2019.03.30 ኣብ ሞሮኮ ር.ሊ.ጳ ሓውጾተ ኖልዎ ኣብ ዝገበረሉ ግዜ ኣደታት ደቀን ሒዘን እንክጐዓዛ! 2019.03.30 ኣብ ሞሮኮ ር.ሊ.ጳ ሓውጾተ ኖልዎ ኣብ ዝገበረሉ ግዜ ኣደታት ደቀን ሒዘን እንክጐዓዛ! 

መዓልቲ አደታት 2019

አብ ኩሉ ሕብረተ ሰብ ብፍላይ አብ እምነት ክርስትና እንኽተል አኽብሮት አደን አቦን አብ ትምህርቲ ቅዱስ መጽሓፍ እዩ ዝምስረት። አቦናን አደናን ክነኽብር አምላኽ ዝአዘዞ እዩ። ክብሪ አደ አብ ድላይ አምላኽን አብቲ ንሳ አብ ሕይወትና እትህቦን እትገብሮን እዩ ዝምስረት።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ ኤፈ 6፡1-4፥ ማቴ 15፡4-6፥ ዮሓ 19፡25-27፥ ምሳሌ: 31፡10-30፥ 6፡20-21

ሎሚ መዓልቲ አደታት ዘኪርና ነደታትናን አሓትናን አኽብሮትናን ምስጋናን ነቕርብ አሎና። እዚ ብዓል እዚ ዓለማዊ በዓል እኳ ይኹን እምበር እምነታዊ ትርጉም ሂብና ብዛዓብ መንፈሳዊ ጥቕሚ አብ ርክብ ምስ አደታትናን አብ ነነድሕድና ጌርና ክንርእዮ ንኽእል ኢና። አብ ኩሉ ሕብረተ ሰብ ብፍላይ አብ እምነት ክርስትና እንኽተል አኽብሮት አደን አቦን አብ ትምህርቲ ቅዱስ መጽሓፍ እዩ ዝምስረት። አቦናን አደናን ክነኽብር አምላኽ ዝአዘዞ እዩ። ክብሪ አደ አብ ድላይ አምላኽን አብቲ ንሳ አብ ሕይወትና እትህቦን እትገብሮን እዩ ዝምስረት። ነፍሲ ወከፍ አደ አብ ስድርአ እታ ቀንዲ ጀማሪትን አላይትን ስድራ ስለ ዝኾነት ክትከብር ክትምስገን ብዅሉ ሸነኻቱ ግብኡ እዩ፥ በዚ ኸአ እዩ አብዚ ዘሎናዮ ሃገር ብፍሉይ መዓልቲ አደታት ኢሎም አብ አደታቶም ዘለዎም አኽብሮትን ፍቕሪን ብዝተፈላለየ መገዲ ዝገልጹ።

አብ እምነትናንን ባህልናን አደ ፍሉይ ቦታ እዩ ዘለዋ አደ ዘላቶ ኩሉ አልኦ። አደ አካቢት ናባይት አፍቃሪት መምህር ጓሳ ኩሉ እያ። አብ ዓሚቕ ባህልና እንተ ርአና አብ መውስቦ አብ ጠባይ አብ ልቦና ዳርጋ መልክዒት አደ እያ ዳርጋ አቦ ብዙሕ ዝጸሉ ኮይኑ አይርአን እዩ፥ አብ ደርፍታት ሃገርና ከይተረፈ ብዝያዳ ዝድረፍ ብዛዕባ አደ ብዙሕ እዩ፥ አብ ዓዲ አብ በረኻ አብ ከተማ አብ ሃገረስብ ነደን ክብራን ዝገልጽ ብብዙሓት ተደሪፉን ተገጢሙን። አብ ጽቡቕ ጊዜ ይኹን አብ ሕማቕ ጊዜ ዝያዳ እትውፈ አደ እያ። ንኹሉ መንጎኛ ኮይና እትአሊ ሰላም እተምጽእ “ብዘይ ሓበላ ዓይኒ” ንኹሉ ትሰትር አደ እያ። ምናልባት ሓንቲ አደ ዘንጊዓ ክትገብሮ ወይ ክትብሎ ዝግብኣ እንተ ዘይገበረት አንቲ “አደ” ዘይኮንክን ይብሃል እዚ ኸአ አደ መሓሪት ሓዳግ ርሕርሕቲ ደንጋጺት ስለ ዝኾነት እዩ። ንሓደ/ሓንቲ ምስማዕ ዝአበየ/ት በቦኻ በደኻ ኢልና ንልምኖ። ስም አደ ክጽዋዕ እንከሎ ልቡ ዘይትንከፍ ሰብ የለን። ባህልና እምነትና አብ አደታትና ዓቢ ክብሪ አልኦ። ፍቕርን ክብርን አደታትና ክንገልጽ ኢልና “በደይ ዝመጸኒ አይፈቱን እየ ንብል።

 ነዚ ቅዱስ ባህሊ ክብሪ ወላዲት ካብ እምነትና ኢና ወሲድናዮ። አብ ቅዱስ መጽሓፍ ይኹን አብ ትውፊት እምነትና አብ ታሪኽ ድሕነትና አደታት ዓቢ እጃም ስለ ዘበርከታ እቲ አብአን ዘሎና አኽብሮት አብኡ ይምስረት። ዝኾነ ቅዱስ ነገር ምስ እምነት ክተሓሓዝ አልኦ። አብ አምላኽ አብ እምነት ዝምስረት ባህልን ስርዓትን ዘይበርስ ኮይኑ ወትሩ ሕያው ኮይኑ ንሰብ አብ ሓጎስን ፍቕርን ከም ዝነብር ይገብሮ። እዚ ናይ አደታት አኽብሮት ከአ በዚ መልክዕ ክንርእዮ ከሎና ጥራሕ እዩ ትርጉም ዝህልዎ። ጓል አንስተይቲ ነቲ አምላኽ ዝሃባ ክብሪ ክንሕሉ ግድን እዩ። አምላኽ ባዕሉ አደ ክትከውን መሪጽዋ እዩ በዚ ኸአ እዩ ኩሉ ክትቅይር ይክአል አደን ሃገርን ግን ክትቅይር አይክአልን እዩ።

አምላኽ ሰበአይን ሰበይትን ፈጢሩ ሓደ ነቲ ሓደ ምእሉእ ክገብሮ፥ ክልቲኦም ብአርአያን አምሳልን አምላኽ ተፈጥሪሮም። አምላኽ ዝገደዶ ዘይብሉ ካብ ፍቕሪ ተላዒሉ እዩ ፈጢርዎም። ቅ. ዮሓንስ “አምላኽ ፍቕሪ እዩ ይብለና” ኩሉ ንሱ ዝገብሮ ካብ ፍቕሪ ተላዒሉ እዩ፥ ስለዚ ተፈጥሮና መሰረቱ ካብ ፍቕሪ ኮይኑ ክነፍቅር ኢና ተፈጢርና። አብ ሰብ ፍቕሪ እንተ ጎደለ ቀንዲ ነገር ስለ ዝጎድል ዘይናቱ መልክዕን ግብርን ሒዙ ይጉዓዝ እሞ ሽዑ አብ ጸላም ይጉዓዝ። አምላኽ ዝፈጠረና ግን ናቱ ክንከውን ንአኡ መሲልና ክነብር እምበር ካልእ ክንመስል አይተፈጠርና።

አብ መንጎ ስላሴ ዘሎ ፍቕሪ መሰረት ናይ ኩሉ ፍቕሪ ሰብአይን ሰበይትን እዩ። አብ ስላሴ ሓድነትን ፍጹም ዝኾነ ርክብን እዩ ዘሎ ሓደ ካብቲ ሓደ አይንእስ አይዓቢ “ሰለስተ ከንሶም ሓደ” እናበልና ብዓቕሚ ሰብ ንገልጾም። ክርስቶስ ነዚ ክገልጸልና ከሎ “አነን አቦይን ሓደ ኢና፥ እቲ አቦይ ዝልእከልኩም መንፈስ ቅዱስ መንፈስ አቦይ ነቲ አነ ዝበልኩኹም ኩሉ ክገልጸልኩም” እዩ እናበለ እንታይነት ስላሴ ብመጠኑ ገሊጹልና። ናይ ሰብአይን ሰብይትን ሕይወት ናይ እዚ አብ ስላሴ ዘሎ ርክብ አምሳል ኮይኑ ክነብር እዩ ድላይ አምላኽ። ተፈጥሮ ሰበይቲ ብጸይቲ ምዃን እዩ እዚ ማለት ከአ ሰብአይ ንበይኑ ከክይከውን ንአምላኽ ምምራጽ ከይጽግሞ ክትሕግዞ ንመገዲ አምላኽ ከይሓድግ ክትነግሮ ብሓጺር ነገራት አምላኽ ከም ዝዝክር እትገብር ሰበይቲ እያ። ፍሉይን ዓቢ ክብሪ ዘልኦ ተጸጥሮ። መገዲ አምላኽ እንተ ጠፍአና ነደታትና ክንሓትት ዝበለጸ እዩ።

አብ መዓልቲ አደታት ክንሓስቦን ክነስተንትኖ ዘድሊ ተራ አደታት አብ ምትሕልላፍ ፍቕሪ አምላኽ እዩ። አደ ወይ ሰበይቲ እታ ዝበለጸት መግለጺ ፍቕሪ አምላኽ እያ። ቅዱስ መጽሓፍ ከም ዝሕብረና ተፈጥሮ አዳም ክሳብ ሔዋን እትፍጠር ምሉእ አይነበረን ሔዋን ምስተፈጥረት እዩ ተፈጺሙ። “ሰብአይ በይኑ ክኸውን ጽቡቕ አይኮነን” ክብል እንከሎ አምላኽ ናይ ሰብአይ ጽቡቕ ብጸይቲ ክትውሃቦ እንከላ እሞ ንሱ ነቲ አምላኽ ዝደልዮ ብምልኡ ክመስል ሰበይቲ ከምህያብ አምላኽ ተዋሂባቶ። ሰብ ክብርን ጽባቔን ህያብ አምላኽ ክቕበል እንከሎ “ እዚ ዓጽሚ ካብ አዕጽምተይ ሥጋ ኸአ ካብ ሥጋይ እያ” እናበለ ተቐቢሉ።

ተፈጥሮ ሰብአይ ምሉእ ዝኸውን ነታ ህያብ አምላኽ ዝኾነት ሰበይቲ ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ገሩ ተቐቢሉ ምስአ ሓደ ክኸውን እንከሎ እዩ። አብዚ ሓደ ክብሃል እንከሎ አብ ኩሉ ሕይወቱ ምስአ ብሓደ ልብን መንፈስን ክወሃሃድ ማለት እዩ እዚ ኸአ አብ ስምዒቱ አብ አተሓሳስብኡ አብ ኩሉ ሕይወቱ ዝገብሮን ዝደልዮን ምአ ሓደ ኮይኑ ክነብር ማለት እዩ። አብዚ እዩ እቲ ጸገም ዝመጽእ። ሓድነት አብ ግዳማውን ስምዒታውን ጥራሕ ክምስረት እንከሎ ዘይናቱ ሒዙ ይጉዓዝ። ትርጉምን ጣዕምን ዝህልዎ ግን ነቲ አምላኽ ካብ መጀመርያ ዝመደቦ አብ ግብሪ ክነውዕል እንከሎና ጥራሕ እዩ።

ፍርቂ ታሪኽ ደቂ ሰብ ታሪኽ አደታት እዩ ካብ መንፈሳዊ ታሪኽ ድሕነትና አትሒዝና ክሳብ ዓበይቲ ፍጻሜታት ታሪኽ ዝተፈላለያ ሃገራት ተራ አደታት ዓብይን ወሳኒ ታሪኽን እዩ። አብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተፈላላያ አደታት ከም ብዓል ማርያም ሓፍቲ ሙሴ፥ ሳራ ሰይቲ አብርሃም፥ ዮዲት አስተር ሃና ኤላሳቤጥ ማርያም ወዘተ ኩለን ንታሪኽ ዝቐየራ ዓበይቲ አደታት እየን። ብዘይ ናታተን ተሳትፎ ታሪኽ ድሕነትና ከምዚ እንርእዮ አይመኾነን። አምላኽ አብቲ ንሱ ዝደልዮ አብ ኩሉ ክልአኻ ድላዩ ኮይኑ ንድላይ አምላኽ ሰቢኸን ነጊረን። አስትር ንአብነት ንንጉሥ ፋርስ ተዛሪባ ንህዝባ ካብ መቕዘፍቲ ሞት አድሒናቶም። ምርያም ሓፍቲ ሙሴ አብ ኩሉ ንህዝበ እስራኤል ምምራሕ ዓቢተራ ትጻወት ነራ። መብዝሕትአን አደታት አብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝጥቀሳ ንድምጽን ድለትን አምላኽ አለልየን ዝኸአላ እየን። ቅድስት ካተሪና ንጳጳሳት ከይተረፈ ንድላይ አምላኽ ብድፍረት ትነግር ከም ዝነበረት ንብዙሃት መራሕቲ አብ ኩሉ ትሕግዝ ከም ዝነበረት ታሪኻ ይነግረና። አብዚ እዋን ከም ብዓል ቅ. ማዘር ተረዛ፥ ንዓለም ብሕይወተንን ሰናይ ግርብረንን መንፈሳውነትን ቀይረንኦ። አብ ዓድና ቅድሳናን ሕይወት አደታትናን ንፈልጦ ኢና። እዚ ኹሉ ዝሕብሮ አብ ቅድሚ አምላኽ ዕዉታት አደታት ብዙሓት ምዃነን እዩ።

በዚ ምኽንያት እዩ እምብአር አደ አብ ቅዱስ መጽሓፍ ፍሉይ ቦታ ይውሃባ አምላኽ ክእዝዝ እንከሎ “አቦኻን አደኻን አኽብር” ኢሉ አዚዙ። አደናን አቦናን ድሕሪ አምላኽ ክነኽብሮም ዝግብአና ንሳቶም እዮም። ቅ. ጳውሎስ “አቱም ውሉድ ቅኑዕ እዩ እሞ ንወለድኹም ብጎይታ ተአዘዝዎም፥ ከመይ ምእንቲ ኪቕንዓካ አብ ምድሪ ኸአ ነውኅ ዕድመ ምእንቲ ክህልወካ ዚብል ተስፋ ዝኃዘ ቀዳማይ ትእዛዝ አቦኻን አደኻን አኽብር ዝብል እዩ” (ኤፈ 6፡13) እናበለ መሰረት አኽብሮ ወለዲ ይነግረና።

አደ አምሳል ቤተ ክርስትያን እያ፡

ቤተ ክርስትያን ንኹሉ ኃጥእ ጻድቕን ሒዛ እትነብር ተስፋ ብዘይ ሙቕራጽ ሰባት አብ አምላኽ ክምለሱ እትጽዕር መገዲ አምላኽ ከይሕደግ ግፍዕን ፍልልይን ከይነግስ እሞ ወዲሰብ ከይሳቐ መንጎኛ ኮይና በቲ ዝተዋህባ ስልጣን ተመለሱ ተነስሑ እናበለት ትሰብኽ። አባላት ቤተ ክርስትያን አብ ክልተ ተመቒሎም ክርአዩ ይክአል። ሓደ ጋንታ ፍርሃት አምላኽ ዘልኦም ንድላይ አምላኽን ንትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ጽን ኢሎም ዝኽእሉ፥ ካልአይ ጋንታ ኸአ ካብ መገዲ አምላኽ ወጺኦም አብ ኩሉ ክፍአተ ግብሪ ተጸሚዶም ዝነብሩ ነዚ አብ ክልተ ተመቒሉ ዝርከብ እሞ ሓደ ክኸውን ዝግብኦ እትምንጉ ቤተ ክርስትያን እያ።

አደ ከም ባህሪ ቤተ ክርስትያን መንጎኛ ክትከውን እዩ ጸዋዕትአ። አብ ስድራ ዝርአ ሰናይ ነገር መብዝሕትኡ አደ ዝመሃረቶ እዩ። አደ አብ ስድርኣ ንኹሉ ብሓደ ዓይኒ እያ እትርኢ፥ አብአ ብፍሉይ ዝርአ ወይ እውን ብዝያዳ ሓለፋ እትፈትዎ ወይ እትገብረሉ የብላን። እዚ አምላኽ ነደታት ዝሃበን ፍሉይ ጸጋ እዩ። ንኹሉ ብሓደ አገልግሊካ ምኽአል።

ሕይወትና ብምልኡ ሃናጺቱ አደ እያ። አብ ከርሣ ጸራ አብ ሕቕፋ ንዓመታት ሒዛ ዘዕበየት ንመገዲ አምላኽን ሰብን መጀመርያ መምህር ሓባሪት አደ እያ። ንኽፉእን ጽቡቕን ፈሊና ክንክእል ደጋጊማ ከምዚ አይብሃልን ከምዚ አይግበርን እናበለት ዘስተምሃረት አደ እያ። አደ በቲ ምሉእ ተስፋ ዝህብ ዓይና ክጥምተካ እንከላ ንኩሉ እያ እትህብ። በዚ ኢና አምሳል ቤተ ክርስትያን ክንብላ እንኽእል።

አደታት ደቂ ማርያም አሕዋት ማርያም ኢኽን።

አብ ዓለም ዝበለጸ ርክብ ምስ አምላኽ ዝገበረት ማርያም እያ። ልደታ ለማርያም አብ ባሕቲ ግንቦት ብፍሉይ ምስ ማርያም ዘሎና ርክብ ርኢና ክንክእል ዝሕግዝ ንዝክር። ማርያም አምላኽ ሓርዩ አዲኡ ምስ ኮነት ምስአ ፍሉይ ርክብ ነርዎ። አብ ክርስቶስ አምላኻውን ሰብአውን ባህሪ አሎ ሰብአዊ ባህሪ ብምልኡ ካብ ማርያም ወሲድዎ፥ አካላቱ መልክዑ ጠባዩ ኩሉ ካብ ማርያም ወሲድዎ። ነቲ ሓንቲ አደ ንውሉዳ ኩሉ እትህቦ ማርያም ከአ ኩሉ ሂባቶ በዚ ምኽንያት አደ አምላኽ ንብላ። ዝለዓለ ክብሪ ካብ ንደቂ ሰብ ዝውሃብ ክብሪ እያ ተዋሂባ። ማርያም ንአምላኽ ዝደልዮ ክትገብር ጽን ኢላ ትሰምዕ ነራ፥ ሕይወት ማርያም ሕይወት ቅድስና እዩ ነዚ አብቲ ቍሩብ ብወንጌላውያን ዝንገረና ንርእዮ።

ንወዳ ካብ መጀመርያ ክሳብ መወዳእታ ተከቲላቶ፥ አብ ዓዳ ከም አደ ንኹሉ ገራትሉ አብ ጊዜ ስደትን መከራን ምስኡ ጉህያ አብ ስብከቱ ምስአ ጀሚርዎ፥ ሕይወቱ ከአ ምስአ ፈጺምዎ። ተስፋ አበዉ ብማርያም ተፈጺሙ አብ ቀራንዮ ከአ መድኃኒት መስቀል ተሰቒሉ እናበልና አብ ጸሎታትና እንደግሞ ፍሉይ ርክብ ማርያም አብ ጉዳይ ድሕነትና ንርኢ።

ሓንቲ አደ ንማርያም ስዒባ እንተ ኸአለት ጓላ እያ። አብ ባህልና “ነደታትኪ ምሰሊ” ዝብል አሎ እዚ ኸአ ሕያወይቲ ለባም መሓሪት ንዅሉ አብ ልባ እትሕዝ አብ ጽልእን ፍልልይን ዘይትህወክ. . . . ማለት እዩ፥ እዚ ኹሉ አብ ማርያም ንርእዮ ናይ ሎሚ አደታት ነዚ ባህሪ ለቢስክን ክትክእላ እንከልኽን ዓለምና ክቕየር ይክአል።

ሎሚ ሰብ መገዲ አምላኽ ጠፊእዎ የዕገርግር እዩ ዘሎ በዚ ምኽንያት ዝያዳ እትሳቐን እትጉህን ዘላ አደ እያ፥ ብፍላይ አብ ርእስና እሞ ንመለስ አደታትና ከመለዋ ክንብል እንተ ኸኣልና ሓደ ሕልና ዘልኦ ክምልሶ እንተ ኾነ አደታት አብ ዓዲ አብ ስደት አብ ኹሉ ይጉህያ ይነብዓ አለዋ እቲ ምኽንያት ከአ ብዝተፈላለየ ምኽንያት አብ ሓዳረንን አብ ደቀንን ዝወርድ እዩ። ደቀን ከም ደቂ ዛግራ አብ ኩሉ ፋሕ ብትን ኢሎም አደዳ ጥመትን ጽምእን ማእሰርትን ስደትን እቶም ክድሕኑ ኢሎም እና ተጓዕዙ አብ ፈቐዶ በረኻታት ሰሃራን ሲናን ብጨካናት ዝቕዘፉ ዘለዉ፥ እቶም አብ ባሕርን አብ መገድን ብጃምላ ዝሃልቁ ዘለዉ እትርእን እትሰምዓን ወላዲ እንትዒ ከመይ ኢላ ትኽእሎ አላ። አደታት አይጥዓመንን ሓሲምወን ይነብዓ አለዋ።

እዚ ኩሉ ዝብሎን ዘርእዮን ዘሎ ሓቀኛ እንነብሮ ዘሎና ሕይወት እዩ። እስከ ንኹሉ ንሕደጎ ሎሚ አብዚ ብሩኽ መዓልቲ ነደታት አብ እንዝክረሉ እንታይ ክንገብር ንኽእል። መጀመርያ ሎሚ መዓልቲ አደታት ስለ ዝኾነ ምእንቲ ኩለን አደታት ክንጽሊ ክነመስግነን ፍቕርናን አኽብሮትናን ክንገልጸለን። ካልአይ ፍሉይ ርክብ ምስ አደታትና ክንፈጥር። ምሰዲኡ ዝመክር ወዲቑ አይወድቕን እዩ ምኽንያት አደ እትህቦ ምኽሪ አብ ፍቕሪ ሓልዮትን ዝተመስረተ እዩ። ከምቲ ማርያም “ወደይ ዝበለኩም ግበሩ” እትብለና ኩለን አደታት ሎሚ ድላይ አምላኽ ግበሩ ተፋቐሩ ተመሓሓሩ እየን ዝብላና ዘለዋ።

ፍቑራት አደታት ብርግጽ ሎሚ ንኹሉ ሰናይክን እንዝክረሉ ንኹሉ ዝገበርክናልና የቐንየልና እንብለሉ ዕለት እዩ እሞ ብኹሉ ብልቢ ነመስግነክን። ደኺምና ከይበልክን ሎሚ እውን ብሓደ ልብን መንፈስን ኮንክን ጸልያልና። ካባኽን እንደልዮ።

  1. ኵሊ ጊዜ ነቲ አምላኽ ዝሃበክን ጸጋ ሒዝክን ክትነብራ። አምላኽ ክትመርሓ ክትምህራ ክትሰብካ እዩ ድላዩ። አደ ኩሉ እያ ወላዲት መምህር ሓባሪት አፍቃሪት መሓሪት እያ። አደ ብፍቕራን ለውሃታን ንኹሉ ስለ እትቕይር ነዚ ሎሚ ካባኽን ንደልዮ አሎና።
  2. መገዲ አምላኽ ሓብራና። ብጸሎትክን ብትዕግስትኽን ብኹሉ ተልእካዊ ሕይወትክን አብ መገዲ አምላኽ ከም እንምለስ ግበራና። ሕይወትክን ክቕይረና ክኽእል አለዎ። አባኽን ብርሃን ርኢና ክንክእል እሞ ንመገዲ አምላኽ ሒዝና ክንጉዓዝ አታትያና።
  3. አይትትሓለላ። ናታትክን ጽንዓትን ብርታዐን ንአና ስንቂ ኮይኑ አብ ኩሉ ክንዕወት ይሕግዘና፥ ከም ማርያም አደኽን ደኺምና ከይበልክን ንመገዲ ቀራንዮ ዝኾነ ሕይወትክን ብዓወት ዛዝምኦ ንሕና አሰርክን ክንስዕብ ኢና።
  4. ሕብረትክን ሓድነትክን አርእያና። ብሓደ ክትስሕቃ ክትፋቐራ ክትተሓጋገዛ ክንርኢ ከሎና ንአና ተስፋን ፍሉይ ሓይልን እዩ ዝፈጥረልና። አቦ ዘበላሸዎ አደ እያ እትዕርዮ እሞ ንኹሉ አብ ጽቡቕ ክትመልሳልና ተልእኮኽን እዩ።

ፍቑራት ደቂ ማርያም አደታትናን አሓትናን። ሕይወት ጉዕዞ እዩ፥ አብ ጉዕዞ ከይንደክም ጓል መገዲ ከይንወስድ ነቲ ሓቀኛ መገዲ ዝኾነ ክርስቶስ ሓብራና። አደ ዘይብሉ ሕይወት ዘኽታም እዩ ዝኸውን ዝኽትመና መንፈስ በርቲዑና አብዘለናሉ እዋን ናታትክን ጸሎትን ትብዓትን ሓገዝን ወሳኒ እዩ። እሞ መገዲ አምላኽ ከይጠፍአና ብፍቕርን ብጸሎትክን ብሕይወትክን ሓብራና።

ምልክት ፍቕሪ አምላኽ ዝኾነ ተፈጥሮኽን ንአምላኽ ከዘኻኽረና እና ተመነና ብዳግም ብልቢ ንኹሉ ዝገበርክናልና ነምስግን አብ ኹሉ እሙናት ደቃን አሕዋታን ማርያም ኮንክን እትጉዓዛሉ ሕይወት ክዕድለክን ብልቢ እናጸልና ሰናይ ትምኒትና ንገልጸልክን። አምላኽ ብርሃን ስድራኽንን ዓድኽንን ልዕሊ ኹሉ መብራህቲ ቤተ ክርስትያንን ይግበርክን።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

11 May 2019, 16:17