እግዚአብሔር ውስተ ማእከላ ኢትትሀወክ! እግዚአብሔር ውስተ ማእከላ ኢትትሀወክ! 

ርክብ ሃይማኖትን መንግሥትን ኣብ ኤርትራ ኣቕዋም ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን

ርክብ ሃይማኖትን መንግሥትን ኣብ ኤርትራ ኣቕዋም ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብዛዕባ ንሃይማኖታትን ሃይማኖታዊ ትካላትን ዝምልከት ኣዋጅ ቍ. 73/1995 - ነሓሰ 1995 ዓ.ም.ፈ.
ብድምጺ ንምክትታል!

መእተዊ

     ካብ ጽባሕ ናጽነት ጀሚሩ ኣብ ኤርትራ ዘላ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብመንጽር መንግሥቲ ዘለዋ ርክብ ኣብ ቅንዕናን ግልጽነትን ዝተመሥረተ ኮይኑ፤ ምስ ኵሉ መንግሥታዊ ትካላት’ውን ንጹርን ርሑውን፣ ኣብ ናይ ምትሕግጋዝ ኣተና ዝዘንበለ ነበረ።

     ብድሕሪ ሓርነት መላእ ኤርትራ ኣብ ዝጸሓፍናያ ሓዋርያዊት መልእኽትና[1]፤ ሓጎስናን ስምዒትናን በይኑ ዘይኮነስ፤ ኣብ’ቲ ዓወት’ቲ ንምብጻሕ ዝጸዓሩን ዝሓለፉን ዘለዉን ኲሎም ዘኪርና፤ N\| ገሊጽና እንከነብቅዕ፣ ቤተክርስትያን ኣብ yብረተሰብ ዘለዋ ቦታን መደብን፤ ከምኡ’ውን ምስ’ቲ ፖለቲካዊ ኣከያይዳ ዚህልዋ ርክብን ብሓጺሩ ከነነጽር ፈቲንና ኢና። ኣብ’ቲ ሰነድ’ቲ ናይ ቤተክርስትያን ተልእኮ ብመሠረቱ ኣገልግሎት ምዃኑ ዘረድእ እዚ ዚስዕብ ቃላት ኣሎ& “ቤተክርስትያን ብጽሒታ ከተበርክተሉ እትኽእልን እትደልዮን መዳያት ብዘይ ጥርጥር ብዙሕን ገፊሕን እዩ። ሕጂ ኣብ’ዚ ንኹሉ ክንገልጾ ወይ ክንዝርዝY ሓሳብና ኣይኮነን። ብዝተረፈስ ኣብቲ ጭቡጥ ኣገልግሎትና በብግዜኡ ከንቀሳቕሰና ዘለዎ፤ እቲ በብእዋኑ ዚገሃድ ናይ ሃገርና ኲነታትን፤ ናይ ገሊኡ ግድነታት ምዕባሌ ወይ ኣለዋዋጥን እዩ”።

     ድሕሪ ገለ ዓመታት፣ ማለት ብ1995 ወርሒ ነሓሰ፤ “ኣዋጅ ቊ. 73/1995” ተባሂሉ ዚስመ ንጥፈታት ሃይማኖታትን ሃይማኖታዊ ትካላትን ብሕጊ ንምንጻርን ንምስራዕን ዝተመደበ ኣዋጅ መንግሥቲ ተዘርጊሑ። እዚ ኵነታት’ዚ እምበኣር ብዛዕባ’ቲ ኣዋጅ ዘሎና ርእይቶን ግምትን፤ ከምኡ’ውን ከም መጠን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ’ዛ ሃገር ዘሎና ህላወን ተልእኮን ኣጸቢቕና ንኸነነጽር እነሆ ጽቡቕ ዕድል ኮይኑና። ስለ’ዚ ከኣ ንሓድሕዳዊ ምርድዳእን ምውሳእን ዚሕግዝ ንሰበሥልጣን መንግሥቲ ዝተዋህበ ሰነድ ኣሰናዲና።

     “ኣብ መንጎ ቤተክርስትያንን ዓለምን ብዛዕባ ዘሎ ርክብ እንኪለዓል እቲ ቅኑዕ ኣገባቡን መልክዑን ወትሩ ዘተን ምምይያጥን እዩ”[2] ከምዝበሉ ጳውሎስ 6 ናይ ሓድሕድ ሓሳብን ርእይቶን ንምንጻርን ንምርድዳእን፣ ዚጠቅም ሓናጽን ኣወንታውን ዘተን ምይይጥን ምዃኑ ኪርሳዕ የብሉን። ብዝተፈላለየ ኵነታት ግን እዚ ዘተን ምውሳእን ተበጋጊሱ ደኣ’ምበር ኣይሰጎመን። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ዘጋጥም ዘሎ ነገራት ድማ ናብ’ቲ ቀንዲ ነጥብታት ኣዋጅ 73/1995 ተመሊስና ክንመያየጥ ይድርኸና ኣሎ። እዚ ሰነድ’ዚ ከኣ ነቲ ብ1995 ንመንግሥቲ ዝተዋህበ ሰነድ ብቐንዱ ኮይኑ፤ ገለ ወገናቱ ብመጠኑ ኣመሓይሽና ነቕርቦ ኣሎና።

1. ቤተክርስትያን: መንነታን ተልእኮኣን ዕላማኣን

     እዚ ወገን ሰነድና ቤተክርስትያን ብዛዕባ ርእሳ ዘሎዋ ርድኢት ብሓጺሩ ዚዝርዝር እዩ። ምኽንያቱ ከኣ ዝተፈላለየን በብዓይነቱን መንነትን ህላዌን ኪኸብር፤ ከምኡ’ውን ኣብ ሓባራዊ ዕላማን ረብሓን ዝተመርኮሰ ምትሕግጋዝ ኪርከብ ዚኽእል፤ ብዛዕባ ሓድሕድ ዚህሉ ኣፍልጦ ቅኑዕ እንኪኸውን እዩ። ናይ ሕቡር ንብረትናን ሃገራዊ ማሕበርነትናን ዕላማ ድማ እዚ ሓባራዊ ረብሓ እዩ። ኣብ’ዚ ክንገልጾ ዝደለና እቲ እንሓቶ ንህላዌናን መንነትናን ዚርኢ፤ እቲ ንዝኾነ ኤርትራዊ ዜጋ ዚብጽሖ ሕጋዊ ኣፍልጦ ጥራሕ ኣይኮነን። ማዕረ ማዕረኡ መንነትናን እቲ እነበርክቶ ቁምነገርን ኣብ’ቲ ዚግበር ሓባራዊ ሕንጸት-ሃገር እጃሙ ዘለዎ ሓገዝ ከምዘበርክት ከነመልክት ንደሊ። ናትና መንነት ዝሓዝና ስለዝኾንና ኣበርክቶና ፍሉይ እዩ፤ ድሩት ከኣ እዩ። ከነበርክቶ እንኽእል ኣሎ፤ ካብ’ቲ ኣበርክቶና ወጻኢ ዝኾነ ከኣ ኣሎ። እዚ ግን “ኣወንታውን ሓቀይናን” ደረት እዩ። ብርግጽ’ውን ሓደ ሰብ ወይ ወገን ንርእሱ እሙን ወይ ቅኑዕ ምስዚኸውን ዝበለጸ ነገር ኪገብር ይኽእል።

     ብእምነትና እምበኣር ቤተክርስትያን ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተተኽለት እያ። ስለ’ዚ ከኣ ሰብኣዊ ዘይኮነስ ኣምላኻዊ መሠረት ዘለዋ ንድኅነት መላእ ዓሌት-ሰብ እትሰርሕ መንፈሳዊት ናይ ሰብ ማyበር እያ። ንሳ፣ ወንጌል ናብ ምሉእ ዓለም ብምስፋሕ፣ ሰባት ኣብ’ዚ ምድር’ዚ ብሰላምን ብፍቕርን ብፍትሕን ዚነብሩሉ፣ ከም ሳዕቤኑ ከኣ፣ ድሕሪ ሞት ዘለዓለማዊ ሕይወት ዚወርሱሉ መንገዲ ትሕብር።

     ቤተክርስትያን ሕያውን መንፈሳውን ኣካል ክርስቶስ እያ። እቶም ዝተጠምቁ ኲሎም ከኣ ሕያዋን ኣባላታ እንኪኾኑ፣ ኣብ መንጎኦም ፍጹም ዝኾነ ማዕርነት[3] ሒዞም ይካየዱ፥ ዝተፈላለየ ክፍሊ ኣካላትና ነናቱ ስራሕን ንጥፈትን ከም ዘለዎ፣ ነፍስ-ወከፍ ኣባል ቤተክርስትያን ከዓ ነናቱ እጃም የበርክት[4]

     ቤተክርስትያን ምእንቲ ድኅነት ኲሉ ሕይወቱ ንዘወፈየ ክርስቶስ መሲላ ካብ ዝኾነ ይኹን ዓሌታውን ወገናውን ኣገባብ ተገሊላ ንረብሓ ኲሉ ሰብ ትሰርሕ። ነዚ ተልእኮ እዚ ኣብ ሓቁ ንምብጻሕ ድማ ብርእሰ ሊቃነጳጳሳትን ኣበየቦታኡ ብዘለዉ ጳጳሳትን ተመሪሓ፤ ናይ ባዕላ ሕጋዊ ኣቀዋውማን ሒዛ እትካየድ ሕጋዊትን ሞራላዊትን ኣካል እያ (Juridical and moral person)።

     እዛ ኣብ ኤርትራ ዘላ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ከኣ ምስቶም ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ርእሰ ሊቃነጳጳሳት ዚጥርነፉ፤ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ካቶሊካውያን፣ ነቕ ዘይብል ሓድነትን ሱታፌን ኣለዋ። በቶም ምስ ርእሰ ሊቃነጳጳሳት ሱታፌ ዘለዎም ኣቡናታ ተመሪሓ ኣሰር ክርስቶስ ክትክተል እትጽዕር ናይ ምእመናን ማyበር እያ።

     እቶም ብጥምቀት ኣባላታ ዝኾኑ ምእመናን፣ ጕዳይ ሃይማኖቶምን ከም መጠን ሰብ ንዘለዎም ሞራላዊ ግድነትን ማyበራዊ ሕይወትን ብዚርኢ ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ብዝረኸብዎ ብርሃንን ብሕጊ ቀኖናን ይምርሑ፤ ብውልቂ ኮነ ብማyበር ጕዳይ ኣምልኾኦም ይፍጽሙ። ንዜግነታዊ መሰልን ግዴታ ብዚርኢ ግን ተጻይ ሕጊ ሞራልን ጸረ ሰብኣዊ መሰልን ክሳብ ዘይኮነ ንናይ ሃገር ሕገ መንግሥቲ ይእዘዙ።

     ቤተክርስትያን ከም መጠን ኣደን መምህርን ኮይና፤ ንዅሉ ክትምህርን ክትሕብሕብን ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕድሪ ተቐቢላ እያ። ነዚ ሕድርን ተልእኮን ንምፍጻም ድማ መንፈሳዊ ማyበራት ተንቀሳቕስ፣ ብተበግሶ ምእመናና ዚካየድ ናይ ግብረ ሠናይን ናይ ትምህርትን... ስራሓት ተዋሃህድ። እዚ ኲሉ ከኣ ብሕገ ቀኖናኣ ዚሥራዕን ዚምራሕን፣ ጕድለት ኣብ ዝተረኽበሉ ከኣ በዚ ሕጊ እዚ ዚፍረድን እዩ። ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ካቶሊካውያን ድማ ናጻ ብዝኾነ ወፈያን ምጽወታን ነቲ ስራሓታን ኣገልግሎታን ይድግፉ።

     ብጸዋዕታኦምን ብኲለንትናዊ ወፈያ ሕይወቶምን ንሥፍሓት ወንጌልን ንናይ ደቂሰብ ድyነትን ዕብየትን ዝተዓጥቁ ካህናታን ገዳማውያናን ገዳማውያታን ኲሎም ናይ ቤተክርስትያን ኣባላት እዮም። እንተኾነ ቤተክርስትያን ማለት ኣቡናትን ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ቈጺርካ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ክልተ ወይ ሠለስተ ብስም ክርስቶስ ኣብ ዝተኣከቡሉ፣ ክርስቶስ እውን ኣብ መንጎኦም ስለ’ዘሎ (ማቴ 18፣20) ክርስቶስ ኣብ ዘለዎ ከኣ ቤተክርስትያን ኣላ። ስለ’ዚ ከኣ እቶም ክርስትያን ዚበሃሉ ንቤተክርስትያን ስለ ዜቑሙ ቤተክርስትያን ኣብ ሕዝቢ ዘላ፣ ናይ ሕዝቢ እውን ዝኾነት፣ እቲ ሕዝቢ-እግዚኣብሔር ብቐንዱ ኢያ’ምበር ካብኡ ተነጺላ እትረአ ኣይኮነትን።

     ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን መሠረታውን ኣድለይትን ዝኾኑ ነገራት፣ ከም ናይ ኣምልኾን ጸሎትን ቦታታት፣ ገዛውትን ካልእ ንብረትን የድልያ እዩ። እዚ ግን ምድራዊ ነገራት ናይ ምዕታርን ምውናንን ሃረርታ ኣልዩዋ ዘይኮነስ፤ ነቲ ናይ ዘለዓለምነትን ናይ ወድሰብ ድyነትን ተልእኾኣ ንምፍጻም እትጥቀመሉ መጋበሪ ጥራሕ እዩ።

     ዝኾነ ይኹን ምስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዚዋሳእ ድማ ኪግንዘቦ ዘለዎ ናይ ቤተክርስትያን መንነት ዜቕውም መሠረታዊ ነጥብታት ኣሎ። ካብ’ዚ ነጥብታት’ዚ ገሊኡ እንተጐዲሉ እታ ብኽርስቶስ ዝተተኽለት ቤተክርስትያን ምዃና ብኡብኡ ተቋርጽ። እዚ ከኣ ካብ ናይ ክርስቶስ ትምህርትን ግብራዊ ኣብነትን፣ ካብ ናይ ሓዋርያት ስራሓትን ዝተወርሰን፣ ቤተክርስትያን ወትሩ ብኣስተንትኖ ካብ ዘዕመቘቶ ዝፈልፈለን እዩ። ነዚ ዚኽተል ነጥብታትዚ ብዚርኢ ኢዱ ኬእቱ ዚፍቀደሉ ሰብኣዊ ወይ ምድራዊ ሥልጣን የልቦን። ቤተክርስትያን ከኣ በዚ ዝመጽአ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ግዳማዊ ተጽዕኖ ኪግበረላ ኣይትጽመምን። ማለት፦

§ ናይ ቤተክርስትያን ትምህርተ ሃይማኖት ብምሉኡ፣ ሕግታት ሥርዓታት ናይ ኣምልኾን ስግደትን ኣገባባት፣

§ ውሽጣዊ ናይ ኣሠራርዓኣን ናይ ሥልጣን ሰንሰለትን ናይ ሓዋርያዊ መደባታን ኣከያይዳኣን፣

§ ኣብ ስብከተ ወንጌል እትኽተሎ መደባትን እትጥቀመሉ መጋበሪታትን፣ ነቲ ናይ ወንጌል ትእዛዝ ንምፍጻም እተዘውትY ናይ ፍቕርን ግብረ-ምሕረትን ናይ ርyራኄን ግብረ ሠናይን ስራሓታ።

2. ፖለቲካን ሃይማኖትን ፍሉይ እዩ

     ብታሪኽ ከምዚፍለጥ ነዊሕ ክርስትናዊ ታሪኽን ልምድን ዝጸንሐን  ሃገራት ንዘመናት ሥርዓት ቤተክርስትያንን መንግሥትን ኣወሃሂደን ፖለቲካን ሃይማኖትን ኣዛሚደን: Caesaro-papism ማለት mk}²éPgñ ስልጣን ዚምራሕ ሥርዓq A§L~q: ‘§ theocracy  LDq mkA§L~pgñ QF¸} ›MVI ÔDïoñŠgñ QX–q ኣማዕቢለን እየን። ኣብ ወገን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን እንተረአና፤ ካብ ክልተ ሚእቲ ዓመት ንነጀው እዚ ውህደት’ዚ ተቛሪጹ። ኣብ ፈለማ ኣበጋግሣኡ እዚ ምቁራጽ’ዚ ብናይ ኲነታት ግድነት ነበረ (ናይ ፈረንሳ ሪቦzሉሽን፣ ናይ ሊበራል መንግሥታት ምትንሣእ)።

     ብሕልፊ ኣብ’ዚ መበል 20 ምእተዓመት ግን፤ ቤተክርስትያን ብዛዕባ ህላዌኣን ዕላማኣን ተልእኮኣን ብዝገበረቶ ዝዓመቘን ዝረቐቐን ኣስተንትኖን ትንተናን ኣብ መንጎ ቤተክርስትያንን መንግሥትን (State) ዚህሉ ርክብ፤ ካብ ሓድሕዳዊ ምትእትታው ናጻ ኣብ ዝኾነ ኣነባባር (Mutual Autonomy) ዝተመሥረተ ኪኸውን ይበልጽን ይግባእን ኣብ ዚብል መደምደምታ ሓሳብ ክትበጽሕ ክኢላ ኣላ። እዚ መርገጽ’ዚ ሎሚ፤ ናይ ቤተክርስትያን ወግዓውን ቀንድን ትምህርትን መርሓግብርን ኮይኑ’ሎ።

     ቤተክርስትያን ካብ መንግሥቲ፤ መንግሥቲ ከኣ ካብ ቤተክርስትያን ናጻ ብምዃን ቤተክህነት ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ከካይድ የብሉን፤ መንግሥቲ ከኣ ኣብ ሃይማኖታዊ ጕዳይ ኢዱ ኣየእቱ እንተተባህለ ዘገርም ኣይኮነን፤ ቅኑዕ ዝኾነ ነገር ከዓ እዩ። በዚ ምኽንያት’ዚ እዩ ከኣ ጳጳሳት ካህናት መነኮሳትን ደናግል ዝኾነ ይኹን ዓይነት ፖለቲካዊ ስልጣንን መዝነትን ኪቕበሉ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ሕገ ቀኖናኣ ብጽኑዕ ከልኪላቶ ዘላ።

     ናይ ቤተክርስትያን ዕላማኣን ተልእኮኣን፤ ኣምላኽ ንደቂሰብ ዘለዎ ፍቕሩን ሓልዮኡን ምንጋርን ምእዋጅን ስለዝኾነ፤ መንግሥቲ ይኹን ፖለቲካዊ ሥርዓት ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኪፈርሕ ወይስ ኪሰግእ ኣይግበኦን።

     ብምኽንያት ተልእኮኣን መዝነታን ቤተክርስትያን ምስ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ማyበር ክትደባለቕ ምስ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ስርዓት ክትተኣሳሰር ኣይትኽእልን እያ። ፖለቲካዊ (ሥርዓት) ማyበርን ቤተክርስትያንን ኣብ ገግራቶም ሓደ ካብ ሓደ ናጻ ኮይኖም ዚሰርሑን ዓሌትሰብ (yብረተሰብ) ምዃኑ ግልጺ እዩ። ኲነታቱ ብዘፍቀደሉ ከኣ ክልቲኡ ኣካላት ብምርድዳእን ብምስምማዕን እንተደኣ ሰሪሑ እቲ ኣገልግሎታት እቲ ኣድማዕን ውጽኢታውን ምዃኑ ፍሉጥ እዩ[5]

     ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ምስ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ጉጅለ ከይተኣሳሰረት ብዝኾነ ይኹን ፖለቲካውን ማኅበራውን (ሶሻል) ኤኮኖሚያውን ሥርዓታት ከይተዓግተት ክትሰርሕ መደባ እዩ። ስለ’ዚ ከኣ፤ በይኑስ ሕይወት ሰብ ብቐንዱን ናይ ኲሉ ሰብ ክብርን ናጽነትን ዚሕለወሉን ዚምዕብለሉን ኲነታት ደኣ ይኹን እምበር፤ ምስ ዝኾነ ይኹን ክትሰርሕ፤ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካውን ማyበራውን ኤኮኖሚያውን ሥርዓት ምስ ዚኽተል መንግሥታዊ ኣሠራርዓ’ውን ክትሰርሕን ክትካየድን ትኽእል እያ።

     መንግሥታዊ ሥልጣን ንምክልኻል ሃገር ዘድሊ ኣገልግሎት ካብ ደቂ ሃገር ኪሓትት ግቡኡ ምዃኑ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን እትርድኦ እዩ። ነዚ ሓላፍነት’ዚ ዝተሸከሙ ዜጋታት ንናጽነት ሰባት ዝተወፈዩ እዮም።[6] ኣብ’ዛ ሃገር’ዚኣ ኣብ ዝነበረ ናይ ውግእ ዓመታት ምእንቲ ሕዝቦም ናይ ዝተወፈዩ ካቶሊካውያንን ካቶሊካውያትን መንእሰያት ቁጽሮም ንርእሱ ከምዘመልክቶ ካቶሊካዊ ዜጋ ነዚ ግቡእ’ዚ ከምዚኣምነሉ ዜርኢ እዩ።

     እንተኾነ ብባሕርያዊ ሕግን ተውህቦን ብዝረኸብዎ ሓይሊ ናጽነት ተደሪኾም ንኣገልግሎት ኣምላኽ እቲ ዝለዓለ ናይ ሕይወቶም ቀዳምነት ገይሮም ዝመረጹ ሰባትን ማሕበራትን ኣብ ቤተክርስትያን ኮነ ኣብ ኅብረተሰብ ከምዘለዉ ፍሉጥ እዩ። ምስ’ዚ ብዝተተሓሓዘ ድማ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ነቶም ኣገልገልታ ኣብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ከይነጥፉ ትእግድ።[7] እዚ ግን ንሕዝቢ ንዚወሃብ ኣገልግሎት ምንጻግ ዘይኮነስ፤ ንሰባት ብመንፈስ ኮነ ብሥጋዊ ግድነቶም ዚግበር ኣገልግሎት ምስ’ቲ ዝተባህለ ቀዳምነትን ምርጫን ዝተተሓሓዘ ወይ ከኣ ካብኡ ዚፍልፍል ብምዃኑ እዩ። እዚ ቀዳምነትን ምርጫን’ዚ ከኣ ንቕድመዅነት’ቲ ኣገልግሎት ዚውስን እዩ። ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኣቐዲሙ ንዝተመደበ ውሱን እዋን እንኪኸውን፤ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወት ንኣምላኽን ንሰብን ዚወሃብ ኣገልግሎት ግን ናይ መላእ ሕይወትካን ዕድመኻን መሥዋዕቲ ዚሓትት፤ መሰረታዊ ዝኾነ መሰላት መርዓን መውስቦን (መብፅዓ ድንግልና/ንጽሕና)፤ ናይ ውልቂ ንብረትን ጥሪትን ምውናን (መብፅዓ ድኽነት/ምናኔ)፤ ድላይካን መደብካን ምሕዳግ (መብፅዓ ተኣዝዞ) የሓትት። እዚ ከኣ ንሓንትን እንኮን ዕላማ ጥራሕ እዩ፦ ብምሉእ ኵለንትናኻ ብዘይ ገለ ውዕሊ ንኣገልግሎት ኣምላኽን ሰብን ርእስኻ ንምውፋይ እዩ።

     ንምንኵስናዊ ሕይወት-ፈለስቲ ዚወሃብ ክብርን ፍቕርን ኣብ መንጎ ሕዝብና ዘሎን ዝጸንሐን ናይ ታሪኽ ክርስትና ምስክርነት እዩ። ኣብ ልማድና ፈለስቲ እንስሳ’ኳ ብኻራ ኪሓርዱ፤ ወይ ኣብ ማሕረዲ ኪጽንበሩ ዘይፍቀድ ምዃኑ፤ ኣጽዋር ወይ ብረት ምልዓል ከኣ ዝገደደ፤ እዚ ኩሉ ዘተሓሳስቦን ዘመሓላልፎን መልእኽቲ ኣለዎ። ናይ ሞራልን ባህልን ልምድን መሰረትና ናይ’ቲ መንነትናን ክብርታትናን፤ እንቖመሉ ዕላማታትናን ቀንዲ መግለጺ እንተደኣ ኮይኑ፤ ዝኾነ ይኹን ንመንነት ሓደ ሕዝቢ ዚትንክፍ ሕግታት ኪንደፍ ከሎ ነዚ መሰረታት’ዚ ዚሕሉ ኪኸውን ግዲ እዩ።

3. ብወገን ሞራል ዚህሉ ምትሕግጋዝ

     “ፖለቲካዊ ማyበረሰብን ቤተ ክርስትያንን ርእሶም ዝኸኣሉን፣ በብመንገዶም ዚካየዱን ሓደ ካብ ሓደ ናጻ ዝኾኑን እዮም። በበይኑ ስምን መዝነትን’ኳ እንተለዎም፣ ክልቲኦም ብውልቃውን ማyበራውን ጐድንታቱ ነቲ ሓደ ሰብ እዮም ዜገልግሉ። ነዚ ንረብሓ ኲሉ ዝኾነ ኣገልግሎት ብብቕዓት ዚፍጽምዎ ድማ ግዜኡን ቦታኡን ብዚፈቕዶ ኣገባባት ዝተመርሐ ጽፉፍ ዝኾነ ምትሕብባር ከማዕብሉ ከለዉ ኢዩ...”።[8]

     ናይ’ቲ ዝተጠቕሰ ኣዋጅ 73/1995 ዓንቀጽ 5/1 መንግሥትን ሃይማኖታትን ብወገን ሞራል ኪተሓጋገዙ ከምዚኽእሉ የመልክት። እዚ ኣብ ላዕሊ ምስ ዝተጠቕሰ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዘሳኒ እዩ። እንተኾነ ናይ መደብ ሞራል ስፍሓቱን፤ ዝተፈላላየ መዳያቱን፤ መሰረታዊ ርድኢቱን ኣብ ግምት ምእታው የድሊ። ፖለቲካዊ ሥርዓትን ንጥፈታቱን ናይ ማኅበረሰባዊ ርክባት ማዕርነትን ሥርዓትን፤ ሕግታትን መምርሕታትን ብመንፅር ፍትሒ ኪረአ ከሎ፤ እዚ ኵሉ ሞራላዊ ሕጊ ብቐጥታ ጽልዋኡ ዘቐምጠሉ ወገናት እዩ።

     ኣብ’ታ ዝቐደመት መልእኽትና ከምዘመልከትናዮ፤ “ናይ ኵሉ ማyበረሰባውን (ሶሺያል) ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን መደባት መለክዒ ወይስ መምዘኒ ሰብ እዩ። ስለ’ዚ እውን ኲሉ ናይ yብረተሰብ መሣርዓትን ትካላትን ዕላማኡ፤ መብዝሕትኡ ሰብ ክእለቱ ዜማዕብለሉ ናይ ታሕጓስን ውሕልነትን ግቡእ ሃረርታኡ ዜርውየሉን ጥጡሕ ኲነታት ምምሃዝን፣ ቀጺሉ ድማ ከም ዚምዕብል ምግባርን እዩ።

     ነዚ ዕላማታት’ዚ ንምጭባጥ ሓደ መንግሥቲ ሃገር ነቲ ፖሊሲታቱን ግብራዊ ንጥፈታቱን ምስቲ ሓባራዊ ሞራላዊ ሕግን፤ ካብኡ ምስ ዚፍልፍል መምርሕታትን ከምዚሰማማዕ ኪገብር ይግባእ። ምኽንያቱ ናይ’ዚ ኹሉ መወዳእታ ዕላማ፤ ክብረግርማ ወድሰብ ምሕላውን ከምዚረጋገጽ ምግባርን እዩ። ፖለቲካ ካብ መሰረታት ሕጊ ሞራል ኪንጸል ከሎ ንረብሓ ሰብ ዘይኮነስ ተጻይ ሰብ ብቐንዱ ይኸውን።

     ሞራላዊ ሕጊ ምንጩን መበቈሉን እግዚኣብሔር እዩ። ተልእኮ ቤተክርስትያን ድማ ንትእዛዛት ኣምላኽ ምንጋር ምእዋጅ፤ ምእንትኡ ተጣባቒት ምዃን እዩ። ኣብ ውልቃዊ ይኹን ማኅበራዊ ሕይወት-ሰባት ሕጊ ሞራል ኪጠሓስ ከሎ ቤተክርስትያን ድምጻ ከተስምዕ ተመዚዛ እያ። ወገን ፖለቲካ ድማ ካብ’ዚ መምርሒ’ዚ ነጻ ኣይኮነን። ስለ’ዚ ንፖለቲካዊ ጉዳያት ብዚርኢ ቤተክርስትያን ከተድምጽ ከላ ከም ፖለቲከይና ዘይኮነትስ፤ ነቲ ብሕጊ ሞራል ዝተቐመጠ ሰብኣዊ ክብረግርማ ንምሕላውን ምእንትኡ ንኽትጣበቕን ጥራሕ እዩ።

      እዚ ሕግ’ዚ ንኣምላኽ ከይንጻባእ ጥራሕ ዚኽልክል ዘይኮነስ፤ ነቲ ብኣምሳል ኣምላኽን ብኣርኣያኡን ዝተፈጥረ ሰብ ከይንጐድእ’ውን ይኽልክል። ናይ ሰብ መሰረታዊ መሰላት ኪገሃስ ከሎ ክብረግርማኡ ዚትንክፍ ዝዓበየ በደል እዩ። ከም’ዚ ኣብ ዝበለ ኵነት፤ ቤተክርስትያን ንመሰሉ ክትጣበቕ ከላ ፖለቲካዊ ተግባር ኣይኮነን። ንጹሕን ውጹእን ሞራላዊ ግዴታኣን ስራሓን እያ ዝፈጸመት። ጉባኤ ቫቲካን 2 ከምዚ ዚስዕብ ይብል፦ “መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ከምኡ ንድኅነት ነፍሳት ዚትንክፍ እንኪኸውን ወላ’ውን ንፖለቲካዊ ጉዳያት ብዚርኢ ቤተክርስትያን ሞራላዊ ፍርዳ ኪትህብ ኩሉ ግዜን ኣብ ኩሉ ቦታን ነጻ ክትከውን ይግባእ….”[9]

     ብዝተረፈስ ዝኾነ ይኹን ሃይማኖታዊ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ኣባላቱ ብስም ሃይማኖት ዘካይዶ ተግባራት ንናይ ሰብ ክብረ-ግርማ (dignity) ብቐንዱ ዚትንክፍን ንናጽነቶምን ድልየቶምን ዚግሕስ በደላት እንኪፍጽም፣ እቲ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ምሕላውን ምሕብሓብን መዝነት ዘለዎ መንግሥቲ ግቡእ ስጕምቲ እንተወሰደ ኢድ ምእታው ኣይበሃልን። መሰሎም ንዝተጋሕሱ ኪጣበቐሎም ግቡኡ እዩ። ቤተክርስትያን ከኣ ነቲ ዚጐድእን ዚጻባእን ከይተገደሰትን ከይተጨነቐትን ድምጻ’ውን ከየስመዐት ክትሓልፎ ኣይትኽእልን።[10]

     ናይ ቤተክርስትያን መዝነትን ተግባርን ግን፣ ብናይ ምክልኻልን ምሕላውን ኣሉታዊ መልክዕ ጥራሕ ኣይኮነን ኪጥመት ዘለዎ። ቅድሚ ዅሉ ሓናጽን ኣወንታውን መልክዕ ከምዘለዎ ምርግጋጽ የድሊ። ቤተክርስትያን ብባህሪኣን ብተልእኮኣን ፖለቲካዊ ምንቅስቓስን መደብን’ኳ ከተካይድ እንተዘይተገበኣ፣ ኣብ ናይ ምእመናን yሊና መንፈስ ፍትሕን ርትዕን፣ መንፈስ ቅንዕናን ኣገልግሎትን፣ መንፈስ ምክብባርን ምርድዳእን ምእንቲ ኪሠርጽ፣ ብሞራላዊ ትምህርታ ክትኲስኲስ ግቡኣ እዩ።

     ነዚ ተግባር እዚ ንምፍጻም ከም ናይ ትምህርተ ሞራል መጋበሪ እትጥቀመሉ ናይ ማyበራዊ መራኸቢ መሳለጥያታት (Instruments of social Communication) ኣለዋ። እዚ መሳለጥያታት’ዚ ከኣ ብውልቃዊ ደረጃ ጥራሕ ዘይኮነ ብማኅበራዊ መዳይ’ውን ዚረአ እዩ። “ናይ ቤተክርስትያን መራሕትን ጓሶትን ኣብ ፖለቲካዊ መሥርዕን …mk KQXI M‘é©öªmk ykéX …{lmkV ብቐጥታ ኪሳተፉ ኣይፍቀደሎምን እዩ”[11]፤ ግን ከኣ ቤተክርስትያን ኣብ ውሽጣዊ ውሱን መንፈሳዊ ናይ ኣምልኾ መደባታ ጥራሕ ተዓጽያ እትተርፍ ኣይኮነትን[12]

     እዚ ናይ ምብራህን ምዅስኳስ yሊናን ስራሓታ ኣብ ምፍጻም፤ ዝኾነ ይኹን ግርጭታዊ ናህርን ረብሻን ናዕብን ከተወግድ፤ ናጻን ሓናጽን ዝኾነ ምይይጥን ዘተን ናይ ሓሳባት ንጽጽርን ግን ከተማዕብልን ከተተባብዕን፣ በቲ ናታ መርሓግብርን ትምህርትን ግዴታ ከምዘለዋ ኣብ ሰነዳታ ተገሊጹ ኣሎ።

4. ናጽነት እምነትን፤ ምስዳዕ ሃይማኖትን

     እምነትካ ኣብ ምምራጽን ብግብሪ ኣብ ምኽታልን፤ ካብ ዝኾነ ይኹን ኣብ ውልቀሰብ ይኹን ኣብ ማኅበር ዚፍጸም ስነልቦናዊ ጸቕጢ ነጻ ምዃን፤ ካብ ዝኾነ ግዳማዊ ድፍኢት ሓራ ምዃን ናይ ሰብኣዊ ክብረ-ግርማ ዝበለጸ መግለጺኡ እዩ። መሰል ናጽነት-እምነት ዚበሃል እዚ እዩ። “እዚ ሰብኣዊ መሰል ናጽነት-እምነት መሰረታዊ ሲቪላዊ መሰል ንምዃን ብዘብቅዖ ኣገባብ ኣብ’ቲ ቅዋማዊ (ሕገ መንግሥታዊ) ሥርዓት ብቑዕ ተፈላጥነት ኪረክብ ይግባእ”[13]

     ምእንት’ዚ እዚ ዚስዕብ ኣብ ግምት ዘእቱን ዚሕሉን ዝኾነ ይኹን ውልቀሰብ ወይ ጉጅለ፤ ዝኾነ ይኹን ሃይማኖታዊ ዝንባሌ የሃልዎ ብዘየገድስ፤ ምሉእ ዜግነታዊ መሰልን ክብርን ኪወሃቦ ይግባእ፦ (1) ‰M Kq‰F }ምድራዊ  ሥርዓት (temporal order) ኪቕበል (2) ነቶም ኣብ እምነቱ ዝተጸንበሩ ዝኾነ ይኹን ስነልቦናውን ግዙፍ ኣካላውን ጉድኣት ዘየስዕብ ምስ ዚኸውን (3) ብዝኾነ ይኹን መልክዑን መሥርዑን ምኽንያቱን ግብረሽበራን ዓመጽን ናዕብን ዘየተባብዕ ዘየስፍሕ (4) ሰባት ናብ ወገኑ ንምስሓብ (ምስዳዕ) ዘይቅኑዕን ናይ ምጥፍፋእን ምሽጣፍን ኣገባብ ዘይጥቀም ኪኸውን የድሊ። ናይ ምስዳዕ ተግባራት  ብዝኾነ ዓይነት መልክዑ ክልኩል ምዃኑ ኣብ’ቲ ኣዋጅ 73/1995 ብግልጺ ሰፊሩ ኣሎ። ምስዳዕ ዘይግባእ ምዃኑ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን እውን ምሉእ ብምሉእ እትሰማምዓሉ ነጥቢ እዩ። ኣብ ሓደ ካብ’ቲ ቀንዲ ሰነዳታ ከም’ዚ ዚስዕብ ይንበብ፦ “ሃይማኖታዊ ወገናት ንእምነተን ብዚርኢ ብቓል ኮነ ብጽሑፍ ንምንጋር ወይ ብተግባር ንምምስካር ዚዓግተን ኪህሉ ኣይግባእን። ዝኾነ ኮይኑ ግን ሃይማኖታዊ እምነት ኣብ ምዝርጋሕን፤ ሃይማኖታዊ ተግባራት ኣብ ምትእትታውን ኩሉ ሰብ ኣብ ኩሉ ቦታ ከወግዶ ዚግበኦ ነገራት ኣሎ፤- ኣስገዳድን ዘይቅኑዕን ሕሱርን ኣገባባት ተጠቒምካ ንምስዳዕ ምፍታን፤ ብፍላይ ከኣ ብመንጽር ድኻታትን ዘይምሁራት ወገናትን ኪኸውን ከሎ፤ እዚ ተግባርን ኣገባብን’ዚ ንመሰልካ ኣብ ዘይመዓላኡ ምውዓልን ንመሰል ካልኦት ምግሃስን እዩ”[14]  

     በዚ መንፈስ’ዚ ከኣ ኣብ’ታ ሓዋርያዊት መልእኽቲ (ሰላምን ምዕብልናን) ኣነጺርና ዘቐመጥናዮ ሓሳብ ኣሎ። “እዛ ኣብ ኤርትራ እትርከብ ማyበረ ምእመናን ድማ ኣብ’ዚ ዝተጠቕሰ ሓፈሻዊ ተልእኮ ቤተክርስትያን ተሳታፊት ብምዃና፤ ኣብ’ዛ መሬት’ዚኣ ንዚርከቡ ኣxትን ኣyዋትን ብዚደምዕ ኣገባብ ነቲ ናይ ድyነት xይልን ክእለትን (ጸጋታት) ኣብ ግብሪ ከተውዕሎ ድልየታ ምዃኑ ብግልጺ ተረጋግጽ… ብዅሉ መዳያት ህልውናኡ ንሰብ ከማዕብል ንዝቐረበ መደብን እማመን ኲሉ ክንቅበሎን ዝዓቕምና ከነበርክትን ማለትና ኢና... ናብ’ዚ ግድነት’ዚ ዚደፋፍኣና ዘሎ ምድራዊ ዕላማ ወይ ክብርን ዝናን ተመኒና፤ ወይ ንኻልኦት ናብ ወገንና ንምስሓብ ዘይኮነስ፤ ሕጂ’ውን ክንደግሞ ናይ ኣገልግሎት ባህግን ድልየትን ጥራሕ እዩ”።

     “ቤተክርስትያን ንትምህርቲ ወንጌል ብምኽታል ተልእኮኣ ትፍጽም። ነቲ ኣብ ሰብኣዊ  ማyበር ዘሎ ሓቂ፣ ሠናይ ዘበለ፣ ጽቡቕ ዝተባህለ ኲሉ ተማዕብሎ፤ በዚ ከኣ ምእንቲ ክብሪ ኣምላኽ ኣብ መንጎ ደቂሰብ ሰላም ተንግሥ።”[15]

     ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ነቲ ሓፈሻዊ ናይ ናጽነት እምነት መሰል ትሕሉን ተኽብርን ስለ’ዚ ከኣ እዛ ኣብ ኤርትራ ዘላ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንእምነታ ብግልጺ ብቓል ኮነ ብጽሑፍ ክትምህርን ብተግባር ክትምስክርን ዕላማኣን ድሌታን እዩ። ንኻልኦት ሃይማኖታት ክትጻረር ግን ኣይትደልን። ንተኸተልተን ክትወስድ ኢላ’ውን ኣይትሰርሕን እያ። ነፍስወከፍ ሰብ ዝደለዮ እምነት ኪመርጽ ዘለዎ መሰል  ተኽብር፤ ምእንቲ ናይ yሊና ፍጽምቲ ናጽነት ድማ ትማጐት።

     ሓድሕዳዊ ኣፍልጦን ርድኢትን ንሕብረተሰብ ኣብ ምህናጽ ዝበለጸ መጋበሪ ምዃኑ ብምእማን፤ ኣብ ማዕርነትን ሓቅነትን ሓድሕዳዊ እምነትን ክብረትን ዝተመርኮሰ ምስ ካልኦት ሃይማኖታት ንዚግበር ዘተ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ትድግፎ እያ። ካብ ወገን ካልኦት’ውን ተመሳሳሊ ዓይነት ክብርን ምርድዳእን ክትጽበ ባህርያዊ እዩ።

5. ሰብኣዊ ምዕብልና

      ኣብ’ቲ “ኣዋጅ ቊ.73/1995” ዝተሰምየ ሻዱሻይን ሻምናይን ዓናቕጽ ብዛዕባ ልምዓትን ማyበራዊ ኣገልግሎታትን ብዛዕባ ንስኡናትን ስንኩላንን ዚግበር ሓገዝን ረድኤትን ተዘሪቡሉ ኣሎ። ኣብ’ዚ ብንጹር እንብሎ፣ እዚ ከም’ዚ ዝበለ “ምልኣት ሰብኣዊ ምዕብልና” ቢልና እንሰምዮ ምንቅስቓሳት ናይ ቤተክርስትያን ሓዋርያዊ ተልእኮኣ ቀንዲ ኣካል’ምበር፤ ሓደ መንም ተወሳኺ ወይስ ተደራቢ ጥራሕ ከምዘይኮነ እዩ።

ኣምላኽ ንዓሌት-ሰብ ዘለዎ ፍቕሪ ምሉእ፤ ንነፍስን ንሥጋን ዘጠቓልል ኲለንትናዊ ምዃኑን፤ ነዚ ፍቕር’ዚ ናይ ምግሃድ ተልእኮ ድማ ንቤተክርስትያን ከምዝተዋህበን ነኣምን። ንቤተክርስትያን ዝተኸላን ናብ ዓለም ዝለኣኻን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሓደገላ ትእዛዝ ካልእ ዘይኮነስ እቲ ንሱ ዝገበY ንኽትገብር እዩ። ሠናይ ዘበለ እናገበረ፣ ሕሙማን እናፈወሰ ኣበሠረ። ነዚ ኲሉ ዝፈጸሞ ከኣ “ንሓድሕድኩም ተፋቐሩ” ኣብ ዚብል ትእዛዝ ኣጠቓለሎ። ቤተክርስትያን ለበዋኡ ከቢዱዋ ኣሰር ኣሰሩ ብምስዓብ ካብ ቅድም ኣትሒዛ ግብረ-ሠናይ እናፈጸመት ንጥሙያት እናዓንገለት ንሕሙማን እናፈወሰት ንዘይተማህሩ እናመሃረት… ትቕጽሎ ኣላ።

       ስለ’ዚ ከኣ ቤተክርስትያን ኣብ ናይ ወድ-ሰብ መንፈሳዊ ሃለዋት ጥራሕ ተገዲሳ፤ ነቲ ኣእምYኣውን ግዙፋውን ሃለዋቱን ኲነታቱን ከይተገደሰትሉ ክትተርፍ ኣይትኽእልን።[16] “ቤተክርስትያን ንዓሌት-ሰብ ካብ ክርስቶስ ከም ሕድሪ ተቐቢላቶ እያ። እታ እንኮ ዕላማኣ ከኣ ነዚ ሰብ’ዚ ብመንፈስ xላፍነትን መዝነትን ምክንኻንን ምክትታልን እዩ። ጉባኤ ቫቲካን ከም ዘበራርሆ ድማ ዓሌት-ሰብ ጥራሕ እዩ፣ ብእግዚኣብሔር ፍሉይ ኣቓልቦ ዝረኸበን፣ ኣብ ዘለዓለማዊ መደብ ድyነት ንኺሳተፍ ሕሉፍ መደብ ዝተገብረሉን። ስለ’ዚ እቲ ኣብ ሓሳብ ጥራሕ ዘሎ ሰብ ኣይኮነን ንቤተክርስትያን ዚግድሳ፤ እቲ ብጭቡጥን ግዙፍን ኣገባብ ህልው ታሪኻዊ ዝኾነ እዩ። እዚ ከኣ ነፍስ-ወከፍ ሰብ ማለት እዩ...[17]

      ንሰብ ግድነት ሰብኣዊ ረድኤት ምልጋስ ንዓና ንክርስትያን ኣምላኻዊ ትእዛዝ እዩ። ነዚ ሸለል ዝበለትን ንድኻታት ቈላሕታኣ ዘቋረጸትን ቤተክርስትያን ከኣ ትእዛዝ ኣምላኽ ኣይፈጸመትን ካብ ዚብል ክሲ ከተምልጥ ኣይትኽእልን። ተልእኮኣ ብዚግባእ ንምፍጻም ናይ መንፈሳዊ ማኅበራት ምንቅስቓሳት ጥራሕ ዘይኮነ፤ ካብ ሙዓለ ሕፃናት ክሳብ ዩኒቨርስቲ ዘሎ ትምህርታዊ ተቕዋማት ትምሥርት፣ ኣብያተ ሕክምናን ዝኽትምናን… ተካይድ። ናይ ቤተክርስትያን ቀንዲ ስራሕ ነቲ ዘለዓለማዊ ሓቂ ምምሃር እኳ እንተኾነ፣ ሰብ ብዅሉ መዳያት ሕይወቱ ምሉእ ኮይኑ ዚስልጥነሉ መንገዲ ምእንቲ ኪጭብጥ ትጽዕርን ትተግህን። ክርስትያናውን ኅብረተሰባውን ናይ ፍትሕን ርትዕን ድልዱል መዕበያ ንምሃብን ንምዅስኳስን መራኸቢ-ብዙxን ትጥቀም። ነዚ ስራሓት እዚ ዜድሊ ጥሪትን ትካላትን ናይ ምሓዝን ምምሕዳርን፣- ካብ ካልእ ዚመጽእ ሓገዝን ምጽወታዊ ህያባትን ወፈያን ምቕባል…እዚ ኲሉ ኣብ’ቲ ታሪኻዊ ህላዌኣን ሕጋዊ ኣሠራርዓን ዝተሰዅዐ እዩ።

      ቤተክርስትያን ንምዕብልና ደቂ-ሰብ ከተበርክተሉ እትኽእል ዓይነቱን መዳያቱን ብዙሕ እዩ። ኣብ’ዚ ኣብ ኤርትራ ብፍላይ ብኣብያተ ትምህርትን ብናይ ጥዕና ማእከላትን ብዙሕ ኣበርኪታ እያ። ነቲ ካልእ ናይ ሰብኣዊ ምዕብልና መደባት ከይነጸገት ነዚ ናይ ትምህርትን ጥዕናን ኣጸቢቓ ክትደፍኣሉ መደባ እዩ። ነዚ ግድነት’ዚ እንክንገልጽ፤ እዚ ዚስዕብ ነጥብታት ክነበራርህ ንፈቱ።

. ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዚዋፈር ናይ ሰብኣዊ ምዕብልና መደባት፤
ንዝኾነ ይኹን ዓሌታዊ ሃይማኖታዊ ወይ ካልእ ዓይነት ሌላን ጕሌላን ዝተመርኮሰ ኣይኮነን።

ሁ. እዚ ብቤተክርስትያን ዚዋፈር ናይ ሰብኣዊ ምዕብልና መደባት፤ ንኻልኦት ናብ ካቶሊካዊት ሃይማኖት ናይ ምስሓብ ዕላማ የብሉን።

. ቤተክርስትያን ብባህሪኣ፣ “ዘይመንግሥታዊ ማኅበር ረድኤት” ኣይኮነትን፣ ብኸምኡ ክትረአ’ውን ኣይግባእን። ብኣምላኽ ዝተመሥረተት’ምበር መንም ምድራዊ ማኅበር ስለዘይኮነት፣ ኣብ ትሕት’ቲ ናይ ምንጻግን ምቕባልን ሥልጣን ዘለዎ መዝጋቢ (ሬጂስትራር) እትኣቱን፤ በቲ መምርሒኡ ድማ ንእትመሓደረሉ ሕግን ኣቀዋውማን ክትልውጥ እትግደድ ኣይኮነትን። ንማሕበራዊ ንጥፈታት ዚርኢ ብፍላይ ንሕዝቢ ዚርኢ ተግባራትና ካብ ናይ መንግሥቲ ቁጽጽርን ሓላፍነትን ወጻኢ እዩ ንምባል ኣይኮነን። ንሕዝቢ ብምዃኑ ንንጹርነትን ጽፈትን ኣብ ትሕቲ ሕግን ሥርዓትን ኪኸውን ግቡእ እዩ። ግዳ ነዚ ብቤተክርስትያን ዚካየድ ካብ ዘይመንግሥታዊ ትካል-ረድኤት ዝተፈልየ ማኅበራዊ ንጥፈታት ፍሉይ ምዃኑ ተኣሚኑሉ ንኣኡ ዚበቅዕን ዚግባእን፤ ንናይ ቤተክርስትያን መንነትን ፍሉይነትን ዚሕሉ፤ ቤተክርስትያን እውን እተኣምነሉ ሕግን መምርሕን ኪግበረሉ የድሊ ንብል። እዚ ኣጸቢቑ ምእንቲ ኪበርህ፤ ምስ ዚምልከቶ ኣካል ክፍሊ-ረድኤት መንግሥቲ ኤርትራ (ERREC) ሃናጺ ዝኾነ ዘተን ምኽርን ተጀሚሩ ነይሩ። ንሕዝብና ዚጠቅም ምትሕብባርን ምርድዳእን ምእንቲ ኪጭበጥ፣ እዚ ዘተ’ዚ ኪቕጽል’ውን በዚ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ነሓትት።

6. ካብ ናይ ወጻኢ ተቕዋማት ጸግዒ ወጺእካ ብርእስኻ ምሕዳር

      ኣብያተ ክርስትያን ኮነ ሃይማኖታዊ ትካላት፤ ኣብ ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ንናይ ወጻኢ መንግሥታት ወይ ፖለቲካዊ ውድባት ኪውክላ ኣይክእላን ዚብል ኣብ’ቲ ኣዋጅ 73/1995 ይርከብ። ከም’ዚ ዝበለ ርክባት መጠን ክንደይ ንመንግሥቲ ከምዘተሓሰሰቦ ዚርዳእ ነገር እዩ፣ ከመይ ሳዕቤን ዘምጽእ ነገራት ክህልዎ ስለዚኽእል።

ኣብ ኤርትራ ዘላ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን እንተደኣኮይና ንዝኾነ ይኹን መንግሥታዊ ወይ ድማ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ከምዘይትውክል፤ ምስ ዝኾነ ይኹን ከምዘይተትኣሳስር፤ ናጽነትን ገለልተይንነትን ዝመለለይኡ መንገዲ ሒዛ ስለእትካየድ፤ ንኸም’ዚ ዝበለ ኣገባባት ቦታ ከምዘይትህቦ ድY ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ኣሎ።

      ግዳ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብባህሪኣ ብመንነታን ከም ስማ ካቶሊካዊት “ዩኒቨርሳል”፣ ማለት ዓለምለኻዊት ብምዃና እዛ ኣብ ኤርትራ ዘላ ቤተክርስትያን (ካቶሊካዊት) ምስ’ታ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘላ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ርክብ ጥራሕ ዘይኮነ ብመሰረቱ ንህላዌ ዚትንክፍ ሓድነት ኣለዋ። እዚ ርክብ’ዚ ግን ብxባራዊ ምትሕግጋዝን፤ ዘለካ ርካብ ብምስታፍን (ብምክፍፋልን) ብሓልዮ ሓድሕድን ዚግለጽ መንፈሳዊ መልክዕ’ምበር ፖለቲካዊ ባህርይ ዘለዎ ኣይኮነን። እዚ ምትሕግጋዝን ሓልዮ ሓድሕድን ግን ከም ምጽወታ ብሕቱ ዚረአ ዘይኮነስ፤ ናይ ኲላ ቤተክርስትያን ንብረት ካብ ዝኾነ ሓባራዊ ማዕከን ወጺኡ ከከም ኣድላይነቱን ግድነቱን ንዅሉ ዚዕደል እዩ። ስለ’ዚ ናይ ኤርትራ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን (ብፍላይ ብውሽጣዊ ጉዳያታ) ካብ’ታ ኣብ መላእ ዓለም ዘላ ቤተክርስትያን እትረኽቦ ኩሉ ግቡኣን መሰላን ምዃኑ ኪፍለጥ ይግባእ።

      እዚ ርክብ’ዚ ብመሠረቱ ዕላማኡን ኣገባቡን መንፈሳዊ ብምዃኑ ንናይ’ቶም ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ካቶሊካውያን ሃገራዊ መንነቶም ዚትንክፍ ጸገም ዜምጽእ ኣይኮነን። ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንናይ ሕዝብታት ሃገራዊ መንነት ኮነ ፖለቲካዊ ናጽነትን ናይ ርእሰ ውሳኔ መሰልን ትሕሉ ተኽብር።[18] ስለ’ዚ ከኣ ናይ’ዛ ኣብ ኤርትራ ዘላ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ምስ ናይ መላእ ዓለም ካቶሊካውነት ዘለዋ ርክብን ሓድነትን ንናይ ኣባላታ ሃገራዊ መንነት ዘጸግም ኣይኮነን።

7. ርእስኻ ብኤኮኖሚ ምኽኣል

      ብኤኮኖሚያዊ መዳይ ርእስኻ ብዛዕባ ምኽኣል’ውን፤ ወላ’ኳ ናይ ምትሕግጋዝን ዘሎካ ሃብትን ምጽዋትን ብሓባር ናይ ምጥቃምን መምርሒ እንተ’ሎ፤ ኣብ ሃሃገሩ ዘላ ቤተክርስትያን ካቶሊክ ርእሳ ክትክእል፣ ብወገን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ወትሩ ዘየቋርጽ ጻዕሪ ምስተኻየደ እዩ። ናይ ኤርትራ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን እዚ ባህግ’ዚ ዘይብላ ኣይኮነትን። ግና ኣብ ክዉንን ህሉውን ኩነታት ከነድህብ ኣሎና። ካቶሊካውያን ምእመናን ውሑዳት ብምዃኖም፤ ንቤተክርስትያኖም ርእሳ ዜኽእላ ርቡሕ ሓገዝ ከፈልፍሉ ዘይኽእሉ እዮም። ርእስኻ ናይ ምኽኣል ዚብል ኣተሓሳስባ ምእንቲ ኪሠርጾም፣ ገለ ናይ ሱታፌ ምልክት ኪኸውን ዚኽእል፤ ብመልክዕ ዓመታዊ ግብሪ-ታቦት ከምኡ’ውን ብመባእ መጠነይና ወፈያ ኪገብሩ ነተባብዖም። ስለ’ዚ ካብ ሓያሎ ግዜያት ኣትሒዝና ነዚ ርእስኻ ናይ ምኽኣል መደብ ክንበጽሖ ዜኽእለና መጋበርን ኣገባብን ኣብ ምምሃዝ ንርከብ ኣሎና። ግና ሕጂ’ውን እዚ ነገራት’ዚ ብሓጺር ግዜ ኪኸውን ኢልካ ምሕሳብ ካብ ክዉንን ህሉውን ኣገባብ ምርሓቕ እዩ።

      ቤተክርስትያን ኣሠር’ቲ ድኻ ኪኸውን ዝመረጸ ክርስቶስ ብምኽታል ካብ’ቶም ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኣባላታ እትረኽቦ ናጻ ዝኾነ ወፈያ ምቕባል ግቡኣ እዩ። እንተኾነ ኣብ ዝቐደመ ገጽ (85) ከምዝበልናዮ፤ እዚ ምትሕግጋዝ’ዚ ትኳቦ ወይ ምጽወታ ዘይኮነስ፤ ኣብ መንጎ ኣኅዋት ዚግለጽን ዚረጋገጽን ሓባራዊ ምትሕግጋዝ፤ ብሓልዮ ሓድሕድ ኣብ ናይ ሓባር ሃብቲ ምስታፍን እዩ፤ ከመይ “እቲ ተረፍኩም ነቲ ጐደሎኦም፣ እቲ ተረፎም ከኣ ነቲ ጐደሎኹም ኪምልእ’ሞ ማዕርነት ምእንቲ ኪኸውን እየ ዝጽሕፎ ዘሎኹ” (2ቆY. 8፣14) ይብል ቅ.ጳውሎስ። ስለ’ዚ ምምልላእ ንቡር ናይ ሓድነትን ፍቕርን ምልክት እዩ።

      እንተ’ቲ ብወገን መንግሥቲ ንቤተክርስትያን ኪወሃብ ዚበሃል ሓገዝ (ኣዋጅ 73/1995 ኣን.5/2 ኣን.7 ኣን.8)  ቤተክርስትያን ብወገን ሰብኣዊ ምዕብልና ንሕዝቢ ኣብ እተበርክቶ ኣገልግሎት መንግሥቲ ኪሕግዝ ምስ ዚደሊ ኣእዳዋ ዘርጊሓ ትቕበሎ። ንናይ ኣባላታ ውሽጣዊ ምምሕዳር ብዚርኢ ግን ከም ምጽዋት ክትሕገዝ እኳ እንተዘይጸልአት፤ ብደሞዝ ወይ ብኻልእ ዓይነት መልክዕ ግን ኣይትምልከቶን። ከመይ ንታቦት ዘገልግል ብታቦት ይነብር።

መዛዘሚ

            ነዚ ዝዘርዘርናዮ ሓሳባትን መልእኽትን፤ መንግሥቲ ተገንዚቡስ ኣብ’ቲ ኲሉ ምስ ቤተክርስትያን ዘለዎ ርክብን፣- ብመንጽር ቤተክርስትያን ዘለዎ ኣረኣእያን ዚግባእ ግምት ኪህቦ ምሉእ ተስፋ ኣሎና።

      ኣብ’ዚ ተተንቲኑ ዘሎ ገሊኡ ሓሳባትን ነጥብታትን፤ መንይፈልጥ ንምርድኡ ብርትዕ ይብል ይኸውን፣ ከምኡ ከምዚኸውን ኣይጠፍኣናን፥ ከመይ ናይ ትምህርተ ሃይማኖት መሠረትን፤ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ቤተክርስትያንን ተልእኮኣን ዕላማኣን ዕምቝ ዝበለ ርድኢት ዚሓትት፤ ምርድዳእ ንኺብጻሕ ዝኾነ ዓይነት ርሑው ዘተን ምምይያጥን (Dialogue) ከከም ኣድላይነቱ ኪካየድ እምነትናን ሃረርታናን እዩ።

     ኣብ ሃገርና ዘሎ ሰላም፤ ብናይ ሥጋ ጣዕሚ ብሕቱ ዘይኮነስ ብናይ መንፈስ ርውየትን በረኸትን ተመሊኡ ፍጹም ኪኸውን፣- በዚ’ውን ንናጽነትን ንፍትሕን ሰላማዊ ንብረትን ዝተበጀዉ ኲሎም “ንኸንቱ ከምዘይሞቱ” ዝኽYምን ፍረ መሥዋዕቶምን በሪሁ ዚነብረሉ ዕድል ኣጸቢቑ ኪምዕብል፣ ካብ ድኽነትን ድንቁርናን ትሑት ንብረትን ዝተናገፈ ጥጡሕ xላፍነትን ከቢድ ምዃኑ ብምግንዛብ ድማ ንመራሕትና ዓቕልን ጥበብን ከይፍለዮም ናብ ኣምላኽና ንጽሊ።

     ንዅልና’ውን ናይ ምጽውዋርን ምትሕልላይን፤ ናይ ሓድነትን ስኒትን መንፈስ ባዕሉ ልዑል እግዚኣብሔር የፍስሰልና።

 

[1] ሰላምን ምዕብልናን፣ ብዝተሓደሰ መንፈስ ንሓዳስ ኤርትራ 1991;

[2] Paul VI, Ecclesiam Suam, 195.

[3] ሕገቀኖና -108;

[4] 1ቆሮ.12፣12-30;

[5] ÏQH} o]Í} - 76;

[6] መዝገበ ሃይማኖት ትም. ካቶ. ቤተክርስትያን - ቁ.2310;

[7] ሕገቀኖና ምሥ.- 383/2/3;

[8] ÏQH} o]Í} - 76;

[9] ÏQH} o]Í} - 37;

[10] John Paul II, Redemptor Hominis, 13.

[11]  Congregation for the Doctrine of Faith, Instruction On Christian Freedom and Liberation, 80.

[12]  John Paul II, Redemptor Hominum, 13.

[13]  Dignitatis Humanae, 2.

[14] Dignitatis Humanae, 4.

[15] Gaudium et Spes, 76.

[16] Centesimus Annus, 53.

[17] Ibid.,  53.

[18] Populorum Progressio, 6.

15 June 2019, 09:56