ብፁዓን ጳጳሳት ጃፓን፡ ሰላም ኣብ ፍርሒ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዝሕነጽ ኣይኰነን ብፁዓን ጳጳሳት ጃፓን፡ ሰላም ኣብ ፍርሒ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዝሕነጽ ኣይኰነን 

ብፁዓን ጳጳሳት ጃፓን፡ ሰላም ኣብ ፍርሒ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዝሕነጽ ኣይኰነን

ብፁዓን ጳጳሳት ጃፓን እቲ ቅዱስ ኣቦና ብዓለም ለኸ ደረጃ ኣብ መላእ ዓለም ኑክለሳዊ ኣጽዋር ክእገድ ዘካይድዎ ጐስጓስ ኣደጊፎም ኣብዚ ጐስጓስ ሓቢሮም፡ ቅዱስ ኣቦና ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽዀኑ ካብ ዝተሓረዩላ ዕለት ኣትሒዞም ኣብ እገዳ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዘካይድዎ ጻዕሪ

 ኣብ ጃፓን እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን በቢ ዓመቱ ምእንቲ ሰላም ናይ 10 መዓልቲ ጸሎት ካብ ዕለት 6 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 15 ነሓሰ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ከምእተካይድ ዝዝከር ኰይኑ፡ ናይ ለምዘበን ምእንቲ ሰላም ናይ ጸሎት መደብ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እብ ጉዳይ ሰላምን ንዕርቂ ኣብ መንጐ ኣሕዛብን ዘካይድዎ ዓለም ለኻዊ ጻዕሪ ዘቃልሕ ከምዝኸውን ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ምስ ቅዱስ ኣቦና ሓቢርና ብምሉእ ልባትና ንናይ ሰላም ኣምላኽ ክንጽልይ ኢና፡ በዚ ኣቢልና ኣብቲ ምሉእ ኵለንተናዊ ናይ ሰብኣዊ ዕብየት ሓልዮ ኣብ ዝቐርብ ኣገልግሎት ክንሓብርን ብፍላይ ብሕንጸት ሰላምን መጋበርያ ሰላምን ብምዃን፡ እዚ ምእንቲ ሰላም ናይ ጸሎት መደብ፡ ኣብ መላእ ዓለም ኑክለሳዊ ኣጽዋር ክእገድ ዝጸውዕ መደብ እውን ምዃኑ ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፡ እቲ ናይ ጃፓን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ናጋሳኪ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሚትሱኣኪ ታካሚ ክታም ዝተነብሮ መልእኽቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጃፓን፡ ዕለት 25 ለካቲት 1981 ዓ.ም. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ሂሮሺማ ተረኺቦም ዘቕረብዎ ናይ ሰላም ጻውዒትን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ መሰረት ዝገበረ ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ለምዘበን ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ጃፓን ሓዋርያዊ መገሻ ከምዘካይዱን ኣብ ሂሪሺማ ምብጻሕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳጋምዊ መበል 38 ዓመትን ትሽዓተ ወርሕን ኣብ ዝዝከረሉ እዋን ኰይኑ፡ ሰላም መሰረት ኵሉ ምዕባለ ከምዝዀነ ዝምስከረሉ እዋን ምዃኑ ገሊጹ፡ ሰላም ንዅሉን ኣብ መላእ ዓለም ክረጋገጽን ኩሉ ኣብ ሕንጸት ሰላም ክዋሳእ ዘተሓሳስብ ምዃኑ የመላኽት።

ቅዱስ ኣቦና ኑክለሳዊ ኣጽዋር ውግእ ክእገድ ኣብ ዘቕረብዎ ጻውዒት ዝሓብር መደብ ጸሎት

ብፁዓን ጳጳሳት ጃፓን እቲ ቅዱስ ኣቦና ብዓለም ለኸ ደረጃ ኣብ መላእ ዓለም ኑክለሳዊ ኣጽዋር ክእገድ ዘካይድዎ ጐስጓስ ኣደጊፎም ኣብዚ ጐስጓስ ሓቢሮም፡ ቅዱስ ኣቦና ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽዀኑ ካብ ዝተሓረዩላ ዕለት ኣትሒዞም ኣብ እገዳ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዘካይድዎ ጻዕሪ ናቶም ገይሮም እዚ ጻዕሪ እዚ ንሕንጸት ሰላም ዓቢይ ደገፍ ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ዕለት 7 ሓምለ 2017 ዓ.ም. ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ሓፈሻዊ ዓመታዊ ዓውደ ጉባኤ ታሪኻው ናይ ኑከሳዊ ኣጽዋር እገዳ ውሳኔ ከምዘመሓላለፈን ቅድም ክብል ዕለት 23 መጋቢት ኣብ እዋኑ ቅዱስነቶም ኣሸባርነትን ኣብ መንጐ ዝተፈላለየ ዓቕሚ ኣጽዋር ውግእ ኣብ ዘለወን ሃገራት መንጐ ዝካየድ ውግእን ናይ ከባብን ምህዳርን ከምኡ እውን ዛዕባ ድኻታትን ዝምልከት ሕቶ ዘማእከለ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ከምዝነበሩን፡ እዚ ኹሉ ንሰላምን ንናይ ዓለም ጸጥታን ደሕንነትን ስግኣት ምዃኑ ከምዘብርሁ ብፁዓን ጳጳሳት ጃፓን ኣብ መልእኽቶም ጠቒሶም፡

ኣብ ፍርሒ ዝጸንዔ ምርግጋእ፡ ኣብ መንጐ ሃገራት ክህሉ ዝግብኦ ምትእምማን ንሓደጋ የቃልዕ

ብፁዓን ጳጳሳት ጃፓን ኑክለሳዊ ኣጽዋር ንሕንጸት ሰላም ፍኖት ኣይኰነን፡ በንጻሩ ፍርሒ ዘተኣታትው እዩ፡ ስለዚህ ኣብ ፍርሒ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዝጸንዕ ሰላም ተነቃፍን ንዝኸፍኤ ሓደጋ ዘቃልዕን እዩ፡ ዓለም ሓቆፍ ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ናይ ሓሶት ምርግጋእን ኣብ ናይ ኑከለሳዊ ኣጽዋር ፍርሒ ዝቖመ ሰላምን ጸጥታን፡ ኣብ ፍርሒ ሕልቂትን ኣብ ተበላለጽ ውደራ ስልጣንን ዝጸንዔ ብምዃኑ ወትሩ ምስሕሓብ ዘሀልው እዩ፡ ሰላም ኣብ ፍትሕን ኣብ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ምዕባለን ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣብ ምክንኻንን ምኽባርን ፍጥረትን ተፈጥሮን ኣብ ሱታፌ ኵሉ ኣብ ማሕበራዊ ሕይወትን ኣብ መንጐ ኣሕዛብ ሕድ ሕዳዊ ምትእምማንን ኣብ ናይ መንግስታት ናይ ሰላም ደገፍን ኣብ ምርግጋጽን ንዅሉ ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ናይ ምርካብ መሰልን ክብርን ምኽባርን ኣብ ዘተን ምትሕብባርን እዩ ክቐውም ዘለዎ፡ እዚ እዩ ነባሪ ሰላም ዝወሕስ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ኣብ ምርጋፍ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ጻዕሪ ቅድስቲ መንበር

ኣብ ጃፓን ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መራሕቲ ሃይማኖት ቅድስቲ መንበር ኣብ ዓለም ምርጋፍ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ክረጋገጽ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ዝመክርን ናይ እገዳ ውሳኔ ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ከጽድቖ ዘበርከተቶ ኣስተዋጽኦ ዘይርሳዕ እዩ፡ እቲ ውሳኔ’ቲ ኣብ ግብሪ ክውዕል ነፍሲ ወከፍ ሃገር ብውልቂ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ሕዝባዊ ባይቶን ቤት ምኽሪ ሓጋግን ከጽድቖ ከምዘለዎን ቅድስቲ መንበር ሓንቲ ካብተን እዚ ውሳኔ’ዚ ዘጽደቓ ሰለስተ ሃገራት ምዃና ጠቒሶም፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ወንጌላዊ ሓሴት እተሰምየ ሓዋርያዊ ምዕዳኖም፡ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ምዕባለ ብውሽጡ ዘየጠቓልል ሰላም ስንኩፍ እዩ ዝበለዎ ሓሳብ ጠቒሶም መልእክቶም ከምዘጠቓለሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ብፁዓን ጳጳሳት ጃፓን፡ ሰላም ኣብ ፍርሒ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዝሕነጽ ኣይኰነን
19 July 2019, 17:50