ድለ

ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት መግለጺ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት መግለጺ 

ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት መግለጺ

ንናይ መላእ ሕዝበ እግዚኣብሔር ረብሓን ንናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣኽብሮትን ሰላማዊ ምትሕብባር ክህሉ ጻውዒት የቕርቡ

ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝርከባ ኣርባዕተ ኤጳርቅና ብጠቕላላ 22 ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝመሓደራ ኣባይቲ ሕክምና ክዕጸዋ መንግስቲ ኤርትራ ዝወሰዶ ስጉምቲ ዓቢይ ጓሂ ከምዘሕደረሉ ዝገለጸ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽር ሕብረት ነቲ ተግባር ይኹንን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣመሰያ እተሰምየ ናይ መላእ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጉባኤ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ቻርለስ ካሶንደ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ዝርከባ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣባይቲ ሕክምና ንኽዕጸዋ ብምግባሩ ዝፈጠረሉ ጓሂ ገሊጹ ነቲ ተፈጢሩ ዘሉ ጸገም ኣብ መንጐ መንግስትን ቤተ ክርስቲያንን ብምሕዝነታዊ ዘተ መፍትሒ ክረክብ ተላብዮም። ንናይ መላእ ሕዝበ እግዚኣብሔር ረብሓን ንናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣኽብሮትን ሰላማዊ ምትሕብባር ክህሉ ጻውዒት የቕርቡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ኣስመራ ሰበኻ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ መንግስተኣብ ተስፋማሪያም እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነት ምኽንያት ብምግባር ክሳብ ዕለት 12 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ዝቕጽል መደብ ጾምን ጸሎትን ንሰለስተ ሰሙን ንኽካየድ ከምዝሓተቱ ይዝከር።

ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት መግለጺ
27 June 2019, 17:32