2019.05.19 ሰንበት ሕያዋይ ጓሳ 2019.05.19 ሰንበት ሕያዋይ ጓሳ  

፬ ሰንበት ዘትንሣኤ ግንቦት 11 2011 ዓ.ም. (5/19/2019)

መዝሙር፡ ተንሥአ ወአንሥአ ኩሎ ሙታነ. . . “ተንሢኡ ንኹሎም ሙታን አተንስኦም ካብ ኩሉ ሞቝሕ ማእሰርቶም ከአ ፈትሖም፥ ብዓቢይ ሓይልን ስልጣንን ንነፍሳት ጻድቃን ነጻ ገበረን፥ ንአልአዛር ተንሥእ በሎ ነቲ ዕዉር ከአ ብቃሉ ፈወሶ፥ ትንሣኤኡ አብ ሰንበት አብ ሳልሳይ መዓልቲ ገበሮ፥ ተንሢኡ ንኹሎም ሙታን አተንሥኦም፥ ተንሢኡ ንምቝሓት ፈትሖም”።

ንባባት፡ ቆላ 3፡1-11፥ 1ጴጥ 2፡20-25፥ ግ.ሓ. 2፡14, 36-41፥ ዮሓ.10፡1-10  ምስባክ፡ አንሰ ሰከብኩ ወነምኩ። ወተንሣእኩ እስመ እግዚአብሔር አንሥአኒ፥ እይፈርህ እም አእላፍ አሕዛብ። “ተገምሰስኩን ደቀስኩን፥ እግዚአብሔር ሰለ ዘተንሥአኒ ተንሣእኩ፥ ካብ አላፋት አሕዛብ አይፈርህን እየ” መዝ. 3፡5~6።

ብድምጺ ንምክትታል!

ድሕሪ ትንሣኤ ዘሎ እዋን መለልይኡ ሓዲስ ሕይወት ለቢስካ ንስብከተ ወንጌል ምውፋር እዩ። መጀመርያ ክንገብሮ ዝግብአና እምብአር ካብ ዝኾነ መጻወድያ ሰይጣን ሓርነት ለቢስና ደቂ ትንሣኤ ኮና ብፍቕሪ ተጠሚርና ነቲ ብርእሱ ፍቕሪ ዝኾነ አምላኽ አብ ኩሉ ክንሰብኮ መብጽዓና እንሕድሰሉ ፍሉይ ጊዜ እዩ። ተንሢኡ ንኹሎም ሙታን አተንስኦም ዝብል ጸሎትና ንነፍሲ ወከፍና አብ መአዲ ትንሣኤ ክንሳተፍ ብሩህ ዕድል ዝኸፍት እዩ። ካብ ባዕልና ዝገበርናዮ ኃጢአት ነጻነት አዊጅና አብቲ ጓሳና ዝኾነ ክርስቶስ ክንምለስ ፍቓደኛታት ምዃና ዝገልጽ እዩ።

አምላኽ በብእዋኑ አብኡ ክንምለስ ኢሉ ዝተፈላለየ መልእኽትታት ይሰደልና፥ ነዚ ከም አብነት ክትኮነና ነዛ እትስዕብ ዛንታ ጽን ኢልና ንስማዕ።

ሓንቲ ነጋዲት አብ ቅድስት ሃገር እናዖደት እንከላ ሓደ መዓልቲ አብ ሓደ ሓፍ ዝበለ እምባ ብዙሓት አባግዕ ዘለውኦ በጽሐት። አብተን አባግዕ እናጠመተ እንከላ ሓንቲ በግዕ እግራ ተሰሩ ምኻድ ስኢና ክትቍንዞ በቲ አካይድአ ርአየት እሞ ነቲ ጓሳ እንታይ ከምዝኾነት ሓተተቶ።

ምድንጋጽ ብዘይብሉ አዘራርባ ባዕለይ እየ ሰረያ እናበለ መሊስላ። ከምዚ እንተ ገበርክዋ ጥራሕ እያ ኸአ እዛ ግናይ ፍጥረት ካብ ሓደገኛ ዝኾነ ቦታታትን ምጥፋእን ክሕልዋ ዝኽእል። ቀጺሉ ካብ ናይ ቅድም ተመክሮይ ዝረኸብክዎ ሓንቲ በግዕ እትሰምዓካን እትስዕበካን አካላ እንተ ሰበርካይ ድሕሪኡ እንተ አለኻያ/ሓከምካያ ብዝያዳ ትሰምዓካን ትቐርበካን፥ ምኽንያቱ በቲ ዝተገብረላ ክንክን አብ መንጎና ፍቕሪ ይፍጠር እሞ ካብኡ ንድሓር ኩሉ ጊዜ አብ ጥቓይን እንተ ጸዋዕክዋ ከአ ትሰምዓኒ በላ።

ነጋዲት ሰበይቲ ብዝበላ እናሓሰበት ክተስተንትን ጀሚራ። አብ ገለ እዋናት መሳኺን አባግዕ ዝኾና ደቂ ሰብ አምላኽ በቲ እንገብሮ ዘሕርቕ ተግባራት ካብኡ ብምርሓቕ ወይ አብዘየድሊ መገዲ እሞ ጎዳኢና ዝኾነ ክንከይድ ከሎና እቲ ሕያዋይ ጓሳና ዝኾነ አምላኽ ምእንቲ ክንምለስ ስቓይ ሓዘን ከምኡ ካልእ ዝተፈላለየ ምልክት መቕጻዕቲ ይሰደልና። ብስቓይናን በቲ ዝረኸብናዮ ምሕረት ተመኪርና ሽዑ አብ ትሕቲ ሕቕፉ አብ ዝበለጸ ቦታ ምስኡ ንኸውን እሞ ብቐሊል ቃሉ ንሰምዕ አብ ዝመርሓና ጉዕዞ ኸአ ንስዕቦን ንእዘዞን። እዚ አብነት ናብ ጓሳና ዝኾነ ኢየሱስ በቲ ዝመጽአና መልእኽቲ ወይ ምልክት ክንቀርቦ ክንሰምዖ ከም ዘሎና የዘኻኽረና።

፬ይ ሰንበት ዘዘመነ ትንሣኤ ቤተ ክርስትያን ብዝአወጀትልና ምኽንያት ሰንበት ሕያዋይ ጓሳ ብዝብል ሰምያ ነቲ አብ መንጎ ቤተ ክርስትያንን አምላኽን ዘሎ ርክብ ከምቲ አብ መንጎ ጓሳን መጓሰን ዘሎ ገርና ክንርእዮ እሞ ምስ ጓሳና ጥቡቕ ርክብ ክህልወና ክነስተንትን ትነግረና። አብዚ ሰንበት ዝንበብ ወንጌል ካብ ዮሓ 10 ኮይኑ ኢየሱስ ንሱ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ከም ዝኾነ ዝገለጸሉ እዩ። ምስ እዚ አተሓሒዛ ቤተ ክርስትያን ነዚ ሰንበት ሰንበት ጸዋዕታ ኢላ እውን ትሰምያ እዚ ኸአ ጸሎት ምእንቲ ሓደስቲ ጓሶት አገልገልቲ ንቤተ ክርስትያኑ ክሰድድ ንዋና መጓሰ ዝኾነ ክንልምኖ ትነግረና።

አብ ዘመነ ትንሣኤ ኢና ዘሎና ምስ ዝተንሥኤ ክርስቶስ ክንህሉ እሞ ጓሳናን ሓላዊናን ምዃኑ አለሊና እሙናትን ሰማዕትን አባግዕ ክንከውን። አብ መዝ 23፡1 እግዚአብሔር ጓሳይየይ እዩ ዚጎድለኒ የብለይን. . . . ዝብል ንረክብ። ኢየሱስ እቲ ሓቀኛ ጓሳና እዩ ምኽንያቱ ብአና ይግደስ ከምኡ ነቶም ዝጓስያና ብፍሉይ ፍቕሪ አብ መንጎና ኩሉ ጊዜ አሎ። አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ንባባና እቲ አፍደገ አባግዕ አነ እየ ይብለና፥ ምኽንያቱ ንሱ አብ ድሕነት ዝወስድ መገዲ ስለ ዝኾነ። ከም አፍደገ አባግዕ ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ይመርሓና። አብ ግ.ሓ 2፡37-41 ዘንበብናያ ጴጥሮስ ከመይ ኢሎም አብ ደምበ አምላኽ ክምለሱ ንዝሓተትዎ ክምልሰሎም እንከሎ  ተንስሑ ኅድገት ኃጢአት ምእንቲ ኽትረኽቡ ኸአ ነፍስወከፍ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ይጠመቕ፥ እግዚአብሔር ዚህቦ መንፈስ ቅዱስ ከአ ኽትቅበሉ ኢኹም ኢልዎም። አብ ፪ይቲ ንባብ ካብ ፩ጴጥ 2፡20-25 ዘሎ ምስቲ አብ ኢሳያስ 53፡6 ዘሎ ይመሳሰል፥ ኵላትና ኸም ዝተባረራ አባግዕ ነበርና፥ ነፍስወከፍ ነናብ መገዱ ዘምበለ ይብል። ኢየሱስ ክርስቶስ ኣባግዑ ንዝኾነ ሓደ መጓሰ ክንከውን ኢሉ ከም ጓሳና ሓላዊ ነፍሳትና ክእክበና ሓላፍነት ለቢሱ።

አብዚ እዋን ወላ እኳ ብዓል ጰራቅሊጦስ አይነብዕል እምበር ኩሉ ካብ ግ.ሓ. እንወስዶ ኩሉ ድሕሪ ምውራድ መንፈስ ቅዱስ ዝተፈጸመ ነገራት ኢና እነንብብ። እዚ ብአጋጣሚ ዝኾነ ነገር አይኮነን እዚ ዘመነ ትንሣኤ መንፈስ ቅዱስ ከመይ ገሩ አብ ቤተ ክርስትያን ከምዝዓዪ ዝነግር ዝመልኦ እዩ። አብ ንባብና ካብ ግ.ሓ. ቅ. ጴጥሮስ አብ መዓልቲ ጰራቅሊጦስ ዘስምዖ ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ዘንበብናዮ መቐጽልታ እዩ። እቶም ህዝቢ ነዚ ዘደንቕ ነገር ምስ ሰምዑ ልቦም ተተንከፉ እንታይ ንግበር እናበሉ ሓቲቶም። ሓቂ ዝኾነ ነገር ሱቕ ኢልካ አይሕለፍን እዩ መልሲ ይውሃቦ እዩ። ጴጥሮስ እምብአር ተነስሑ ኅድገት ኃጢአት ምእንቲ ኽትረኽቡ ኸአ ነፍሲወከፍ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ይጠመቕ ኢልዎም። ጴጥሮስ ብሓቂ ጽቡቕ ሰባኻይ ነሩ ክኸውን አለዎ ምኽንያቱ ሰማዕቱ ልቦም ተተንኪፎም፥ በዚ እዩ ዝመስል ክሳብ ሰለስተ ሽሕ አብ እምነት ዝአተዉ። ጽቡቕ ስብከት ልቢ ክትንክፍ እንከሎ ጥራሕ እዩ። አብ ጊዜ ትንሣኤ ዝስበኽ ስብከት ብፍላይ ልቢ ሰባት ክትንክፍ አለዎ፥ አብ ሕይወቶም ውሳኔ ክገብሩ እሞ ሓዲስ መንፈስን ሓደስቲ አባላት አብ ማሕበር ክርስቶስ ዘእቱ ክኸውን አለዎ።

ጓሳን ንነፍሳት ዝሕሉን፡

ኢየሱስ ጓሳ ምዃኑ ዝገልጽ ካብ ጽባሕ ቀዳሞት ክርስትያን እዩ መጀመርትኡ። አብ ፩ጴጥ 2፡20-25 ዘንበብናዮ ነዚ ሓሳብ ኽገልጽ እንከሎ፥ ከም አባግዕ ተባሪርኩም ጠፋእኩም ነበርኩም ሕጂ ግና ናብቲ ጓሳኹምን ሓላው ነፍሳትኩምን ተመሊስኩም አሎኹም ይብል። አብ ዝሓለፈ ሰንበት ዘንበብናዮ (፩ጴጥ 1፡17-21) ኢየሱስ እቲ ገንሸልን ጓሳን ከም ዝኾነ ዝተሓዋወሰ አምሳላዊ አገላልጻ ገሩ ይነግረና። አብ ናይ ሎሚ ንባብና ጴጥሮስ ንሰማዕቱ አሰር ክርስቶስ ክስዕቡ ፍቕሪ ብዝመልኦ አገላልጻ ነጊርዎም። ኢየሱስ ምእንታና ተሳቕዩ ብቍስሉ ኢና ሓዊና። ከም አባግዕ ተባሪርና ጠፊእናን ነበርና እንተ ኾነ ክርስቶስ አብኡ ምእንቲ ክንምለስ ኢሉ ናይ ስቓይ ትርጉም አብ ድሕነትና ገሊጹልና ይብል። ብሰንኪ ኃጢአትናን ተባሪርና ካብ አምላኽን ቤተ ክርስትያንን ርሒቕና ከይንህሉ ሕይወትና ንርአ። ዘንጋዕቲ ኢና ስለዚ ሎሚ አብ ሕልናና ዘሎ ርኢና ንኽአል እሞ አብ አምላኽ ዝመልስ መገዲ ንሓዝ። ጛሳና ዝኾነ ኢየሱስ ዓው ኢሉ ይጽውዓና አሎ ንመልሰሉ።

አነ አፍደገ አባግዕ እየ፡

ቅ. ዮሓንስ እውን አብ ናይ ሎሙ ወንጌሉ (ዮሓ 10፡1-10) ክልተ ዝተሓዋወሰ መግሊጹ እናአነጻጸረ ይነግረና። ንርእሱ ከም ጓሳን አፍደገን ገሩ ይገልጽ። ቀዳማይ ቅጽሉ ንዋንነቱ ይገልጽ እቲ ካልአይ ግን ንመሪሕነቱ ይገልጽ። እቲ ቀዳማይ ነቶም ነባግዑ ክሰርቁ ዝደልዩ መጠንቀቕታ እዩ፥ እቲ ካልአይ አብ መንጎ ጓሳን አባግዑን ዘሎ ርክብ እዩ ዝገልጽ። ኢየሱስ አፍደገ ማዕጾ ብኡ አቢለን እተን አባግዕ ንጓስአን ክረኽባ ዕድል ዝህብ እዩ። አብዚ እቲ ቀንዲ መልእኽቲ እቲ ጓሳ አፍደገ ከም ዝኾነ ንምግላጽ አይ ኮነን። ኢየሱስ ቅጽል አቢሉ አብ ዝስዕብ ኁልቅ አፍደገ አባግዕ አነ እየ ይብል፥ እቶም ዝአትዉን ዝወጽኡን ጓሶት እሙናት ጓሶት እዮም። ዝኾነ በቲ አፍደገ አባግዕ ዘይአቱ ግን ሰራቒ ሰለ ዝኾነ ክአቱ የብሉን፥ ከይአቱ ምጥንቃቕ የድሊ። ብአፍደገ ዘይመጽእ እቲ ክጎድእን ክሰርቕን ዝደሊ እንተ ዘይኮይኑ ካልእ ጽቡቕ ዝገብሮ የብሉን። እቲ ሓቀኛ ጓሳ ብአፍደገ ይአቱ እቲ ሓላው ማዕጾ ኸአ ብማዕዶ ክአቱ ምስ ረአዮ ሱቕ ኢሉ ክአቱ የሕልፎ። ሓቀኛ ጓሳ ነተን ናቱ ይፈልጠን በስማተን እናጸውዐ ኸአ በብሓደ የእትወንን የውጽአንን። ንድምጹ የለልያ እሞ ይስዕባኦ። ንጓና ግና ድምፁ ስለ ዘየለልያ ኻብኡ ይገልባ እምበር አይስዕባኦን እየን። አብ ነጻነት ዝተመስረተ ርክብ እዩ፥ ማለት ክስዕባ ወይ ክነጽጋ ዝግድደን የለን ምርጭአን እየን ዝገብራ።

ድምጺ አምላኽ ድምጺ ቤተ ክርስትያን ሰሚዕካ ምኽአል ጸጋ እዩ። ሎሚ ሰብ ናይ አምላኽ ዘይኮነ ዝህውክ ዘጨንቕ ዘታልል ብምስማዕ ይበታተን ይጠፍእ ንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ። መራሕቲ ሃገራት ወርቂ ዝመስል ቃላት ዓመት ዓመት ይዛረቡ አብ ሓቂ ግን ምድንጋርን ጥልመትን ዝመልኦ እዩ። እዚ ድምጺ ንዓለም ወሪስዋ ቃል አምላኽ ካብ ምስማዕ ዝተአገደት እያ እትመስል ዘላ። ሎሚ ድምጺ አምላኽ እነስምዕ ንሕና ስለ ዝኾና ሰባት ካባይ እንታይ ዓይነት ድምጺ ይስምዑ ኢልና ድምጽና ነለሊ። ጓና ድምጺ ነስምዕ ከይንህሉ ጽን ንበል።

ንባብ ወንጌልና ንሎሚ ብኸምዚ ይዛዝም፥ አነ ዝመጻእኩ ሕይወት ምእንቲ ክረኽባ፥ ብምልአትውን ምእንቲ ኺረኽባ እየ ዝመጻእኩ ይብል። ንኢየሱስ ምስዓብ ከምቲ ገሊኦም ዝፈርሕዎ ፍርቂ ሕወት ዝኾነ፥ መወዳእታ ዘይብሉ መጠንቀቕታ ነዚ ግበር ነዚ አይትግበር ዝብል ዝመልኦ አይኮነን፥ ሕይወት ብምልአት ምንባር እዩ። ምልአት ሕይወት ክንረክብ ካብ ኢየሱስ ከይንፍለ ምጥንቃቕ የድልየና። ዝምንጥል ዝፈሊ ካብ ርእስና ጀሚርካ ዓለም ሰይጣን ሕሱማት ጸላእቲ አለዉና። ፩ጴጥ 5፡8 ዲያብሎስ እቲ መጻርርትኹም ዚውሕጦ ደልዩ ከም ዝጓዝም አንበሳ ይዘውር አሎ እሞ ተጠንቀቑ ይብለና።

ሕጽር ብዝበለ ናይ ሎሚ ወንጌል ዘስተምህረና ብኸምዚ ክንርእዮ ንኽእል፡ ሕያዋይ ጓሳ መራሒ፥ ሕይወቱ ምእንቲ አባግዑ ኢሉ በጃ ዝህብ፥ ሓላያን ተገዳስን፥ ካብ ጸላኢ ዝሕሉ፥ ድምጹ ዝሰምዓኦን ዘለልይኦን፥ ዝምግበንን ሕይወተን ዝኾንን እዩ። እቲ አማናይ በቲ ጓሳ ዝገብሮ ምሉእ እምነትን ሓለዋን ይውሃቦ። እዚ ኸአ ነቲ ብአምሳል ዝግለጽ አብ መንጎ አባላት መጓሰን ቤተ ክርስትያንን ምስ ኢየሱስ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ዘልኦም ርክብ እዩ ዝገልጽ።

ምእንቲ ጸዋዕታ ምጽላይ፡

ናይ ሎሚ ሰንበት ንባባትና ብዛዕባ ሰንበት ሕያዋይ ጓሳ ጥራሕ አይ ኮኑን ዘዘኻኽሩና፥ ብዛዕባ ሰንበት ጸዋዕት እውን እዮም። ቤተ ክርስትያን ሎሚ እሙናት፥ ብምሉእ አብ መገዲ ኢየሱስ ዝተወፈዩ፥ ሕያዎትን ንፉዓትን ጓሶት የድልይዋ አለዉ። ስለዚ ሎሚ እውን አብ መጸዋዕታ አምላኽ ክነስተንትንን ከምኡ ምእንቲ ጽቡቕ ጸዋዕታ ክንጽሊ ትምሕጸነና። ኩሎም አብ አገልግሎት ብዝኾነ ክእለት አብ ቤተ ክርስትያን ከገልግሉ ዝተሓርዩ ከም ጓሶት እዮም። ናይ እቶም ዘገልግልዎም መንፈሳዊ ሕይወት ክሕግዙ ዝተሓርዩ እዮም። ንባባትና ካብ ሞት ዝተንሥአ ኢየሱስ እቲ ዝበለጸ ጓሳና ንሱ ምዃኑ ይነግሩና። ጉስነት ኢየሱስ ቀንዲ ተልእኮኡ ሓልዮት መጓሰኡ እዩ። በዚ ምኽንያት እዩ አነ አፍደገ እየ ዝብል ምኽንያቱ ንድሕነት መጓሰኡ ዘተአማምን ዋሕስ ስለ ዝህብ። ቀዳሞት ክርስትያን ንኢየሱስ ከም አፍደገ አባግዕ ገሮም ይርእይዎ ነሮም፥ ነቶም ጓሶት ከአ እሙናት ኮይኖም ነባግዕ ክግደሱለን ሓላፍነት ዝለበሱ። ዝኾነ በቲ አፍደገ አባግዕ ዘይአቱ ድንገታዊ ስለ ዝኾነ ክአቱ አይፍቀደሉን። ኢየሱስ ነዚ ከምዚ ዝአመሰለ ሰራቕን ጉሒላን እዩ፥ ንሱ ክጎድእን ክዕምጽን እዩ ዝመጽእ ዝብለና። እቲ ሓቀኛ ጓሳ በቲ ማዕጾ ብኢየሱስ አቢሉ ይአቱ፥ ከምዚ ዓይነት ሰብ በቲ ሓላው አፍደገ ይፍለጥን ክአቱ ይፍቀደሉን። 

ሰንበት ጸዋዕታ ምእንቲ ውሑዳት ዝተመርጹ አይኮነትን ምእንቲ ነፍሲ ወከፍና እያ። ነቶም ብክህነታዊ ወይ ከአ ገዳማዊ ሕይወት ንዝተወፍዩ ጥራሕ ከም ዘመልክት ገርና ምርአይና ጸቢብን ዘይቅኑዕ እዩ። ጸዋዕታ ዘሎካዶ/ኪዶ ትመስል/ሊ ወይ አብ ኤጳርቃና ዋሕዲ ጸዋዕታ አሎ ምባል ጌጋ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበለ ጸዋዕታ አለዎ። ነፍሲ ወከፍ ብአምላኽ ሓደ ዓቢ ተራ አብ ማሕበር ክርስትናን አብ ሕብረተ ሰብን ክጻወት/ክትጻወት ዝተጸዋዕና ኢና። ኩልና ክርስትያን ብኸምዚ ርድኢት ክንርእዮ እንተ ዘይከአልና አብ ዓለም እኹሉ ጸዋዕታ ክህሉ ዘይክአል እዩ። ክርስትያናዊ ማሕበራትና ዝዓብን ዝስስንን ነፍሲ ወከፍ ንዕብየት ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ዝክአሎ ከበርክት እንከሎ ጥራሕ እዩ።

በዚ መዓልቲ ሰንበት ጸዋዕታ እምብአር ኢየሱስ እቲ ሕያዋይ ጓሳና አሚና ብወገና ከመይ ዝበላ አባግዕ ኢና ኢልና ክንሓስብ ጽቡቕ እዩ። ፍሉይ ጸሎት ክነዕርግ አሎና እቲ ዋና ጥዑያት አባግዕ ንድምጹ ጽን ኢለን ዝሰምዓ፥ ርእሱ በጀ ብምሃብ ዘርአዮ አብነት ፍቕሪ እንኽተል ክገብረና። ምእንቲ ኩሎም ጓሶትና ናይ ሃይማኖትን ፖሎቲካውያን መራሕቲ ጸሎት ክንገብር ይግብአና። ንአብነት ኢየሱስ ነቲ ብገዛእ ፍቓዱ ከገልግልን ሕይወቱ በጃ ምእንቲ አባግዑ ከሕልፍ ፍቓደኛ ዝኾነ ክኽተሉ። ኢየሱስ እቲ ሕያዋይ ጓሳና መገድን ሓቅን ሕይወትን እዩ። ንሱ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ሓዲጉ አሰር እታ ዝጠፍአት በግዕ ዝኸይድ እሞ ክሳብ ዝረኽባን አብ መጓሰአ ክሳብ ዝመልሳ ዘይዓርፍ እዩ።

ቤተ ክርስትያን ሎሚ ብዝያዳ እትጸቕጠሉ ብዝያዳ ሓላፍነት ስድራታት ምዃኑ እዩ። ጸዋዕታ ክተባባዕ ስድራታት ክርስትያናዊ ሕይወት ክበራታዕ አለዎ። ስድራ አብ ክርስቶስ ዘልአ እምነት ብምልኡ አብ እምነትን ጸሎትን መሰረት ገራ ክትነብሮ አልአ። ቤተ ክርስትያን ኢየሱስ ሕያው ዝኾነ እምነት አብ ክርስትያን ስድራታት ክህሉ ተተባብዕ። ብከምዚኦም ዝአመሰሉ ስድራታት ጸጋ አምላኽ ይግለጽ ጸዋዕታ ይበዝሕ እሞ እቲ ንቤተ ክርስትያን ዘድሊ አገልግሎት ይርከብ። ሎሚ እምብአር ምእንቲ ክህነታውን ገዳማውን ጸዋዕታ ክበዝሕ ንጸሊ፥ ብዙሓት ሓቀኛ ፍቕሪ ከርእዩ፥ ንኹሉ ስሓቢ ዝኾነ አብ ምሕዳግ መስዋዕትነት ከርእዩ እሞ እሙናት ካህነትን አገልገልትን  ኢየሱስ ኮይኖም ብእምነት ሃይማኖታዊ ሕይወቶም ክመርሑ ንሊቀ ጓሶት ዝኾነ ክርስቶስ ንለምኖ።

ነታ አደ ካህነት ዝኾነት ማርያም ከምቲ ድሕሪ ትንሣኤ ንሓዋርያት ደቃ አብ ኩሉ እትመርሖምን ትእክቦምን ዝነበረት ብፍላይ አብ ምቕባል መንፈስ ቅዱስን አብ ጸሎት ምግባርን ሎሚ እውን ወድኺ አብ ግራቱ እሙናት ዓየይቲ ክሰድድ፥ ንቤተ ክርስትያኑ ዘገልግሉ ቅዱሳት አገልግለቲ ክልእኽ ለምንልና ንበላ።

አምላኽ አብ መጓሰኡ ብሓቅን ቅንዕናን ዝዓዩ እሙናት ጓሶት የብዝሓልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ      

 

18 May 2019, 10:14