ናይ ስነ ባህሊ ስልማት ንህዳዊ ካህን ኣባ ኣብራሃም ካቫላካት ናይ ስነ ባህሊ ስልማት ንህዳዊ ካህን ኣባ ኣብራሃም ካቫላካት 

ናይ ስነ ባህሊ ስልማት ንህዳዊ ካህን ኣባ ኣብራሃም ካቫላካት

ኣብቲ ናይ ስልማ ስነ ስርዓት ናይ ኢጣሊያ ኣብ ኒው ዮርክ ቤት ጽሕፈት ቆንስል ጠቕላሊ ወኪል ፍራንቸስኮ ጀኗኑዋርዲን ብፁዕ ካርዲናል ኦስካ ሮድሪገዝ ማራዲያጋን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒን ኣብ ሮማ ናይ ሳፒየንዛ መንበረ ጥበብ ነበር ዋና ርእሰ መምህር ፕሮፈሰር ልዊጂ ፍራቲን ካልኦት ዓበይቲ ኣካላትን ከምእተሳተፉን

ኣብ ኒው ዮርክ ናይ ኢጣሊያ ቆንስል ዝህቦ ስነ ባህላዊ ስልማት ናይ 2019 ዓ.ም. ተሰላሚ ንኽዀኑ ነቶም ናይ እግዚኣብሔር ዘደንቑ መገድታት ብዝብል ኣርእስቲ መደብ ምድሓን እግዚኣብሔር ብዝተፈላለየ መገድታት ዝግለጽን ዝብጻሕን ምዃኑ ዝትንትን ጥበባዊ መጽሓፍ ንዝደረሱ ኣባል ማሕበር ሳሊዥያን ተወላዲ ህንዲ ኣባ ኣብርሃም ካቫላካት ብሉፅ ቢሉ ከምዝሓረዮም ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ሮበርታ ጂሶቲ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ብዙሓት ዕዱማት ኣብ ዝተረኽብሉ ኑው ዮርክ ኣብ ዝርከን ኣብ ናይ ኢጣሊያ ቤት ጽሕፈት ቆንስል ናይ ስልማት ስነ ስርዓት ኣብታ ኣባ ካቫልካት፥ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ሰነዳት ዝተመስረተን ነቲ ናይ ጉባኤ ሰነዳት ዝትንትን ካብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ክሳብ ዘለናሉ እዋን ሰነዳት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዙርያ ናይ እግዚኣብሔር ናይ ምድሓን መደብ፥ ዘደንቑ መገድታት እግዚኣብሔር ብዝብል ኣርእስቲ ኣጠቓሊሎም፡ መደብ ምድሓን ኣምላኽ፡ ንኽርስትያንን ክርስቲያን ንዘይኰኑ እውን ዝበጽሓሉ ዘደንቕ ናይ ገዛእ ርእሱ መገድታት ዘለዎ ምዃኑ ዘብርህ ዝደረስዎ መጻሓፍ ዘደገፈ ዓውደ ጉባኤ ምክንያዱ ዝሓበራ ጂሶቲ ኣስዒበን፥

ድልያ እግዚኣብሔርን ዕድል/ተኽእሎ ምድሓን ንዅሉን

ኣብቲ ናይ ስልማ ስነ ስርዓት ናይ ኢጣሊያ ኣብ ኒው ዮርክ ቤት ጽሕፈት ቆንስል ጠቕላሊ ወኪል ፍራንቸስኮ ጀኗኑዋርዲን ብፁዕ ካርዲናል ኦስካ ሮድሪገዝ ማራዲያጋን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒን ኣብ ሮማ ናይ ሳፒየንዛ መንበረ ጥበብ ነበር ዋና ርእሰ መምህር ፕሮፈሰር ልዊጂ ፍራቲን ካልኦት ዓበይቲ ኣካላትን ከምእተሳተፉን፡ ኣብቲ ናይ ስልማት ስነ ስርዓት ዝተኻየደ ዓውደ ስነ ባህሊ ኣብ መደብ ድሕነት እግዚኣብሔርን መደብ ምድሓን ኣምላኽ ብኸመይ ተበጻሕነቱ በቶም ክርስቲያን ዘይኰኑ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣብ ዘማእከለ ዓቢይ ነጥቢ ሰፊሕ ፍስፍናውን ቲዮሎጊያውን ስነ ሃይማኖታውን ስነ ክርስትናውን ክትዕን ሓሳብ ምልውዋጥን ከምእተኻየደ ይሕብራ።

ካብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ክሳብ እዋንና፥ ትምህርትን ክትዓትን

ብፍላጥን ኢፍላጥን ኩሉ እግዚኣብሔርን ድሕነትን ዘናድይ ምዃኑ ኣባ ካቫላካት ገሊጾም፡ ሎምን ቅድመ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እውን፡ ካብ ጥንቲ እዚ ሕቶ’ዚ ንብዙሓት ሊቃውንቲ ናይ ምርምር ርእሰ ጉዳይ እዩ፡ እዚ ሕቶ ንምምላስ ዝተኻየደ ቲዮሎጊያውን ፍልስፍናውን ስነ ባህላውን መጽናዕትን ክትዓትን ናይ ገዛእ ርእሱ ታሪኽ ዘለዎ ምዃኑ ይገልጹ።

እቲ ናይ ኣባ ካቫላካት መጽሓፍ ብቤት ማሕተም ቫቲካን ተሓቲሙ ንንባብ ካብ ዝበቅዕ ሓደ ዓመት ከምዘቑጸረን፡ 750 ገጽ ዘጠቓለለ ካብቲ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣበው ጉባኤ ዘቕረብዎን ዝተኻትዕሉን ሓሳብን ኣስተንትኖን ርእይቶን ብዕምቆት ብምድህሳስን ናይ ዮሓንስ መበል 23ን ጳውሎስ ሻድሻይን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን በነዲክቶስ መበል 16ን ክሳብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ተኸተልቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣናዊ ኣስተምህሮታት ብጥልቂ ብምጽናዕን ዝቐረቡ ቲዮሎጊያውን ፍልስፍናውን መጽሓፍ ቅዱሳውን ህየሳ ብስሩዕ ኣገባብ ብምምልካት መደብ ምድሓን ኣምላኽ ንዘይ ክርስቲያን ናይ ምብጻሕ መገድታቱ የብርሁ።

እንታይ ዓይነትን ኣየናይ ድሕነት ንኣና ክርስቲያን

ብፁዕ ካርዲናል ማራዲያጋ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ እቲ መጽሓፍ ብሓቂ ዓሚዩቕን ኣብ መንጐ ቲዮሎጊያን ሃይማኖታትን ዘሎ ርክብን ምስ ድሕነት ንዘይክርስትያንን ዝብሉ ነጥብታት ዝድህስስን እቲ ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን በሊሕን ውዑይን ርእሰ ጉዳይ ከይኑ ብዙሕ መጽናዕቲ ዝተገበረሉን፡ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ደው ከይበለ ሎሚ እውን ብዝተፈላለዩ ናይ መጽናዕቲ ጽፍሒታት ኣቢሉ ዝቕጽል ዘሎ ምዃኑ በሰፊሕ ከምዘብርሁ ጂሶቲ ገሊጸን።

እግዚኣብሔር ናብ ካልእቶ ንምብጻሕ ዝጥቀመሎም ዘደንቑ መገድታት

መደብ ምድሓን እግዚኣብሔር ብኢየሱስ ክርስቶስ ንክርስቲያንን ነቶም ክርስቲያን ዘይኰኑ ዝበጽሕ ምዃኑ ኣባ ካቫላካት ኣብ መጽሓፎም የብርሁ፡ ብፍላይ እቲ ፍልዩ ኣገባብ ቢሎም ዝገልጽዎ፡ ጐደና ጸጋ እንክብሉ ይትንትንዎ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ኣብ ዝለገስዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔርን ኣብ ዝሃብዎ ኣስተምህሮ ዝተንከፍዎ ኣርእስቲ ምዃኑ ናይታ መጽሓፍ ደራስን ተሰላምን ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣዘኻኺሮም ጐደና ድሕነት ጸቢብ ግና ንዅሉ ክፉትን እዩ ከምዝበሉ ዝሓበራ ጂሶቲ ኣስዒበን፡

እቲ ካልእ መገዲ እግዚኣብሔር ጥራሕ እዩ ዝፈልጦ

ቤተ ክርስቲያን ንሰብኣዊ ፍጥረት ተሰንይ፡ እትፈልጦ መገዲ እውን ትሕብር፡ እግዚኣብሔር ንኣና ዝገለጾ ካልእ መደብ ድሕነት የሎን ብጀካ ኣብ ክርስቶስ፡ ናብ ካልእ ናይ ምብጻሕ ተክእሎ ዘለዎን መገድታቱ እግዚኣብሔር እዩ ዝፈልጦ፡ ድሕነት ብኢየሱስ እዩ፡ ካብኡ ወጻኢ ተኻኣልነቱ ኣብ እግዚኣብሔር ምዃኑ ከምዘብርሁ ገሊጸን።

ናይ ስነ ባህሊ ስልማት ንህዳዊ ካህን ኣባ ኣብራሃም ካቫላካት
25 June 2019, 17:01