተሰብ ተወሃሂዶም ንኽነብሩ ይድግፍ ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ መልእኽቲ

ኣብ ኵባ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ኣባይቲ ማሕቡስን እሱራትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ጉዳይ ዝኸታተል ብሔራዊ ድርገት መንግስቲ ኵባ ንእሱራት ዝህቦ ምሕረት ንኢዱ እቶም ናጻ ዝልቀቑ እሱራት ምስ ሕብረተሰብ ተወሃሂዶ ንኽነብሩ ዝድርዀም ናይ ምሕረት ተግባር እዩ እንክብል ከምዝገለጾ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ኵባ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ኣባይቲ ማሕቡስን እሱራትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝሓልይ ድርገት ብሓባር ምስ ብፁዓን ጳጳሳት ኵባን ካህናትን ዲያቆናትን ገዳማውያንን ዓለማውያን ምእመናን ኵሎም ኣብቲ ናይቶም ናጻ ዝልቀቑ እሱራት ስድራ ቤት ሓጐስ ሓቢሮም ዝተሰምዖን ሓጐስ ከምዝገለጹን ናይ ረፓብሊካዊት ኵባ መንግስቲ ን2,604 እሱራት ዝሃቦ ምሕረት መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኵባ ከምዘሐጐሳ ናይ ኵባ ብፁዓን ጳጳሳ ቤት ምኽሪ ናይ ኣባይቲ ማሕቡስን እሱራትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝሓልይ ድርገት ኣቦ መንበር ናይ ፒናር ዘሪዮ ልሂቅ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ዀርገ ኤንሪከ ሰርፓ ፐረዝ ክታም ኣብ ዝተነብሮ መልእኽቲ ተመልኪቱ ከምዘሎ ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎ ኣስዒቡ፥

መንግስቲ ብመሰረት ቅዋም ሃገር ንእሱራት ምሕረትን ምሕረት ዝተገብረሎም ኣብ ሕብረተሰብን ማሕብራዊ ናብራን ተወሃሂዶም ከንብሮም ዘኽእሎም ዕድል ክፍጠረሎም ዝብል ዓንቀጽ ኣስዒቡ፡ እቶም ናጻ ዝልቀቑ ዓበይቲ ገበናት ዘይፈጸሙ ዝምልከትን ኣብ ቤት ማሕቡስ ብዘርኣይዎ ስነ ስርዓትን ጉዳይ ጥዕናን መሰረት ዝገበረ ብፍላይ ደቀንስትዮን መንእሰያትን ብዕድመ ዝደፍኡን ካብ ዝተበየኖም ናይ ማእሰርቲ ፍርዶም ሓደ ሲሶ ኣብ ቤት ምእሰርቲ ንዘቁጸሩን ዝምልከት ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ምሕረት ደቂ ሰባት ምስ ሕብረተሰብ ብሰላም ተወሃሂዶም ንኽነብሩ ይድግፍ

እሱራት ናጻ ምልቃቕ ሰብኣዊ ተግባርን ሚዛን ርህራሄን እዩ፡ ከምዚ ብምዃኑ እቶም ናጻ ዝልቐቑ ምስ ሕብረተሰብ ተወሃሂዶም ንኽነብሩ ይድግፍ ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ መልእኽቲ ናይ ኩባ ብፁዓን ጳጳሳ ቤት ምኽሪ ናይ ኣባይቲ ማሕቡስን እሱራትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓልዮ ድርገት፥ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ ምሕረት ቅዱስ ዓመት፡ ወርሒ መስከረም 2015 ዓ.ም. ኣብ ኩባ ናይ ምሕረት መንፈሳዊ ነጋዲ ብዝብል መርሕ ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከምዝበልዎ፥ ምሕረት እቲ ዝመሓር ምስ ገዛእ ርእሱን ምስ ማሕበረሰብን ብሰላምን ንኽነብር ዝድግፍ እዩ፡ እዚ ናይ ምሕረት ተግባር’ዚ ሕብረተሰብ ነቲ ኢየሱስ ተኣሲረ መጻእኩምኒ ኣንክብል ንዝሃቦ መሰረታዊ ትምህርቲ ንኽነብር ዘተባብዕ እዩ ከምዝበለ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎ ኣፍሊጡ።

ኵባ፥ መንግስቲ ን2,600 እሱራት ዝሃቦ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ዝተሰምዓ ሓጐስ ትገልጽ
24 July 2019, 18:08