ድለ

ሆንግ ኮንግ፡ ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ኣብ መንጐ መንግስትን መንእስያትን ዘተ ይሓትቱ ሆንግ ኮንግ፡ ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ኣብ መንጐ መንግስትን መንእስያትን ዘተ ይሓትቱ 

ሆንግ ኮንግ፡ ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ኣብ መንጐ መንግስትን መንእስያትን ዘተ ይሓትቱ

ናይ ኵሉ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ መሰልን ክብርን ክኽበር ኣለዎ ዝበሉ ብፁዕ ኣቡነ ቶንግ ሆ፥ ዝዀነ ይዅን ዓይነት ዓመጽ ኰኒኖም፡ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ሓሳቦም ክስማዕን እቶም ሰላማዊ ናይ ኣድማ ሰልፊ ዘካይዱ ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ጸጥታ ዝፍንውዎ ኣእማን ብምድርባይ ዝተሰነየን ካልኦትን ዝኣመሰሉ መጥቃዕትታት ካብ ምፍናው ክቑጠቡ

ኣብ ሆንግ ኮንግ ኣብ መንጐ ዝተፍላለያ ሃይማኖታት ዝተበገሰ ናይ ሓባር ዘተ ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ምኽንያት ኣብ ጳጳሳዊ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ኣብ ዘካየዶ ርክብ ዝተሳተፉ ብፁዕ ካርዲናል ቶንግ ሆ ምስ ቫቲካን ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ይብሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መንግስቲ ቻይና ምስቶም ሰላማዊ ናይ ኣድማ ሰልፊ ዘካይዱ መንእሰያት ክዝትይን እቲ ዘለዎ መርገጺ ከረድእን ኣብ ሆንግ ኮንግ ሓዋርያዊ መስተናብር ብፁዕ ካርዲናል ጆን ቶንግ ሆ ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብታ ነበር ናይ ብሪጣንያ ግዝኣት ዝነበረት ሆንግ ኰንግ ብምኽንያት እቲ መንግስቲ ብዛዕባ ኣስተልሞ ዝምልከት ዘጽደቖ ሕጊ ብምቅዋም ዝተኣታተወ ውጥረት ብሰላማዊ መገዲ መልሲ ክረክብ ከምዘለዉ ይሕብሩ።

ዓመጽ ከይህሉ

ናይ ኵሉ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ መሰልን ክብርን ክኽበር ኣለዎ ዝበሉ ብፁዕ ኣቡነ ቶንግ ሆ፥ ዝዀነ ይዅን ዓይነት ዓመጽ ኰኒኖም፡ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ሓሳቦም ክስማዕን እቶም ሰላማዊ ናይ ኣድማ ሰልፊ ዘካይዱ ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ጸጥታ ዝፍንውዎ ኣእማን ብምድርባይ ዝተሰነየን ካልኦትን ዝኣመሰሉ መጥቃዕትታት ካብ ምፍናው ክቑጠቡ ይላበዉ።

ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ሮማ ንዝኽሪ መበል ኣርብዓ ዓመት ብጋሴ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ኣብ ሆንግ ኮንግ ኣብ ጳጳሳዊ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘሰናደዎ ዓውደ ጉባኤ ከምእተሳተፉን። እቲ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሽዱሽተ ሃይማኖታት፥ ካቶሊክን ፖሮተስታትን ቡድሃን ምስልምናን ታኦኢስትን ኮንፉቾን ሃይማኖታት መራሕቲ ናይ ዝተበገሰ ዘተ ዝኽሪ መበል ኣርብዓ ዓመት ይብሉ፡ መላእ ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ሃይማኖት ናይ ሰላም መጋበርያ ምዃኑ ዝምስክሩ ብምዃኖም፡ እቲ ኣብ መንጐ መንግስትን መንእሰያትን ተኸሲቱ ዘሎ ዘይምርድዳእ ብዝተ ክፍታሕ ዝጸውዕ እዩ፡ ስለ ናይ ሓባር ጥቕሚ ፍልልያት ብምኽባር ብሓድነት ምጉዓዝ የድሊ፡ ፍቕርን ሰላምን ፍትሕን ምሕረትን ንምንቕቓሕን ፍሉዩ ኣተኵሮ ንድኻታትን ዝተናዕቁን ምርግጋጽ ወሳኒ እዩ።

እቶም ናይቲ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ተጋባእያን ልኡካን ዕለት 19 ሰነ 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘቕረብዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከምእተሳተፉን፡ ቅዱስ ኣቦና ናይ ሓዋርያት ማሕበረሰብ ዘለዎ ኣድላይነት ከምዝገለጹን፡ ብፁዕ ካርዲናል ቶንግ ሆ ነዚ ዘኪሮም፡ ንኣና ካቶሊካውያን ሓድነት ዓቢይ ዕሴት እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር ኣብ ፍልልያት ምክብባር ሰላም ምንባር ኣሎ፡ ስለዚህ ፍልልያት ናይ ሃይማኖት ይኹን ናይ ኣመለኻኽታ ናይ ዓመጽ በሪ ክኸውን የብሉን እንክብሉ ምስ ቫቲካን ኣግልግሎት ክፍሊ ዜና ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ሆንግ ኮንግ፡ ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ኣብ መንጐ መንግስትን መንእስያትን ዘተ ይሓትቱ
20 June 2019, 16:42