2019.04.07 ንህያባት አምላኽ አፍሪኻ ምኽአል 2019.04.07 ንህያባት አምላኽ አፍሪኻ ምኽአል  

ሰንበት ዘገብር ኄር (ጾም ፵) መጋቢት 29 20011 ዓ.ም (4/17/2019)

መዝሙር፡ “መኑ ውእቱ ግብር ኄር ወምእመን ዘይረክቦ እግዚኡ በምግባረ ሠናይ..“መን እዩ እቲ ሕያዋይን እሙንን አገልጋሊ ንጎይትኡ ጽቡቅ ክገብር ዝጸንሖ እሞ ጎይትኡ አብ ልዕሊ ኵሉ ገንዘቡ ዝሸሞ እንደገና ከአ ሕያዋይን እሙንን አገልጋሊ ብሒደት ተአሚናካ ኢኻ እሞ አብ ብዙኅ ክሸመካ እዩ፥ ናብ ታሕጓስ ጎይታኻ እቶ”።

ንባባት፡ 1ቆሮ 4፡1-9፥ 1ጴጥ 2፡11-19፥ ግ.ሓ.16፡14-30፥ ሉቃ 19፡11-27  ስብከት፡“ከመ እንግር ፈቃደከ መከርኩ አምላኪየ፥ ወሕግከኒ በማከለ ከርስየ ዜኖኩ ጽድቀከ በማሕበር ዐቢይ”። ”አምላኽይ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ አሎኒ፥ሕግኻ እውን አብ ውሽጢ ልበይ እዩ፥ጽድቅኻ አብ ጉባኤ አብሰርኩ” መዝ. 40፡8።

ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

መዝሙር፡ መን እዩ እቲ ሕያዋይን እሙንን አገልጋሊ ጎይትኡ አብ ሰናይ ግብሪ እንከሎ ዝረኽቦ እናበለ ንሎሚ ሰንበት ክነስተንትን ዝግብአና ይነግረና። አብ ሰናይ ግብሪ እንከሎና መዓልቲ እግዚአብሔር እንተ መጸት ዕዉታት ኢና፤ እሞ ከመይ አሎ ሕይወተይ ኢልና ርእስና ርኢና ንኽአል። አብ ሰንበት ዘደብረ ዘይት መዓልቲ እግዚአብሔር ብዘይትሓስበ ሰዓት ክትመጽአኩም እያ ስለዚ ተሰናዲኹም ጽንሑ ዝብል አስተንቲና ሎሚ እውን ምስኡ ዝቕጽል እዩ አስተንትኖና። አብዚ ፍሉይ ጊዜ ጾም አብ ሕማማት አብ እንቐርበሉ ዘሎና እዋን እሙናትን ንቑሓትን ኮና ንአምላኽ ክንጽበ የዘኻኽረና።

አምላኽ አብ ኩሉ ተልእኮና አፍረይቲ እምበር ጊዜናን ሕይወትናን ብኾንቱ አብ ጥልመትን ክሕደትን ከይነሕልፍ አብጥቢቝ ይነግረና። አብ ተፈጥሮ ንቀዳሞት ወለዲ ዝተዋህቦም ትእዛዝ “ፍረዩን ተባዝኁን ንምድሪ ኸአ ምልእዋን ምለኽዋን” (ዘፍ 1፡28-ፍ) ዝብል እዩ። አብ ዓለም ዘሎ ኹሉ ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ክጥቀሙሉን ከፍርዩን ተዋሂብዎም። አብ ወንጌል በቲ አምላኽ ዝሃበና ጸጋ ገለና “30፥ 60፥ 100” (ማቴ 13፡8) ክነፍሪ ከም ዝደሊ ይነግረና። ነርድእቱ ክልእኮም እንከሎ “ኪዱ አብ ኩሉ ዓለም ስብዅ” ኢልዎም። አብ ተልእክኦም ከፍርዩ ከምዝደሊ ነጊርዎም። አምላኽ ንነፍሲ ወከፍና ከምቲ እንኽእሎ ክነፍሪ ጸግኡ ሂብና አሎ። አብ ክህነታዊ፥ አብ ማሕበራዊ ምንኵስናዊ፥ አብ ቃል ኪዳናዊ ሕይወት ክነብር እናሓረየ በብዘሎናዮ ሕይወት ክነፍሪ እዩ ዝደልየና፥ በቲ ዝተዋህበኒ አፍሪ ዘሎኹ ክንበል እዋኑ እዩ። ጊዜ ጾም ጊዜ ምህርቲ ናይ መንፈሳዊ ሕይወትና እዩ።

አብ ናይ ሎሚ ንባብ ወንጌል ዝሰማዕናዮ ኢየሱስ ድሕሪ ናይ ዘኬዎስ ታሪኽ ቀጺሉ ብምሳሌ ገሩ ነቲ አምላኽ ዝሃበና ከመይ ገርና ክነፍሪ ከም ዝግብአና ይነግረና። ኢየሱስን ሓዋርያቱን አብ ጥቓ ኢየሩሳሌም እንከለዉ መንግሥቲ አምላኽ ከአ ብኡብኡ ከም እትግሃድ ይመስሎም ነሩ ብርግጽ አብ ኢየሩሳሌም ኩሉ ኽግለጽ እዩ እንተ ኾነ ከምቲ ንሶም ዝጽበይዎ ፖሎቲካውን ወተሃደራውን ዓወት አብ ልዕሊ ጻልእቶም አይኮነን። ከምቲ አብ መጀመርታ ምዕራፍ ናይ ግ.ሓ. ዝገልጾ ኢየሱስ ንፖሎቲካዊ መንግስት እስራኤል ክሕድስ ዝመጽአ እዩ ስመስሎም ነሩ። እቲ ክእቲ ዝመጽእ መንግስቲ እንታይ ዓይነት መንግሥት ከምዝኾነንን ንሶም አብ ውሽጡ ኮይኖም ክጻወትዎ ዘለዎም ተራ ድሒሩ እቀስ ኢሉ እዩ ተረዲእዎም።

እዚ ሉቃስ ዘቕርበልና ምሳሌ ካብቲ አብ ማቴ 25፡14-30 ዘሎ ምሳሌ ምክሊት ዝተፈለ እዩ። አብ ሉቃስ ክልተ ምሳሌ አብ ሓደ ሓዊሱ ዝነግር እዩ ዝመስል፥ እዚ ኸአ ምሳሌ እታ ናይ ሳንቲምን፥ መን እዩ ዝለዓለ ስልጣን ዝሕዝ ዝብልን። ሉቃስ ዝነግሮ ምሳሌ ፍሉይን አብ ሓቀኛ ታሪኻዊ ፍጻሜ ዝተመስረተ እዩ። ሓደ ኽቡር ሰብ መንግሥቲ ተቐቢሉ ኺምለስ ናብ ርሑቕ ሃገር ዝኸደ እንተ ኾነ ደቂ ዓዱ እዚ ክነግሥ አይንደልን ኢና ኢሎም ደድሕሪኡ ልኡኻት ከም ዝሰደዱ ይነግር። አብ ምድረ ፍልስጢኤልም (እስራኤል) ሄሮዱስ ዓቢይ ብ4 ዓመተ ዓለም ምስ ሞተ መንግሥቱ አብ ደቁ ተመቒሉ ሄሮዱስ አንጢጳስ፥ ሄሮዱስ ፍሊጶስን ሄሮዱስ አርከላኦስ ዝብሃሉ። እዚ ንግሥነት ደቁ ብማእከላይ መንግሥቲ ሮማ ክጸድቕ አለዎ ምኽንያቱ በቲ ግዜ ሮማውያን ብምልኡ ምድሪ ፍልስጥኤም ይገዝኡ ስለ ዝነበሩ። አርከላኦስ መድረ ይሁዳ ኽገዝእ ዝበጽሖ አብ ሮማ ንግሥነቱ ክጸድቀሉ ከምጻደቕ ከይዱ። አይሁዱ ደድሕሪኡ ሓምሳ ዝኾኑ አብ አጉስጡስ ቄሳር ንሱ ክነግሰሎም ከምዘይደልዩ ኽገልጹን ክጠርዑን ልኡኻት ሰዲዶም። እቲ ታሪኽ ከም ዝገልጾ አጉስጡስ ቄሳር ብዘይ መዓርግ ንጉሥ ዝብል ንአርከላኦስ ገዛኢ ክኸውን አፍቂድሉ። ኩሎም ነዚ ምሳሌ ዝሰምዑ አብ ሓቂ ዝተመስረተ እሞ ንመን ከም ዘመልክት ብንጹር ይርድእዎ ነሮም። እዚ ምስቲ ናይ ኢየሱስ ዘመሳስል ብዙሕ አለዎ።

ኢየሱስ ምድራዊ ሕይወቱ ምስ ወድአ አብ መጨረሻ ዓለም ዳግማይ ምጽአቱ ከም ንጉሥን ፈራድን ኮይኑ ክመጽእ እዩ። ንሱ ክሳብ ዝምለስ አገልገልቱ ነቲ ናይ ጎይትኦም ስራሕ ክሰርሕዎ ክጸንሑ እዮም። ካልኦት ግና ጨሪሾም ክነጽግዎ እዮም።

አብቲ ምሳሌ እቲ ሓዲስ ንጉሥ ካብ መገሻኡ ምስ ተመልሰ ነቶም አገልገልቱ ጸብጻብ ሓቲትዎም ይብለና፥ ኢየሱስ እውን አብ መጨረሻ ምስ መጽአ ንነፍሲወከፍና ጸብጻብ ክሓተና እዩ። እቶም በቲ ዝተዋህበና ዝክአለና አፍሪና እንተ ኾና ዓስብና አብርእሲ እቲ ዘሎና ዕጽፊ ክውሃበና እዩ። እንተ ዘየፍረና ከምቲ ብዓል ሓደ ቅርሺ ነቲ ዝተዋህቦ ዘየፍረየሉ እኳ ድአ ቀቢሩ ወለድ እውን ዘይተረኽበሉ ከምኡ ክንከውን ኢና።

አምላኽ ዝተፈላለየ ጸጋታቱ ክህበና እንከሎ ብእምነት ክነፍርየሉ እምበር አብ ግዝያውን ሓላፍን ነገራት ጥራሕ አተኲርና ክብሪ ዓለምን ጣዕምን ውሒጥና ክነብር አይደልየናን እዩ። ሎሚ አብዚ ቅዱስ ጊዜ ጾም ነቲ ዘየፍረናዮ ክነፍሪ ነቲ ዘንጊዕናዮ ዘሎና ክንርኢ እሞ አፍረይቲ አብ ግራት አምላኽ ክንከውን ንጽዋዕ አሎና።

እዚ ሉቃስ ዝነግረና ምስላ ንጹር ሓቅታት ንክርስትያናዊ ሕወት ዝገልጽ አለዎ።

1.   ብዛዕባ ናይ እቲ ንጉሥ እምነት ይነግር። ንሱ ነቶም አገልገልቱ ገንዘቡ ከምድላዮም ከከም ጥበቦም ክጥቀሙሉ ብምሉእ እምነት ሂብዎም። ብዝኾነ ምኽንያት አብ መንጎ ጣልቃ አይአተወን ወይ እውን ዝኾነ ተጽዕኖ አይገበረሎምን እንኩም ተጠቕሙሉ አፍርዩሉ ጥራሕ ኢሉ፥ ምሉእ ብምልኡ ከመይ ኢሎም ከምዘፍርዩ አብኦም ሓዲግዎ። ንነፍሲ ወከፍና እግዚአብሔር ብኸምዚ እምነት እዩ ኩሉ ዘሎና ጸጋታቱ  ዝህበና። ሓደ መስተውዓሊ ሰብ ክም ዝበሎ “እቲ ዝበለጸ ነገር ብዛዕባ አምላኽ ንኹሉ ነገር ዝዓቕምና ክነግብር አባና ምሕዳጉ እዩ” ይብል። ነጻነትና ንጽቡቅ ወይ ንኽፉእ ክንጥቀመሉ አብ ኢድና እዩ ዘሎ። ዝተዋህበኒ ጸጋ ከመይ እጥቀመሉ አሎኹ ኢልና ሕይወትና አተሓሳስባና ጠባይና ኮታስ ኩሉ ሕይወትና ክንርኢ ይግባእ።

2.   ናይ እቲ ንጉሥ ንአገልገልቱ ዝሃቦ ፈተና ይነግር። ከም ኩሉ ጊዜ እዚ እምነት ከም ፈተና እዩ ተዋሂቡ ማለት ሓደ አብ ንአሽቱ ነገራት እሙን ምዃኑን ዘይምኻኑንን ዝገልጽ እዩ። አብ ገለ እዋን ገለ ሰብ አብ ተደጋጋሚ ዝገብሮ ነገር ዓቢ ዘይብቕዓት ከምዘርኢ ዘረጋግጽ ነገር ክንርአ ይክአል እዚ ኸአ ንርእሱ/ሳ ልዕሊ ዝኾነ ጉድለት ከምዝኾነ ብምግላጽ እዩ። ብርግጽ እዚ አብ አምላኽ ክኸውን አይክአልን እዩ። እንተ ኾነ ንአና ደቂ ሰብ አብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ግቡእና ንገብርን ዘይንገብር ፈተና ክቐርበና ይክአል እዩ። ካብ ናይ ኢየሱስ ዝበለጸ አብነት ክኾነና ዝኽእል የለነ። ካብተን 33 ዓመታት ሕይወቱ 3 አብ ናዝሬት አሕሊፍዎ። ንሱ አብቲ መዓልታዊ ሕይወቱ እሙንን ኩሉ ካብኡ ዝድለ ብዘይ ሓደ ጉድለትን ድኽመትን ይፍጽም ነሩ ምናልባት ዘይፍጽም ነሩ እንተ ዝኸውን አብ ዓለም ናይ ድሕነት ስራሕ ክገብር አይምኽአልን። ንሱ ኩሉ እናፈጸመ አሕሊፍዎ ንሕና እውን እነሕልፎ ሕይወት ብዘየገድስ አፍረይቲ ፈጸምቲ ሕጊ አምላኽ ክንከውን እዩ ዝደልየና።

3.   እቲ ንጉሥ ብእምነት ንዘገልግሉ ዝሃቦ ዓስቢ ይነግር። እቲ ጎይታ ነቶም ዘፍረዩ አገልገልቱ ዝሃቦም ዓስቢ ጽቡቅ ገርኩም ደጊም ይአኽለኩም አፍሪኹም ኢኹም አዕርፉ ተሓጎስ ደቅሱ አይበሎምን። እቲ ሓደ አብ ልዕሊ ዓሰርተ እቲ ኻልአይ ከአ አብ ልዕሊ ሓምሽተ ከተማታት ብዝያዳ ዝኸበደ ሥራሕ ሂብዎም። እቲ ጽብቑ አፍሪኻ ዝብል ናቱ ዓስቢ ዝያዳ ስርሕ ዝብል እዩ። ንሓደ ጽቡቕ ዝሰርሐን ዘፍረየን ማዕረማዕሪኡ ዝኽፈሎ ዝዓበየን ዝኸበደን ሓላፍነት ይውሃቦ። ዝዓበየ ዓስቢ ንሓደ ከቢድ ፈተና ሓሊፉ ንአምላኽ ዘዕገበ ዝያዳ እምነት ክገብር ከምዘለዎ እዩ።

4.   እቲ ምስላ ብሓደ ክልወጥ ዘይክአል ናይ ሕይወት ሕጊ ይዛዝም። “ንዘለዎ ዘበለ ኺወሃቦ እዩ፥ ነቲ ዘይብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ ኬግድፍዎ እየም”። ነዚ መረዳእታ ክኾነና ብብዙሕ መገዲ ክንርእዮ ንኽእል፥ አብ ሓደ ጸወታ ክዕሶ እግሪ ወይ ከምኡ ዝአመሰለ ክንሳተፍ እንተ ኾና ክንለማማድ አሎና፥ ልምምድ እንተ ገበርና ብዝያዳ ብተአማንነት ንአቱ፥ እንተ ዘይገበርና ግን ብዙሕ ዕድለ ነጥፍእ። ሰውነትና መጠን ልምምድ ዝገበርናዮ እናበርትዐን ኃየለን ይኸድ ልምምድ እንተ ዘይገበርና ግን ድኹማትን ብዙሕ ተስፋ አይንገብርን። ሓደ ሰብ ቋንቋ ግዕዝ ወይ ካልእ ቋንቋ ከጽንዕ እንተ ኾይኑ መጠን ዘጽንዖን ዝተለማማዶን መጠኑ ቀልጢፉ ይፈልጦን ይሕዞን፥ ግን ልምምድ እንተ ዘይገበረ እንተ ዘየጽንዐ ግን እኳድአ ነቲ ቍሩብ ዝፈልጦ የጥፍኦ። አብ ሕይወትና ጽቡቕ ክንገብር እንተ ጸዓርናን ደኸምናን አብቲ ዝደለናዮ ክንበጽሕ ንኽእል ግን ተስፋ እንተ ቖረጽና ሸለል እንተ በልና ግን ነቲ ዝደለናዮ ጽቡቕ ክንበጽሖ አይንኽእልን ኢና። አብ እምነት ክርስትናና ከምኡ እዩ ወይ ዝያዳ ንረክብ ወይ ከአ ዘሎና ነጥፍእ። አብ ዝልዓለ ደረጃ ንበጽሕ ወይ ከአ አብ ዝተሓተ ንወርድ።

 ሎሚ አብቲ ብፍሉይ ዝተዋህበና ጸጋታት ርኢና ክንክእል እሞ አብቲ አምላኽ ዝደልየና ክነውዕሎ ብፍላይ አብ አገልግሎት አሕዋትናን አሓትናን ክነውዕሎ ብፍላይ ንጽጉማትን ድኻታትንን ክንሕግዝ ዝሓተና እዋን እዩ። አብ ሃብቲ፥ ንብረት፥ ዝተዓወትናሉ ሞያ፥ ዘሎና  አረኣእያ መመይ እዩ? አበይ ኢና ዝያዳ አተኩሮ ሂብና እንሰርሓሉ?

አብ ዓለም መጠን ዝጸዓርካሉ መጠኑ ትዕወት ኢኻ። ሰብ አብ ዘለዎ ወይ ዝረኸቦ ደው ዝብል የለን ኩሉ ጊዜ እናሰርሐ እዩ። እታ ዝበለጸት ክንቀስን እንተ ኾና ክንገብሮ ዘሎና ንዘሎና ካባና ከምዝኸይድ እንተ ገበርናን ምስ ካልኦት እንተ ተማቐልናን እዩ። ጽቡቕ አብነት ናይ እዚ ቅ. ፍራንቸስኮስ ብዓል አሲዝን ቅ. ማዘር (አደ) ተረዛን እዮም። እዚ አገባብ ወይ አተሓሳስባ ካብ ብዙሓት ሰብ ሃብቲ ዝርሓቐ እዩ። ንብዙሓት ዋሕስ ዝህልወካ ብዕጽፍን ድርብን እንተ አከብካ እዩ እዚ ግን ንምድራዊ ነገራት ጥራሕ ከም እነተኮር ይገብረና። “አታ ዓሻ በዛ ለይቲ እዚአ ንነፍስኻ ካባኻ ክወስድዋ እዮም፥ እዚ ዝደለብካዮ ደአ ንመን ኪኸውን እዩ” ዝብል ንብዙሓት ሃንደበት ክኾኖም እዩ። ስለዚ ሎሚ ፍሉይ አተኩሮ ገርና ርኢና ክንክእል ይግብአና።

አብዚ ብሩኽ ሰንበት እምብአር ነቲ አምላኽ ዝሃበና ጸጋታት ከምቲ ንሱ ዝደልዮ አፍሪና ክንክእል እሞ ኦ ወደይ/ጓለይ አብ ውሑድ እሙን ኮንካ ኢኻ እሞ አብ ብዙሕ እሸመካ/ኪ አሎኹ ክብለና በበቲ ዘሎና ንአገልግሎትን ቅድስና ርእስናን ንጽዓር። ዘሎናዮ ጾም ነዚ ክንገብር ብዝያዳ ዝሕግዘና እዩ እሞ ብዝያዳ አብ ጸሎትን ጾምን ምጽዋትን ክንጽመድ እሞ አፍደገ ሰማይ ክኽፈተልና ንለምን።

አምላኽ ብጸግኡ አፍረይቲ ይግበረና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ።

06 April 2019, 16:26