2019.06.20 በዓለ ቅዱስ ቊርባን 2019.06.20 በዓለ ቅዱስ ቊርባን  

በዓለ ቅዱስ ቊርባን - በዓል ናይቲ ኅብስተ ሕይወት ዝኾነ ክርስቶስ!

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሎሚ በዓለ ጥቀ ቅዱስ ቊርባን እንክተብዕል ኣብ መብዛሕትኡ ንቚምስናዊ ኣገልግሎት ንምጥዓም ዝመጽእ ሰንበት ክብዕል ምዃኑ ይሕበር። ኣብ በዓለ ጥቀ ቅዱስ ቊርባን ስግደትን ኣስተንትኖን ብቀንዱ ከኣ ዓቢ ዑደት ብምግባር ብቡራኬ ቅዱስ ቊርባን ይዛዘም።

ኣብ ታሪኽ ምልስ እንተበልና ኣብ መበል 12 ክፍለ ዘመን ትነብር ዝነበረት ቅድስት ዡልየን በዓልቲ ኮርኒሎን ሕይወትን ተጋድሎን ብምትኳር ብዙሕ እኳ ፍልጥቲ እንተዘይኮነት ንቤተ ክርስትያን ግን ዓቢ ኣበርክቶ ከምዝገበረት ይዝከር፤ እዛ ኣብ ንኡስ ዕድሜኣ ዝዘኽተመተን ሕይወታ ንእግዚአብሔር ብምውፋይ ኣባል ደናግል ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ብምዃን ብኣስተንትኖን ስግደት ቅዱስ ቊርባንን ገድላ ዝፈጸመት ኢየሱስ ክርስቶስ ብዝገለጸላ በዓለ ቅዱስ ቊርባን ናብ ኩሉ ኩርንዓት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ንኽባጻሕ ብዙሕ ዝጸዓረት እያ። 

እቲ ኣብ ትምህርቲ ክርትስቶስ እንመሃሮ ‘ብናይ ወይንን ኅብስትን መልክዕ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሥጋን ደምን ነፍስን መለኮትን’ ዝሓዘ ምሥጢረ ጥቀ ቅዱስ ቊርባን ብራእይ ተገሊጹላ እዚ ሎሚ ብዓለም ለኸ ደረጃ እነኽብሮ በዓለ ቅዱስ ቊርባን ከስ መሠረቱ እዛ ቅድስት እዚኣ እያ፤ ብሕይወታን ገድላን ጣዕሚ ኣስተንትኖን ስግደት ቅዱስ ቊርባንን ዝኣክል ምስ ኣስተማቀረት ካልኦት እውን ከምኣ ናይዚ ፍሉይ መለኮታዊ ፍቅሪ ተኻፈልቲ ክኾኑ ብስግደት ቅዱስ ቊርባን ንዝርከብ ጸጋታት ክሓፍሱ ኣኽል ታርፍ ቡራኬ ክረኽቡ በዓለ ቅዱስ ቊርባን ክግበር ጐይታ ባዕሉ ኣዚዝዋ፤ ምስ ር.ሊ.ጳ ኡርባን ራብዓይ ብምርኻብ ኩሉ ነገረቶም፤ ንመጀመርያ ግዜ ኣብቲ ንሳ ዝነበረትሉ ዓዲ ሰበኻ ልየጅ በዓለ ቅዱስ ቊርባን ብዓቢ ክብሪ እንክበዓል፤ ብድሕሪኡ ር.ሊ.ጳ ኡርባን 4ይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብዓለም ለኸ ደረጃ ነዚ በዓል ክተብ ዕል ኣዊጆም ንቅዱስ ቶማስ ዘአኲኖ ከኣ ነዚ ሥርዓት ዚምልከት መልክዓ ቅዱስ ቊርባንን ኣኰቴተ ቊርባንን ክደርስ ኣዘዙ፤ ኣብቲ ግዝያት እቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ብ1263 ጴጥሮስ በዓል ፕራግ ዝበሃሉ ጀርመናዊ ካህን ንንግደት ንሮማ ኣብ ዝኸዱሉ ዝነበሩ ጊዜ ኣብ ቦልሰና ሓደሩ። ትሑትን መንፈሳውን ካህን ምዃኖም ይንገረሎም ኮይኑ ግን ህላዌ ክርስቶስ ኣብ ዝተቀደሰ ህብስትንን ወይንን ምእማን ይእግሞም ነበረ። ንጽባሒቱ ኣብ ቤተ ክርስትያን ቅ.ክርስቲና ኣብ ቅዳሴ ምስ ኣተው ናይ ምልዋጥ ቃላት ክውድኡን ደም ካብቲ ዝተቀደሰ ህብስቲ ክዝዕግ ጀመረ። ኢዶም ክጽይቅን ኣብቲ መንጸፍ ክነጥብን ጀመረ። እቲኦም ካህን ኩሉ ድንግርግር በሎም። መጀሪያ ነቲ ደም ኪሓብእዎ ፈተኑ። ምዃን ምስ ኣበዮም ብኡ ንብኡ ናብታ ር.ሊ.ጳ ኡርባን 4ይ ዝቅመጡላ ዝነበሩ ኣብ ጥቃ እቲ ዓዲ ዝነበረት ኦርቬቶ ትበሃል ከተማ ክወስድዎም ተማሕጸኑ። ር.ሊ.ጳ ኡርባን 4ይ ናይቶም ካህን ታሪኽ ምስ ሰምዑ ፍትሓት ሃብዎም እሞ ብኡ ንብኡ ነቲ ጉዳይ ዘጽንዑ ልኡኻት ሰደዱ። ኩሉ ነገራት ምስ ተረጋገጸ ንናይቲ ሰበኻ ኣቡን ነቲ ቅዱስ ቍርባንን ነቲ ተነጺፉ ዝነበረ ብደም ዝተጸይቀ ጨርቅን ናብ ኦርቬቶ ከምጽኡ ኣዘዝዎም። ር.ሊ.ጳ ምስ ሊቃነ ጳጳሳትን ካርዲናትን ካልኦት ዓበይቲ ዓድን ተቀቢሎም ነቲ ብደም ዝተጸቀ መንጸፍ ጽዋዕ ኣብ ካተድራል ናይ ኦርቬቶ ኣቀመጥዎ፡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ከአ ኣባኡ ኣሎ።

እዚ ጉዳይ እዚ ምስ ናይ ቅድስት ዡልየን ራእይን ግልጸትን ተደሚሩ ንመጀመርያ ግዜ በዓለ ቅዱስ ቊርባን ብእንተ ላእለ ኩሉ ቤተ ብደረጃ ዓለም ለኸ ኣብ ኦርቭየቶ ብር.ሊ.ጳ ኡርባን 4ይ ተገብረ። 

ቅድስት ዡልየን ግን ነዚ ኩሉ ክትገብር እንከላ ብቀሊሉ ኣይሓለፈቶን፤ ካብ ናይ ልየጂ ቤተ ክህነት ዓቢ ተቋውሞ ኣጋጢምዋ ኢዩ፤ ብኩሉ ኩሉ ም እማን ምስ ኣን ጥራይ ዘይኮነ ክጻብ እዋን ክቋወምዋን እውን ተረኺቦም ኢዮም፤ ድሕሪ ብዙሕ ገድሊ ናይታ ቅድስት፤ ናይ ልየጂ ሰበኻ ኣቡን ዝነበሩ ብፁዕ ኣቡነ ሮበርቶ ድሕሪ ቊሩብ ምጥርጣር ኣብ ሰበኻኦም በዓለ ጥቀ ቊርባን ዝኣወጁ፤

እዚ ኩነት እዚ ንቅድስት ዡልየን ጥራይ ዘይኮነ ኩሉ ግዜ ዓበይቲ ቅዱሳን ከምዚ ዓይነት ተቋውሞ ከምዘጋጥሞም ፍሉጥ እዩ ኮይኑ ግን ከምቲ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ዝብልዎ ዝነበሩ ‘ሓደ ተገልጾ ወይ ኣስተንፍሶ ካብ እግዚአብሔር ምዃኑ ንምርግጋጽ ኣብ ጸሎት ምጥሓል የድሊ፤ ብት ዕግሥቲ ምጽባይ የድሊ፤ ምስ ካልኦት ሕያዎት ዕርክነት ምምሃዝን ምጽ ጽንናዕ ምድላይን የድሊ፤ ንኩሉ ከኣ ኣብ ፍርዲ ጓሶት ቤተ ክርስትያን ምሕዳግ የድሊ’ በዚ ከኣ ሕይወት ቅዱሳን ብደገ ጥራሕ ዘይኮነ ብውሽጢ እውን ብርቱዕ ተጋድሎን ጻዕርን ይሓትት።
ኣብዚ ግዜና እውን እንትኾነ ሽሕኳ ድኻምነት ዝር ኣየሉ ብዙሕ ኩነታት እንተሎ ብስግደት ቅዱስ ቊርባን ግን ማእለያ ዘይብሎም ውፉያት ኣለውና፤ ውዕውዕ ዘመነ ስግደት ቅዱስ ቊርባን በጺሕና ክንብል እንኽእል ከኣ ናይቶም ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቊርባን ተደፊኦም ለይትን መዓልትን ዝጽልዩ ኣኅዋትን ኣኅትን ጸሎት ክሳብ ክንደይ ከምዝሕግዘና ክበርሃልና እሞ ፍሉይ ፍቅሪ ቅዱስ ቊርባን ክህልወናን እምነት ሓቀኛ ህላዌ ክርስቶስ ኣብ ቅዱስ ቊርባን ከነሐድስ የድሊ። በዚ ከኣ ምስቶም ለይትን መዓልትን ምእንቲ ኩሉ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቊርባን ተደፊኦም ዘስተንትኑን ዝጽልዩን ክንሓብር በዚ ዓቢ ዕለት በዓለ ቅዱስ ቊርባን ንጽዋዕ።

20 June 2019, 16:43