ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ዛዕባ ምጽዋት ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ዛዕባ ምጽዋት 

ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ዛዕባ ምጽዋት

ድኻታት መን እያቶም? እቶም ኣብ ጐደናታትና ዘጓንፉና ግዳም ሓደር ዜጋታት? ምጽዋት እንታይ ማለት እዩ? ገለ ሰናቲም ትዅብ ኣቢልካ ብታህዋኽ ምህዳም፡ እዚ እዅልን ምንም ዓይነት ናይ ሕልና ወቐሳ ዘይብልና ክንከውን ዝገብረና ዶ ይመስለኵም?

ካብ ጥንትን ኣብ ዘመናትን ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ዛዕባ ምጽዋት ቀጻልን ነባርን እዩ፡ ምስ ዘይብሉ እቲ ዘሎካ ምክፋል፡ ተኻፊልካ ምንባር፡ እዚ ትእዛዝ’ዚ ብፍላይ ኣብዚ ኤኮኖሚያዊ ኣልቦ ማዕርነት ዝሰፍሓሉ ዘሎ እዋናዊ ዓለም ወሳንን ኣገዳስን እዩ፡ ጸሎትን ጸሞን ምጽዋትን፡ ክርስቲያን ኣብ እዋን ዓቢይ ጾም ዝዕጠቖም መፈሳዊ ኣጽዋር ኣያቶም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ምምጽዋት ካብቲ ንገዛእ ርእስኻ ምንባርን ብነገራት ምድላብን ዝብል ዕሽነትን ካባናን ናትናን ዘይኰነ መጻእነት ውሑስ ምግባር ካብ ዝብል መሕላም (ዕዋጀ / ጌጋ ሓሳብ) ንኽንላቐቕ ይሕግዘና፡ በዚ ኣገባ’ዚ ኣቢልና ነቲ ጐይታ ኣብ ፍጥረትን ልባትናን ዘንበሮ መደብ ንኣኡ ምፍቓርን ነሕዋትን ንመላእ ዓለምን ምፍቃር ዝብል ዘለዎ ሓጐስ ነስተውዕልን ኣብዚ ፍቕሪ’ዚ ዘሎ ሓጐስ ንረክብ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዓቢይ ጾም 2019 ዓ.ም. ኣብ ዘመሓላለፍዎ መእኽቲ ምዃኑ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ላውራ ደ ሉካ ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ዛዕባ ምጽዋት ብዝብል ኣርእስቲ ካብ  ዘቕረበኦ ጽሑፍ ክፍለጥ እንከሎ፡

ምጽዋት ካብ ናይ ዓቢይ ጾም መሰረታውያን ትሕዛዛት ሓደ እዩ

ቅዱስ ኣጐስጢኖስ፥ ጸሎትካ ናብ እግዚኣሔር ክነፍር (ኣብ እግዚኣብሔር ክበጽሕ) ትደልይ እንተድኣ ኴይንካ ክልተ ኣኽናፍ ይሃልኻ፡ እቲ ሓደ ጾም እቲ ካልኣይ ከኣ ምጽዋት፡ …

ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ 1978 ዓ.ም. ብላቲን ስርዓተ ኣምልዀ ንዓቢይ ጾም መበገሲ ስነ ስርዓት ዘረቡዕ ሰሪዖም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ ድኻታት መን እያቶም? እቶም ኣብ ጐደናታትና ዘጓንፉና ግዳም ሓደር ዜጋታት? ምጽዋት እንታይ ማለት እዩ? ገለ ሰናቲም ትዅብ ኣቢልካ ብታህዋኽ ምህዳም፡ እዚ እዅልን ምንም ዓይነት ናይ ሕልና ወቐሳ ዘይብልና ክንከውን ዝገብረና ዶ ይመስለኵም? ….

ምጽዋት ዝብል ቃል ምስ ውርደት ዝተተሓሕዘ ኰይኑ እሎ፡ ኣብቲ ኢፍትሓውነት ዘይ ምዕሩይ ምምቕራሕ ሃብቲ ተፈጥሮ ኣብ ዝነግሰሉ ዓለም ምጽዋት ማሕበራዊ ቅርጺ ዘቕርቦ ሓሳብ ከይኑ ዘሎ እዩ ዝመስል፡ እዚ ኵነት’ዚ ንምቕያር ብቑዕ ሕዳሴ የድሊ፡ …. ኣብ መንጐ ሰባት ዘሎ ርክብ ዝሕድስ፡ … ምጽዋት ዝህብን ወይ ከኣ ነቲ ኣእዳዊ ዘርጊሑ ዝልምን ኩድ ሰሪሕካ ብላዕ ቢሉ መልሲ ምስ ዝህብ ንሰማማዕ ንኸውን፡ …. ምክፋልን ዘሎና ተኻፊልና ምንባር ካብ ምክብባር ዝንቕለ እምበር ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ብምጥማት ኣይኰነን፡ ምትኳብ ወይ ምንጻግ ኣይኰነን፡ ተኻፊልካ ምንባር …. ናተይ ናትካ ምባል እዩ

ዕለት 28 መጋቢት 1979 ዓ.ም. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፡ ኣብ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ኢጣሊያ ኣብቲ እዋን ኣብ ጽንኵር ማሕበራውን ፖለቲካውን መዳይ እያ ዝነበረት፡ ኣብ መዳይ ታሪኽ ዓለም እውን ንኣብነት ኣያቶላህ ኮመኒ ድሕሪ 15 ዓመታት ስደት ናብ ኢራን ዝተመልስሉ እዋን እዩ ነይሩ፡ ብሓጺሩ ብብሔራውን ዓለም ሓቆፋውን መዳያት ብዙሕ ለውጥታትን ቅልውላውን ሓደጋ ኑክለሳዊ ጸዓትን ዝኽሰተሉ ዝነበረ እዋን ክኸውን እንከሎ፡

እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምሲ እዚ ዚስዕብ እዩ፡ ንመእስር ኣከይ ምፍታሕ ነርዑት ግሊያነት ምዝላቕ ንጥቑዕ ምውጻእ ሓራ፡ ኣርዑት ጊልያነት ዘበለ ዅሉ ምስባር እንጌራዅም ንጥሙይ ምልቃሕ ነቶም ዝተሰዱ ድኻታት ኣብ ቤትኩም ብቕባል፡ ዕሩቓት ምኽዳን ንዘመድኩም ካብ ምሕጋዝ ዘይምሕባእ እዩ (ኢሳ. 58. 6-8)

ጠቒሶም ኣብ እዋን ዓቢይ ጾምን ክንየው እዋን ዓቢይ ጾምን ኰይንናዮ ክንርከቦ ዝግብኣና ጠባይ ከምዘብርሁ ደ ሉካ የመልክታ።

ዮሓንስ መበል 23፥ ኣብቲ ንመወዳእታ ግዜ ዝሰርዕዎ ኣብ መኽፈቱ ዓቢይ ጾም ረቡዕ ዕለት 27 ለካቲት 1963 ዓ.ም.  ናይ ፍቕሪ ስራሕ ኣማእኪሎም፥

ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ነቲ ናይ ለምዘበን (1963 ዓ.ም.) ዓቢይ ጾም ዝህቦ ቅንይት ኣክንዲ ነቲ ኩሉ ዝትስፈዎ ዝዕንብብ ልበ ወለዳዊ ታሪኽ ምስትንታን ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ነቲ ክነብሮ ዝግብኦ ናይ ፍቕሪ ስራሕ ዘመላኽት እዩ፡ ተዋሳእቲ እምበር ተዓዘብቲ ዘይክወነሉ ኣገግሎት እዩ

ኣብ 2011 ዓ.ም. ብዙሓት ነቲ ኣብ ዓለም ክኽሰት ዝጀመረ ፖለቲካውን ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን መዋጥር ኩሉ ብምምልካት ሓድሽ ማእከላይ ዘመን መጸ ዝብልን ናይ ስልጣነ ግርጭትን ወረራ ባርባራዊ - ዘይስሉጥን ኣረመንን ብሓድሽ ተነቓቒሑ እንክብሉ ንዝገልጽዎ ኩነት ኩሉ ግምት ብምሃብ በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 9 መጋቢት 2011 ዓ.ም. ኣብ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶ፥

ቅዱስ ሊዮነ ዓቢይ፡ ብዛዕባ ዓቢይ ጾም፥ … እቲ ኵሉ ኣብ ዓቢይ ጾም ዝፍጸም ጾምን ጾሎትን ካብ ምጽዋት ብፍጹም ዘይፍለዩ ተግባራት እያቶም፡ ሰለስቲኦም ኣጽዋር ዓቢይ ጾም ምሕረት ኣብ ዝብል ቃልን ተግባን ይጥርነፉ፡ ናይ ምሕረት ተግባራት ብዙሕ እዩ፡ ዝምጽውት ሃብታ ወይ ርኹብ ጥራሕ ኣይኰነ፡ እቶም ብማእከላይ እቶት ዝመሓደሩን ድኻታት እውን ዝፍጽምዎ ክኸውን ኣለዎ፡ ኵሉ ማዕረ ዝገብር፡ ኣብቲ ዘሎካ እቲ ካባኻ ንታሕቲ ምስ ዝዀነ ድኻ ምስታፍ

እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ደ ሉካ ጠቒሰን፡ ጸሎት ኣብ ጸሎት ጾም ኣብ ጾም ምጽዋት ኣብ ምጽዋት ዝድምደም ኣይኰነን፡ ንኣምበት ምጽዋት ኣብ ንዋታዊ ነገር ተሓጺሩ ዝተርፍ ኣይኰነ፡

ቤተ ክርስቲያን ንደቃ ኣብ ደጋዊ ዝዀኑ ተግባራት ዘይኰነስ፡ እቲ ኣብ ጥንቲ ናይ ነቢያት ትምህርቲ መሰረት ምእንቲ ንናይ ሓውኻ ድማዕ ኣብ ፍቕርን ልግስናን ትጕህ ክኸውን ትመረሕ፡

ነዚዝበሉ ዮሓንስ መበል 23 ኣብ እዋን ዓቢይ ጾም 1963 ዓ.ም. ብራዲዮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእክት ክኸውን እንከሎ፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 28 መጋቢት 1979 ዓ.ም. ምጽዋት ንድኻታት ኣብ ዝብል መንፈሳውነት፥

ኣብ ቅዱስ መጽሓፍን ብወጌላዊ ምዳበ ምጽዋት ውስጣዊ ህያብ ማለት እዩ፡ ንኻልእ ንስኻነትካ ምኽፋት ማለት እዩ፡ ንምልዋጥ እዚዩ ኣገዳሲ ዝዀነን ክተርፍ ዘይግብኦ ረቛሒ እዩ፡ ልክዕ ከም ጾምን ጸሎትን … (ወንጌል ማቴዎስ ምዕ. 25፡ 35 -  40 ተመልከት)

ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ዛዕባ ምጽዋት
11 April 2019, 17:35