ኣብ ማቶ ግሮሶ ዞባ ኣማዞን ናይ ቀዳሞት ተወለድቲ ናይ እግሪ ጉዕዞ ንዝኽሪ ኣባ ራሚን ኣብ ማቶ ግሮሶ ዞባ ኣማዞን ናይ ቀዳሞት ተወለድቲ ናይ እግሪ ጉዕዞ ንዝኽሪ ኣባ ራሚን 

ኣብ ማቶ ግሮሶ ዞባ ኣማዞን ናይ ቀዳሞት ተወለድቲ ናይ እግሪ ጉዕዞ ንዝኽሪ ኣባ ራሚን

ኣባ ኤዘኪየለ ገባራት ደቀባት መሬቶም ብዓበይቲ ትካላት ዝምንዝዑ ንዝነበሩ ዝከላኸሉን፡ በቲ ዘካይድዎ ዝነበረ ጻዕርን ምንቅስቓስን በቶም መሬት ደቀባት ዝምንዝዑ ብዙሕ ግዜ ዝተፈላለየ መጠንቀቕታ ይወሃቦም ከምዝነበረን ደሓር ዝተቐሉን

ኣብ 1985 ዓ.ም. ኣብ ከባቢ ኣማዞን ኣብ መበል 33 ዓመት ዕድመኦም ዝተቐትሉ ናይ ደቀባት (ቀዳሞት ተወለድቲ) ተማጓትን ሓላይን ኮምቢናዊ ካህን ኣባ  ኤዘኪየለ ራሚኒ ዝኽሪ ኣብ ብራዚል ከባቢ ኣማዞን ዞባ ማቶ ግራሶ ልዕሊ 500 ዝግመቱ ደቀባት ናይ እግሪ ጉዕዞን መንፈሳዊ ንግደትን ከምዝፍጸሙ ክሕበር እንከሎ፡ ኣብ ናይ ኣባ ኤዘኪየለ ስነ ስርዓት ቀብሪ፡ ሓዎም ፓውሎ ራሚን፡ ቅድሚ መስዋዕቶም ናትና ኰይኑ እዩ ዝስምዓና ዝነበረ ድሕሪ መስዋዕትነቶም ግና ናይ መላእ ቤተ ክርስቲያን ሃብቲ ምዃኖን ተረዳእና ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ መልእኽቲ ከምዘንበቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎ ክፍሊ ዜና ቫቲካን በነደታ ካፐሊ ኣብ ዘቕረበኦ ጸብጻብ የዘኻኽራ።

ሰማእትነት ኮምቦናዊ ካህን ኣባ ኤዘኪየለ ራሚን

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣባ ኤዘኪየለ ገባራት ደቀባት መሬቶም ብዓበይቲ ትካላት ዝምንዝዑ ንዝነበሩ ዝከላኸሉን፡ በቲ ዘካይድዎ ዝነበረ ጻዕርን ምንቅስቓስን በቶም መሬት ደቀባት ዝምንዝዑ ብዙሕ ግዜ ዝተፈላለየ መጠንቀቕታ ይወሃቦም ከምዝነበረን ኣብ ብራዚል ናይ ማሕበር ኮምቦናውያን ቤት ሓለቓ ኣባ ዳሪዮ ቦሲ ገሊጾም፡ ንዝኽሪ ወዲ ማሕበሮም ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ኣባ ኤዘኪየለ ደቀባት ከባቢ ኣማዞን ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዝዓረገን፡ ሎሚ  ከም ቀደም ደቀባት ከባቢ ኣማዞን ንዝተፈላለየ ሓደጋ ዝተቓልዔ ምዃኑ ሓቢሮም፡ ሕዝቢ ኣማዞን መሬቱ ይምንዛዕን ሓምላይ ሓብቱ ይባድምን ብዝተፈላለያ ዓበይቲ ህብረ ትካላት ይግፋዕን፡ ኣባ ኤዘኪየለ ኣብቲ ደቀባት ምእንቲ መሰሉን ክብሩን ዘካይዶ ቅዱስ ቃልስን ኣብቲ ነቲ ከባቢ ሕዝቢ ዝሓልይ መደብን መደብ ሕንጸትን ኣስፍሆተ ወንጌልን ህያው እዮም። ብስሞም ብዙሕ ስነ ምህዳር ዘኽብር ዝተፈፈላዩ ማሕበር ሓረስቶት እውን ከምዝቖመ ይሕብሩ።

ሰማዕትነት ኣባ ኤዘኪየለ

ናይ ብራዚል ብፁዓን ጳጳሳ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝካየዶ ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ፡ ብጠቕላላ ኵሎም 200 ብፁዓን ጳጳሳት ብሓባር ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሰማዕትነት ኣባ ኤዘኪየለ ኵላዊ ኣፍልጦ ዘውህብ ውሳኔ ከመሓላልፉ ናይ ምሕጽንታ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ኣባ ቦሲ ገሊጾም፡ ኣባ ኤዘኪየለ ንመላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ከባቢ ኣማዞን ኣብነት እዮም፡ ኣብነት ምዃኖም ኣፍልጦ ረኺቡ እቶም ኣብቲ ኣባ ኤዘኪየለ ሰማዕትነት ዝተቐብልሉ ቑሸት ኣማዞን ሮንዶላንዲኣን ካኮኣልን ዝፈጸመዎ ኣገልግሎት ካብቲ ብዛዕባ ከባቢ ኣማዞን ናይ ዝዝትይ ሲኖዶስ ኣበው ኣፍልጦ ከምእተወሃቦን እዚ ከኣ ሕይወቶምን ላኡካነ ወንጌላዊ ኣገልግሎቶም ብዙሓት ኣብቲ ከባቢ ንእትርከብ ቤተ ክርስቲያንን ንኩለንተናዊ ምሉእ ስነ ምህዳርን ኣስተንፍሶ ኰይኑ ከምዘሎ ይሕብሩ።

ኣብ ማቶ ግሮሶ ዞባ ኣማዞን ናይ ቀዳሞት ተወለድቲ ናይ እግሪ ጉዕዞ ንዝኽሪ ኣባ ራሚን

Photogallery

ሰማእትነት ኮምቦናዊ ካህን ኣባ ኤዘኪየለ ራሚን
23 July 2019, 16:41