መበል 21 ጠቕላሊ ጉባኤ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ፥ ሓንቲ ስድራን ሓንቲ ሓባራዊት ቤትን መበል 21 ጠቕላሊ ጉባኤ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ፥ ሓንቲ ስድራን ሓንቲ ሓባራዊት ቤትን 

መበል 21 ጠቕላሊ ጉባኤ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ፥ ሓንቲ ስድራን ሓንቲ ሓባራዊት ቤትን

ብፁዕ ካርዲናል ታግለ፡ ኣብ ሓባራዊት ቤት እንነብር ሓንቲ ስድራ ኢና ነቲ ቅድሚ ሕጂ ተራእዮ ዘይፈልጥ ንመላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ቅድሚኡ ዝተጋረደ ዓቢይ ብድሆ ብሓባር ንምግጣም ሰዓቱ ኣኺሉ እዩ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 23 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዘዕረገዎ መስዋዕተ እቲ ክሳብ ዕለት 28 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ዝቕጽል ናይቲ ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ረድኤት ማሕበራትን ጨንፈር ማሕበር ግብረ ሰናይ ካሪታስን ካልኦት ካቶሊካውያን ናይ ሰብኣዊ ድጋፍ ማሕበራት ዝጥርንፍ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ናይ እተሰምየ ተቕዋም መበል 21 ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ ከምእተጀመረ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ ገሊጸን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይቲ ካሪስታስ እንተርናዚዮናሊስ ሓፈሻዊ ምሉእ ጠቕላሊ ጉባኤ መርሕ ቃል፡ ሓንቲ ስድራን ሓደ ሰብኣውነትን ሓንቲ ሓባራዊ ቤትን  ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ እዚ እቲ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ርእሰ ጉዳይ፥ ይሴባሕ ዘርእስቱ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓዋዲ መልእኽቲ ኣስተንፍሶ ዝገበረ ከምዝዀነን፡ ነዚ ናይ ቅድስቲ መንበር ተቕዋም’ዚ ክንክን ተፈጥሮ፡ ምስ ህላወ ፍጥረት ሰብ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ፈልዩ ልክዕ ከምዝስተውዓለ ጥራሕ ዘይኰነ ከምቲ ቅዱስነቶም ኣብቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ከምዘመላኽትዎ ፍጥረትን ተፈጥሮን ተማራዃሱ ምዃኑ ዝምስክር እውን ምዃኑ ብዛዕባ እቲ ጠቕላሊ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተረኺቦም ብዛዕባ እቲ መደብ ሓፈሻዊ ጉባኤ መግለጺ ዝሃቡ ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ኣቦ መንበርን ናይ ማኒላ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ልዊስ ኣንቶኒዮ ታግለ ሓቢሮም፡ ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ማይክል ሮይን ጨንፈር ካሪታስ ኣብ ሶማሊያ ኣመሓዳሪት ማሪያ ኮሰ ኣለክሳንደር ከምእተሳተፉ ማሶቲ ሓቢረን።

ብፁዕ ካርዲናል ታግለ፡ ኣብ ሓባራዊት ቤት እንነብር ሓንቲ ስድራ ኢና

ነቲ ቅድሚ ሕጂ ተራእዮ ዘይፈልጥ ንመላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ቅድሚኡ ዝተጋረደ ዓቢይ ብድሆ ብሓባር ንምግጣም ሰዓቱ ኣኺሉ እዩ፡ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ሓባራዊ ቤት ዝቕመጥ ሓደ ስድራ ምዃኑ ዘለዎ ምስትውዓል ካብ ዕለት ናብ ዕለት ክብ ይብል ከምዘሎን ኣዘኻኺሮም፡ ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ካብ ቻይናን ካብ ሃገራት ዓረብ ዘተዋጽኡ ተጋባእያን እውን ከምዝሳተፉ ገሊጾም፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ ሓደ ስድራ ኣብ ናይ ሓባር ቤት ካብ ዝብል ኣመኔታን ምስትውዓልን ዝነቐለ እዩ፡ ቅዱስ ኣቦና ዘነቓቕሕዎን ዝኽተልዎን ናይ ዘተ ቲዮሎጊያ ውጽኢት እውን እዩ ከምዝበሉ ማሶቲ ኣፍሊጠን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቲ ዝካየደ ዓውደ ጉባኤ ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ምርጫ ሓደስቲ ኣባላት ዘጠቓልለ ከምዝዀነን ብፁዕ ካርዲናል ታግለ ናይቲ ተቅዋም ኣቦ መንበር ኰይኖም ንዝቕጽሉ ኣርባዕተ ዓመታት ንኸገልግሉ ዳግም ከምእተሓበሮምን ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ናይ ዓለም ሓቆፍ መግብን ሕርሻን ውድብ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኮሴ ግራዚያኖ ዳ ሲልቫን ኣብ ፐሩ ናይ ሁዋንካዮ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ፐድሮ ባረቶን ናይ ሃገራት ከባቢ ኣማዞን ኣብያተ ክርስቲያን መርበባዊ ርክብ ሓላፊን ከም ተዓዘብቲ ዝሳተፉ ክዀኑ እንከለዉ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ን150 ጨንፈር ካሪታስ ዝውክሉ 450 ልኡካን ከምዝሳተፉ ማሶቲ ሓቢረን።

ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ሶማሊያ ጨንፈር ካሪታስ ኣመሓዳሪት መንእሰይ ማሪያ ኮሸ ኣለክሳንደር እውን ብወገነን ኣብ ዝሃበኦ መግለጺ፡ መንእሰይ ኣብ ግብረ ሰናይ ንጡፍ ክኸውንን ፍጥረትን ተፈጥሮን ኣብ ምክንኻን ባህሊ ክተባባዕ ከምዘለዎ ገሊጸን፡ መንእሰይ ወለዶን ደቀንስትዮን ኣብ መዳይ ግብረ ሰናይ ዓቢይ ስፍራ ዘለዎምን ንቑሕ ተሳትፎ ዘበርክቱ ምዃኖም ሓቢረን፡ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ቀንደይና ትዋሰእቲ ምዃኖም ብስነ ኣሃዝ ዝተደገፈ መግለጺ ተወስኪሰን ከምዝሓበራ ማሶቲ ኣፍሊጠን።

መበል 21 ጠቕላሊ ጉባኤ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ፥ ሓንቲ ስድራን ሓንቲ ሓባራዊት ቤትን
24 May 2019, 18:07