ድለ

ሰንበት ዘጰራቅሊጦስ ሰንበት ዘጰራቅሊጦስ  

ሰንበት ዘጰራቅሊጦስ 9 ሰነ 2011 ዓ.ም. (6/16/2019)

ወመንፈስከ ቅዱስ ኢታውጽእ እም ላዕሌየ እስየኒ ፍሥሓ ወአድኅኖተከ ወመንፈሰ ዓዚዝ አጽንዓኒ” “ቅዱስ መንፈስካውን አይተግድፈኒ፥ ሓጎስ መድኅንካ ምለሰለይ፥ ፈትየ ክእዘዘካ ደግፈኒ” መዝ. 51፡11~12.
ብድምጺ ንምክትታል!

መዝሙር፡ ይትፈሣሕ ሰማይ ወትትሓሰይ ምድር. . . ንባባት፡ ሮሜ 8፡817፥ ፥ 1ዮሓ. 2፡20-ፍ፥ ግ.ሓ. 2፡1-11፥ ዮሓ. 14፡15-26።

ብዓለ ጰራቅሊጦስ ዝዓበየ ጥርዚ ብዓለ ትንሣኤ እዩ። ጰራቅሊጦስ ማለት “ብዓል ሓምሳ” ድሕሪ ፋሲካ አይሁድ ዝብዓል እዩ እዚ ኸአ አይሁድ አብ ደብረ ሲና እግዚአብሔር ንሙሴ ሕጊ ዝሃቦ ዘኪሮም ዘብዕልዎ ብዓል እዩ። አብ ደብረ ሲና ኵሎም ዓለታት እስራኤል ምስ አምላኽን አብ ነነድሕዶምን ህዝቢ አምላኽ ኮይኖም ክነብሩ ኪዳን አትዮም። አምላኽ ዓሰርተ ትእዛዛት ሂብዎም ከመይ ኢሎም ህዝቢ አምላኽ ከምዝኾኑ መታን ክሕግዞም ምኽንያቱ ህዝቢ አምላኽ ምዃን ማለት ምስ አምላኽን አብ ነነድሕድካን ርክብ ገርካ ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ምኻድ ማለት እዩ።

ደቂ ሰብ ነቲ አምላኽ ዝብለና ሓዲግና ብናትና ድለትን ተበግሶን ጥራሕ ክንመርሕ እንተ ጀመርና አብ ጸገም ኢና እንአቱ፥ ናይ እዚ አብነት ዝኾነና ህንጻ ግንቢ ባቢሎን አብ ዝፍጥረት 11 እነንብቦ ደቂ ሰብ ሰማይ ጠቀስ ክሃንጹ ዝወሰኑሉ በዚ አቢሎም ከአ ምስ አምላኽ ከምድላዮም ክራኸቡ፥ ንአምላኽ ከአ ከምድላዮም አብቲ ዝደልይዎ ክሰምር ዝሓሰቡሉ እዩ። እንተ ኾነ አብ መንጎ አምላኽ አብ ነነድሕዶም ከምዘይረዳድኡ ገርዎም ሽዑ መደባቶም ክገብሩ አይ ከአሉን። ዝተፈላለየ ቋንቋታት ክዛረቡ ጀሚሮም ስለዚ ምርድዳእ ጎዲልዎም በዚ ኸአ ብሓባር ክሰርሑ አይተኻእለን።

እዚ ናይ ባቢሎን ታሪኽ ምስቲ አብ ብዓል ጰራቅሊጦስ ዝኾነ ዝመሳሰል አለዎ እንተኾነ ብአንጻሩ እዩ። አብ ጰራቅሊጦስ ሰባት ተረዳዲኦም አብ መንግኦም ሓደ ርድኢት ተፈጢሩ፥ አምላኽ ባዕሉ ነቲ ሓድነት ፈጢርዎ አብ ባቢሎን ግን ፈላልይዎም። ባቢሎን ሰባት እዮም ጀመርቱ ጰራቅሊጦስ ግን አምላኽ ባዕሉ እዩ ጀማሪኡ።

ነዚ መሰረት ገርና ኢና ሰንበት ጰራቅሊጦስ ዘኪርና ነብዕል ዘሎና። ሎሚ ሳልሳይ አካል ቅድስት ስላሴ አብ መንጎና ኃዲሩ ንአና ንደቂ ሰብ ክመርሕን ክሕግዝን ብዕሊ ዝተራእየላ ፍልይቲ ዕለት ልደትና እያ። ከም ማሕበር ክርስቶስ በዛ ቅድስት ዕለት ኢና ጀሚርና ስለዚ ሎሚ በዓልና እውን እዩ። ደቂ ሰብ ሓደ አብ ሕይወትና ብዝልዓለ እንዝክሮ ዕለተ ልደትና እዩ እዚ ኸአ ናይ ሓጎስ ብዓል ገርና ስለ እንዝክሮ እዩ። ብዓልና ብፍሉይ ሓጎስ ክነብዕሎ ከሎና ክልተ ምኽንያት አሎና፥ 1. ጴራቅሊጦስ እቲ መጸናንዒ አብ ልዕሊ ሓዋርያት ዝወረደሉ እናዘከርና ናባና እውን ከም ዝወርድ ንዝክር። 2. ልደት አደና ዝኾነት ቅድስት ቤተክርስትያን እዩ። መዓልቲ ጳራቅሊጦስ ብዕሊ ቤተ ክርስትያን ብመንፈስ ቅዱስ ተወሊዳ ነቲ መምህራ ዝኾነ ክርስቶስ ብዕሊ ክትሰብኮን ክትምስክሮን ዝጀመረትሉ ፍሉይ ዕለት እዩ፥ ስለዚ ብሩኽ ልደት እንተ ተበሃልና ግቡእ እዩ። ብዓል ዘብዕል ትርጉምን ዕሞቕን ዘብዕሎ ዘሎ ምስተረድአ ፍሉይ ትርጉም አብ ሕይወቱ የርኢ ሎሚ ብዓልና ናይ ብሓቂ ብዓል ክኾነልና አብ ልብና መን ኃዲሩ ይመርሓና አሎ ሕይወትና ንመን ይምስክር ርክባትና ብኸመይ ይርአዩ ሰባት አባና ፍቕሪ ምሕረትን ሰላምንዶ ይርእዩ እናበልና ንርእስና እንተ ሓተትና ብዓልና ነብዕሎ አሎና ክንብል ንኽእል።

አብ መዝግብ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ቍ 689 ከም ዝገልጾ “እቲ አቦ አብ ልባትና ዘፍስሶ መንፈስ ወዱ ንሱ ብሓቂ አምላኽ እዩ (ገላ 4፡6)። ምስ አቦን ምስ ወልድን ሓደ ህላዌ ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ አብ ናይ ሥላሴ ውሳጤ ሕይወት ኮነ፥ አብቲ  ንዓለም ዝጽግዎ ህያብ ፍቕሪ ካብኦም (ካብ አብን ወልድን) ፈጺሙ ዘይንጸል እዩ። ነቲ ውሃብ ሕይወት ሓደ ህላዌን ዘይከፋፈልን ሥላሴ አብ እትምልኹሉ ቤተ ክርስትያን አብ ናይ አካላት ፍልየት ዘለዋ እምነት ትገልጽ። አቦ ንወልድ ክልእኽ ከሎ ከአ ወትሩ ነቲ ትንፋሱ ይልእኽ እዩ። አብዚ ድሙር ወይ ስሙር ኪብሃል ዚከአል ተልእኮኦም ወልድን መንፈስ ቅዱስን ፍሉያት ከንሶም ዘይነጻጸሉ እዮም። ርግጽ ንምዃን ናይ እቲ ዘይርአ አምላኽ ርኡይ ምስሉ ዝኾነ እቲ ዚረአ ክርስቶስ እዩ፥ እቲ ነአኡ ዚገልጾ ግን መንፈስ ቅዱስ እዩ”።

መንፈስ ቅዱስ ናይ ኩሉ እምነትና መሰረት ስለ ዝኾነ ንአኡ እንተ ዘይኮይኑ ነቲ አብ አምላኽ ዘሎ ሓደኳ ዚፈልጦ የልቦን (1ቆሮ 2፡11)። እዚ ንእግዚአብሔር ዚገልጾ መንፈስ አምላኽ እምበአር ንክርስቶስ ነቲ ቃሉ ነቲ ሕያው ንባቡ የፍልጠና። እቲ ብነብያት ገሩ ዝተዛረበ መንፈስ ንቃል እግዚአብሔር አቦ ከም ንሰምዕ ይገብረና ነቲ መንፈስ ብቐንዱ ግን አይንሰምዖን ኢና። በቲ ንቃል አምላኽ ዚገልጸልና ንአና እውን ብእምነት ንምቕባሉ ዜኽእለና ምንቅስቓሱ ኢና ክንፈልጦ እንኽእል። እዚ እዩ መሰረታዊ እምነትና ንመንፈስ ቅዱስ ብዝርኢ። አብዚ መሰረት ገርና ኢና ብዓልና ክንርድኦ ዘሎና።

ትንሣኤ ብዓል ብርሃን ንብሎ ምኽንያቱ ሓዲስ ሕይወትን ርክብን ምስ አምላኽ ብትንሣኤ ክርስቶስ ስለ ዝጀመረ፥ ትንሣኤ ክርስቶስ ንሞት ስዒሩ ንጸልማት ቐንጢጡ ደቂ ብርሃን ዝገበረና ፍሉይ ምስጢርን ክብርን ዘልኦ እዩ። ብዓለ ጰራቅሊጦስ ክነብዕል ከሎና ዘዘኻክረና መንፈስ ቅዱስ ፍሉይ ህያብ ነቲ ክርስቶስ ዝገበረልና ዘስተምሃረናን አብ ጉዕዞ ሕይወትና ክንስዕቦን ክንሰብኮን ክሕግዘና ብፍሉይ ዝተዋህበና እዩ። በዚ ሓዲስ ኪዳን ምስ አምላኽ ጀሚርና ቤተ ክርስትያን ከአ ብዕሊ አብ ዓለም ተወሊዳ ተልእኮአ ዝጀመረትሉ እዩ።

ግ.ሓ. ምውራድ መንፈስ ቅዱስ አብ ልዕሊ ሓዋርያት ከም ዝወረደ እና ገለጸ ኃይሊ አምላኽ ምስኡ ከም ዝወረደ አተሓሒዙ ይነግረና። ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ዝዛረቡ ዝነበሩ አብ መዓልቲ ጰራቅሊጦስ መጺኦም ዝነበሩ ነጋድያን ነቲ ሓዋርያ ጴጥሮስ ዝሰብኮ ዝነበረ ኩሎም ብሓደ ብምርድኦም ሓደ ካብቲ መግለጺ መንፈስ ቅዱስ አብ ቤተ ክርስትያን ከም ዝዓዪ ዘሎ ዝገልጽ ተአምራት እዩ። አብ ባቢሎን ዝተፈላለየ ቋንቋ ስለ ዝተዛረቡ ክረዳድኡ አይ ተኻእለን በዚ ኸአ ሓድነት ተሳኢኑ፥ አብ መዓልቲ ጰራቅሊጦስ ግን ኵሎም በብቋንቁኦም ክሰምዕዎም ስለ ዝኸአሉ አብ ሓደ ርድኢት በጺሖም፥ እዚ ንጹር መግለጺ ተልእኮ ናይ እታ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ዝነግር እዩ። ቤተ ክርስትያን ናይ ኵሎም ደቂ ሰብ መንጪ ሓድነት ኮይና ነቲ ክርስቶስ ዝሃባ ተልእኮ አብ ሕብረተ ሰብ ዓለም ክትነግሮን ክትሰብኮን ከም ዘልአ ዝሕብር እዩ።

ቅዱስ ጳውሎስ ዘዘኻኽረና አብ ናይ ሎሚ መልእኽቱ በቲ ዘሎና ተመክሮ ዘይድምሰስ ምልክት ጰራቅሊጦስ አብ ግንባርና ከምዘሎና ዘኪርና ብቅድስና ሕይወትና ክንመርሕ ይነግረና። ንመልእኽቲ አምላኽ አብ ኩሉ ክነብጽሕ ዝተሓረና ኢና። ንተልእኮና ሕይወት ዝህቦን ዝመርሖን ባዕሉ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ስለዚ በዚ ሎሚ አብ ልዕለና ዝፈስስ ዘሎ ናይ መንፈስ ቅዱስ ጸጋ ብሓቅን ብምልኡን ደቂ አምላኽ ምዃና ዘይሃስስ ምልክት ተዋሂቡና አሎ። ወላእኳ ምውላድና ብጸጋ ደቂ አምላኽ እንተ ኾና ወርስቲ መንግስቲ አምላኽ ኢና። አምላኽ ብገዛእ ፍቓዱ ወረስቲ መንግስተ ሰማይ ናይ ምዃን መሰል ሂቡና እዚ ኸአ ነቲ ሓደ ወዱ ከማና ገሩ ምእንታና አብ ዕጸ መስቀል ምስ ሞተ ዕርቡን ድሕነት ከፊሉ ናቱ ገሩና።

ናይ ሎሚ ወንጌል ቀንዲ ተራ መንፈስ ቅዱስ አብ ሕይወትና የዘኻኽረና። እዚ ከአ ነዚ ዝስዕብ የጠቓልል፡ ጠበቓ ምዃን፥ ምምሃር፥ ክንፈልጦ ንዘሎና ነገራት ምዝኽኻር። እዚ አብ ተግባር ክውዕል ምስኡ ክንተሓባበር ስንድዋት ከም ዝኾና ገሊጽና ክንክእል አሎና። ጠበቓና ዝኸውን እንተ አመናዮን ናይ ኩሉ ነገራትና ሓላፍነት እንተ ሃብናዮን ጥራሕ እዩ። ዝምህረና ንምኽሩ ክንሰምዕ ፍቓደኛታት እንተ ኾና እዩ። ዘዘኻኽረን ነቲ ክንፈልጦ ዝግብአና ክንፈልጥ ብትሕትናን ብምሉእ ድለትን ኩሉ ጊዜ እንተ ቐረብናዮ ጥራሕ እዩ። “ኦ መንፈስ ቅዱስ አምላኸይ ሓግዘኒ ምኽንያቱ ብዙኅ ነገራት ክፈልጦን ክርድኦን ይጽግመኒ አሎ፥ ንሓቅን ጽድቅን ክርዳእን አብ ግብሪ ከውዕልን ንዓይኒ ሕልናይ አብርሃለይ” ንበሎ።

መንፈስ ቅዱስ ክንቅበል እንከሎና አብ ግብሪ ክነውዕሎ ዝግብአና ነገራት አሎ። ፩ያ እቲ እንቕበሎ መንፈስ ቅዱስ ናይ ፍርኅን ስንባደን መንፈስ አይ ኮነን እንታይድአ ዘበራትዕን ውሉድ አምላኽ ዝገብረናን እዩ። በዚ ምኽንያት ከአ እቲ አቦ ኢልና እንጽውዓሉ መንፈስ ውሉድነት ተቐቢልና።

መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበልናዮ ጽቡቕን ነባርን ፍረ መታን ክንፈሪ እዩ (ገላ 5፡22) እዚ ኸአ ፍቕሪ፥ ሓጎስ፥ ሰላም፥ ትዕግስቲ፥ ልግሲ፥ ሕያውነት፥ እሙን ምዃን፥ ለውሃት ርእስኻ ምግታእ እዩ”። ውህበት መንፈስ ቅዱስ ዝውሃበና ንኻልኦት ክንሕግዝን ምእንቲ ከነበራትዕን እዩ። ከምኡ አብ መንግስቲ ሓቂን ሰላምን መታን ክመርሓናን አብ ምልአት ሕይወት ክንበጽሕ ምእንቲ እዩ። ሎሚ እምብአር በዚ አምላኽ ዝገልጸልና ዘሎ አገራሚ ነገራት እና አመስገና አብቲ ዘይሃስስ ፍቕሪ አምላኽ ጸኒዕና ምእንቲ ክነብር ንለምኖ።

አብ መውደእታ ርሑስ ብዓል ለደት ናይ እታ ሓንትን ቅድስትን ካቶሊካዊት ሓዋርያዊት ቤተ ክርስትያን። አብ ኵሉ ዓለም እንርከብ ምእመናን ርሑስ ልደት። መንፈስ ቅዱስ ከአ ኩሉ ጊዜ መራሒና ኾይኑ ዝነብር ይግበረና። ንቅድስቲ ቤተ ክርስትያን አደና ንዘለዓለም ብሰላም የንብረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ  

  

15 June 2019, 20:16