ብፁዕ ኣቡነ ዋርዱኒ፡ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዒራቕ ፈልፋሊ ሰላም ከምዝኸውን ይገልጹ ብፁዕ ኣቡነ ዋርዱኒ፡ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዒራቕ ፈልፋሊ ሰላም ከምዝኸውን ይገልጹ  

ብፁዕ ኣቡነ ዋርዱኒ፡ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዒራቕ ፈልፋሊ ሰላም ከምዝኸውን ይገልጹ

ማእከላይ ምብራቕ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝብለዎ ብዙሕን ዝተፈላለየን ጸገማት ዝርአየሉን፡ ኣዚዩ ኣብ ሕልኽላዀ ዝርከብ ከባቢ እዩ፡ ሰላም ዝጽበን ሃረር ዝብል

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዒራቕ ሓዋርያዊ መገሻ ንኸካይዱ ዘለዎም ድላይ ዕለት 10 ሰነ 2019 ዓ.ም. ናይ ምስራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ደጋፊ ማሕበር ኣብ ዘካየዶ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ዝገለጽዎ ሓሳብ መሰረት ኣብ ዒራቕ ናይ ባቕዳድ ተራዳኢ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሽለሞን ዋርዱኒ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዒራቕ ንኸብጽሑ ዘለዎም ድላይ ምስ ሰምዑ ዝተሰምዖም ሓጐስ ኣዚዩ ልዑል ምዃኑ ገሊጾም ካብኡ ሓሊፉ ነቲ ከባቢ ዝህልዎ እወታዊ ጽልዋ ዓቢይ እዩ ይብሉ፡ ነቶም ኣብ ሓደጋን ጸገምን ፍርሕን ጽምዋን ንዝርከቡ ዓቢይ ምጽንናዕን ካብቲ ዝርከብዎ ኩነት ንኽላቐቑ ነቲ ናይ ጸገማቶም ምኽንያት መፍትሒ ክርከቦ ዝድርኽ እውን ከምዝኸውን ኣይጠራጠርን እየ ኢሎም።

ማእከላይ ምብራቕ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝብለዎ ብዙሕን ዝተፈላለየን ጸገማት ዝርአየሉን፡ ኣዚዩ ኣብ ሕልኽላዀ ዝርከብ ከባቢ እዩ፡ ሰላም ዝጽበን ሃረር ዝብል ከባቢ እዩ፡ ስለዚህ እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ሓዋርያዊ መገሻ ናብ ዒራቕ ክውን ክኸውን ከም ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዒራቕ ኣበርቲዖም ክጽልዩን ክዓዩን ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ብምርኻብ እቲ ድላይ ኣብ ክውንነት ክበጽሕ ከምዝጽዕሩን ቃል ኣትዮም፡ ቅዱስነቶም ናብ ዒራቕ ንኽበጽሑ ዘለዎም ድላይ ምግላጾም ንገዛእ ርእሱ ተስፋ ዘወዓውዕን እቲ ከባቢ ንበይኑ ከምዘይኰነ ዘረጋግጽን እዩ፡ ብዙሓት ከተማታት ባዲመን ሕዝቢ ተበታቲኑን እውን ይሃልው፡ ናብቲ ከባቢ ምኻድ ማለት ንሕዝብን ሃገርን ሓይሊ ምዃን እዩ። ሕውነትን ምሕዝነትን ምቅርራብን ዘተባብዕን፡ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ንዒራቕ ከይርስዕ ዘነቓቕሕ እውን እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ብፁዕ ኣቡነ ዋርዱኒ፡ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዒራቕ ፈልፋሊ ሰላም ከምዝኸውን ይገልጹ
11 June 2019, 16:49