ቡርኪና ፋሶ፥ ጸረ ክርስቲያን ዝሃቀነ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ይቕጽል ኣሎ ቡርኪና ፋሶ፥ ጸረ ክርስቲያን ዝሃቀነ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ይቕጽል ኣሎ 

ቡርኪና ፋሶ፥ ጸረ ክርስቲያን ዝሃቀነ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ይቕጽል ኣሎ

ናይ ምዕራብ ሃገራት ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጉባኤ ካብ ዕለት 15 ግንቦት ክሳብ ዕለት 20 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ኣብ ቡርኪና ፋሶ ርእሰ ከተማ ኡጋዱጉ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ቡርኪናፋሶ ጸረ ክርስቲያን ዝፍነው ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኰኒኑ

ዕለት 14 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ኣብ ቡርኪና ፋሶ ኣብ ሓንቲ ቁምስና ብምኽንያት ወርሓ ማርያም ድሕሪ ዝተኻየደ መንፈሳዊ ዑደት ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ኣርባዕተ ምእመናን ከምእተቐትሉን ቅዱስ ሓወልቲ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ከምወደመንነ ክንገረ እንከሎ፡ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 12 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ኣብ ቁምስና ደብሎ ብዝፈነውዎ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ ናይ ሽዱሽተ ምእመናን ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ካብ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝተዋጽኡ ዜጋታት ከምእተሳተፉ ምስ ጳጳሳዊ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓላይ ማሕበር ብስልኪ ቃለ መሕትት ዘካየዱ ናይ ካያ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ተኦፊለ ናረ ገሊጾም።

ስምዖን ተ. ኣርአያ - ሃገረ ቫቲካን

ብፁዕ ኣቡነ ናረ ኣብ ቡርኪና ፋሶ ጸረ ክርስቲያን ዝሃቀነ ዕጡቓት ሓይሊ መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ዕለት 17 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ዘበገስዎ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ክብ እናበለ ይኸይድ ምህላዉ ሓቢሮም፡ ብትኽክል ጸረ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሓቀነ ውግእ ተባሪዑ ኣሎ ክበሃል ይከኣል ቢሎም፡ ነቲ ዝሳቐይ ዘሎ ህዝበ ክርስቲያን ቅርበት ቅዱስ ኣቦና ከምዘረጋገጹን፡ እቲ ዝፍነው ዘሎ ጸረ ክርስቲያን መጥቃዕቲ ቅድሚ ጸረ ክርሲያን ምዃኑ ጸረ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ፡ ስለዚህ ምእንቲ ኵሉ ብምጽላይ መጋበርያ ሰላም ብምዃንን ጸጥታን ደሕንነትን ብዝውሕስ ቆራጽ ውሳኔ መንግስትን ሃገርን ሕዝብ ንዝሃስይ ግብረ እከይ ንቃወም ከምዝበሉ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር የመልክት።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ምዕራብ ሃገራት ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጉባኤ ካብ ዕለት 15 ግንቦት ክሳብ ዕለት 20 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ኣብ ቡርኪና ፋሶ ርእሰ ከተማ ኡጋዱጉ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ቡርኪናፋሶ ጸረ ክርስቲያን ዝፍነው ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኰኒኑ፡ ምእመንንን ካህናትን ንሞት ዝዳርግን ኣቢያተ ክርስቲያን ዘዕንውን ጸረ ክርስቲያን ግብረ ሸበራ ይሰፍሕ ከምዘሎ ኣመልኪቱ፡ ማሕበረ ክርስቲያን ብሩኪና ፋሶን ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርከብ ማሕበረ ክርስቲያን ኣደዳ ዓመጽን ግብረ ሽበራን ኰይኑ ከምዘሎ እቶም ብስም ኣምላኽን ሃይማኖትን ግብረ ሽበራ ዝፍጽሙ ጸረ እግዚኣብሔር እያቶም፡ ናይ ሕዝቢ ሰላምን ጸጥታን ደሕንነትን ንሓደጋ ዘቃልዕ ኩሉ ክትትል ክግበረሉን ንፍርዲ እውን ክቐርብ መንግስታትን ሓይሊ ጸጥታ ክተሓባበሩ ጻውዒት ከምዘቕረበ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ቡርኪና ፋሶ፥ ጸረ ክርስቲያን ዝሃቀነ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ይቕጽል ኣሎ
16 May 2019, 17:52