2019.05.12 ሥርዓተ ሲመተ ክህነት ኣብ ባዚሊካ ቅ.ጴጥሮስ 2019.05.12 ሥርዓተ ሲመተ ክህነት ኣብ ባዚሊካ ቅ.ጴጥሮስ 

ንካህናትና ንሓግዞም ነስግኖም ከኣ! ብፁዕ ካርዲናል ኮማስትሪ

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሎሚ ዕለት 28 ዓርቢ በዕለ ጥቀ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ እንክተብዕል ብፍላይ ስለ ቅድስና ካህናት ዝጽለየሉ ዕለት ክኸውን ካብ ንውሕ ዝበለ ግዜ ዝወሰነቶ ዕለት እውን እዩ። ብፁዕ ካርዲናል ኮማስትሪ ‘ኩልና ንካህናት ኣብ ኣገልግሎቶም ክንድግፎም ኣሎና ከመይ ካህናት ንመላእ ውሉደ ኣዳም ዓቢ ውህበት ኣምላኽ እዩ’ ክብሉ ሰፊሕ ቃለ ምልልስ ገሮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

በዓለ ጥቀ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ንኩሉ ዝምልከት እኳ እንተኾነ ብሕልፊ ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ እቲ ክቡር ተልእኮ ክህነትን ኣገልግሎቱን ንምእመናንን ንመላእ ዘመደ ኣዳምን ከስተንትኑ ጥራይ ዘይኮነ ንኩሎም ምእመናን እውን ንጓሶቶም ከበርክትዎ ዘለዎም ደገፍ ከዘካክርዎም የድሊ እንብክሉ ትርጉም ናይዚ በዓል ገሊጾም።

ካህን ናይ ምዃን ምቑር ድኻም!

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ‘ሓደ ካህን ኢየሱስ በታ ድኽነቱ እንተዘኣሃብቲምዎ ካብ ደቂ ሰባት ኩሎም ዝደኸየ እዩ። ኢየሱስ ዓርከይ ቢሉ እንተዘይጸዕዎ ምንም ዘይጠቅም ኣገልግሊ እዩ። ከምቲ ናይ በዓል ቅዱስ ጴጥሮስ ኢየሱስ ቀስ ብቀስ ትዕግሥቲ ብዝመልኦ ኣገባብ እንተዘይኰስኲስዎ ናይ ዓለምና ዝዓሸወ ሰብ እዩ ዝኸውን። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ዝኾነ ክርስቶስ ኣብ ማእከል መጓሲኡ እንተዘይአጽኒዕዎ ካብ ክርስትያን ኩሎም ዝከላኸለሉ ዘይብሉ ምኾነ። ኣብ ሓይሊ ገዛእ ርእሱ ጥራይ ከም ዝተረፈ ካህን ዝንእስ የለን’ ቢሎሞ ከምዝነበሩ ይዝከር። በዚ ከኣ ዓለም ለኸ ዕለተ ቅድስና ካህናት ምልኣት ኣብ በዓለ ጥቀ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ዝገለጹ ሊቀ ካህናት ባሲሊካ ቅዱስ ጴጥሮስን ከምኡ እውን ህየንተ ር.ሊ.ጳ ኣብ ከተማ ቫቲካን ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ኮማስትሪ ንምትእስሳር ቅድስና ካህናትን እዚ ዓቢ በዓልን ከምዚ ይትንትንዎ።

‘ምትእስሳር ጥቀ ቅዱስ ልበ ኢየሱስን ክህነትን ቅኑዕ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ ካህናት ዓቢ ትዕድልቲ ፍቅሪ እግዚአብሔር እዮም። ቆምስ ኣርስ ዝኾኑ ቅዱስ ዮሓንስ ቫያኒ ‘ሓደ ቅዱስ ካህን እቲ ዝበለጸ ውህበት እግዚኣአብሔር ንሕዝቡ ዝገብሮ እዩ’ ይብል ነበረ። ንቅዱስ ቪንቸንዝዮ ዘጳውሊ እንተሓሰብና እቲ ኩሉ ጽቡቅ ዝገበረ ካህን እዩ ነሩ። ቅዱስ ዮሓንስ ቦስኮ እንተረኣና ኣብ ኲስኰሳ መንእሰያት ዝሃቦ ምልክታትን ኩሉ ጽቡቅ ዝገበሮን ካህን እዩ ነሩ።  ቅዱስ ልዊጂ ኦርዮነ ንመንእሰይ ኢግናጽዮ ሲሎነ ክልውጥ ዝኸኣለ  ብፁዕ ካርሎ ኞኪ ንዝነበሮ ኩሉ ምስ ሃበ ከም ለበዋ እውን ንኣዕይንቱ ለጊሱ ዝሓለፈ መገልገሊ ኣምላኽ ኮይኑ ብፅዕናኡ ኣብ ከይዲ ዘሎ ዶን ኦረስተ በንዚ ካብቶም ብዙሓት ክንጠቅሶም እንኽእል ኣብነታት እዮም። ርግጽ እዩ ከምቲ ምስ 12 ሓዋርያት ዘጋጠመ ሓደ ይሁዳ ኣይሰኣንን ይኸውን ኰይኑ ነቲ ሓደ ዝጠፍአ ጥራይ ከይሓሰበና እቶም ብሰማዕትነት ዝመስከሩ 11 ክንዝክር ኣሎና። ክህነት ዘኽፈሎ ክንዮ ሰብኣዊ ድኻምነት ዓቢ ዋጋ ኣሎ ኰይኑ ግን ክንደይ ቅዱሳት ካህነት ክንደይ ሕያዎት ካህናት ኣብ ዙርያና ዘየለው። ንጐይታ ነመስግን ። ክህነት ጸጋ ጥቀ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ እዩ።’ እንክብሉ ምስ መለሹ ቀጺላ ዝቀረበቶም ሕቶ ‘እቲ ካህናት ዝገበርዎ ሠናይ ነገር ንዘክር ኰይኑ ግን ኣብ ቤተክርስትያን ሎሚ ከም ሎሚ ከቢድ እዋን ነሕልፍ ስለዘሎና ጸዋዕታኻ ኣለሊኻ ናይ ምኽኣል ጒዕዞ የድሊ። ካህናት ኣብ ትሕቲ ብርቱዕ መጥቃዕቲ ኣለው ክንዮ እቲ ወትሩ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዝሓትዎ ስለኦም ምጽላይ ካልእ እንታይ የድሊ ትብሉ` ትብል ነበረት።

ብፁዕነቶም እንክምልሹ ‘ቅድሚ ዝኣገረ ሓደ ካህን ነዚ ተልእኾ እዚ ካብ ኢየሱስ ከምዝተቀበሎ ኪኣምን የድሊ። ሓደ ካህን ነዚ ምስ ኣመነ ንዝኾነ ጸገም ክስዕር ይኽእል። ሓንቲ ተስሕቅ ጥቅሲ ክጠቅስ ‘ብፁዕ ካርዲናል ፕየትሮ ማፊ ናይ ፒዛ ትብሃል ብርትዕ ዝበለት ጳጳስ ኰይኖም ካብ 1903 ክሳብ 1931 ኣገልጊሎም። ኣብቲ ግዝያት እቲ ምናዳ ድሕሪ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ተጻይ ክህነት ብዙሕ ይበሃል ነሩ። ሓደ ግዜ ብማእከል ከተማ ክሓልፉ ከለው ‘ካህናት የትሕት’ ዝብል ጭርሖ ይሰምዑ እሞ ግልጽ ኢሎም `ሓቅኹም ኢኹም ብዘይ መጠን ሓፍ ኢሎም ኣለው። ንስኹም እውን ካብዚ ረግረግ ሓፍ በሉ እሞ ሽዑ ማዕረ ክንከውን ኢና’ በልዎም። ሓንሳእ ሓንሳእ ከምዚ ዓይነት መልሲ ጥራይ ክትህብ ትግደድ። ጸሎት ትሕግዝ እያ ኰይኑ ግን እቲ ንሕና ለቢስናዮ ዘሎና ተልእኮ ክንዮ ንቡር ምዃኑ ምፍላጥ የድሊ። ቀደም ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስኩዎም ኣባ ኦረስተ በንዚ ሕሹኽ ዝበሉኒ ክነግረኩም። ንሓደ ሰብ ክሕግዝ እንከሎኹ ካብ ሓጢኣቱ ክፈትሖ እንከሎኹ ኢየሱስ ነታ ኢደይ ዝጥቀም ኰይኑ ይስመዓኒ ንክዛረብን ንክፈትሕን ንክምሕርን ልበይ ዝትቀም ኰይኑ ይስመዓኒ’ ኢሎምኒ ነሮም። ካህን ማለትከስ እዚ እዩ ነዚ ምስ ፈለጠ ምንም ፍርሃት ኣይስምዖን’ ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ እታ ንሶም ዝጠቀስዋ ኣብነት ይሁዳ ብምዝካር በንጻሩ ከኣ ብዙሓት ካህነት በዚ ዝወረደ ዕንቅፋታት ዝሳቀዩ ተስፋ ዝስእኑ ወረ ገሊኦም ዝተገለሉ እውን ኣይሰኣኑን። ነዚ ብዝምልከት እንታይ ትብሉ ትብል ሕቶ ቀረበቶም።

ነዚኣውን ብካልእ ኣብነት እንክምልሱ ‘ብዙሕ ግዜ ሓንቲ ነፋሪት እንክትወድቅ ካልኦት ኣሽሓት ከኣ ብሰላም ጒዕዞአን ዝፍጽማ ኣለዋ። ነተን ብኣሽሓት ዝቊጸራ ጽቡቕ ዝጐዓዛ ገዲፍካ በታ ሓንቲ ዝወደቀት ብዙሕ ይዝረብ። ሓደ ተኣፋፊ ጉዳይ ጥራይ ክተስምር እንተፈቲንካ ነቲ ካልኦት ዝገብሮ ሠናይ ነገር ግን እንተዘይሓሲብካ ኣብዚ ጸገም ኣሎ። ኰይኑ ግን እዚ ክንከፍሎ ዘሎና ዋጋ እዩ። ወትሩ ከምኡ እዩ በዚ ተስፋ ክንቈርጽ የብልናን። ከምቲ ር.ሊ.ጳ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ንካህነት ዝሰበኽወን ኣኪቦም ሓንቲ ንእሽቶ መጽሓፍ ጻዕርና ኣብ ቅድሚ ኢየሱስ ዓቢ ዋጋ ኣለዎ ብዝብል ኣርእስቲ ዘሕተምዋ ዝብሎ ካህናት ንጻዕርን ድኻምን ስንድዋት ክኾኑ ኣለዎም። ጥዑም ጻዕሪ ወይ ድኻም እዩ እውን ክንብሎ ንኽእል። አይንስታይን ዕብራዊ ነበረ ከም ማንም ከኣ ኣማኒ ነበረ። ‘ስለካልኦት ኢልካ እትንበር ሕይወት ጥራሕ እያ ትርጉም ዘለዋ ሕይወት እዚኣ ከኣ ክትንበር ኣለዋ’ ኢሉ ነሩ። ካብን ንካልኦት ኢሉ ክነብር እንከሎ ብርግጽ ጻዕሪ ኣሎ ድኻም ኣሎ። ሓንሳእ ሓንሳእ ውዕሎ ካህናት ብመዓት ሕቶታት ሓገዝ ዝተጨቃጨቀ እዩ። ኰይኑ ግን ክትገብሮ ዘሎካ ሠናይ ነገር እዩ። ሓደ ግዜ ማዘር ተረዛ `ብዙሓት ንምንታይ ዕረፍቲ ዘይትወስዲ ኢሎም ይሓቱኒ። ናይ ዕረፍቲ ግዜ ኣየድልየንን እዩ ከመይ ኩለን ዕለታት ንዓይ በዓላት እየን። ሠናይ ነገር ምግባር በዓል እዩ’ ኢለናኒ። ካህን ከኣ ነዚ እዩ ክደግም ዘለዎ። ስለዚ እቲ ጻዕርን ድኻምን ክብደት ኣይህልዎን ጥዑም ድኻምን ጻዕርን ይኸውን። ስለዚኸስ በዛ ዓለምለኸ ዕለተ ቅድስና ካህናት እንተወሓደ የንየልና ኢልና ክነመስግኖም ስለኦም ክንጽሊ ኣሎና። ሓንሳእ ሓንሳእ ሎሚ ኣብ ግዜ ቅዳሴ ካብ ዝሰበኽካዮ እዝን እዝን ተንኪፉኒ ኢሎም ከምስግኑ እንከለው ጽቡቅ ይስመዓኒ የጸናንዓኒ የተባብዓኒ እውን። ስለዚ ሓንሳብ ሓንሳብ ንካህናትና ክነተባብዖም እውን የድሊ እንክብሉ ቃሎም ሂቦም።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

28 June 2019, 19:02