ኣማዞን፡ ኣብ ቫቲካን ዓውደ ጉባኤ ቅድመ ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን

ነቲ ናይ ኣማዞን ከባቢ ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣስፍሆተ ወንጌል ንምቕራብ ሓድሽ መገዲ ምልላይን፡ እቲ ሳንቡእ ናይ ዓለም ተባሂሉ ዝግለጽ ከባቢ ኣማዞን ኣብ ዘለዎ ሓምላይ ሃብቲ ዘጋጥሞ ዘሎ ኵለ መደያዊ መጉዳእትን ኣብቲ ከባቢ ዝረአይ ዘሎ ቅልውላው መፍትሒ ንኽርከበሉ

እቲ ቅዱስ ኣቦና ዝጸውዕዎ ዛዕባ ከባቢ ኣማዞን ሃገራት ካብ ዕለት 6 ክሳብ ዕለት 26 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንኽካየ ዝጸውዕዎ ሲኖዶስ መሰረት ዝገበረ እቲ ሲኖዶስ ዝካየደሉ እዋን እናተቓረበ ኣብ ዘለሉ እዋን፡ ናይቲ ሲኖዶስ ናይ መዛተይ ሰነድ ዕዮ ንምስንዳው ዝሓቀነ ካልኣይ ዓውደ ጉባኤ ቅድመ ሲኖዶስ ካብ ዕለት 13 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ይካየድ ምህላዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣምዞን፡ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ሓድሽ ጉዕዞን ንኵለንተናዊ ስነ ምህዳርን፡ እዚ እቲ ናይ ከባቢ ሃገራት ኣማዞም ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ዘካይድዎ ሲኖዶስ መርሕ ቃል ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ሲኖዶስ ቅዱስ ኣቦና ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝጸውዕዎን ኣብ 2019 ዓ.ም. ንኽካየድ ውሳኔ ከምዝሃቡሉን ክዝከር እንከሎ፡ ናይዚ ሲኖዶስ መካየዲ ዘተ ዝክረ ነገር ንምስንዳው ናብተን ኣብ ከባቢ ኣማዞን ናብ ዝክረባ ሰበኻታትን ቁምስናታትን መንፈሳዊ ማሕበራትን ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ናይ መሕትት ሰነድ ተላኢኹ ዝተወሃቦ መልስታት ኣሞርኵይዙ ነቲ ካብ ዕለት6 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 26 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንዝካየድ ናይ መዛተዪ ስሩዕ ዝክረ ነገር ንምስንዳው ዝካየድ ዘሎ ቅድመ ሲኖዶሳዊ ዓውደ ጉባኤ፡

ካልኣይ ኣኼባ ቅድመ ሲኖዶስ

ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ቤት ጽሕፈት ከምዝሓበሮ፡ እዚ ዝካየድ ዘሎ ካልኣይ ቅድመ ሲኖዶስ ዓውደ ጉባኤ፡ ድሕሪ እቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝተኻየደ ቀዳማይ ቅድመ ሲኖዶስ ዓውደ ጉባኤ ስዒቡ ዝካየድ ዘሎ ምዃኑ ሓቢሩ፡ እዚ ካልኣይ ቅድመ ሲኖዶስ ኣኼባ ናይቲ ዛዕባ ኣማዞን ዝመክር ሲኖዶስ ናይ መዛተይ ዝክረ ነገር ምሉእ ብምሉእ ኣጠናቒቑ ንምቕራብ ዝካየድ ዘሎ ምዃኑን፡ እቲ ሲኖዶስ ናይ ከባቢ ኣማዞን ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ዘካይድዎ እውን እንተዀነ ካብ መላእ ሃገራት ዓለም ዝርከባ ኣባይቲ ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ልኡካን እውን ብውክልና ክሳተፉ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ንኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ ከባቢ ኣማዞን ሓድሽ መገዲ

ዕለት 15 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ነዚ ኣማዞናዊ ሲኖዶስ ክጽውዑ እንከለዉ፡ ነቲ ናይ ኣማዞን ከባቢ ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣስፍሆተ ወንጌል ንምቕራብ ሓድሽ መገዲ ምልላይን፡ እቲ ሳንቡእ ናይ ዓለም ተባሂሉ ዝግለጽ ከባቢ ኣማዞን ኣብ ዘለዎ ሓምላይ ሃብቲ ዘጋጥሞ ዘሎ ኵለ መደያዊ መጉዳእትን ኣብቲ ከባቢ ዝረአይ ዘሎ ቅልውላው መፍትሒ ንኽርከበሉን ናይቲ ከባቢ ደቀባት ቍልሕ ዘይብል ዝተፈላለዩ ናይ ኤኮኖሚ መደባት ኣብ ልዕሊ ተቐማጦ ከባቢ ኣማዞን ዘስዕቦ ቅልውላው ኩሉ ንምብዳህ ዘብቅዕ መገዲ ንምሕባር  እንክብሉ ገሊጹን፡ እቲ መላእ ኣማዞናውያን ሃገራት ብዝብል ስም ዝፍለጣ፡ ቦሊቪያን ብራዚሊን ኮሎምቢያን ኤኳዶርን ፐሩን ቨነዝወላን ሱሪናመን ጉያናን ፈረንሳዊት ጉያናን ዝሓቑፍ ኰይኑ፡ ናይቲ ከባቢ ደኣ ይኹን እምበር ናይ መላእ ዓለም መጻኢ ዝምልከት እውን እዩ፡ ናይቲ 34 ሚሊዮን ዝግመት ተቐማጢ ከባቢ ሃገራት ኣማዞን ቆላሕታ ክግበረሎም ዝዕድም ሲኖዶስ እውን ከምዝኸውን ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዋና ጸሓፊ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ የመልክት።

እቲ 19 ብፁዓን ጳጳሳት ዝሓቁፍ ብብራዚሊያዊ ብፁዕ ካርዲናል ክላውዲዮ ሁመስ ናይቲ ሲኖዶስ ጠቕላሊ ኣወሃሃዲ ናይ ከባቢ ኣማዞን ኣቢያተ ክርስቲያን መርበባዊ መላእ ኣማዞን ኣቦ መንበር ዝምራሕ ቤት ምኽሪ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ሲኖዶስ ቅድመ ዓውደ ጉባኡ ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ብሓሙሽተ ቋንቋታት ዝትርጐም ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ እውን ከምዘለዎ ይፍለጥ።

ኣማዞን፡ ኣብ ቫቲካን ዓውደ ጉባኤ ቅድመ ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን
15 May 2019, 17:07