ድለ

2019.06.26 ኮማዊ ሆስፒታል ድግሳ 2019.06.26 ኮማዊ ሆስፒታል ድግሳ 

መግለጺ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ተጻይ ውጹእ ጸለመ

በዚ ቕንያት’ዚ ብናይ መንግሥቲ ኤርትራ ውሳኔ፣ ኣብ መላእ ኤርትራ ዚሰርሓ ዝነበራ መጠን 22 ዝኾና (ናይ ዝሓለፈ ዓመት 8 ምስ ተወሰኻ ኣብ ኵሉኵሉ 30) ናይ ሕክምና ማእከላት ምዕጻወን ተኸቲሉ ብወገን ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ተቓውሞ ቐሪቡ ግን ዝተዋህቦ ግቡእን ብቑዕን መንግሥታዊ ምላሽ የልቦን። ብኻልኣ መዳይ ግን ንናይ ሚድያ ሃልኪ ዝተዋህበ ሓድሓደ ጊጉይ ሓበሬታ፣ ርሑቕን ቀረባን ንዘሎ ዘጋጊ ስሑትን መስሓትን ስለዝኾነ፣ ነቲ ደላይ ሓቂ ከነብረሃሉ ትሑዛት ኢና።
ብድምጺ ንምክትታል!

1 .ኣብ  መንግሥቲ ኤርትራ ሚንስትሪ ጥዕና ዳይረክተር ሕዝባዊ ርክባት ሚንስትሪ ጥዕና ኣቶ ታጀዲን ዓብደልዓዚዝ ዝሃቦ ጊጉይ ሓበሬታ ኣሎ፣ ብዕለት 12 ሠነ 2019,ምስ ወኪል ራድዮ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ኣሥመራ ብርሃነ በርሀ ኣብ ዘካየዶ ቃለመጠይቕ “መስርሕ ምርኽኻብ ምሕደራ’ምበር፣ ዝኾነ ናይ ምዕጻው ስጉምቲ፣ ኣብ ልዕሊ ኣገልገልቲ ወይ ሰራሕተይናታት ዝተገብረ ምፍርራሕ የልቦን” ዚብል መግለጺ ተዋሂቡ።

·         ኣብ ንቡርን ልሙድን ኣሰራርሓ “ምምሕልላፍ / ምርኽኻብ” ማለት እንታይ ከምዝኾነ ፍሉጥ እዩ። ብዘይ ዝኾነ ይኹን ዘተን ልዝብን፣ ማለት ንዝምልከቶ ልዑል በዓል ስልጣንን ወናኒ ትካልን ከየፍለጥካ፣ ሓሳቡን መደቡን ከይተገንዘብካ፣ በይናዊ ብዝኾነ ኣገባብ ኣብ ልዕል’ቲ ኣብ ስራሕ ዘሎ ኣካል ውሳኔ ምግባርን ናብ ግብሪ ምስግጋርን ደኣ ምስ ምንታይ ኪቝጸር እዩ?

·         ዝኾነ ይኹን ዘረክብን ዚርከብን ዘመሓላልፍን ሰብ፣ ናይ ትእዛዝን ናይ መረኻኽብ ሰነድ ብዘይብሉ፣ ናይ በዓል ስልጣንካን ናይ ለኣኺኻን መሰነይታ ዘይብሉዶ ይግበር እዩ? እዚ ዝተገብረ ኣገባብ ደኣ ምስ ምንታይ ኪቕውጸር እዩ?

·         ነዚታት ኣብ ግምት ብምእታው፣ እቲ ተግባር ምህጋር ኣይኮነን ደኣ ይበሃል’ምበር ብዅሉ ኣገባቡ ልዕሊ ምህጋር’ውን እዩ። ኣብ ገሊኡ ናብ ሓይሊ ገጹ ዝኸደ ኣንፈት ተራእዩ። ኣብኡ ዘገልግሉ ኣባላት ኣልግሱ ተባሂሎም፣ ብኡብኡ ዝተዓሸገ እንኪኸውን፣ ኣብ ገለ ድማ “ዕጸዉ” ተባሂልዎም፣ ስለ’ዚ ዳግም ኪኣትውዎ ኣይከኣሉን፣  ንተገልጋሊ ሕዝቢ ኸኣ ከም ዘይቅበል ተገይሩ እዩ።

·         ምፍርራሕን ከምኡ ዝዓይነቱ ቃላትን ዝነበረሉ ወገናት’ውን ነይሩ እዩ፤ እቶም ዝወረዶምን ብዓይኖም ዝረኣይዎምን ሰባት ኪምስክሩ ይኽእሉ እዮም። ፈሪሞም ንኸረክብዎም ምስሓተትዎም፣ ”ልዕሌና ናይ ዘለዉ ትእዛዝን ውሳኔን ኢና ንቕበል፣ ንሕና ልኡኻት ኣገልገልቲ’ምበር ባዕልና እንገብሮ የብልናን” ዚብል ሕጋውን ኅሊናውን ምላሽ ምስሃብዎም ገለ ሻዕ ኪጥብርዎም ካልእ ሳዕ ከኣ ከፈራርሑ ዝፈተኑሉ ነይሩ።

2. ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ብዛዕባ’ዚ ጕዳይ’ዚ ኪለዓል ከሎ፣ “ንእምነት ኣይተንከፍናን” “መሰል እምነት” “ብሕጊ ሕሉውን ውሑስን እዩ” ዚብል መግለጺ ይወሃብ እዩ። ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ብገለ ኤምባሲታት ሃገርና፣ “ጉዳይ እምነት ኣይተተንከፈን” “ኤርትራ ዓለማዊ መስመር እትኽተል ሃገር’ያ” “መንግሥትን ሃይማኖታዊ ሥርዓትን፣ ፖለቲካን ሃይማኖትን ዝተፈላለየ እዩ” ይበሃል።

·         ነዚ ስጕምት’ዚ ብምውሳድ ብወገን መንግሥቲ “ንእምነትና ተንኪፉ” ኢና ንብል፤ “ንብጻይካ ኣፍቅር ጽቡቕ ግበረሉ” ዚብል ናይ እምነትና ትእዛዝ ኣሎ፤ ንማንም ከይጐዳእና፡ ነዚ ትእዛዝ እምነትና ንምፍጻም ንእንገብሮ ምንቅስቓስ ዚዓግተና ዘበለ ኵሉ፡ መሠረታዊ መሰል ናጽነትን መሰል እምነትን ምትንካፍ እዩ።  ነዚ ንኸይንፍጽም ክንክልከል ከሎና፣ እቶም ነዚ ሰናይ ግብርን ቁምነገርን ዘደልይዎ ወገናት ከኣ ዚድልዮም ሓገዝ ናይ ምርካብ መሰሎም ይትንከፍ፣ ጽቡቕ ነገር ናይ ምርካብ መሰሎም ይግፈፍ ማለት ኣሎ።

·         ቅኑዕን ግቡእን ግብሪ እምነትካ ምፍጻም፣ ንኻልእ ከይጐዳእካ  ነቲ ግቡእን ብቑዕን ሕጊ ከይጠሓስካ ዚግበር ሠናይን ጽቡቕን ተግባር ድማ “ፖለቲካ” ስለ ዘይኮነ ንሕና ብኣካል ኮነ በቲ ትካላትና ኣብ ፖለቲካ ኣይኣቶናን። ካብ ግቡእን ኣይሓለፍናን። ኣብ መንጎ ተገልገልቲ ዝኾነ ናይ ዓሌትን ሃይማኖትን ወገንነትን ሻራን ኣድልዎን ኣየርኣናን። እቲ እንሰርሓሉ ዝተፈላለየ ቦታን፣ እቲ ዘሎናይ ባይታን ምስክር እዩ።

·         ዓለማዊ መስመር ምኽትል ማለት ንናይ ቤተክርስትያን ወይ ዝኾነ ክርስትያን ብመሰረት እምነቱ ንዚፍጽም ሰናይን ጽቡቕን ናይ ፍቕሪ ተግባር ብምእጋድ ዚዕድም ዲዩ? ሓድሽ ትርጓሜ [definition] ዓለማውነት እንተል’ዩ ከኣ ክንሰምዖ ደስ ምበለና። ብመሠረት እምነቱ ብዝመረጾ መደብ ሕይወቱ፣ ንኻልእ ተወፍዩ ንሓደ’ኳ ከይጐድአ፣ እኳደኣ ንጽጉም እናረድአ ንዚካየድ ኣማኒ እናኣገድካኸ፡ ናይ እምነት ናጽነትን ውሕስነትን ኣሎ ምባል እንታይ እዩ ትርጉሙ?

·         ካብዚ ሓሊፉ’ውን እቲ ዝተዓጽወ ናይ ጥዕና ማእከላት፣ ኣብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና መላእ ኤርትራ ዘሶቦ ትርጕም ዘለዎ ጽልዋ የልቦን፣ እንተሎ እንተዘየሎ ኵሉ ንሱ እዩ. . . ዚብል መግለጺ’ውን ተዋሂቡ ኣሎ፣ ነጻ ዝኾነ ኣካል ነቲ ሕጂ ተኸሲቱ ዘሎ ኵነታት ከይዱ ኪርእዮ ከሎ፣ ከምኡ’ውን ወርሓዊ ጸብጻባት ዚቕበል መዛግብ ሚንስትሪ ጥዕና ምግንጻልን፣ መዓልታዊ ኣብዘን ትካላት’ዚኣተን ዚግልገሉ ኣስታት 200,000 ምዃኖም ምስ ረኣየ ግን፣ ነቲ መግለጺ ብኸመይ ከም ዚፈርዶ ፍሉጥ እዩ።     

3. ኣብ ምዕራባዊ ኮነ ምብራቓዊ ክፍለዓለም ዘለዋ ሃገራት ዳርጋ ኵለን ዚኽተልኦ መስመር እቲ “ዓለማዊ” [secular] ዝተባህለ ኣብ ኵሉ ዝውቱር እዩ። ግና ብስም “ዓለማውነት” ንተግባር እምነትን ናይ ቤተክርስትያን ኮነ ኣገልግሎታ ሕጋዊ ምንቕስቓሳትን ዚእግድ ኣይተራእየን። ቤተክርስትያን’ውን ከምዚ ዝበለ መስመር ምስ ዘለወን ሃገራትን መንግሥታትን ወትሩ ምስ ሰርሐት እያ።

4. ንኣገልገልቲ ቤተክርስትያን ዘይፈጸምዎ ገበን ከሸክምን፣ ስሞም ከጸልምን ዝዓለመ ናይ ምንዋር ተግባር’ውን ተቐላቒሉ ኣሎ፣ ከነስተዕለሉ ይግባእ። ኤዶዋርዶ ካልካኞ [Edoardo Calcgano] ዝተባህለ ናይ  “ቦንጆርኖ-ኒዉስ” [Buongiorno News] ጋዜጠይና ዝዘርግሖ ሓላፍነትን ዝጐደሎ፣ ስነምግባር ጋዜጠይንነት ዝጠሓሰ ተግባር ብምፍጻም፣ መሠረት ዘይብሉ፣ ምንጪ ዘይጠቐሰሉ ዘይረኸበሉ ሓበሬታ ዘርጊሑ። መን ኣሎ ብድሕሪኡ? እንታይ እዩ ረብሓኡ? ብዘየገድስ ግን፣ ኣብ’ዘን ናይ ቤተክርስትያን ማእከላት ጥዕና ዚሰርሑ ኣገልገልቲ ቤተክርስትያን ሰራሕተይናታትን ኣብ ዲቕ ዝበለ ብልሽውና ብምእታው፣ ነቲ ነኣኡ ዝወጽአ ገንዘብ ኣብ ዘይመዓላኡ ከምዘውዓሉ፣ በዚ ኸኣ መንግሥቲ ኸኣ ስጕምቲ ከምዝወሰደ ኣምሲሉ ኣቕሪቡ ኣሎ።

·         ቅድሚ ኵሉ ንጋዜጠይና ኤድዋርዶ ካልካኞ እንብሎ፣ ኣብ’ቲ ናጻ ዝኾነ ዓለም እናነበረ ነቲ “ዘረባ ክልተ ከይሰማዕካ ኣይትፍረድ” ዚብል መምርሒ ተኸቲሉ ኪሓትት ዘይምርካቡ፣ እቲ ዝተበገሰሉ ዕላማ እንታይ ምዃኑ ዚእምትን፣ ንተኣማንነቱ ኣብ ሕቶ ዜውድቕን እዩ።

·         እቶም ነቲ ገንዘብ’ቲ ዚምውልዎ ብስርዓት ኦዲት ዚገብሩን ዚቈጻጸሩን፣ በብ6 ወርሕን ዓመትን ጸብጻባት ዚቕበሉን ኣብኡ ኣብ ጥቓኡ ከለዉ ኪሓቶም ይኽእል ነይሩ።

·         በዚ ዝመጽአ እሞ ኸኣ እቶም ኪህግሩ ወይ በቲ ናታቶም ቋንቋ “ኪረኻኸቡ” ዝመጽኡ እውን እንተኾኑ፣ ወይ ገንዘብ ኣጠፋፊእኩም፣ ወይ ብቕዓት የብልኩምን፣ ወይ ከኣ ኣድልዎን ሻርነትን ፈጺምኩም ኣይበሉናን። እኳ ደኣ እቲ ጽፈትን ብቕዓትን ትካላትና እዩ ግዳያት ገይሩወን ምባል ይከኣል።

·         ስለ’ዚ እቲ ጋዜጠይና ካልካኞ “እጣበቐሉ ኣሎኹ” ዚብሎ ወገን’ውን፣ ነዚ ኣበሃህላኡ ከምዘየንጸባርቕ ክንገልጸሉ ንፈቱ።  

 

Photogallery

ዝተዓሸገ የለ ዝተዓጽወ! ምህጋር ዘይኮነስ ምርኽኻብ ዚበሃል ዘሎ ወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኩነታት
26 June 2019, 17:18