2019.06.03 ነፍሰኄር ኣባ ተስፋዝጊ ዑቍቢት 2019.06.03 ነፍሰኄር ኣባ ተስፋዝጊ ዑቍቢት 

ካብ ካቶሊካዊ መንበረ ኤጳርቅና ከረን ዜና ዕረፍት - ኣባ ተስፋዝጊ ዑቍቢት

ጥቀ ክቡር ኣባ ተስፋዝጊ ዑቚቢት ኣብ መበል 84 ዓመት ዕድሚኦም ብዕለት 2 ሰነ 2019 ዓምፈ ኣብ ንኡስ ዘርአ ክህነት ከረን ከምዝዓረፉን ዕለት 4 ሰነ 2019 ዓምፈ ሰዓት 10.00 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ መካነ መቃብር ዘካህናት መጋሪሕ ከረን ሓመድ ኣዳም ከምዝለብሱን ካብ ከረን ዝመጸ ዜና ሓቢሩ።

ሓጺር ታሪኽ ሕይወት ነፍሰኄር አባ ተስፋዝጊ ዑቚቢት!

ነፍሰኄር አባ ተስፋዝጊ ካብ ኣቦኦም ዑቚቢት ልባብን ካብ ኣዲኦም ዑቚባማርያም ሃይለን ብ18-04-1935 ኣብ በጉ ዓዲማሕረ ተወልዱ። ኣብ በጉ ክሳብ ወዲ 10 ዓመት ዝኾኑ ብወለዶም ተዀስኲሶም ዓበዩ፡ ብመስከረም 1949ዓምፈ ብክቡር አባ ምስግና ሰሎሙን ቆሞስ በጉ ተሰንዮም ኣብ ገዳም ዘርአ ክህነት ከረን ኣተው። ኣብ ከረን መባእታዊ ትምህርቶም ፈጺሞም መስከረም 1954 ዓምፈ ናብ ዓቢይ ገዳም ዘርአ ክህነት ኣሥመራ ሓለፉ እሞ ናብ ቤት ትምህርቲ ዳንኤል ኮምቦኒ ኮለጅ ብምምልላስ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቶም ኣጻፈፎም  ከም ሓፈሻዊ መልቀቂ ፈተና ካልኣይ ደረጃ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ኦክስፎርድ ዩኒቨርሲቲ ብዝለኣኽ ዝነበረ መርመራ ተሳቲፎም ብጽቡቚ ውጽኢት ተዓዊቶም።

ብ18 መስከረም 1961 ዓምፈ ናብ ዓዲ ጣልያን ብምኻድ ኣብ ጳጳሳዊ ኢትዮጵያዊ ኮለጅ እናተቀመጡ ካብ ጳጳሳዊ ዩኒቨርሲቲ ኡርባንያና ትምህርቲ ፍልስፍናን ንባበ መለኮትን ተማሂሮም።

ብ19 ሕዳር 1967 ዓምፈ ምስ ካልኣዮም ኣባ ኣስፍሃ ኪዳነማርያም ብኢድ ብፁዕ ኣቡነ ኣሥራተማርያም የምሩ ሊቀ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ መዓርገ ክህነት ኣብ ቤተጸሎት ጳጳሳዊ ኢትዮጵያዊ ኮለጅ ተቀቢሎም። ብጥቅምቲ 1972 ዓምፈ ብዶግማቲክ ቲዮሎጂ ብማዕርግ ዶክተረይት ተመረቚ። ዝደረስዎ መጽሓፍ Current Christological Positions of the Ethiopian Orthodox Theologians Rome: Pontificate Institutum Studiorum Orientalum, 1973 ኮይኑ ትርጉሙ ከኣ ትማልን ሎምን ሊቃውንቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ምሥጢረ ሥጋዌ እንታይ ይብሉ ዝብል ነበረ። ብ1974 ዓምፈ ተሓቲሙ ድሮ ኣብ ራብዓይ ሕታም በጺሑ ንብዙሓት ብዛዕባ ሃገርና ዝግደሱ ከኣ መወከሲ መጽናዕቲ ኰይኑ ገና ይቅጽል ኣሎ።

መስከረም 1973 ዓምፈ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከይዶም ካብ  London Institute of Education ናይ ምምህርና ሥልጠና ድሕረ ምረቃ post graduate ተማሂሮም ብዲምፕሎማ ተመሪቆም። ኣብ ወርሒ ሕዳር 1974 ዓምፈ ንሃገሮም ተመሊሶም ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ብዙሕ ክፍልታት ኢትዮጵያ ንመጽናዕቲ በጺሖም። ብጥሪ 1975 ዓምፈ ኣብ ንኡስ ዘርአ ክህነት ከረን ከም መምህርን ርእሰ መምህርን ኰይኖም ክሳብ 1989 ዓምፈ ኣገልጊሎም። ኣብዚ ግዜ እዚ ክቡር ኣባ ምስግና ሰሎሞን ቆሞስ በጉ ብሽምግልናን ዋሕዲ ጥዕናን ተጸጊሞም ስለዝነበሩ ክሳብ ግዜ ዕረፍቶም ኣብ ከረን ተዓቊቦም ስለዝነበሩ ካብ 1976-1982 ንበጉ እናተመላለሱ ከም ሓጋዝ ቆሞስ ኣገልጊሎም። በጉ በቲ ግዜ እቲ ብምግዓዝን ናይ መግዛእቲ ጸገማትን ፋሕፋሕ ኢላ ስለዝነበረት ከም ብሓዲሽ ንኩሉ ክእክቡን ቤትትምህርቲ ሰሪሖም ትምህርቲ ክጅምሩን መማህራን ትምህርቲ ክርስቶስ ክሰርዑን ክኢሎም። ካብ መስከረን  1982 -መጋቢት 1993 ናይ ምዕራባዊ ዕቅብና ከረን ዐቃቤ መንበር ኰይኖም 6 ዓመት ኣብ ትሕቲ ነፍሰኄር ብፁዕ ኣቡነ ኣብርሃ ፍራንሷ 6 ዓመት ከኣ ኣብ ትሕቲ ነፍሰኄር ብፁዕ ኣቡነ ዘካርያስ ዮሓንስ ኰይኖም ኣገልጊሎም። ኣብዚ ግዜዚ ከምቲ ኣብ በጉ ዝህብዎ ዝነበሩ ኣገልግሎት ነተን ቆሞስን ኣላይን ዘይብለን ቊምስናታት ካብ 1983-84 ንወስበንስረዅ ካብ 1985-86 ንደሮቑ ከም ኣላይ ነፍሳት ካብ 1987 – 93 ንድጊ ሃገርቅዳዅን  ብ1993 ን 9 ወርሒ ንገዘባንዳ ከም ቆምስ ኣገልጊሎም። ካብ መስከረም 1993 – 95 ሓለቃ ዓቢይ ዘርአ ክህነት ኣሥመራ ካብ 1994 ኣባል ቦርድ ካብ1995  - 1997 ከኣ ዋና ጸሓፊ ቤትጽሕፈት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ካብ መስከረ 1997 ኣባል ኮሚቴ ልምዓት ሓዲስ ኤጳርቅናን ዋና ጸሓፊ ቤትጽሕፈት ካቶሊካዊ ኤጳርቅና ከረንን ካብ መስከረም 1998 – 2009 ቆሞስ ሓሸላን ድግን ኮይኖም ቤተክርስትያን ሓሸላ ብሓዲስ ንክትስራሕ ኩሉ ኣሳሊጦም ዳርጋ ኣብ ፍጻሜ ኣብጺሖም ከምኡ እውን ናይ ድጊ ቤተክርስትያን ብሓዲስ ከምእትስራሕ ጌሮም።  ምስዚ ኣጣሚሮም ካብ 1998 – 2004 ካብ ከረን እናተመላለሱ መምህር ኣብ ዓቢይ ገዳም ዘርአ ክህነት ካብ 2009 ክሳብ ዝደኽሙ ኣበ ነፍሲ ኣብ ዓቢይ ዘርአ ክህነት ኣሥመራ ኰይኖም ኣገልጊሎም።

ትማሊ ዕለት 2 ሰነ ድሕሪ ፍርቂ መዓልቲ ኣብቲ ኣብዘን መጨረሽታ ወርሓት ክእለዩሉ ዝጸንሑ ገዳም ዘርአ ክህነት ዓሪፎም። ሥርዓት ቀብሮም ከኣ ጽባሕ ዕለት 2 ሰነ ሰዓት 10.00 ቅድሚ ቀትሪ ከምዝፍጸም ካብ ከረን ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት። ሀቦ እግዚኦ ዕረፍት ዘለዓለም ወይኩን ዕረፍቱ በሰላም አሜን።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

03 June 2019, 17:06