2019.05.16 ከምቲ አነ ዘፍቅረኩም ከምኡ ነነድሕድኩም ተፋቐሩ (ዮሓ 13፡34) 2019.05.16 ከምቲ አነ ዘፍቅረኩም ከምኡ ነነድሕድኩም ተፋቐሩ (ዮሓ 13፡34) 

፭ይ ሰንበት ዘትንሣኤ ግንቦት 18 2011 ዓ.ም. (5/26/2019)

መዝሙር፡ “አርአዮ ሥልጣኖ. . “ንጉሥ ናይ ነገስታት ጎይታ ናይ ግዙአት ስላጣኑ አብ ልዕሊ ሞት አርአየ፥ ሊቃነ መላእኽቲ እና አመስገኑ አብ ቅድሚኡ ብራዕዲ ይሰግዱሉ፥ኢየሱስ በታ ክሕዝዎ ዝመጽኡላ ለይቲ ከም ሰራቒዶ ክትሕዙኒ መጻእኩም በሎም። ኦትዕግስትን ትሕትናን ብሰንኪ ፍቕርና ናብ ሞት ዝበጻሕካ፥ ንሕና እውን ቅድስቲ ብዓልና ፋሲካ ብሓጎስ ንገብር፥ ሥልጣኑ አብ ልዕሊ ሞት አርአየ ገባር ሕይወት ክርስቶስ”።

ንባባት፡ ፩ቆሮ 15፡50-ፍ፥ ራእ 21:1-5፥ ግ.ሓ. 14:21-27፥ ዮሓ 13፡31-35 ስብከት፡“እስመ ሰበረ ኆኅት ብርት፥ ወቀጥቀጠ መናሥግተ ዘኃፂን፥ ወተወክፎሙ እምፍኖተ ጌጋዮሙ”።

ብድምጺ ንምክትታል!

አብዚ ፭ይ ሰንበት ዘትንሣኤ ቤተ ክርስትያን እተዘኻኽረና አብ ክርስቶስ አሚና ምስኡ ክነብር እንከሎና እቲ ሓቀኛ ተኸሊ ወይኒና ዝኾነ አምላኽ ምሳና ይነብር ንሕና ኸአ ምስኡ እናነበርና ክነስተንትን ከምኡ አብ ሕይወትናን አብ ሕይወት ካልኦት አሕዋትና ዘምጽኦ ጸጋ በረኸትን ርኢና ክንክእል እሞ ሽዑ ምስኡ ድልዱል ርክብ ክንፈጥር ዘዘኻር ሰንበት እዩ።

ንባባትና ብዛዕባ ሓደስት ነገራት እዮም ዝነግሩና፥ ሓዳስ ኢየሩሳሌም፥ሓዲስ ሰማይ፥ ሓዲስ ምድርን ሓዲስ ትእዛዝን። አብ ራእዩ አምላኽ ናይ ምድኃን ምንጻሕን አብ ዓለም ቀጻሊ ከም ዝኾነ ይገልጸልና፥ “እንሆ ንኹሉ እሕድሶ አሎኹ” (ራእ 21፡5) ይብል።

አብ ግ.ሓ. ሓዋርያት ብመሪሕነት ጳውሎስን በርናባስን አብ ኩሉ ብጽቡቕ ንዝተቐበልዎም ንኡሳን ማሕበራት ክርስትና ይምስርቱ ከም ዝነበሩ ነንብብ። አብ መጀመርያ ስብከተ ወንጌልን ጥምቀትን ይገብሩ ነሮም እዚ አብቲ ንምሉእ ሕይወቶም አብ አምላኽ ክምለሱን ብክርስቶስ ክልወጡን ዝዓለም እዩ። እቶም ንኡሳን ማሕበራት በቲ አብ በርናባስን ጳውሎስን ዝርአይዎ ሓድሕዳዊ ፍቕሪ አብ ነነድሕዶም እውን የዘውትርዎ ነሮም። አብዚ እዋና ዝተፈላልዩ ማሕበራት ከም አብ ቍምስና ዝርከቡ ማሕበራት ንኡሳን መሃብር አብ ሓደ ዓላማን ርክብን ተጸሚዶም ብሓባር ይጽልዩን ይፋቐሩን ብዙሕ ሰናይ ግብሪ ይገብሩ እዚ ንትምህርቲ ወንጌል ብቐሊል አብ ኩሉ ከም ዝበጽሕ ይገብር። ከምቲ ጳውሎስን በርናባስን አብ ሓደ ዓይነት ተልእኮ ዝተጸዋዕና አይንኸውንን ንኸውን ግን ንአይ ጠዓመኒ እንብል ክንከውን የብልናን ከም ቀዳሞት ክርስትያን አብ ነነድሕድና ክንፋቐርን ክንሕግዝን ይግብአና።

አብ ራእይ ዮሓንስ አምላኽ ከመይ ገሩ ንቤተ ክርስትያኑ አብ አባላታ ብምርካብ አብ ቍምስናን አብ ስርዓተ አምላኾን ከም ዝሕድሳ ንርኢ። እዚ ክፍሊ ግ.ሓ. ብአምሳል ቤተ ክርስትያን ገሩ አምላኽ አብ መንጎና ከም ዝርከብ ዝገልጽ እዩ። ቤተ ክርስትያን ነቲ “ማኅደር አምላኽ ምስ ሰብ ኮነ ምስአቶምውን ኪነብር እዩ” ዝብል ተረጋግጸልና። አምላኽ ኵሉ ጊዜ አብ ታሪኽና ወላ አብቶም ጽንኩራት ዘፍርሑ እዋናት ምሳና አሎ። ሞትን ትንሣኤን ኢየሱስ አብ ሓደ እዋን ርሑቓትን ጓኖት ዝነበርና አምላኽ ሕጂ አብ ነፍሲወከፍ ሰብን ኩነታትን ምሳና አሎ። ኢየሱስ አብ ሕይወትና ዘሎ ኵሉ ክንልውጥ ክእለትን ርድኢትን ሂቡና እዚ ኸአ ፍቕሪ ተግባራዊት ብምግባር ክንበጽሖ ንኽእል። ነቲ አምላኽ ዝሃበና ተጠቒምና ክንክእል አሎና። አብ መንጎና ዝርከብ ፍቕራዊ ርክብ “ንሓድስ ምድርን ሓዲስ ሰማይን ሓዳስ ኢየሩሳሌም” ህልዊ ይገብር እዚ ኸአ ንመጻኢ አብ ዘይተፈልጠ ጊዜ ዘይኮነ ሕጂ አብዚ ህልው ይገብሮ።

አብ ወንጌል ኢየሱስ አብ ጸሎተ ሓሙስ ናይ መጨረሻ ንሓዋርያቱ ዘስምዖ ዘረባ ዝገልጽ እዩ። አብዚ ምዕራፍ ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ከምኡ ንአና ህጹጽ ነገራት ቅድሚ ካብዚ ዓለም ምኻዱ ክነግረና ዝደለዮ ይነግረና። እቲ መልእኽቲ ምስጢር ክርስትያናዊ ተሓድሶ ኮይኑ አብቲ ተግባራውነት ሓዲስ ትእዛዝ ዝተመርኮሰ እዩ። “ከምቲ አነ ዘፍቀርኩኵም ነሓድሕድኩም ተፋቐሩ”። ኢየሱስ አብዚ አብ ርእሲ እቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ትእዛዝ ናይ ሓደ እሙን ተኸታሊ ክርስቶስ መለልይኡ ንሰባት ከምቲ ኢየሱስ ዘፍቀረካ ገርካ ምፍቃር። ንአና እምብአር ተሓድሶ ክርስትያናዊ ሕይወት ክብሃል እንከሎ ሓዲስ ርድኢትን አገባብራን አብ ኵሉ ሕይወትና ክህልወና እሞ ሓዲስ ሕይወት ክህልወና። አብ ሓዲስ ሕይወት እንተ አተና ምስ አምላኽን ሰባትን ብኡ አቢልና ምስ ኩሉ ክባቢና ዘራኽበና ሓዲስ አገባብን ሓዲስ ነገራትን ክንጅምር ኢና። ንብዙሓ ትሓድሶ አብ ዝተፈላለየ ዕድመን ጊዜን ሕይወትና ክመጽአና ይክእል እዩ እዚ ኸአ አብ ነፍስወከ ጊዜ ዓሚቕ ርድኢት ምስትውዓልን መብጽዓን ግላዊ ርክብ ምስ አምላኽ ከም እንበጽሕ ይገብረና።

ክርስትያናዊ ርድኢት ክብሪ፡

አብዚ ናይ ሎሚ ወንጌል ዝተጠቕሰ “ክብሪ” ዝብል ነቲ ናይ ሰማያዊ አቦ ክብሪ እዩ ዘመልክት ምኽንያቱ ክርስቶስ ብገዛእ ፍቓዱ ካብ ፍቕሪ ተላዒሉ ብሞት ዝልዓለ መስዋዕቲ ከፊሉ አብ ድላይ አምላኽ ዘለኦ ተአዝዞ ገሊጹ እዚ ኸአ ነቲ ሓደ ምእንቲ ክብሪ አምላኽ ንምግላጽ ዘርእዮ መስዋዕቲ ዝገልጽ እዩ። ሰማያዊ አቦ ነዚ ክብሪ ክምልስ እንከሎ ንክርስቶስ ወዲ ሰብ ማለት አብ ኩሉ ሰብአዊ ባህሪኡ ብትንሣኤኡን ዕርገቱን አብ የማኑ አቐሚጥዎ። እቲ ወልድ ነብኡ ዝህቦ ክብሪ ንእኡ ኸአ ክብሪ እዩ። ከም አርድእት ክርስቶስ እቲ ዝለዓለ ተበግሶን ክብሪን እንረኽቦ ንርእስና ምስቲ ናይ ክርስቶስ ተአዝዞ አብ መዓልታዊ ሕይወትና ክነወሃህዶ ከሎና ብፍላይ ነቲ ሓዲስ ትእዛዙ ናይ መስዋዕቲ፥ ብዘይ ቅድመ ኩነት አብ ሕድገት ዝዓለመ ፍቕሪ ክንሕሉን ክነርእን ከሎና እዩ።

ሓዲስ ትእዛዝ፡

አብዚ ካልአይ ናይ ምፍናው ዘረብኡ ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ሓዲስ ትእዛዝ ሂብዎም፥ ከምቲ ንሱ ዘፍቀሮም ነሓድሕዶም ክፋቐሩ ይግብኦም። መለልይኦም አበቲ ዘርእይዎ ምልክት(ዓሳ፥መስቀል) ዘይኮነ አብ ነድሕዶም ዘሎ ፍቕሪ እዚ ኸአ ፍረ ንስሕኦም ወይ ምምላሶም እዩ። ዓለም ነርድእቲ ክርስቶስ እተለልዮም በቲ ዘርእይዎ ፍቕሪ እዩ። እዚ ሓዲስ ትእዛዝ ኢየሱስ ዝጽውዖ ፍቕሪ ብዘይ ደረት፥ ብዘይ ቅድመ ኩነት ክኸውን ይግባእ። እዚ ዓይነት ፍቕሪ አዒንትና ይከፍተልና እሞ ኩነታትናን ኵነታት ካልኦት ከም እንርኢ ይገብረና። ነቶም አብ ዓለምና ዘለዉ ድኻታት፥ ነቶም አብ ተስፋ ቍርጸት ዘለዉ እሞ ብአና ተስፋ ክረኽቡ፥ ዓለምና በቲ እንገብሮ ሰላም ፍቕሪ ክወርዳ ኢልና እንገብሮ እዩ እቲ ሓዲስ ትእዛዝ።

ባህሪ ክርስትያናዊ ፍቕሪ፡

ኢየሱስ ብዛዕባ ፍቕሪ ይዛረብ፥ እዚ ፍቕሪ ኢየሱስ ዝነግሮ ምሉእ እምነትን ተወፋይነትን ዝሓትት እዩ። አብቲ አምላኽ አባና ዘለዎ ፍቕሪ ዝተመስረተ እሞ ንሕና እውን አብ ካልኦት ዘሎና ፍቕሪ አብኡ መሰረት ገርና ከም እነፍቅር ዝገብረና እዩ። እዚ ክርስቶስ ዘስተምህሮ ፍቕሪ ልዕሊ ዝኾነ አካላዊ ስምዒት አብ ካልኦት ዘሎና ኮይኑ ካብ ፍቕሪ ተላዒልና ናይ ገዛእ ርእስና ምውፋይ ኮይኑ ናይ አሕዋትናን አሓትናን መንፈሳውን ግዙፋውን ግድነታት ቀዳምነት ሂብና ክነብር ዝጽውዕ እዩ። ፍቕሪ “አጋፐ” ዘመልክቶ ካብ ርእስኻ ወጺእካ ናይ ካልኦት ግድነታት ክተማልእ ምውጽእ እዚ ኸአ ዝኾነ ትጽቢት ወይ ጥቕሚ ካብኦም ክምለሰካ ከይተጸበኻ ዝግበር እዩ። አውንታዊ ቆራጽን ብርቱዕ ውሳኔ እዩ። ኢየሱስ እዚ ከም ሓለገት አብ ኩሎም አመንቲ ክርአ ዝደልዮ እዩ። ኢየሱስ ፍቕሩ ብምግልጋል አብ ዘድልዮም ብምሕጋዝን ምብምሕዋዮምን ገሊጽዎ። ፍቕሩ ንሰብ አሕውዩ ደው ከም ዝብል ዝገብሮ ስለ ዝነበረ ንብዙሓት አብ ርእሶም ከም ዝሓስቡን ንብዙሓት ከም ዝልዓዓሉን ገርዎም። ፍቕሩ ዓሚቕ ሕድገትን አብ መስዋዕቲ ዝተመርኮሰ ፍቕሪን እዩ።

እዚ ኹሉ ከመይ ኢልና አብ ሕይወትና ተግባራዊ ክንገብሮ ንኽእል።

·         መጀምርያ ከመይ ገርና ንርእስና ከም እነፍቅሪ ንምሃር ንኻልኦት ምእንቲ ክነፍቅር። እቲ ብሉይ ትእዛዝ (ሌዋ 19:1-2, 9-18) ከምዚ ይብል “ ንብጻይካ ከም ነፍስኻ አፍቅር”። ከመይ ኢልና ኢና እሞ ንካልኦት ክነፍቅር መጀመርያ ንርእስና ከም እነፍቅር ከይተመሃርና። አብ ንሕይወት ዋጋ ዘይህብ፥ አብ ሞት ዘምልኽ ንሰባት ሃለዋቶም አጥፊኦም ከም ዝነብሩ ዝግብር ባህሊ ኢና እንነብር ዘሎና። አብ ሓሶት ዝኾነ ብመራኸቢ ብዙኃን ዝተቐርጸ ዝህበና እናአምና ኢና እንነብር ዘሎና። ሰባትን ርክባቶምን አብ ወልፊ ስራሕ ጥራሕ ዝብል ተደርብዮም ንረኽቦም። ቅዱሳትን አብ ርእስና እንትአማመን ክንከውን ንርእስና ብሓቀኛ ፍቕሪ ክነፍቅር ምስ ጀመርና፥ ህላዌ ቅድስ ስላሴ አብ ነፍስና ምስ አመና፥ ሰውነትና ማኅደር መንፈስ ቅዱስ ምስ ገበርና ጥራሕ እዩ። እቶም ፍቱዋት/ፍቑራት ዝኾኑ ሰባት ጥራሕ እዮም አብኦም መንፈስ ቅዱስ ዝሓድርን ንኻልአት ብሓቀኛ ፍቕሪ ዘፍቅሩ ምኽንያቱ አምላኽ ከም ዘፍቅሮም ዘረጋገጹ ስለ ዝኾኑ። አብ ቀጻልን ብፍቕሪ ዝተማእከለ ምስ አምላኽን ሰብን ርክባት ምስ ገበርና ሽዑ እዩ “ሓዲስ ምድርን ሓዲስ ሰማይን ሓዳስ ኢየሩሳሌምን” አብ መንጎና ክርከብ ዝኽእል።

·         አብ መዓልታዊ ሕይወትና ንኸማና ሰባት ነፍቅር። አብ ዕለታዊ ሕይወትና ከምቲ ኢየሱስ ዘፍቅረና ክነፍቅር ኢና እንሕተት ዘሎና። አብ ልዕሊ ካልኦት ዘሎና ፍቕሪ ካብ ድንጋጼን ርሕራሔን ዝተበገሰ ክኸውን አለዎ እምበር ብዓይኒ ጽልኢ ወይ ንዕቀት ዝተበገሰ ክኸውን አይግባእን። ነቶም ዝተፈላለየ ጸገማት ዝረኸቡ ክነፍቅሮም ከሎና አብኦም ዕግበትን ቅሳነትን ንፈጥረሎም። አገልግሎትና ዕብየቱ ብዝሑ ብዘየገድስ አብ ፍቕሪ ዝምርኮስ ክኸውን አለዎ። ንኻልኦት እነፍቅሮም ነቲ አምላኽ ዝጽውዓና መልሲ ብምሃብ ንቃሉ ከም ዝሰምዑ ብምግባርን አሰር ክርስቶስ ክንስዕብ ከሎና እዩ።

·         አብ ልዕሊ ካልኦት ዘሎና ፍቕሪ ንግለጾ። ሰንበት ሰንበት አብ ቅዳሴ ክንመጽእ እንከሎና ንጋሻ ሰብ ወይ ሓሚሙ ብዙሕ ጊዜ ዘይመጸ ወይ እውን ብገለ ምኽንያት ዘይመጽእ ዝነበረ ክንርእዮ ከሎና ፍቕርናን አኽብሮትናን ክንገልጽ ከሎና ጽቡቅ እዩ። ከም አፍቀርትን አብ ነነድሕድና ክእምንደላለን ክርእዩ ይግባእ። ቤተ ክርስትያና መግለጺት ፍቕርና ንግበራ። አብ ኵሉ ሓልዮት አድሕድ ክርአ እንከሎ ምስኡ ፍቕርን ሰላምን ይዓቢ።

ፍቕሪ ክርስትያናዊ ዲቪዛና (ምዱብ ክዳና) እዩ። አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ኢየሱስ ክርስትያናዊ ሓለገትና ሂቡና። “ሓዲስ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ ከምቲ አነ ዘፍቅረኩም ከምኡ ነነድሕድኩም ተፋቐሩ፥ በዚ አርድእተይ ከም ዝኾንኩም ኪፈልጡኹም እዮም” (ዮሓ 13፡3435)። ፍቕሪ ክርስትያናዊ መንነትና ዩኒፎርምና (ዲቪዛና) ልምድና እያ። ክርስትያናዊ ልምዲ ተኸዲንካ እንተሎኻ ወዲ ቤት አብ ውሽጢ አሎኻ ዘይለበስካ እንተ ኾንካ ግን አብ ግዳም ኢኻ ዘሎኻ። ሸኪስፒር ዝተባህለ እንግሊዛዊ “ቆብዕ፥ ፈላሲ አይገብርን እዩ” ይብል። ሓዲስ ትእዛዝ ፍቕሪ ኢየሱስ ሎሚ አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ዝተነበና አብ ግብሪ እንተ ዘይአውዓልና ክርስትያናዊ ስም ወይ መስቀል አብ ክሳድና ብስም አሰርና ክርስትያን አይገብረናን እዩ።

እሞ አብ ውሽጢ ዘሎኻ/ኺ? አብ ውሽጢ እንተ አሎና አብ ግብሪ ነቲ ክርስቶስን ቤተ ክርስትያን እተስተምህሩና ካብ ሕጂ አብ ግብሪ ነውዕሎ። ዘራእቲ ፍቕርን ሰላምን ገሩ አብ ኵሉ ሕይወትና ሰላም ይሃበና።

ፍቕርን ሰላም አብ ሃገርናን ዓለምናን የውርደልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

23 May 2019, 15:45