ድለ

ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ መደበይና ጉባኤ ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ መደበይና ጉባኤ 

ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ መደበይና ጉባኤ

እዚ ዓውደ ጉባኤ ካብ 2015 ክሳብ 2019 ዓ.ም. ብዝሓንጸጾ መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መንጽር ገይሩ ነዚ መደብ’ዚ እወታዊ ውጽኢታቱን ድኽመታቱን እውን ኣለልዩ ንዝቕጽል ኣርባዕተ ዓመት ዘገልግል መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝሕንጽጽ

ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ክሳብ ዕለት 18 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ዝቕጽል መደበይና መበል 37 ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ ዕለት 13 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሆንዱራስ ርእሰ ከተማ ተጉቺጋልፓ ከምዝጀመረን እዚ ዓውደ ጉባኤ፡ ልልያ ምልክታ ግዜ ብዝብል ኣርእስቲ ዝምራሕ ከይኑ ንመላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓድሽ መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንምሕንጻጽ ዝኣመተ ምዃኑ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርአያ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ ዓውደ ጉባኤ ካብ 2015 ክሳብ 2019 ዓ.ም. ብዝሓንጸጾ መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መንጽር ገይሩ ነዚ መደብ’ዚ እወታዊ ውጽኢታቱን ድኽመታቱን እውን ኣለልዩ ንዝቕጽል ኣርባዕተ ዓመት ዘገልግል መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝሕንጽጽ ምዃኑን ኣብ ላቲን ኣመሪካ ሱታፌ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን እምነትን ከም ሓዋርያትን ጓሶትን ብፁዕን ጳጳሳት ኣብ ጸሎትን ዘተን ተጸሚዶም፡ ኣብ ላቲን ኣምሪካን ካሪቢያንን ንናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎት ዘጓንፋ ዘሎ ብድሆታት መሰረት እውን ዝመያየጥ ምዃኑ ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፡

ቅዱስ መጽሓፍ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣመሪካ ዳግም ምንቕቓሕ

እዚ ናይ ሆንዱራስ ዓውደ ጉባኤ መጽሓፍ ቅዱስ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣመሪካ ዳግም ምንቕቓሕን ዝብል መደብ እውን ዘለዎ ኰይኑ ናይቲ ሓድሽ ሕታም ቅዱስ መጽሓፍ ብቋንቋ ስፓኒዮሎ ናይ ዘሕትሞ መርኣያ ነፍሲ ወከፍ ተጋባኢ ጳጳስ ከምእተረከበን እዚ ሓድሽ ትርጉም ቅዱስ መጽሓፍ ገና ዘይተሓተመ ኰይኑ ካብ ሩሑቕ ዓመታት ዝተበገሰ እውን ከምዝዀነን፡ ብቅዱስ መጽሓፍን ስነ ቋንቋን ቲዮሎጊያን ሊቃውንቲ ሓቢሮም ናይ ዘካየድዎ መጽናዕትን ትርጉም ውጽኢት ከምዝዀነ የመልክት።

እቲ ዓውደ ጉባኤ ናይ ሓድሽ መርሕነት እውን ክመርጽ እዩ

ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ካብ 2003 ዓ.ም. ዘቖሞ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ማእከል ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ፍጻሜታቱን ኩሉ መኺሩ እዚ ናይዚ ማእከል መደብ ምቕራብ ሓድሽ ሕታም ቅዱስ መጽሓፍ መሰረት፡ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ስነ ትንተናን ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ቋንቋን ናይ ስነ ትርጉም ቋንቋን ናይ ቲዮሎጊያን ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ቲዮሎጊያን ሊቃወንቲ ካብ መላእ ኣመሪካ ዝተዋጽኡ ዝሓቁፍ ኰይን ዝቖመ ድርገት ካብ 2003 ክሳብ 2017 ዓ.ም. ዘካየዶ መጽናዕቲ እውን ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ቀሪቡ ምይይጥ ክግበረሉ ከምዝዀነን፡ ብተወሳኺ እውን እቲ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ሓድሽ ኣቦ መንበርን ቤት ምኽሪ መርሕነትን ክሓርይ ምዃኑ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ መደበይና ጉባኤ
14 May 2019, 16:51