ር.ሊ.ጳ. ናብ ናፖሊ፡ ኢየሱሳውያን፥ ኣብቲ ሕልኽላኽ ኵነት ተስፋ ንኸብጽሑ

ኣብ ናይ ቀረባ ዘመናት ዝሓለፉ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ንስነ ፖለቲካዊ መልክኣ ምድሪ ፍሉይ ቆላሕታ ሂቦምሉ እዮም፡ ሎሚ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይቕጽልዎን ይሕድስዎን ኣለዉ

ኣብ ዓውዲ ቲዮሎጊያን ኣብ ናይ ከባቢ መዲትራንያንን ሕልኽላኽ ዝድህስስ ኣብ ናፖሊ ከተማ ኢጣሊያ ደቡባዊ ከባቢ ናይ ቲዮሎጊያ መንበረ ጥበብ ቲዮሎጊያ ድህረ ናይ ሓቂ ሕሴት (ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ መላእ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ መናብርተ ጥበብ ዝምልከት ዕለት 20 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ዝኣወጅዎ ሕጊ) ኣብ ኵነታት ሜዲትራኒያን ብዝብል ኣርእስቲ ካብ ዕለት 20 – 21 ሰነ 2019 ዓ.ም. ኣብ ዝጠለቦ ዓውደ መጽናዕቲ ተረኺቦም ስልጣናዊ ምዕዳን ንኽልግሱ ዕለት 21 ሰነ 2019 ዓ.ም. ኣብ ናፖሊ ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ ምዃኖም ከምእተሓበረ ዝዝከር ኰይኑ፡ ብዛዕባ እዚ ምብጻሕ’ዚ ኣመልኪቶም ናይ ኤውሮ - መዲትራኒያን ከባቢ ንማሕበር ኢየሱሳውያን ሓለቓ ናይ ኢጣሊያ ደቡባዊ ከባቢ ናይ ቲዮሎጊያ መንበረ ጥበብ ተራዳኢ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ጃንፍራንኮ ማተራዞ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅዱስ ኣቦና ስልጣናዊ ትምህርቲ፡ ማሕበር ኢየሱሳውያን ኰነ እታ ኣብ ከባቢ ኤውሮ - መዲትራኒያን እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ውሽጣን ምስ ካልኦት ሃይማኖታት ዝህልዋ ርክባት ዘመላኸተን ዘማዕበለን ምዃኑ ገሊጾም፡ ቲዮሎጊያ ምስ ኵሉ ዝተፈላለየ ናይ ስነ ምርምርን ምስቲ መልኣ ስነ ሰብእ ዝዀነ ኵሉ ክፍሊ መጽናዕትታት ዝዛተይ እዩ፡ ስለዚህ በዚ መንጽር’ዚ ቲዮሎጊያ ኣብ ኤውሮ መዲትራኒያን ከባቢ ናይቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ክርስትናን ታሪኽ ክርስትናን ምስቲ ናይቲ ከባቢ ባህልታት ምስ ናይቲ ከባቢ ሃይማኖታት ዘተ የካይድ፡ በዚ ኣገባባት’ዚ ክርስትና ነቢይ ንመጻኢ ምዃኑ ብዘለዎ ውሁድነትን ሓደኣውነትን ዘርኣዮ ቀጻልነት ይረጋገጽ።

ክርስትና ጽን ናይ ምባል ባህርይ ኣለዎ፡ ኩነታት ናይ ምንባብን ምትንባይን፡ ምሕረትን ተስፋን ኣብ ኵሉን ብፍላይ ኣብቲ ዝተሓላለኸ ኩነታት የበስር፡ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ር.ሊ.ጵጵስና ካብ ጥንቲ ዝተበገሰን ዝተወልደን ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ቀጻልነት ዘለዎን ነቲ ናይ ሎሚ ኩነት ብምንባብ ዝዛተይን ምክፋልን ሱታፌን ዝብል እዩ፡ ስለዚህ ክርስትና ነቲ ዝተሓላለኸ እዋናዊ ዓለም ኣንቢቡን ሓድሽ ናይ ሕይወትን ተስፋን ትንቢት ንኸቐርብ መታን ዝኽእል ክኸውን ዝመርሕ ምዃኑ ዘነጽር እዩ።

እቲ ናይ ኤውሮ መዲትራኒያን ከባቢ ዝውክል ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ቤት ሮማኒያን ኣልባኒያን ማልታን ኢጣሊያን እውን ዘጠቓልል እዩ፡ ብብዙሕ ነገር ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ኣብ መንጐን ምስ ካልኦት ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘሎ ርክብን ኣብዚ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮ ስልጣን ጽን ኣብ ምባልን ምስማዕን ምልላይን ዝብሉ ቃለ-ተግባር ዝጸንዔ ምዃኑ ኣብሪሆን፡ ዝተሓላለኸ እዋናዊ ከባቢያዊ ይኹን ዓለም ለኻውን ኩነት በበይንኻ ምንባብ ዘጸግም ብምዃኑ ኣብ መንጐ ሃገራትን ከባብታን ምትሕቑቛፍ ድዩ ብሕብረት መልክዕ እውን ምቅርርራብ ክህሉ ገይሩ እዩ፡ ሃይማኖታዊ ፍልልይ ከም ክትታኣዊ ምምልካት ዘይኰነ መዛተዪ እዩ ኢሎም።

ኣብ ናይ ቀረባ ዘመናት ዝሓለፉ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ንስነ ፖለቲካዊ መልክኣ ምድሪ ፍሉይ ቆላሕታ ሂቦምሉ እዮም፡ ሎሚ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይቕጽልዎን ይሕድስዎን ኣለዉ፡፡ ኣብቲ ዝተሓላለኸ እዋናዊ ኩነት ዘተን ተስፋን ምንቕቓሕ ዝብል እዩ። ቅዱስ ኣቦና ተስፋን ነብይ ምዃን ቤተ ክርስቲያን ብጽንዓንትን ትብዓትን ክቃላሕን ክንበርን ይድርዅ፡ እቲ ዓውደ ጉባኤ ናይ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ቅዱስ ኣቦና ስልጣናዊ ትምህርቲ ቲዮሎጊያውን ፍልስፍናውን ባህላውን ማሕበረ ፖለቲካውን ሓድሽ ዕያገነዳኡ ዘመላኽት እዩ፡ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ንምምልኻት ምስ እዋናዊ ማሕበረ ፖለቲካዊ ኩነት ገዛእ ርእሳ ተነጻጽር እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ር.ሊ.ጳ. ናብ ናፖሊ፡ ኢየሱሳውያን፥ ኣብቲ ሕልኽላኽ ኵነት ተስፋ ንኸብጽሑ
20 June 2019, 16:20