ሩማኒያ፡ ብፁዕ ኣቡነ ሮቡ፥ ንቕዱስ ኣቦና ብሃንቀውታ ንጽበይ ሩማኒያ፡ ብፁዕ ኣቡነ ሮቡ፥ ንቕዱስ ኣቦና ብሃንቀውታ ንጽበይ 

ሩማኒያ፡ ብፁዕ ኣቡነ ሮቡ፥ ንቕዱስ ኣቦና ብሃንቀውታ ንጽበይ

ብዛዕባ እዚ ካብ ዕለት 31 ግንቦት ክሳብ ዕለት 2 ሰነ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሮማኒያ ዘካይድዎ መበል 30 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ኣመልኪቶም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቡካረስት ሜጥሮጶሊታ

ሃገረ ሩማንያን ህዝባን ንቕዱስ ኣቦና ብሃንቀውታ ይጽበይ ከምዘሎ ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቡካሬስት ሜጥሮፖሊታ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ዮኣን ሮቡ የረጋግጹ፡ ቅዱስ ኣቦና ዓርቢ ዕለት 31 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ድሕሪ እቲ ኣብ 1999 ዓ.ም. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግምዊ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ስዒቦም ኣብ ሮማኒያ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ እዮም፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብዝሒ ሕዝቢ ሃገረ ሮማኒያ ኣስታት 20 ሚሊዮን ዝግመት ኰይኑ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ እቲ 86 ሚእታዊ ዝሽፍን ሰዓቢ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ 7.3 ሚእታዊ ዝሽፍን ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ብመርሓ ፍጻሜ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ሮማኒይ፡ ዕለት 31 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሮማኒይ ርእሰ ከተማ ቡካሬስት ምስ ኣተዉ ብናይ ረፓብሊካዊት ሮማኒያ ርእሰ ብሔር ክላውስ ወርነር ዮሃኒስ ወግዓዊ ኣቀባብላ ክግበረሎምን ምስ መራሔ መንግስትን ናይ መንግስቲ ላዕለዎት ኣካላትን ኣብ ሮማኒያ ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታትን ናይ በርገሳውያን ማሕበራት ላዕለዎት ኣካላትን ክራኸቡን መደረ ከስምዑን እዮም። ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ቡካሬስት፡ ምስ ናይ ሮማኒያ ኦርቶዶክስዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ዳኔልን ግላዊ ርክብ ኣካይዶም ብብጹዕ ወቅዱስ ዳኒየል ተሰንዮም ምስ ቀዋሚ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ክራኸቡን ኣብ ድሕነት ህዝቢ ኦርቶዶክሳዊት ካቴድራል ምብጻሕ ኣካይዶም ናይ ሓባር ጸሎት ከዕርጉ እዮም።

ብዛዕባ እዚ ካብ ዕለት 31 ግንቦት ክሳብ ዕለት 2 ሰነ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሮማኒያ ዘካይድዎ መበል 30 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ኣመልኪቶም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቡካረስት ሜጥሮጶሊታ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ዮኣን ሮቡ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ኣብ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ሮማኒያ ናይ ፍስሓ ሃዋሁ እዩ ዘንጸባርቕ ዘሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ማእከልና ክርከቡ ትዕድልትን ጸጋን እውን እዩ፡ ኣብ ሮማኒያ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘለዎም ተቐባልነትን ተኸባርነትን ልዑል እዩ፡ ብካቶሊክ ማሕበረሰብ ጥራሕ ዘይኰነ ብመላእ ሕዝቢ ሮማኒያ፡ ስለዚህ መላእ ሕዝቢ ሮማኒያ ብዓቢይ ሃንቀውታ ይጽበዮም ኣሎ ምባል ሓቂ እዩ ኢሎም።

እቲ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሮማኒያ ኣብ ዝኽሪ መበል 20 ዓመት ምብጻሕ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ሮማኒያ ብምዃኑ ድሕሪ ዕስራ ዓመት ኣብ ሮማኒያ ዝተበጽሑ ለውጥታትን ማሕበራዊ ድዩ ሃይማኖታውን ኤኮኖሚያውን ፖለቲካውን ኩሉ እናሓሰቡ፡ ብሃይማኖት መዳይ እቲ ለውጢ ኣብ ምቅብባልን ምክብባርን ዘርእዮ ጽንዓት ክኸውን እንከሎ ኣብ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን መዳይ ዝርአይ ለውጢ እቲ ቅዱስ ኣቦና ብሓባር ኣብ ፍልልያትና ብሓድነት ምጉዓዝ ንዝብል ጻውዒቶም ዝነብር ከይዲ እዩ ኢሎም።

ኣስዒቦም ኣብ ሩማኒያ ኣብ መንጐ ኦርቶዶክሳዊትን ካቶሊካዊትን ቤተ ክርስቲያንን ዘሎ ርክብ ክሕብሩ እንከለዉ፥ እቲ ርክብ ሰናይ ምዃኑ ገሊጾም፡ ልዕሊ ፍርቂ ዝግመት ሕዝቢ ዳርጋ ተሓናፍጾ ሃይማኖት ብዝዀነ ስድራ ቤት ዝቖመ እዩ፡ ምክብባርን ምቅብባልን ዝረአዮ ሕብረተሰብ እዩ ቢሎም፡ ቅዱስ ኣቦና ምስ እዚ ዓይነት ህዝቢ እዮም ዝራኸቡ፡ ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ዝግመት ህዝቢ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ዝተሰደን ደቁ ምስ ኣቦ ሓጐን ኣደ ሓጐን እዮም ዝዓብዩ፡ ንደቆምን ስድራ ቤቶምን ዝተመሓየሸ ሕይወት ክህልዎም ኣሚቶም ዝተሰዱን እያቶም፡ መንእሰይ ንዝተመሓየሸ ደሞዝን መነባብሮን ናብ ስደት እዩ ዘቕንዕ ስለዚህ ኣዚ ዅሉ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሩማኒያ ንዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ ዓቢይ ትጽቢትን ሃንቀውታን ከምዘሎ ብቐሊሉ ዝግመት ይኸውን፡ ነዚኣ ዓይነት ሩማኒያ እዮም ዝራኸቡ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ ምሕትት ዛዚሞም።

ሩማኒያ፡ ብፁዕ ኣቡነ ሮቡ፥ ንቕዱስ ኣቦና ብሃንቀውታ ንጽበይ
28 May 2019, 17:25