ናይ ኣርጀንቲና 160 ብፁዓን ጳጳሳት ምስ ቅዱስ ኣቦና ንኽራኸቡ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ኣርጀንቲና 160 ብፁዓን ጳጳሳት ምስ ቅዱስ ኣቦና ንኽራኸቡ ኣብ ሃገረ ቫቲካን 

ናይ ኣርጀንቲና 160 ብፁዓን ጳጳሳት ምስ ቅዱስ ኣቦና ንኽራኸቡ ኣብ ሃገረ ቫቲካን

ድኽነትን ኤኮኖሚያዊ ኢማዕርነትን ቅልውላው ኤኮኖምን ብፍላይ እቲ ካብ 2001 ክሳብ 2002 ዓ.ም. ዝነበረ ቅልውላውን፡ እቲ ካብ 2003 ክሳብ 2011 ዓ.ም. ኣብ ኣርጀንቲና ተፈጢሩ ዝነበረ ናይ ኤኮኖሚ ዓለም ሓቆፍ ውዕላት ናይ ምኽባር ብቕዓት ምንክርራውን ብዛዕባ ምስፋሕ ዕጸ ፋርስን ንግድ ሰብን ዝኣመሰሉ ማሕበራውን ሰብኣውን ጸገማት ንምብዳህ

ካብ ሓምሻይ ዓመት ድርኩዅት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምስላም ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኣብ ቅድስቲ መንበር ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕን ብዛዕባ ህልው ኩነታት ቤተ ክርስቲያኖምን ሃገሮምን ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መኺሮም መርሕ ቃል ዝቕበልሉ መደብ መሰረት 160 ናይ ኣርጀንቲና ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ከምዛኣተዉ ክንገር እንከሎ፡ እዚ ርክብን ምይይጥን እውን ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት 2019 ዓ.ም. ዝኸይድ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመልክት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ኣርጀንቲና ብሰለስተ ጉጅለ ተመዳዲቦም ምስ ቅዱስ ኣቦና ዘካይድዎ ርክብ፡ ቀዳማይ ዕለት 2 ግንቦት እቲ ካልኣይ ዕለት 10 ግንቦትን እቲ ሳልሳይ ዕለት 16 ግንቦት ዝካይድ ክኸውን እንከሎ፡ ናይቲ ርክብን ዘተን ማእከላዊ ኣርእስቲ፡ ዕዮን ብድሆን ግብረ ኖልዎ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣርጀንቲና ዝብል ምዃኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ኣብ ኣርጀንቲና ካብ 1983 ዓ.ም. ምርግጋጽ ስርዓት ደሞክራሲ ንነጀው ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማሕበራውን ሰብኣውን ሕንጸትን ክንክንጥ ጥዕና መዳይ ቀንደይና ተዋሳኢት ብምዃን ብዛዕባ ፍትሕ ኣብ 1987 ከምኡ እውን ኣብ 2018 ዓ.ም. ጽንሲ ምንጻል ብሕጊ ቅቡል ዝብል መንግስቲ ዝወሰዶ ውሳኔን ኣብ መንጐ ሓዳኣዊ ጾታ ዘለዎም ሰባት መርዓ ምፍቃድ ዝብል ናይ 2010 ዓ.ም. ከምኡ እውን ብዘይ ባህርያዊ ሩካቤ ዝግበር መብረኣዊ ፍርያምነት ዝብል ኣብ 2013 ዓ.ም. ዘጸደቐ ሕግን ካልኦት ናይ መላእ ኣቢያተ ትምህርቲ ናይ ሕንጸት መርሓ ፍኖት ዝኣመሰሉ ውሳኔታት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣርጀንቲና ህየሳ ብምቕራብ ዘመሓላለፈቶም ውሳኔታት ኣብ ማሕበራዊ መዳይ ዘለዋ ንቑሕ ተሳታፍነት ዘመላኽት ኰይኑ ኵለንተናዊ ሕንጸት ሰብኣዊ ፍጥረት ብሰፊሕ እተብርህን እትምስክርን እውን ምዃና የመላኽት።

ህርኩት ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማሕበራዊ መዳይ

ድኽነትን ኤኮኖሚያዊ ኢማዕርነትን ቅልውላው ኤኮኖምን ብፍላይ እቲ ካብ 2001 ክሳብ 2002 ዓ.ም. ዝነበረ ቅልውላውን፡ እቲ ካብ 2003 ክሳብ 2011 ዓ.ም. ኣብ ኣርጀንቲና ተፈጢሩ ዝነበረ ናይ ኤኮኖሚ ዓለም ሓቆፍ ውዕላት ናይ ምኽባር ብቕዓት ምንክርራውን ብዛዕባ ምስፋሕ ዕጸ ፋርስን ንግድ ሰብን ዝኣመሰሉ ማሕበራውን ሰብኣውን ጸገማት ንምብዳህ ቅድም ቀዳድም ናይቶም ጸገማት ኣናስር ብምትንታን መፍትሒኡ ብምሕባር ዘይሕለል ጻዕሪ ከምዘካየደትን ከምእተካይድን ይፍለጥ። ነቶም ኣብ ድኽነትን ሓሳርን ዝርከቡ ዜጋታት ሓለፋ እትብል ተንቀሳቓሲ መንበረ ታቦት ብዝብ መደብ ካህናት ብብሽክለታ ናብ ኩለን ቑሸታት ብምኻድ መፍነሳውን ሰብኣውን ብምቕራብ ዝፍጽምዎ ኣገልግሎት ዝነኣድ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣዘካኺሩ፡ ተተሓሒዙ እውን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣርጀንቲና ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ቀዳምነት ብምሃብ ነዚ ዝምልከት ናይ ውሽጢ መምርሒ ብምርቃቕ፥ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዘይከዋወል ብሱቕታ ዘይሕለፍ ዓቢይ ጸረ ሰብኣዊ ገበን ቢላ ትገልጾ።

ናይ ኣርጀንቲና 160 ብፁዓን ጳጳሳት ምስ ቅዱስ ኣቦና ንኽራኸቡ ኣብ ሃገረ ቫቲካን
01 May 2019, 16:54