ድለ

ኬንያ፡ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ሃገሮም ዝሰፍሕ ዘሎ ምግባረ ብልሽውና ዓቢይ ስግኣት ምዃኑ የተሓሳስቡ ኬንያ፡ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ሃገሮም ዝሰፍሕ ዘሎ ምግባረ ብልሽውና ዓቢይ ስግኣት ምዃኑ የተሓሳስቡ 

ኬንያ፡ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ሃገሮም ዝሰፍሕ ዘሎ ምግባረ ብልሽውና ዓቢይ ስግኣት ምዃኑ የተሓሳስቡ

ብፁዓን ጳጳሳት ኬንያ እቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ዓበይ ስግኣት መሰረት እቲ ዝሰፍሕ ዘሎ ጉድለት ስነ ምግባራውያን ዕሴታት ከይዲ ምዃኑ ሓቢሮም

ናይ ሃገረ ኬንያ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ሃገሮም ጉድለት ስነ ምግባራዊ ዕሴታት ዘተኣታትዎ ዘሎ ባህሊ ስስዔን ብቀትን ምኽንያ ኣብ ፖለቲካን ካብኡ ሓሊፉ እውን ምስ ግብረ ምጥላዕ ተተሓሒዙ ዝሰፍሕ ዘሎ ምግባረ ብልሽውና ዓቢይ ስግኣት እዩ እንክብሉ ስክፍታኦም ከምዝገለጹ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርአያ - ሃገረ ቫቲካን

ስእነት ስራሕን ከምኡ እውን ኣብ ስድራ ቤትን ኣብ ዕርክነትን ማሕበረሰብን መርሕ ኣልቦ ኰይንካ ምንባር ዓሚይቕ ቃዝኖት ይፈጥረሎም ከምዘሎ ዝገለጹ ናይ ኬንያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣስዒቦም፡ መእሰይ ወለዶ ኣብ ማሕበረሰብ ኵለንተናዊ ግብረ ገባውን ስነ ምግባራውን ኣብነት ዝዀኖ እሞ ስለ ክቡራት ዕሴታት ካብ ምንባር ድሕር ንዘይምባል ዝመርሖም ኣካል ዘናድዩ እያቶም፡ ስለዚህ ይብሉ፡ ኣንሕና ንመእሰይ ወለዶ እንታይ ዓይነት ኣብነት ኰይናን ንርከብ ኣሎና? ዝብል ሕቶ ኣብቲ ናይ ሃገሮም ማሕበራዊ ኵነት ዝድህስስ ኣብ ዘቕረብዎ መልእኽቲ ከምዘቃልሑ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ጉድለት ስነ ምግባራውያን ዕሴታት

ብፁዓን ጳጳሳት ኬንያ እቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ዓበይ ስግኣት መሰረት እቲ ዝሰፍሕ ዘሎ ጉድለት ስነ ምግባራውያን ዕሴታት ከይዲ ምዃኑ ሓቢሮም፡ እቲ ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ዝዀነ ገበል ኣልቦ ስነ ምግባራውያን ዕሴታት ከይዲ ከም ናይ ሕይወት ኣገባብ ገይርና ክንቅበሎ ይድርኸና ኣሎ፡ ንሱ ኸኣ፥ ቅትለትን ሕነ ምፍዳይን ብላዕን ዘመተ ሃብቲ ተፈጥሮን ፖለቲካውን ዓሌታውን ምፍሕፋሓትን ዝኣመሰሉ እቲ ካብ ናይ ማሕበራዊ ጥቅሚ ንስስዔን ፍቕሪ ንሃብቲ ገንዘብን ዝብል ሕብረተሰብ ክቐውም ይገብር ኣሎ፡ እዚ ዅሉ ኣሉታዊ ባህሊ’ዚ እቲ ሰብኣዊ ክብርን ምትሕብባርን ሓድነትን ተማቓራሕነትን ትብዓት ኣብ ድልያ ናይ ሓባር ረብሓ ዝብሉ ዕሴታት ናይ ምዕቃብ ሰብኣዊ ዓቕምናን ብቕዓትናን የቕህም ኣሎ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ናይ ስሰዔን ምግባረ ብልሽውናን ባህሊ

ብፁዓን ጳጳሳት ኬንያ፥ እቲ ኣብ ሃገሮም ኣብ ፖለቲካውን ብደረጃ ሕዝባውነትን ዝሰፍሕ ዘሎ ስስዔን ምግባረ ብልሽውናን መሰረት ዝገበረ ጐዳኢ ባህሊ፡ ንዓይነትን ኢጐነትን ምጥላዕን ኣምልዀ ሃብቲ ገንዘብን ንሃገሮም ናብ ከቢድ ዓዘቕቲ የሰንያ ከምዘሎን ኬንያ ናይ ተጣላዕቲ ሃገር ይግበራ ኣሎ ቢሎም፡ ነቲ ናይ ምግብረ ብልሽውና ገበል ክውሕጠና ኣይንፍቀደሉ፡ ገዛእ ርእስናን ደቅናን ሃገርናን ነድሕን፡ ኵለንተናውነትን ፍትሕን ሓለፋ ናብ ዝብል ጐደና ንመለስ፡ ስለዚህ ናብዚ ጐደና’ዚ ንኸነብል ብውልቅን ብማሕበርን ዝተፈላለዩ  ምምላስ ናብ ናይ ስነ ምግባር  ዕሴታት ዝምርሑ ምርጫታት ንውሰድ ብዝብል ምዕዶ ዘመሓላለፍዎ ጻውዒት ከምዘጠቓለሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ኬንያ፡ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ሃገሮም ዝሰፍሕ ዘሎ ምግባረ ብልሽውና ዓቢይ ስግኣት ምዃኑ የተሓሳስቡ
16 May 2019, 17:48