ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምክሪ ሓድሽ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምክሪ ሓድሽ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ 

ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምክሪ ሓድሽ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ

ንናይ ኤውሮጳ ናይ ሓባር ጥቕሚ ምስ ሕብረት ኤውሮጳ መዋቕራት ብምትሕብባርን ብዘተ ከምዝዓዩን፡ ብፍላይ ኣብዚ ዝተፈላለዩ ብድሆታት ኣብ ዘጋጥሞ ዘሎ ክፍለ ዓለም ኤውሮጳ ካቶሊካዊ ራእይ ዘለዎም ኣርእስታት ብምንቕቓሕ ንናይ ሕብረት ኤውሮጳን ሕዝባን ከምዝዓዩ

ኣባ ማኑአል ባሪዮስ ፒየትሮ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምክሪ ሕብረት ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ንዝነበሩ ናይ ተልእዀ ዘመኖም ንዘብቅዑ ኣባ ኦሊቪየር ፖኵይሎን ንኽትክኡ ከምእተሓርዩን፡ ኣባ ባሪዮስ ፒየትሮ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ዕለት 1 መስከረም 2019 ዓ.ም. ዝተረከብዎ ሓላፍነት ብወግዒ ክጅምሩ ምዃኖን ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ የመልክት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣባ ባሪዮስ ፒየትሮ ኣብ ስፐይን ርእሰ ከተማ ማድሪድ ኣብ 1962 ዓ.ም. ዝተወልዱን ናይ ሕጻንነቶምን መንእሰይ ሕይወቶምን ዕድመ ኣብ ሮማ ዘሕለፉን ኣብ ቤት ትምህርቲ ቋንቋ እንግልዘይና ዝተማህሩን ኣብ ቅዱስ ዮሓንስ ላተራኖ ኣብ 1988 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉን፡ ፍልስፍናን ቲዮሎጊያ ኣብ ጳጳሳዊ ግረጐሪያና መንበረ ጥበብ ዘጠናቐቑን ኣብ 1989 ዓ.ም. ብቲዮሎጊያ ሊቕነት ዘመስከሩን፡ ቀጺሎም እውን ብስነ ኣእምሮ ኣብ ናይ ስፐይን ናይ መንግስቲ መንበረ ጥበብ ተመሪቖም ስሞም ኣብ ናይ ኤውሮጳ ናይ ሰነ ኣእምሮ ሓኻይም ናይ ሙያ መዝገብ ዝሰፈረን ካብ 2011 ዓ.ም. ናይ ስፐይን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓድነትን ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዝከታተል ድርገት ሓላፊ ኰይኖም ዘገልገሉን፡ ኣብ ማድሪድ ናይ ቅድስቲ ካታሊና ዘእስክንድሪያ ቤተ ክርስቲያን ቆሞስን ኰይኖም ኣብ ምግልጋል ዝርከቡን። ካብ 2002 ክሳብ 2011 ዓ.ም. ንናይ ማድሪድ ሰበኻ ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ስድራ ቤት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓልዮ ወኪል ኰይኖምን፡ ካብ 2003 ክሳብ 2012 ዓ.ም. ናይ ባራኻስ ጉባኤ ካህናት ሊቀ ካህናትን ኣብ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ናይ ቲዮሎጊያ ተቕዋምን ካብ 2000 ክሳብ 2011 ዓ.ም. መምህርን ኣብ ቅዱስ ዳማሶ ተቕዋም ቲዮሎጊያ እውን ካብ 2001 ክሳብ 2010 ዓ.ም ብምምህርና ዘገልገሉ እዮም።

ዘተ ምስ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ምዋቕር

ንናይ ኤውሮጳ ናይ ሓባር ጥቕሚ ምስ ሕብረት ኤውሮጳ መዋቕራት ብምትሕብባርን ብዘተ ከምዝዓዩን፡ ብፍላይ ኣብዚ ዝተፈላለዩ ብድሆታት ኣብ ዘጋጥሞ ዘሎ ክፍለ ዓለም ኤውሮጳ ካቶሊካዊ ራእይ ዘለዎም ኣርእስታት ብምንቕቓሕ ንናይ ሕብረት ኤውሮጳን ሕዝባን ከምዝዓዩን ዝመጽእ ዘሎ ዕለት 16 መስከረም 2019 ዓ.ም. ኣብ ብራሰልስ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ዣን ክላውደ ሆላይሪኽን ምኽትሎም ብፁዕ ኣቡነ ማሪያኖ ክሮቻታን ብፁዕ ኣቡነ ኖኤል ትሪኖርን ብፁዕ ኣቡነ ፍራንዝ ጆሰፍ ኦቨርበኽን ብፁዕ ኣቡነ ያን ቮካልን ብሓባር ጋዜጣዊ መግለጺ ክህቡ ምዃኖም ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ መግለጺ የመላኽት።

ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምክሪ ሓድሽ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ
26 June 2019, 17:16