ድለ

2019.03.04 ዑደት ኣብ በዓለ ኪዳነ ምሕረት 2019 2019.03.04 ዑደት ኣብ በዓለ ኪዳነ ምሕረት 2019 

ንሃገራዊ ዕርቀ-ሰላም ዚጽውዕ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ

ብትንሣኤኡ ንኃይሊ ሞት ስዒሩ፣ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ሰላምን ዕርቅን ዘውረደ ኢየሱስ ክርስቶስ ብብርሃን ትንሣኤኡይባርኸና።

“ሰላመ.... ለርሑቃን፣   ወሰላመ ለቅሩባን” (ኤፌ.2፡1

ጻውዒት ንሃገራዊ ዕርቀ-ሰላም

--------------------------------------------------------

ሓዋርያዊ መልእኽቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ

ንጽማቚ ናይ’ዚ መልእኽቲ ብድምጺ ንምክትታል!

ሰላምታ

1. ፍቁራን ደቅናን፣ መላእ ሕዝብናን፡ ኵልኹም ደለይቲ ሰላምን፣ “ካብ እግዚኣ-ብሔር ኣቦናን፣ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ሰላምን ፍቕርን ምስ እምነት ነኣኻትኩም ይኹን”[1] ። ኢየሱስ ነቲ “ኣብ መንጎ ዝነበረ ከልካሊ መንደቕ-ጽልኢ ብምፍራስ፣ ነቶም ክልተ ዝነበሩ ሓደ ዝገበረ ሰላምና”[2]፣ ”ብመስቀሉ ምስ ኣምላኽ” ዘተዓረቐና፣ “ነቶም ርሑቓት ዝነበሩ ሰላም ዘበሠረ”[3] ንሱ እዩ። ሕጂ’ውን ነቲ ዓለም ኪህቦ ዘይኽእል ሰላሙ ዘተስፈወና ኢየሱስ፣ “ሰላሙን ጸጋኡን ምሳኻትኩም ይኹን”፣ ብዚብል ቃል ሰላምታን ምርቓን[4]  መልእኽትና ንሰደልኩም።

እቲ ሞት ስዒሩ ዝተንሠአ፣ ብትንሣኤኡ ንሰማይን ንምድርን ማለት ንሰብን ንኣምላኽን ዘተዓረቐ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቡራኬኡ የፍስሰልና፣ መንፈስ ዕርቂ የውርደልና፣ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ትንሣኤኡ እነኽብርን እንዝክርን ዘሎና ጐይታ፣ ድሕር’ቲ ሥጋዊ ሞትና፣ ናይ ትንሣኤና ተስፋ ዚህበና ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ነቲ ሕጂ ኣብ’ዚ ሕይወት’ዚ ከቢቡናን ብዝተፈላለየ መልክዑን ኣገባብራኡን ዚፃረረናን ዘሎ ሓይሊ ክፍኣት ከም ንዕወተሉ ርግጽነት ዘጨብጠና’ውን እዩ።

መእተዊ

2. “ተፈሣሕነ ወተሐሠይነ ህየንተ መዋዕል ዘኣሕመምከነ፣ ወህየንተ ዓመት እንተ ርኢናሃ ለእኪት”[5] መጠን’ቲ ዝተሣቐናዮ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ክንድ’ታ ሕማቕ ዝረኣናላ እዋን፣ እነሆ ክንሕጐስን ክንድሰትን ተረኸብና። ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሠነ 2018 ዓ.ም.ፈ ኣባናን ኣብ ጐረቤትና ኢትዮጵያ ብዝተፈጸመ ኣገባባት ዘሓጕሰና ዘተስፈወና ብዙሕ ምልውዋጣት ርኢና። ስለ’ዚ ኸኣ “ተፈሣሕነ ወተሐሠይነ” ክንብል ግቡእ ኣሎና። ነቲ ዘይርሳዕ ከይረሳዕና ድማ ንልብታት ኣረስሪሱ፣ ንዚምልከቶም ወገናት ኣንቀሳቒሱ፣ ናብ’ዚ መድረኽ’ዚ ንዘብጸሓና፣ ነዚ ንዘርኣየና ልዑል ኣምላኽ፣ ንልዕልናኡ ዚበቅዕ ምስጋና ይብጸሓዮ!! ምስ ጐረባብትና ንምትዕራቕ ትብዓትን ቈራጽነትን ከም ዝተረኽበ፣ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ዚፈላሊ መንደቕ ጽልኢ ከም ዝፈረሰ፣ ምስ’ቲ ታሪኻዊ ጕዕዞና ዝማዕበለ ኣብ ውሽጢ ቤትና ዘሎ መናድቕ ፍልልይ ዚፈርሰሉ፣ ምስ ርእስናን ምስ ኣኅዋትናን፡ ምስ ዝሓለፈ ታሪኽናን እንዕረቐሉ ዕድል ከም ዚህበና ከኣ እምነትና እዩ።

“ኦ! ኣምላኽ ብፈተና ኣሕለፍካና፣ ብሩር ብሓዊ ከም ዚዅላዕ ብፈተና ኰላዕካና፣ ....ብሓውን ብማይን ሓለፍና፣ ሕጂ ግና ንስኻ ናብ ራህዋ ኣውፃእካና”[6]። ሕጂ ኸኣ ምሉእን ብቑዕን ራህዋ ንዅሉ ዘጠቓልልን ሰላምን ከምዚኸውን ግበረልና።

3. እዚ ዅሉ ኣብ ቅድሚ ዓይንና እናተፈጸመ፣ ዅሉ’ቲ ቅድሚኡ ዝነበርናዮን ዝተሣቐናዮን እናሓሰብና፣ ስቕ ክንብል ብርግጽ ዘይከኣልን፣ እቲ ዝተዋህበና መዝነት ዘየፍቅዶን እዩ። ነዚ ንኽንገብር ዚድርኸና ድማ ፍቕሪ ሕዝብናን፣ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎና ሓላፍነትን ደኣ’ምበር ካልእ ምኽንያት ኣይኮነን።

ቅድሚ ዅሉ ነቶም ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፣ ኣብ ናይ ኵናትን ስደትን ኣብ ቤት-ማእሰርትን፡ ናይ ጨወይትን ኵነት፡ ተረኺቦም ግዳያት ዝኾኑ ኵሎምን፣ ብምኽንያቶም ሓዘንን ጓህን ዝወረዶም ስድራቤቶምን ንዝክሮም ነሓስቦም፣ እቶም ካብ’ዚ ሕይወት እዚ ናብ’ቲ ንየዋይ ዝሓለፉ፣ ኣብ ፈቖዶ ዶብ-ሃገራትን ምድረበዳን ባሕርታትን ኪሰግሩ ዝተቐስፉ፣ ገሊኦም ኣውያትን ሥርዓትን ዝረኸቡ፣ ገለ ኸኣ ኣብ’ዚኣ ነጢቦም ዘይተባህሉ ኵሎም ደቅ’ዛ ሃገር፣ ጐይታ ሕይወትን ሞትን ዝኾነ ኣምላኽ ኣብ ዘለዓለማዊ ታሕጓሱ ኪጽንብሮም፣ ከም’ዚ ብዝበለ ዘይጽወርን ዘይንቡርን ጓህን ሓዘንን ተበሊዖም እህህ!! ንዚብሉ ቤተሰቦም ድማ ኣብ’ቲ ጓሂኦምን ሥቓዮምን ምስታፍና እናገለጽና፣ ኣምላኽ ኪድብሶም ንጽሊ። እዚ ወገን’ዚ ፍሉይን በዳህን ዝኾነ ክፋል ታሪኽና እዩ፣ ኪርሳዕ የብሉን እንተ ተባህለ ከኣ፣ ንኸይድገምን ንኸለብምን ደኣ’ምበር፣ ኣብ ቅርንሕቲ ኣብ ሓዘን ንምንባር ኣይኮነን።

ካብ ቤትኩም ስድራቤትኩምን፣ ካብ’ዛ ፍትውቲ ሃገርኩም ርሒቕኩም፣ ናይ ስደትን ማሕዩርን ሥቓይ ዝጸወርኩም ኵልኹም ነሓስበኩም ኣሎና፣ ከምኡ’ውን ኣብ ሃገርኩምን ኣባይትኹምን ኮይንኩም ንዅሉ ተጻዊርኩም፣ ነታ ተስፋኹም ሕያው ብምግባር እናማዕዶኹም፣ ኪመጽእ ንዘለዎ ለውጢ እናተጸበኹም እትርከቡ’ውን ኣይረሳዕናኩምን። “ሰላመ ለርሑቃን፣ ወሰላመ ለቅሩባን”[7] ከም ዚብል ቅዱስ ጳውሎስ ድማ፣ ነቶም ርሑቕን ቀረባን ዘሎኹም ኵልኹም፣ ሰላም ንምንየልኩም፣ ኣእዳውና ንዝርገሓልኩም ልብና ነርሕወልኩም፣ እቲ ብትንሣኤኡ ንመላእ ዓለም ሰላም ዘበሠረ መስፍን ሰላም ክርስቶስ፣ ሕጂ’ውን ሰላምኩም ይኹን።

4. እቶም ኣብ ማእሰርትን ማሕቡሳትን ዘሎኹም ድማ፣ እቲ ዅሉ ሥቓያ-ትኩም ኣብቂዑ፣ ሕጊ ዚሓተኩም ተመሊኡ፣ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ክትወጽኡ፣ ኣብ’ቶም ዚናፍቑኹም ስድራቤትን ኅብረተሰብን፣ መላእ ሃገርኩምን ተጸንቢርኩም ንፋስ ሰላምን ራህዋን ከተተንፍሱ ዘሎና ሠናይ ትምኒት ልዑል ምዃኑ እናገለጽና፣ “እለ ውስተ ሞቅሕ ኣድኅን፣ ወለኵልነ ኩን ጸወነ” (ኣብ ማእሰርቲ ንዘለዉ ኣድሕን፣ ናይ ኵልና ከኣ ጸግዒ ኩን!)[8] ብምባል ምስ ሕዝብና ኮይንና፣ በኣኹምን ምእንታኹምን ናብ ኣምላኽና ንምህለል ከምዘሎና ነፍልጠኩም፣ ብተስፋ ኸኣ በርትዑ  ንብል።

ብኽልቲኡ ወገን ሃገራት፡ ኣብ ከባቢ ዶባት ንዘሎኹም ኣኅዋትን ኣኃትን እውን እቲ ፍሉይ ሃለዋትኩም እናሓሰብና ንዝክረኩም። ዘሎኹምዎ ጽንኩር ኵነታት ኣብ ግምት ብምእታው፣ ሰላምን ራህዋን ብዜምጽእ ኣገባብ፣ ኵሉ ዶባት ብዝቐልጠፈ ተሓንጺጹስ፣ ኽልቲኡ ወገን ዕለታዊ ሃለዋቱን ርክባቱን፣ ናብ ንቡር ማኅበራዊ ሕይወት ዳግም ዚምለሰሉ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሕዝቢ ዘሎ ታሪኻዊ ዝምድና ዚሕደሰሉ መድረኽ ኪመጽእ ንጽሊ፣ እዚ ንኪኸውን እናተመነና ድማ፣ ነዚ ዜሰናኽል ዝኾነ ይኹን ስምዒታውን ወገናውን መዳይ ተወጊዱ፣ ብሰፊሕ ልቦናን ብናይ ረብሓ ሕዝቢ ቅድምናን ኪረአ ሓደራ ንብል። ከም መጠን መራሕቲ ሃይማኖት በዚ መዳይ’ዚ እንገብሮ እንተሎ ንምግባሩ ድሕር ከም ዘይንብል ንገልጽ። “ከም’ቲ ሰብነት ሓደ ከሎስ ብዙኅ ኣካላት ዘለዎ፣ እቲ  ኣካላት ከኣ ብዙኅ ከሎስ ሓደ ሰብነት ዝኾነ”[9] ኵልና ሓደ ስለ ዘኾንና፣ “እቲ ናትኩም ፍሥሓን ተስፋን ሓዘንን ሓጎስን፣ ናትና’ውን ፍሥሓን ተስፋን ሓዘንን ሓጎስን እዩ”[10]።       

እዚ ጸሎትን ሠናይ ትምኒትን፣ ኣብ’ቲ ናይ ሥቓይን መከራን እዋናት፣ ኣብ ልባትና ኪበላላዕ ዝጸንሐ፣ ብፍላይ ሕጂ ኣብ’ዚ ጊዜያት’ዚ ጐስጕሱ ኪወጽእ ናይ ግድን ኮይኑ። በቲ ዝተገብረ ናይ ሰላም እማመን ስምምዕን መሠረት፣ እቲ ዝጸንሐ ጽልእን ጸብእን፣ ናይ ጐረባብቲ ምርሕሓቕን፡ ብሰላም ከም ዘብቅዕ ንዝገበሩ ወገናትን፣ ናይ ክልቲኡ ሃገራት መንግሥታትን ድማ ነመጕስ። እቲ ምስ ጐረባብትና ዝተጀመረ መደብ ሰላም፣ ናብ ውሽጥና’ውን ኪኣቱ’ሞ፣ ኵሉ ይሕለፍ ይትረፍ ተባሂሉስ፣ ስራሕን ሰራሕተይናን፣ ሓናጽን ሕንጸትን፣ ሸቐጥን ንግድን.....ዚብጋገሰሉ፣ ብሓፈሻኡ ”ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይ” ናብ ዚበሃለሉ መደብን ኣገባብን እቲና ክንርኢ ከኣ ንምነ።

5. “ሕጂ ግና ንስኻትኩም እዞም  ርሑቓት ዝነበርኩም፣ ብኽርስቶስ ... ቀረብኩ ም፣ ንሱ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ናይ ጽላኢ ከልካሊ መንደቕ ብሥጋኡ ብምፍራስ ነቶም ክልተ ሓደ ዝገበረ ሰላምና እዩ።.... መጺኡ ከኣ ነኣኻትኩም ነቶም ርሑቓት ዝነበርኩም ሰላም ኣበሠረኩም፣ ነቶም ቀረባ ዝነበሩ ከኣ ሰላም ኣበሠሮም።”[11]  ሓዋርያ ጳውሎስ እቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ መንደቕ ከም ዝተኣልየ ይዛረብ። ምሳሌ ገቢሩ ዘቕርቦ ከኣ መቕደስ ኣይሁድ እዩ። ኣብኡ መጋረዲ ነይሩ፣ ነቶም ኣይሁድ ዝኾኑ ካብ’ቶም ዘይኮኑ፣ ንደቂተባዕትዮ ካብ ደቀንስትዮ፣ ነቶም ካህናት ካብቶም ክህነት ዘይብሎም ወገናት ዚፋላሊ መናድቕ ነይሩ። ኣብ ኣይሁድ ጥራሕ ዘይኮነ፣ ኣብ ግሪኻውያን’ውን ካብ’ቶም ግሪኽ ዘይኮኑ በይኑ ዝባሕሪኦም በረኸይናታት [barbarians] ዚብልዎም ዚፈልዮም መንደቕ ነይሩዎም። ምእንት’ዚ ኣፈላላይ ኣብ ጥንታዊ ዓለም ጥራሕ ዝተደረተ ኣይኮነን። ፊሊፕ ጂብስ ዝተባህለ ደራሲ፣ ”ጸገም ኣፈላላይ ወይ ሓጹር ፍልልይ ምግባር እናዓበየ ምምጻኡ፣ ዓለም ክትገጥሞ ዘለዋ ዓቢይ ብድሆ”[12] ምዃኑ የመልክት። ሎሚ’ውን ፈላላዪን ኣጓናዪን ሓጹራት ብዙሕ’ዩ፣ ጽልእን፡ ቅርሕንትን፡ ምፍዳይ ሕነ፡ ኵናትን ሳዕቤናቱን...ኵሉ ኪጥቀስ ይከኣል።

ኣብ’ዚ ዘመናዊ ዓለም እቲ ዝዓበየ ጸገም ኮይኑ ዘሎ፣ ነዛ ብሕውነትን ብስኒትን ክንነብረላ ኢሉ ኣምላኽ ዝሃበና ናይ ሓባር ቤትና ዝኾነት ዓለም፣ ብመፈላለዪ መናድቕ ስለ ዝመላእናያ እዩ። ነዚ መናድቕ’ዚ ኣፍሪስካ ንዅሉ ምጽንባር ብሓያላት-ዓለም ተፈቲኑ ይኸውን፣ ግና ኣይሰለጠን። ከመይ እቲ ቅዱስ ጳውሎስ “ሰላምና እዩ” ዚብሎ ክርስቶስ፣ በዚ ናይ ሰላም መልእኽቱ ንዅሉ ደላይ ሰላም ኪበጽሖ ነይርዎ። ክርስቶስ ነዚ ናይ ሰባት ፍልልያት ኣወጊዱ፣ ብፍቕሩ ገቢሩ ነቶም ዘይንፋቐር ዝነበርና ኣራኺቡና፣ ሕጂ’ውን ነዚ ናይ ክርስቶስ ሰላምን ፍቕርን፣ ነዚ ዓለም ብናቱ መንገዲ ኪህቦ ዘይኽእል ሰላምን ፍቕርን ምሕረትን ብምርካብ ጥራሕ ኢና፣ ነዚ ናይ ፍልልይ መናድቕ ኣፍሪስና ሓደ ክንከውን፣ ብሓድነትን ስኒትን እትልለ ሃገር ክንሓንጽ እንኽእል ብዚብል ሓሳብ፣ ነዚ “ሰላም ንርሑቓት፣ ንዝቐረቡ ከኣ ሰላም” ዚብል ቃል ሓዋርያ፣ መኽፈቲ ኣፍናን፡ ኣርእስቲ ጽሑፍናን ክንገብሮ መሪጽና።  ከመይ ንሕና’ውን በቲ ሃገራዊ መዳይ፣ ናይ’ዚ ሓፈሻዊ ሃለዋት ዓለም ኣካል ብምዃን፣ ናይ ከም’ዚ ዝበለ ኵነት ግዳያት ኮይንና ኢና።

ዝነበረን ዘሎን ኵነትና፣

6. “ነዛ ሃገር’ዚኣ እግዚኣብሔር የፍቅራ እዩ”፣ ኣብ እትብል ናይ 2001 ሓዋርያዊት መልእኽቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ ከም ዝተነጸረ፣ ኵናት “ንሕንጸትን ምዕባሌን ንድሕሪት ዚጐትት ፈጺሙ’ውን ዚዓግት፣ ብኤኮኖሚ ጥራሕ ዘይኮነስ ማኅበራዊ ስነ-ልቦናዊ መንፈሳዊ ሰብኣዊ መዳያትን’ውን፣ እዚ ኪበሃል ዘይከኣል ክሳራ ዜስዕብ እዩ።”[13] እዚ ብሂል ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ብግብሪ ዝረኣናዮ ሎሚ’ውን ካብ’ቲ ጽልዋኡን ሃስያኡን ከይተገላገልና እንነብሮ ዘሎና፣ ኣዝዩ ዘኽሰረና ድሕሪት’ውን ዘትረፈና ፍጻሜ  እዩ።

እዛ ሃገር’ዚኣ ብሰንክ’ቲ ምእንቲ ሓርነት ዝተኻየደ ኵናት፣ ኣብ ከቢድ ማኅበረ-ሰባዊ ቅልውላው ወዲቓ። ሕይወት ኣሽሓት መንእሰያት ዝበልዐ ኵናት ኣጋጢሙ፣ ስድራቤታትን ዓዳትን ኣደዳ ስደትን ምዝንባላትን ንምዃን ዝተገደዳሉ ኵነት እውን ተፈጢሩ። ተራእዩ ዘይፈልጥ ናብ ጐረባብቲ ሃገራትን ስግር ባሕርን ዚግበር ስደት’ውን ኣስዒቡ። እዚ ድማ በቲ ሓደ ንውልቀ-ሰባትን ኅብረተሰብን ዜስዕቦ ጠንቂ ከይረሳዕካ፣ ነዛ ሃገር ኬጽንታ ዝጸንሐ ሓያልን ኣዝዩ ዘሰክፍን፣ ንሓዋሩ ዘጨንቕን  ተርእዮ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ኣቓልቦን ፍታሕን ዘይምርካቡ’ውን፡ እቲ ጕዳይ ኣዝዩ ኸቢዱ ይርከብ።

7. ብድሕሪ ሓርነት መላእ ሃገር ድማ፣ ሕዝቢ ነቲ ኣብ እንግድዓኡ ዝጸወሮ ጽንኩር ኵነታትን ኣሉታዊ ሃለዋትን ደርብዩ፣ ውልቃውን ሃገራውን ሕይወቱ ዳግም ኣብ ምሕናጽ፣ ብሰላም ናይ ምንባር ባህጉን ድሌቱን ኪፍጽም ዝተንቀሳቐሰሉ እዋን ነበረ።  ኣብ’ተን ፈለማ ዓመታት ዝተራእየ ሕዝባዊ ጻዕርን ትግሃትን ዘመዝገቦ ፍርያትን፣ ኣድንቖ ማኅበረሰብ ዓለም ዘስዓበሉ’ኳ እንተነበረ፣ እዚ’ውን “ከም ሓቁስ ንሱ ኣይነበረን እቲ ጠንቁ”፡ ብዝተባህለ፣ በቲ ናይ ዶብ ውግእ ተቐጽዩ ተዀሊፉ። ሽዑ ዘምጸኦ ኅልቀት ኣብ ቦታኡ ከሎ፣ ስደትን ምዝንባላትን ይቕጽል ኣሎ።  እዚ ድማ ዅናት ዘስዓቦ ጸገም ንሰብኣዊ ርክባት ኣዘናቢሉ፣ ንመላእ ባህላውን ሕንጸተሰባውን (cultural) ማኅበራውን ኣገባብን መደብን ዘናውጽ ኮነ።  ካብ’ዚ ርኡይን ፍሉይን ዝኾነ ዘስካሕክሕ ኵነታት ቀልጢፍና ንምውጻእ፣ ብዝኾነ ይኹን ጻዕሪ ክንገላገል ዘይምፍታንናስ ስለ ምንታይ ከምዝኾነ ንሓዋሩ ታሪኽ ዘብስሎን ዚገናጽሎን ጕዳይ እዩ።

እዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ኵነታት ዅሉ፣ ብሰንክ’ቲ ናይ 1998-2000 ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ግቡእ ኣቓልቦን ፍታሕን ከይረኸበ፣ ኣስፈሊሉ ብምጽናሑ፣ እቲ ሕንጸት-ሃገር’ውን ምክልኻል ሃገር ብዚብል ሓሳብን መደብን ተጐላቢቡ። እቲ ብናይ ኣልጄርስ ውዕል ሰላም ዝተዛዘመ፣ እሞ  “ኣይኵናት ኣይሰላም” ዝተባህለ ሃለዋት’ውን ብዓይኒ ሓቂ ኪረአ ከሎስ፣ ንፖሊቲካውን ኤኮኖምያውን ማኅበረሰባ’ውን ኵነታት ሃገር፣ ናብ ዝኸፈአን ዝበኣሰን ዘውደቐ እዩ።

8. ንቕድሚት ዘይምስጓም ማለት፡ ንድሕሪት ምስ ምምላስ ጥራሕ’ዩ ኪቝጸር፣ ስለ’ዚ ከኣ ንቕድሚት ገጹ ዘይሰጐመ ኅብረተሰብ ድሕሪት ዝተረፈ እዩ። ለውጢ ከርኢ ዘይከኣለ ማለት እዩ። እዚ ከም’ዚ ዝበለ ሃለዋት ድማ፣ ነቲ ደላይ ለውጥን ስጉምን ዝኾነ መንእሰይ ወለዶ፣ ኣብ ተስፋ ቝርጸት ከውድቖ ይርከብ፣ ስለ’ዚ ከኣ ናብ ካልእ ከማዕዱ እንተተረኽበ ዘገርም ኣይኮነን። ብፍላይ ናይ መንእሰያትና ወዶም ጓሎም ኵነታት ኣዝዩ ኣሰካፊ ናብ ዝኾነ ተርእዮ ኣቢሉ ይኸይድ ከምዘሎ ግልጺ እዩ። ንዓለም ምሉእ ዘዛርብን፣ ናይ ኤርትራውያን መለለዪን ኮይኑ ዘሎ ጕዳይ ስደትን ፍልሰትን’ውን በዚ ኵነታት’ዚ ተበጊሱ፣ ዚግባእ ኣቓልቦን እዋናዊ ፍታሕን ብዘይ ምርካቡ፣ ሕጂ ይኹን ኣብ መጻኢ እቲ ጠንቁ ዚበሃል እንተዚእለ’ውን፣ ናብ ሕዱር ሕማም ገጹ ስለ ዘድሃበልና፣ ብሓጺሩ ዚለቀልና ኣይመስልን።  

ኣብ ወጻኢ ሃገራት ከይኖም፣ ብትምህርትን ብሃብትን ብኻልእ ሰብኣዊ ትሕድርትን ዝሰጐሙ’ኳ እንተለዉ፣ ብመሠረቱ ንሰብኣውነትን ንምዕሩግ ዜግነትን ኣብ ዘዋርድ ኵነታት ምውዳቕ’ውን ኣሎ። ብዘይ ሃገር የልቦን ክብረት ይበሃል፣ ብዘይ ሕዝቢኸ ደኣ ሃገር ወይ ክብረት ኣሎ ድዩ? ነዚ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ዚኸውን ዘሎን፣ ንሓዋሩ ዘምጸኦ ጠንቁን ምርዳእ እንስእን ኣይመስለናን[14]።

ብሓጺሩ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዚነብር ሕዝብና ኣብ ሥቓይ፣ እሞ ንውሽጡን ንመላእ መንፈሱን ኣብ ዚርብሽ ሃለዋት ይርከብ ከም ዘሎ ፍሉጥ እዩ፤ ናይ’ዚ ሃለዋት’ዚ ቀንዲ ግዳያት መንእሰያት፡ ኣዴታት፡ ሕፃናት እዮም፤ ብዓቢኡ ስድራቤት ተሃስያ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ዓንያ እንተ ተባህለው’ን ምግናን ኣይኮነን። ስድራቤት ዝዓነወሉ፣ ሃገር ከም ሃገር ኪቐውም፣ ሕዝቢ ከም ሕዝቢ መንነቱ ኪዕቅብ ዘይኽእለሉ ኵነት እዩ ዚፍጠር።

ብሓፈሻ ኪረአ ከሎ፣ እቲ ሓርነታዊ ቃልስን መስርሕ ረፈረንደምን፣ ምእዋጅ ሃገራዊ ናጽነትን፣ ብናይ ጊዜ ቕደም-ተኸተልን ብስነሥርዓታዊ ኣገባቡን ይፈጸም’ምበር፣ ዳርጋ ካብ ሓደ ምእተ-ዓመት ኣቢሉ  ክሳብ ለይቲ ሎሚ ሕዝብና ቅሳነት ከይረኸበ፣  ኣብ’ቲ ኪበጽሖ ዘለዎ ሥሩዕ መድረኽ ሃገርነት [Nationhood/ Statehood] ከይደየበ፣ ኣብ ንቡርን ምዕሩግን ኣገባብ ከይዓለበ፣ ከምኡ ኢሉ መልክዑን መሥርዑን እናለዋወጠ ብዚመጽእ መደባትን፣ ብዘይ ረግአ ኅብረተሰባዊ ሃለዋትን፣ ብኣደዳ ስደትን ዚሓልፍ ዘሎ ሕዝቢ እዩ፣ መኣስ ኮን’ዩ ዚሓልፈሉ? ዘየብል ኣይኮነን።  

ነፍስወከፍ ሰብን ቤተሰብን [ስድራቤትን]መንእሰይን ቍሱል እንተደኣ ኾይኑ፣ መላእ ኅብረተሰብና ሕዝብና እውን ቍሱል ሕዝቢ እዩ። እቲ ዝርዝር ምቐጸለ፣ ንሕጂ ኣውራ ዚግድሰና ግን፣ ከም’ዚ ካብ ዝበለ ኵነት ብኸመይስ ብኸመይ እዩ ኪውጻእ ዚከኣል? ብኸመይ እዩ እቲ ቝስሊ ኪሓዊ ዚኽእል? እቲ ግድል ከምዘሎ ተኣሚንካ ምግጣሙ ደኣ’ምበር፣ ናብ ካልእ ጥራሕ ምጽጋዑ፣ ብተኣምራዊ ኣገባብ ኪውገደልካ ምጽባዩ፣ ዝገደደ ድማ የልቦን ብምባል ርእስኻ ምትዕሽሻው፣ ነቲ ዕሽነትካ ጋህዲ ምውጻእ ጥራሕ እዩ። ስለ’ዚ ካብ ዘሎናዮ ሃለዋት ምውጻእ፣ ለውጢ ምምጻእ ከም ዜድሊ ኣብ ሕቶ ዚኣቱ ኣይኮነን።

ካብ’ዚ ዅሉስ፡ ብኸመይ ንውጻእ?

9. ክልተ ዓመት ንዘቝጸረ ኵናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ንምዝዛም፡ ኣብ ኣልጄርስ ኣብ ዝተገብረ ሥነስርዓት ምፍርራም ፕረዚደንት ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዘስምዕዎ ቃል፦ “ናይ ግጭትን ጽልእን ምዕራፍ ኪዕጾ፣ ነቲ ዝሓለፈ ረሲዕና ድማ ኃው ንዝኾነ ክልቲኡ ሕዝብና ዚኸውን ናይ ሰላምን ተስፋን መጻኢ ዕድል ከነማዕዱ”[15] ዚብል እዩ። እዚ ቃላት’ዚ እንታይ’ዩ መልእኽቱ እንተበልና፣ ኣብ ነባርን ቀጻልን ጽልእን ቅርሕንትን ኪነብር ዝተዀነነ ሕዝቢ ኪኸውን ከምዘይብሉ፣ ብዝቐልጠፈ ካብ’ዚ ኵነት’ዚ ኪወጽእ ከም ዘለዎን ዚእምት ተስፋ ዚህብ እዩ። ምእንትዚ እቲ ዘየርበሓናን ዝሃሰየናን ዝሓለፈ ታሪኽ ተዓጽዩስ፣ ደላይ ሠናይን ሰላምን ዘበለ ዅሉ ዚምነዮ ብሩህ መጻኢ ንምጭባጥ፣ እንታይ ምግባር የሓይሽ? ካብ’ዚ ኵነት’ዚ በየን ይወጻእ? ክንብል የድሊ፣ ዝሓለፈ ዛዚምካ ንምዕጻው፣ እቲ ቐንዲ መጋበሪ፣ ዕርቅን ምሕረትን እዩ። ነዚ ከይፈጸምካ ወይ በዚ ከይሓለፍካ ከኣ ናብ’ቲ እተማዕድዎ ክትበጽሕን፣ ነቲ ዚድለ ክትጭብጥን ዘይከኣል ምዃኑ ብሩህ እዩ።

 መራሒ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበሩ  ኔልሰን ማንዴላ፣ ብ1994 ጊዜ “ኣፓርታይድ”[16] ኣብቂዑ፡ ሃገሮም ናብ ሓዲሽ መድረኽ ኣብ ዝኣተወትሉ እዋን፣ ነቲ ሓዲሽ መድረኽ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መሪሕ ቃል፦ “ቍስልታት ዚፍወሰሉ ግዜኡ፣ ነቲ ዚፈላልየና ጋግ ኣልጊስና እንራኸበሉ እዋኑ በጺሑ እዩ፣ ናይ ሕንጸትን ሕውየትን ግዜ ኣርኪቡና ኣሎ”[17] ዚብል እዩ። ዘመዛዝን ኅሊና፡ ዘስተውዕል ልቦና ዘለዎ ኵሉ ተገንዚብዎ ከምዘሎ ኸኣ፣ ነኣና’ውን ምስ ጐረቤት ጥራሕ ዘይኮነ፣ ኣብ ውሽጥና’ውን ናይ ሕንጸትን ሕውየትን ሓዲሽ እዋን’ዩ ኣርኪቡና ዘሎ፣ ስለ’ዚ ንናይ ግዜኡን እዋኑን ጻውዒት ወይ ጠለብ ጽን ኢልካ ምስማዕ፣ ናብ ተግባር’ውን ምሕላፍ የድሊ። ካብ ወገን መራሕትን ላዕለዎት ሰበሥልጣንን ኣትሒዝካ፣ ኣብ ዝባን ኵልና፡ ኣብ ዝባን’ዚ ህልው ወለዶ ዘሎ ኃላፍነት እዩ።

10. እዚ ቝስልታትን ናይ ጽልኢ ሃለዋትን ንኸይቅጽል፡ ካብኡ ፈጺምካ ንምውጻእ እንታይ ምግባር የሓይሽ? ብድብድቡዶ ምርሳዑ”? ኽትርስዖ እንተ ደለኻኸ ይርሳዕዶ? ብዋጋ’ቲ ዝሓለፈ ነቲ ዚመጽእ ሕይወት ዚሓንጽ፣ ኣብ ሓቅን ዕርቅን ዝተመ-ሥረተ መደብ ጥራሕ’ዩ ንምርሳዑ ዜኽእለካ፣ ብሓጺሩ “መረስዕ” ወይ” መተካእታ” የድልየካ። ነዚ ዘረስዕ ወይ ዘረስርስ ድማ ሰፊሕ ሠረትን ጥልቀትን ዘለዎ መደብ ዕርቅን ምሕረትን ምስ እነካይድ ጥራሕ እዩ። ብደረጃ ሃገርን መንግሥትን ሕዝብን ዚካየድ መደብ ዕርቂ ከነንቀሳቕስ ብግዲ ከድልየና እዩ። ነዚ ብዚርኢ ኣብ’ታ ኣቐዲምና ዝጠቐስናያ ናይ 2001 መልእኽቲ ዝተባህለ ኣሎ፣ “ሓፈሻዊ ናይ ዕርቅን ምሕረትን መንፈስ ከነማዕብል የድሊ። ካብ’ቲ ባሕርያውን ክርስትያናውን መዕበያና ከም ንግንዘቦ እቲ ምሕረት ዚገብር ዕዉት እዩ”[18]፣ ኣብ ወገን መንግሥቲ ጥራሕ ዘይኮነ፣ ብወገን ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ዕቱብ ኣቓልቦ ኪግበረሉ፣ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ መደባት ከኣ፣ ከም’ዚ ኣብ ቀረባ ዝረኣናዮ፡ ብስክፍታታትን ብሃንደበታውን ተለዋዋጥን ውሳኔታት ዝተሰነየ ዘይኮነስ፣ ርግጽነትን ግልጽነትን ኣርሒቕካ ምጥማትን ብዘለዎ ኣገባብ ኪቕጽለልና ሓደራ ንብል።

11. ዕርቂ እቲ ምስ ጸላኢኻ ጥራሕ ዚፍጸም ኣይኮነን፤[19] ምስ ርእስና’ውን ክንዕረቕ ኣሎና፣ ኅብረተሰብና’ውን እንተኾነ ዓሚቝን ሰፊሕን ናይ ዕርቅን ምምሕሓርን ምውህሃድን መንፈስ ኪለብስ የድልዮ። ዝተፈልየ ኣረኣእያ ምስ ዘለዎም ወገናትን ጉጅለታትን’ውን፣ ናይ ዕርቅን ስኒትን መደብ ንምዝርጋሕ ዚከኣል ዘበለ ኪግበር የድሊ። “ሓደ ሕዝብን ሓደ ልብን” ዚብል መርሕ’ውን፡  ንጣዕሚ ዘረባ ዘይኮነስ፣ ብግብሪ ምእንቲ ኪረአ፣ “ንሕና/ንሳቶም” ዚብል መንፈስ ሓዲግካ፣ ኵሉ ኣባል ኅብረተሰብን ወድ-ሃገርን ዚወሃሃደሉ ኵነት ኪፍጠር ግቡእ እዩ፣ እንተዘይኮነ “ንሓድሕዳ እትፈላለ ዅላ መንግሥቲ ትወድቕ፣ ንሓድሕዳ እትፈላለ ከተማ ወይ ቤት’ውን ኣይትቐውምን እያ፣”[20] ዚብል ቃል ወንጌልን፣ ናይ ባሕርያዊ ትዕዝብቲ ፍርድን ከምዘሎ ዘይምርሳዕ።

ስሙይን ውሩይን ኣፍሪቃዊ ክዋመ ንክሩማህ[21] ድማ ንኣፍሪቃውያን ኪምዕዱ ከለዉ፣“እንተ ሠሚርናን እንተ ሓቢርናን ብርቱዓት ኢና፣ እንተ ተመቓቒልና ከኣ ድኹማት ኢና፣ ዝሠመረት ኣፍሪቃ ኣብ ዓለም ናይ ሓደ ዓቢይ ሓይሊ ሠናይ ትእምርት ምዃና ዘይተርፍ እዩ” ይብሉ። ኣብ ግዳምን ውሽጥን ዘሎ ሕዝብና’ምበኣር ፣ እዚ ዝምሳሉን እቲ ዝባህሉን ወገን፡ ኵሉ ሠሚሩ ኪወሃሃድ ከሎ፣ ንናይ ሓባር ጸላኢና ድኽነትን ድንቍርናን፣ ንፍቅርቲ ሃገርና ንዚብድህ ንዝኾነ ጸገምን ጸብእን ዜሸንፈሉ ኃይሊ ኺረክብ፣ ናብ ምሉእ ቅዋማዊ ሥርዓትን፣ ዶቡን ወደቡን ናብ ዘረጋገጸ  ደረጃ ሃገርነትን፣ ናብ ምሉእ ርግኣትን፡ ንቡር ሰላማዊ ኵነትን ኪበጽሕ ምዃኑ ይረኣየና።

ብዓቢኡ ኣጸቢቕና ክንርድኦ ዘሎና፣ ነገራት ጽቡቕ ከም ዘየሎ እዩ፣ ስለ’ዚ ኸኣ ናይ ሕዝብና ወይ ናይ ሃገርና ህልውና ውሕስነት ኪረክብ እንተደኣ ኾይኑ፣ ዕርቅን ምሕረትን ዝሠረቱ መደብ ሰላም ክንሕዝ ከም ዚግባእ እዩ። ብሓጺሩ እቲ ብሓንሳብ ዝበቘለ፣ ካብ’ዛ ሓላል ምድሪ ዝፈልፈለ፣ ብሓንሳብ እንተማዕበለ እዩ ዜምዕረሉ፣ ስለ’ዚ ከም ሃገርን ሕዝብን መጠን፣ “ምእንቲ ከይንጠፍእ፣ ዕርቅን ምሕረትን ነምጽእ” እዩ ዚበሃል ዘሎ። ፈቲና ጸሊእና ፍርዲ ታሪኽ ብርግጽ ኣብ ልዕሌና’ዩ፣ ወይ ብዕርቅን    ምሕረትን ሓሊፍና፣ ሕውነትን ሓድነትን ኣደልዲልና ብሓንሳብ ምንባር ክንመሃርን ብዝበለጸ ክንተርርን ኢና፣ ወይ ከኣ ነዚ ብዘይምግባሮም ናይ ዝጠፍኡ ዓያሹ ኣብነትን “መስሓቕ ሸራፋትን” ኽንከውን ማለት እዩ።

12. ኵሉ ርኢናዮ፣ ኵነትና ምስ ናይ ካልእ’ውን ኣነጻጺርናዮ፣ ብርህትን ምዕብልትን መጻኢት ኤርትራ ክንርኢ እንተደኣ ኮይንና፣ ኵልና ኤርትራውያን ብሓባር ክንሰርሕ ኣሎና። ብሓባር ንምስራሕ ድማ ዕርቅን ምሕረትን ዳግማይ ውህደትን ከነካይድ የድሊ፣ እዚ ዕርቅ’ዚ ቀንዲ ሕመረቱ ሓድሕዳዊ ምሕረትን ይቕረታን እንኪ ኸውን፣ ኣብ ጽኑዕን ብርቱዕን መሠረት ሓቅን ፍትሕን፣ መሰልን ናጽነትን ዝተሓንጸ ኪኸውን ከኣ ግድን እዩ።

ስለ’ዚ ካብ ዘሎናዮ ማኅበረሰባውን ፖሊቲካውን ቅልውላው ክንወጽእ፣ ናብ ብሩህ መጻኢ ገጽና ክንስጕም እንተኾይንና፣ ክቡርን ምዕሩግን መውጽኢና ወይ ፈውስና ኪበሃል ዚከኣል፣ ኵሉ ወገን ተዓዋቲ ኮይኑ ዚርከበሉ መደብ ዕርቂ እንኪፍጸም፣ሓደ ዚውገነሉ እቲ ካልእ ዚሕቈፈሉ፣ ገለ ዚረብሓሉ ገለ ኸኣዚግለለሉ ዘይኮነስ፣  ብሓንሳብ ኾይንካ ናይ ዝሓለፈን ዚመጽእን ኃላፍነት ተሸኪምካ፣ ተመሓሒርካን ተወሃሂድካን እትስጕመሉ መደብ እዩ። እዚ ከም’ዚ ዝበለ መደብ፣ ዚከኣል ጥራሕ ዘይኮነስ ግዴታ እውን እዩ። እቲ ሠናይ ነገሩ ድማ፣ እዚ እቲ ኡንኮ መንገዲ ኣምላኽ፣ ድላይ ኣምላኽ ዚግለጸሉ፣ ኵሉ ኤርትራዊ ኸኣ ዚረብሓሉ ኣገባብ ምዃኑ እዩ።

ብሓጺሩ ኣምላኽ ነዛ ዘፍቅራ ሃገርን ንሕዝቡን ዘለዎ መደቡ “መደብ ዕርቀ-ሰላም” ስለዝኾነ፣ ኦ! ሕዝቢ ኤርትራ ንሰላምን ዕርቅን፣ ንሓድነትን ስኒትን ብዅሉ ልብኻ ድለያ፣ ርኸባ፡ ሰዓባ እውን!! ስለ’ዚ ካብ ድቃስ እትበራበረሉ እዋን ሕጂ እዩ፣[22] ተንሥእ! ንዝሓለፈ ዅሉ ብዕርቀ-ሰላም ዛዚምካ፣ ንቕድሚት ጠምት፣ እትኽተሎ መንገዲ ፈሊኻ ብስኒትን ሰላምን ሰጕም። ኣብ ዝሓለፈ ምእተዓመት ዘጋጠመካ፣ እቲ ቀንዲ ግድልካን ብድሆኻን፣ ብዕርቀ-ሰላም ኪብጻሕ ዝነበሮ ሥምረትን ሓድነትን እዩ።

ኣገባብ ዕርቀ-ሰላም

13. ኣድላዪነት ዕርቀ-ሰላም ካብ’ቲ ህልው ኵነታትና ዚውለድ እዩ። ጊዜ ዝበልዐን፡ ነኣና’ውን ዚበልዓና ዘሎ ጸገማት ሒዝና እንነብር ኅብረተሰብ ኢና። ከም ውልቀሰባት ከም ስድራቤታት፣ ከም ሕዝብን ሃገርን ንዚህልወና ጸገማት፣ ምኽንያቱ ወይ መሠረቱ ክንደልየሉ ባህርያዊ እዩ፣ ስለ’ዚ ከኣ ብሰንኪ እገሌ ምባል ስለ ዘይተርፍ፣  በዚ ምኽንያት’ዚ ኣብ ጽልእን ኣብ ድጉል ቂምን ቅርሕንትን ፍልልያትን ምንባር ኣይግባእን። ኣብ ኅብረተሰብን ሃገርን ሰላምን ህድኣትን ኪነግሥ እንተተደልዩ ድማ ቅድሚ ዅሉ መደብ ዕርቂ ኪፍጸም ኣለዎ። ናይ ዕርቂ መፍትሕን ፈላሚ ስጕምን ድማ ምሕረት እዩ። ማለት ምሕረት ምሃብን ምሕረት ምቕባልን እዩ። ምእንት’ዚ ናይ ሰላምን ፍትሕን ርግኣትን መድረኽ ኪመጽእ እንተ ተደልዩ፣ ነዚ መንገዲ ዕርቂ ምስ ከድካዮ፡ ምስ ደኸምካዮ ጥራሕ እዩ። በዚ ጕዳይ ዕርቂ ዝመጽአ፣ ኣብ ኅብረተሰብናን ዝሓለፈ ባህልናን ሃብታም ዝኾነ ተመክሮ ከም ዘሎና ክንዝክር የድሊ።

ቀዳሞትና ንዝኾነ ይኹን ዘጓንፍ እምባጓሮ ብኸመይ የደቅስዎ? ንዝጸልእዎን ንዝፈርሕዎን  ኣሕቂቖም፣ ወይ ከኣ ካብ ሃገር ኣልቂቖም ዲዮም? ነቶም ዝበደሉ ብዘይ ንሕስያ ቀጺዖም፣ ብዅሉ መዳይ ኣጥቂዖም፣ ዓዶምን ሰቦምን ከም ዚጸልኡ ብምግባር ዲዮም? ምሕረት ዝዓበየ መድኃኒት ምዃኑ፣ ነቲ ዚምሕርን ዚመሓርን ከም ዚፍውስ ረሲዖም፣ ዕርቀ-ሰላም ንዅሉ ዓወት ምዃኑ ዘንጊዖም ድዮም? ናይ ዓደቦና ኣገባብ ብርግጽ ተጻይ’ዚ ዅሉ እዩ፣ ኣብ ባይቶ ዓደቦ ሓደ ሰብ፡ በዓል በይኑ ሓሳብ ወይ ርእይቶ ኾይኑ’ኳ እንተተረኽበ፣ ለባማት ለሚኖም ምስ ኣሕዋት ኣሥሚሮም፣ ንዝበደለን ዝተበደለን ኣመሓሒሮም፣ ዘመን ብዘይስዕሮ መድኃኒት ይፍውሱን ይፍወሱን ከም ዝነበሩ ኢና እንርኢ። እዚ ካብ ውሽጣዊ ምሕረትን ሥምረትን ዚመጽእ ሓይልን ብርታዐን፣ ነቲ ብዋሕዶም ዚስከፉሉ ድኹም ጐድኒ ከምዝሸፈነሎም ከኣ ርኡይ እዩ።  

ዝሓለፈ ጕዕዞ ብዕርቂ ዛዚምካ ንቕድሚት ምጥማት፣ ነኣና ሓዲሽ ነገር ከም ዘይኮነ፣ ዚከኣል’ውን ምዃኑ ክንፈልጥ ይግባእ። ነቲ ኣብ መንጎ ውልቀሰባትን ጕጅለ-ታትን እነዘውትሮ፣ ብኣምላኽ ዝተዓደልናዮ ባህርያዊ ህያብ ዕርቅን ምሕረትን፣ ኣብ’ቲ ሃገራዊ ጕዳይ ዘይነውዕለሉ ዝኾነ ይኹን ምኽንያት የልቦን። ዝኾነ ይኹን ባእስን ኣምባጓሮን ኣብ ዝበጽሐ ይብጻሕ፣ ክንድ ዝጠፈአ ይጥፋእ፣ ኣብ መወዳእታኡ ብመደብ ዕርቅን ምሕረትን ከም ዚዛዘም ዘካትዕ ኣይኮነን።

14. ኵሉ ጊዜ ናብ ታሪኽ ተመሊስካ ምርኣይ ዚመስልዎ የለን፣ ወይ ድማ ኣብ ከባቢኻ ይፍጸም ንዘሎ ወይ ድሮ ንዝተፈጸመ ምዕዛብ ኣድላዪ እዩ። በዚ ዝመጽአ ኸኣ ከም እኒ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝበላ ሃገራት ዚህባና ኣብነት ወይ ትምህርቲ ኣሎ፣ ብዅሉ ዓይነቱን ኵነቱን ምስ’ቲ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ዚመዓራረ’ኳ እንተ ዘይብልና፣ ጸገም ግን ኣሎና፣ ክንሓብኦ ኸኣ ኣይንኽእልን። ከመይሲ ዝኾነ ይኹን ፍጻሜ ትምህርትን ኣብነትን ኣለዎ። እዛ ዝተጠቕሰት ሃገር፡ እዚ ኪበሃል ዘይከኣል ግፍዒ ዝተፈጸመላ፣ ኣብ ሥልጣን ዝነበሩ ውሑዳት ወገናት፣ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ሰፊሕን ዓሚቝን ጭቆና ዘካየዱላ እያ።

ናይ’ዛ ሃገር’ዚኣ መደብ ዕርቅን ምሕረትን ኣዝዩ ኣገዳስን ኣብነታውን ዚገብሮ ረቛሒ ኣለዎ። እቲ ዝተዓወተ ዝበዝሐ ወገን፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም ገፊዖም ዝተባህሉ ውሑዳት ዝኾነ ይኹን ናይ በቐል ስጒሚ ከይወሰደ፣ ዲሞክራሲያዊ ፖሊቲካዊ ሥርዓት ንምትካል ሓሊኑ፣ ሃገራዊ መደብ ሓቅን ዕርቅን ምሕረትን ብምእዋጁ እዩ። በዚ ዘደንቕ መደብን ኣገባብን እምበኣር ሕዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ዝኾነ ይኹን ኣብ ውሽጡ ዝጸንሐ ቅርሕንትን ብስጭትን ንዅሉ ንድሕሪት ሓዲጉ፣ ሓዲሽ ጕዕዞ ንምጅማር ተበጊሱ። እዚ መደብ’ዚ እማሜ ጥራሕ ኮይኑ ኣይተረፈን፣ ብዘደንቕ ኣገባብ ተፈጺሙ፣ ውጽኢቱ ካብ ትጽቢት ንላዕሊ ኮይኑ፣ ወሃ! ዘበለ ሕዝባዊ ሥርዓትን ስኒትን ኣብ’ታ ሃገር ኣንጺፉ፣ እነሆ ናብ ታሪኽ ሓሊፉ። ንሕና’ኳ ንዝክሮ ኣሎና። ኣቐዲምና ከም ዝረኣናዮ ግን፣ ዕርቀ-ሰላም ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ምህዞ ወይ ናይ ብሕቲ ጕዳይ ጥራሕ ኣይኮነን። ነቲ ናይ ኵሉ ዝኾነ፣ ግና ኵሉ ዘይጥቀመሉ ኣገባብን መደብን፣ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዓቕማ ኣብ ሓቅን ርትዕን ፍትሕን ተመርኵሳ ስለ ዝሰዓበቶ ኣዓዊትዋ፣ እነሆ ከኣ ኣስምዩዋ።

ሕንጸት ሃገርን፣ መደብ ዕርቅን ምሕረትን፣

15. ንዅሎም ደቅ’ዛ ሃገር፣ ንመራሕትን ንተመራሕትን፣ ንደገፍትን ንነቐፍትን መንግሥቲ፣ ብሓባር እነቕርቦ ናይ ሕንጸት-ሃገር ምሕጽንታ እንተ’ልዩ፣ ነዛ ኡነተይና መንገዲ ሓቅን ዕርቅን ምሕረትን ንኪኽተሉ እነቕርቦ ጥብቂ መተሓሳሰቢ እዩ። ናይ ኣፍ ጥራሕ ወይ ናይ ቃል-ዓለም ዕርቅን ምሕረትን ዘይኮነስ፣ ንዅሎም ወገናት ዚሓቍፍን ዚጥርንፍን፣ ዝኾነ ይኹን ደላይ ሰላምን ሠናይን፡ ደላይ ፍትሕን ዘይውገደሉ ኪኸውን ንጽበ። ሥምርትን ዴሞክራሲያዊትን፣ ናይ ኵሎም ኤርትራውያን ናይ ሓባር ቤትን ዝኾነት ሃገር፣ ሃገራዊ ሓድነትን ሥምረትን ክንሓንጽ እንተደኣ ደሊና፣ ንሓባራዊ ረብሓን ጥቕምን ሕዝብና ኪስራሕ እንተደኣ ተመኒና፣ ሓደ ኣብ ልዕል’ቲ ካልእ ናይ ቃላት እምኒ ካብ ምድርባይ ኪቝጠብ፣ ብሠናይ መንፈስ ተወዳዳሪ ደኣ’ምበር፣ ጸላኢ ተጻባኢ ዘይብሉ ሥርዓት ክንርኢ ዘኽእለና፣ እዚ መደብ ዕርቂ ጥራሕ እዩ።

እዚ ከም’ዚ ዝበለ መደብ ዕርቅን ምሕረትን፣ “ከም ፍርሓት ኪረአ’ውን የብሉን፣ ዝገደደ ከኣ ድኻምነት ዚገልጽ ዘይኮነስ፣ ብተጻዩ’ኳ ደኣ ትብዓትን መንፈዓትን፣ ድፍረትን ቈራጽነትን ሓድሓደ ጊዜ’ውን ጅግንነት ዚገልጽን ዜረጋግጽን እዩ። ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዘይኮነስ፣ ኣብ ርእስኻ እትጭብጦ ዓወት’ዩ፣ ክብርኻ ዜጕድል ዘይኮነስ ዜደልድል፣ እቲ ዝበለጸ ናይ ሰላምን ርግኣትን ናይ ሕውየትን ጥበብ ወይስ ኣገባብ እዩ”[23]። ኣብ ተግባራቱን ኵሉ ስራሓቱን መደብ ቅንዕና ዝተኸተለ፣ ኣብ መትከላቱን መንነቱን ዚተኣማመን ወገን፣ ንመደብ ዕርቅን ሰላምን ኣይፈርሖን’ዩ። ወይ ከኣ ሰብ ናብ ዕርቅን ሰላምን ዚኣቱ ምስ ፈርሐ፡ ወይ ምስ ሓመቐ ኣይኮነን። ናይ ብርታዐን ርእሰ-ምትእምማንን ምልክት እዩ። ምስ ግዳማዊ ኃይሊ ክንዕረቕን ሰላም ክንጭብጥን ዘይፈራሕና፣ ምስ ርእስና ምስ ናትና ከፍረሓና የብሉን። ኣጸቢቑ ዘሓይለና ከኣ እዚ ምዃኑ ዘይምርሳዕ። ካብ ኣብ ዓውዲ ውግእ ኣብ መድረኽ ሰላም ዚረአን ዙጭበጥን ጅግንነት ይደምቕ።

16. ኣብ ሕንጸት ሃገር፡ ካብ ዝሓለፈ ጕድለትን ዘይምትእምማንን፣ ካብ’ቲ ኵሉ ዘጋጠመ ጸገማትን ነጺሕካ ወይስ ናጻ ኮይንካ ብምርካብ፣ ኣብ ንጹሕን ብቑዕን መሠረት ምሕናጽ ማለት እዩ። እዚ ናይ ተኣማንነትን ትብዓትን ምልክት እዩ። ነቲ ዝሓለፈን ዘሎን ሓቂ፣ ነቲ ጕድለትካን ጌጋኻን ተቐቢልካ ምኽኣል፣ ሓያል ዝኾነ ናይ ዕርቅን ሰላምን መሠረት ምንባር ማለት’ዩ፣ ከመይሲ ኣብ ሓቅን ዕርቅን ዘይተመሥረተ ሥምረቱን ሓድነቱን ዝደኸመ ሃገር፣ መሠረቱ ሃሚሙ፣ በዝን በትን ብዚመጽእ ንፋስ ተለኪሙ ተለኻኺሙ፣ ኣብ ሓጺር ዕድመኡ ኪዓኑ ከም ዝተራእየ፣ ናይ’ተን ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ዝነበራ ከም ዩጎዝላቪያ ዝበላ ሃገራት ተመክሮ ግሁድ ኣብነት እዩ።

ምእንት’ዚ እቲ ብ1991 ዝተጀመረ ሕንጸት-ሃገር [nation-building] እንተደኣ በሓቂ ዕዉት ኪኸውን ኮይኑ፣ መሠረታዊ ዝኾነ ነገራት ኪህሉ ኣለዎ፣ እዚ ኸኣ ብዘይ ሌላን ጕሌላን ኵሉ ወድ-ሃገር ዘሳትፍ ኪኸውን፣ ኣብ መንጎኦም ዕርቅን ምሕረትን ኪነግሥ፣ ንዝሓለፈ ቝስልታት ዅሉ ዚፍውስን፣ ዜሕውን ኪኸውን ግዲ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽና ከም ዝተራእየ፣ ንሓውኻ ናይ ምንጻግን፣ ናይ ምንፍፋግን፣ ናይ ምብሓትን ታሪኽ፡ ካልእ ምሳል ወይ ርእይቶ ንዘለዎ ሓውኻ ምውጋድ....ወ.ዘ.ተ.፡ ከምዚ ዝበለ ናይ ዝሓለፈ ታሪኽና ዝንባሌ ብታሪኽ ኪሕደስ ኣድላዪ እዩ።  “ከርሲ እኖ ጕራጕራ ብምዃኑ” በብዓይነቶም ውሉድን ኣኅዋትን ዘፍርን ዚጸውርን ካብ ኮነ፣ እዛ ኤርትራ ሃገርናኸ ደኣ ነቶም ዝተፈላለዩ ደቃ ክትሓቍፍ ዘይምኽኣላ ስለምንታይ እዩ? ሃገር ከኣ ዝተፈላለየ ሓሳባትን ክእለትን ብዘለዎም ደቃ እያ፣ እትጽብቕ እትደምቕ። ስለ’ዚ ንዅሉ እተኣንግድ “ኣደ” ዝኾነት ሃገር ክትህልወና፣ ተዓሪቕና ተሓቛቝፍና ኣብ ጽላላ ክንምዕቈብ ናይ ኵሉ ኤርትራዊ ባህጊ እዩ፣ ኵነታቱ ዚጠልቦ እዋናዊ ሕቶን ግዴታን ምዃኑ ኣስተውዒልና፣ ብዝቐልጠፈ ነዚ ክንዕጠቐሉ ኣሎና።

17. ንሕና ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ እምበኣር፣ ነቲ መሠረታዊ ትምህርቲ ወንጌልን ካብኡ ዝፈልፈለ ትምህርቲ ቤተክርስትያንን ተመርኵስና፣ ንሠናይ ድልየት ንዝተበገሠ ዝኾነ ይኹን ጻዕሪ ሰላም፣ ብታሕጓስ ንቕበሎ፣ እቲ ዅሉ ዚግበር ሰላማዊ ሕንጸት-ሃገር ንገለ ወገናት ዜገልል፡ ንዅሉ ዘየጠቓልል እንተደኣ ኮይኑ ዘይንድግፎ እዩ።

ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ምስ ንብዓቶምን ትጽቢቶምን ንዘለዉ ደቅ’ዛ ሃገር ስደተይናታት ክንርስዖም፣ ከም ዘይረኣናዮም ክንከውን ኣይንኽእልን፣ ንብዓቶምን ሥቓያቶምን ናትና’ውን ንብዓትን ሥቓያትን እዩ። ወትሩ ጊዜ ድማ እቲ ብድሕሪ ኵናት ዚመጽእ መስርሕ ሕንጸት-ሃገር ንዅሎም ወገናት ዚሕውስን፣ ብዙኅነት ዜውሕስን ኪኸውን ኣለዎ፣ ከመይ ኣምላኽ ብምሥጢራዊ ሓልዮቱ ናይ ሓባር ቤትና ክትከውን’ዩ ነዛ ሃገር ሂቡና። ምእንት’ዚ ብዘይ ሓድሕዳዊ ምርድዳእን ምትሕብባርን ክንነብር ወይ ሃገር ከነመሓድር፣ ነዛ ሃገር ክንሓንጻ ወይ ብሓዲስ መልክዕ ኽንቀርጻ  ዘይከኣል እዩ። ንሕና ከም መጠን ዜጋታት ከኣ፣ ዓንደ-ገመል ኮይንና ነዛ ናይ ሓባር ቤትና ክንሓንጽን፣ ናሕሳ ክንጸውርን፣ ኣብኣ ክንነብርን ክንከብርን፣ ኣብ ትሕቲኣ ከነጽልልን ኣምላኽ ጸዊዑና ከሎ፣ ነዚ ጻውዒት’ዚ ሸለል ከም ንብል ዚገብረና ዝኾነ ይኹን ምኽንያት፣ ካብ ርእስና ዲዩ ወይስ ካብ ካልእ ኪህሉ ኣይግባእን። ነዛ ኣምላኽ ዝሃበና ጽብቕትን ምርቕትን ሃገር፣ ነኣይ ጥራሕ! ብዚብል ኣንነትን፣ በቲ ቀጺሉ ዚዓርግ ብልሽውነትን፣ ብሓባር ክነወግዶ ብዚግበኣና ካልእ ፈተናታትን ከይተዓኑ ዘየፍርሕ ኣይኮነን።

ክብረትን ሃብትን፡ ምቹእ ንብረትን ሕይወትን ክንረክብ እንተ ደሊና፣ ኣምላኽ ነኣና ኢሉ ኣብ ዝሃበና፣ ኣብ’ዛ ኣኅዋትና ደቅና ዝሓለፉላ ሃገር ደኣ’ምበር፣ ኣብ ካልእ ኪርከብ ኢልካ ምጽዓር፣ ናይ ታሪኽ ግርምቢጥ እዩ። ምስ ደቁ ኪራኸብን ናፍቖቱ ከውጽእን፣ ማኅበራዊ ጕዳያቱ ከሰላስልን ደቁ ከምስልን፣ ሕዝብና ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ምውሓዙ ብርግጽ ዜዅርዕ ተግባር ኣይኮነን። ነዚ ኵነት’ዚ ንምልዋጥ ንምግልባጥ’ምበኣር፣ ሓደ መሠረታውን ታሪኻውን ዝኾነ ውሳኔ ብምግባር፣ ብወለዶታት ኪዝከርን ኪኽበርን ዚነብር ቈራጽን ታሪኻውን ለውጢ ከነካይድ የድልየና። ንግዜኡ ኪመርር ይኽእል ይኸውን፣ ንዳሕራዩ ግን “እንቋዕ’ኳ ተገብረ” ዘብል ንወትሩ እናመቀረ እናተዘከረ ዚኸይድ፣ ኣብ ታሪኽ ከኣ ሚዛን ወርቂ ዚሕዝ ውሳኔን ፍጻሜን እዩ።

18. መንእሰያትና ብዓበይቶምን በቦታቶምን ዚኣክልን ዜድልን ኣብነትን ትብዓትን ተስፋን ንያትንዶ ተዋሂቡዎም? ኣብ’ቲ ዅሉ ስራሓትና ዚርእይዎ ከመይ ዝበለ ስእሊ እዩ? ንሃገር ከም ነሓሊ ይርድኡዶ? ወይስ ንረብሓና ማለት ንስምን ንኽብሪ-ርእስናን ኢና እንሰርሕ? ናይ ስራሕን ተወፋይነትን፣ ናይ ጽንዓትን ኣገልግሎትን መንፈስዶ ኣስሪጽናሎም? ብዚግባእ ንኺዓብዩ፡ ብስራሕ ንኺበስሉዶ ሓጊዝናዮም?  ብመንጽር’ዚ ሓዲሽ ወለዶ መንእሰይ ጋና ብዙሕ ዚበሃል ኣይምተሳእነን። ብሓጺሩ ምስ’ዚ ዕድሉ ዘይጸበቐሉ፣ ወይ ዘየጸበቕናሉ ንኡስ ወለዶ’ውን እንገብሮ ምትሕስሳብን ጸብጻብን ኣሎና፣ ብዓቢኡ’ውን ምስ መንእሰይና ዕርቂ የድልየና። ማለት ዘለዎ ሃለዋቱ ክንርደኣሉ፣ ኣብ ጸገሙ ኣሎናልካ ክንብሎ፣ ነኣይ ይጥዓመኒ ዘይኮነስ፣ ንውላደይ ነዚ ጽባሕ ዋሕስ ሃገር ዝኾነ ንኡስ ወለዶ ይጥዓሞ፣ ኣብ ንብለሉ መድረኽ ክንበጽሕ፣ ወይ ናብኡ ገጽና ከነምርሕ የድሊ። ብመንጽር’ዚ ንኡስ ወለዶ ዘምለጠና ዕድልን ዝተኸስረን ብዙሕ እዩ፣ በዚ ናይ ዕርቅን ሰላምን ተበግሶ ኪፍወሰልና ኪከሓሰልና ክንጽበ ከኣ ንቡር እዩ። ከም’ዚ እንተደኣ ገበርና፣ እቲ ኣብ ስደት ዚርከብ ናብ ዓዱ ዘማዕድወሉን ንምምላስ ዚሓስበሉን፣ እቲ ዘሎ ከኣ ምኻድ ዘይምነየሉ መድረኽ ተፈጢሩ ማለት እዩ።   

ካብ ቚ.1 - 18 ብድምጺ ንምክትታል!

19. ኣብ’ዚ ሥሙር መስርሕ ንኺሳተፉ፣ ንዝኾነ ይኹን ሕማቕ ብሕማቕ ንኸይምልሹ ሓደራ ንብል። ብሓገዝ ኣምላኽን ብትብዓት ሕዝብን፣ ብለባማት ደቅሃገርን ካብ’ቲ ናይ ራዕድን ስግኣትን፣ ካብ’ቲ ናይ ጥርጥርን ፍርሓትን ናይ ሸለልትነትን “እንታይ ገደሰኒ” ዝኣተናኡ ሃለዋትን ወጺእካ፣ ናብ ብሩህን መብርህን መጻኢ ገጽካ ምጥማት ከም ዘድሊ፣ ንዅሉ ኣብ ወጻእን ኣብ ውሽጥን ሃገር ንዚርከብ ሕዝብና ንዅሎም ሰብ ጽቡቕ ድላይ፣ ብጥብቂ እነተሓሳስቦምን፣ እነቕርበሎም ልመናን እዩ።[24] ርእሰ ሊቃነጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ 2’ውን፣ ኣብ’ታ ናይ 2005 ናይ ዘመነ ጵጵስናኦም ዛዛሚት መልእኽቲ ዕለተ ሰላም ተመሳሳሊ ሓሳብ የቕርቡ። ነቲ ክፉእ ብሠናይ ንምሽናፉ ዚግበር ቃልሲ ኣድማዕን ዕዉትን ኪኸውን፣ ተግባሩን ኣጽዋሩን ኵሉ “ኣጽዋር ፍቕሪ” ኮይኑ ምስ ዚርከብ እዩ።[25] ሠናይ ኣብ ልዕሊ ክፉእ ኪዕወት ከሎ፣ ፍቕሪ ጸብለል ኢሉ ማለት እዩ፣ ፍቕሪ ኣብ ዘንጸብለለሉ ከኣ ሰላም ኪዕወት ይኽእል። “ነቲ እከይ ደኣ ብሠናይ ገቢርካ ሰዓሮ’ምበር፣ በቲ እከይ ኣይትሰዓር”[26]።

ምእንት’ዚ ሓድሕድ እንካሰሰሉ እንዋቐሰሉ ኣገባብ፣ ጊዜኡ ከም ዝሓለፈ ከም ዘኽሰረና፣ ዝኾነ ዓይነት ረብሓ ከም ዘይሃበና ተረዲእና፣ ካብ ልክዕ ንላዕሊ ተቛሲልና ኢና’ሞ፣ ካብ ሕጂ ንደሓርስ የብቅዕ ክንብል የድሊ። ነዚ ኵነታትዚ ንምልዋጥ ብዚግባእ ኪስራሕ ይግበኦ። ብኻልኦት ክንልወጥ ኢልና ክንጽበ የብልናን። ልባትናን ኣንፈትናን ኵሉ ናብ ምንጻሕን ምልዋጥን ገጽና ከነብሎ ይግባእ። ኣብ ልቢ ሰባት ሓቀይና ምሕረትን ይቕረታን እንተ ዘይነጊሡ፣ ዝኾነ መስርሕ ሰላም ኪህሉ ኣይኽእልን፣ ከም’ዚ ዝበለ መሠረት ዘለዎ ኣገባብ እንተ ዘይሃለወ፣ ዝለገመ ቝስልታት ተነቓኒቑ፣ ኣብ ዳሕረዋይ ንኡስ ወለዶ ዘይዕገት ስምዒት ይቕስቅስ። ንዕንወት ዚዕድም ሰንሰለታዊ ተግባራት የበግስ። እቲ ኣንጻራዊ ናይ ጊዜኡ ሰላም ድማ፣ ናብ ካልእ መጻኢ ሁከትን ዘይፍሉጥ ኵነትን ሓጺር መሰጋገሪ፣ ወይ ከኣ ናይ ረብሓ ውሑዳት መጋበሪ ጥራሕ ኮይኑ ምእንቲ ኸይተርፍ፣ ብሡረ-መሠረቱ ምሓዙ፣ ስለ’ዚ ከኣ ምሕረት ምሃብን ምቕባልን፣ ኣብ ጕዕዞ ሰላም ቐንዲ ረቛሒ እዩ። ነዚ ዋና መጋበሪኡ ድማ “ምርኻብ” “ምልዛብ” እዩ።

20. ኣብ ርክብን ልዝብንከ እንታይ እዩ ዚድለ? ኣብ ዘተን ልዝብን እቲ ቀንዲ መሠረት ኪበሃል ዚከኣል፣ ነቲ ሓቅን ርትዕን ዘበለ ሃሰስ ምባል እዩ፣ በዚ ኸኣ ክልቲኡ ወገን ኣብ ሓደ ነጥቢ ኪመጽእ ይኽእል። ነዚ ዘተ ኣካዪድካ፣ ኣብ’ቲ ጠርናፊ ነጥቢ ንምብጻሕ፣   ርሑውን ተቐባባልን መንፈስ ሒዝካ ምቕራብ የድሊ፣ ኣቐዲምካ ቅድመ ኵነት ምንባር’ውን ከም ዘየዋጽእ ፍሉጥ እዩ። ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ዘተ ክትኣቱ ከሎኻ፣ ናይ’ቲ መቓርብትኻ ወይ መላዝብትኻ ፍሉይ መንነትን ኵነትን ሠናይ ድልየትን ተቐቢልካ ኣኽቢርካ ምኽኣል የድሊ። ብሓፈሻኡ ዘተ ወይ ዲያሎግ ነቲ ሓባራዊ ንሰባት ዚጥርንፍ ሠናይ ዘበለ ምድላይ እዩ፣ እቲ ካልእ ወገን ልክዕ ከማኻ ሓላፍነት ከምዘለዎ ምርዳእ፣ ሓውኻ ብጻይካ ኮይኑ ምሳኻ ዚሓስብን፣ ብማዕርነት ኣብ ተግባር ዚጽመድን ገቢርካ ምሕሳቡ የድሊ።[27]

ብተፃዩ ንዘተ ሓድሓድ ዚዕንቅጽ’ውን ኣሎ፣ ነፍስወከፍ ወገን ተሳታፊ ዘተ፡ ንርእሱ ናይ ኵሉ መለክዒ ብምግባር፣ ንኻልእ ጽን ኢሉ ንኺሰምዕ ፈጺሙ ዘይምድላይ፣ ናብ ኣንነትን ጸብለልትነትን ምዝንባል ሓደገይና ከምዝኾነ፣ ዘየቀራርብን ስምዒትን ዘለዓዕልን ቋንቋ ድማ፣ ሓቅን ቅንዕናን ስለ ዘይብሉ ንመደብ ዘተን ልዝብን ጠንቁ እዩ።[28]

ዕርቂ እንታይ ማለት እዩ?

21. ዕርቂ ኪበሃል ከሎ፣ ዝተፈላለየ ርድኢት ከስምዕ ይኽእል። ዝኾነ ይኹን ግርጭትን ዕግርግርን ኣብ ዘጋጠመሉ ኵነታት፣ ስኒትን ስምምዕን ኪነግሥ ከሎ  ዕርቂ ወሪዱ ይበሃል፣ ኣብ መንጎ ክልተ ተጻባእቲ ወገናት ዝጸንሐ ባእስን እምባጓሮን ከብቅዕ ከሎ፣ ከምኡ  መደብ ዕርቂ ይፍጸም ማለት እዩ፣ ንኻልኦት ድማ ዕርቅን ሰላምን ማለት፣ ብዝሓለፈ ኵሉ ብምምሕሓርን ብምሕዳግን  ጀሚሩስ፣ ኣብ መድረኽ ሰላም ዚዛዘም መደብ የስምዕ።

ንኽርስትያን ኮነ ንኻልኦት ኵሎም ደለይቲ ሠናይ፣ ዕርቂ ማለት እዚ ዝተባህለ ከስምዕ ዚኽእል’ኳ እንተኾነ፣ ብፍላይ ክርስትያን ከም ዚርድእዎ ግን፣ መደብ ዕርቅ-ሰላም ነቲ ብስራሕ ድኅነት ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ኣምላኽን ዓለምን ዝተዓረቑሉ ኵነት ዚርኢ እንኪኸውን፣ ኣብ’ዚ ዓለም’ዚ ዝተራእየ ዝዓበየ ስራሕ ቅድስት ሥላሴ እዩ፦ ኣምላኽ ነቲ ኡንኮ ወዱ ናብ’ዚ ዓለም’ዚ ብምልኣኽ፣ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ዓለምን ዕርቂ ወሪዱ፣ ክርስቶስ ዳግማይ ክሳብ ዚመጽእ፣ ምልኣትን ፍጽምናን ዘለዎ ዕርቂ ክሳብ ዚፍጸም፣ ነዚ ዝወረደ ዕርቂ ክሳብ መፈጸምታ ዘመን ዚሕልዎን ዜጽልሎን ድማ ባዕሉ ኣምላኽ በቲ ኣብ ሰባት ዘፍሰሶ ቕዱስ መንፈሱ ኣቢሉ እዩ።

22. እዚ ዕርቂ [Reconcilaition] ዚብል ቃል ብቓሉ’ኳ፣ ኣብ መጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳን እንተ ዘይረኸብናዮ፣ ናይ ዕርቂ ዛንታታት ግን ኣሎና። ናይ ያዕቆብን ኤሳውን[29]፣ ዮሴፍን ኣኅዋቱን[30] ከም ኣብነት ይጥቀስ። ኣብ ብሉይ ኪዳን ሕልፊ ኣተኵሮ ዚረክብ ቃል፣ እቲ ናይ “ካሕሳ” ሥርዓት [atonement] ዚገልጽ፣ ኣብ ዓመት ሓደ ጊዜ ዚፍጸም ሥርዓት ኮይኑ፣ ኃጢኣት’ቲ ሕዝቢ ዚድምሰሰሉ፣ ምስ ኣምላኹ መደብ ዕርቂ ፈጺሙ፣ ኣብ ቅኑዕ ርክብ ዚኣትወሉ[31] ፍቕሩን ኪዳኑን ዜሓድሰሉ ኵነት ይገልጽን የረጋግጽን።

ኣብ ሓዲስ ኪዳን ድማ ተመሳሳሊ ዛንታ ዕርቂ ንረክብ። ከም ኣብነት ናይ’ታ ዝጠፈአት’ሞ ዝተረኽበት በጊዕ ምሳሌ፣ ናይ’ቲ ጥፉእ ወዲ ምሳሌ ምጥቃስ ይከኣል፡[32]። ዕርቂ ዚብል ቃል ኣብ ሓዲስ ኪዳን እንረኽቦ ኣውራ ኣብ ጽሑፋት ቅዱስ ጳውሎስ እዩ። ጥንቲ ብጥቅምቲ ንዓለማዊ መደብ ዚርኢ፣ ”ኣብ ጊዜ ኵናት ንዚግበር ሰላም” የመልክት፣ ከምኡ ድማ ንፍትሕ ናብ ቤትፍርዲ ቀሪቦምስ፣ ተመሊሶም ሰላም ንዚገብሩ ሰብ-ሓዳር ዜስምዕ ቃል ነይሩ ይበሃል።

ኣብ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ጽሑፋት እንተደኣ ኮይኑ፣ ክርስቶስ ኣብ’ዚ ዓለም’ዚ ንዝፈጸሞ፣ ንዓለም ምስ ኣምላኽ ናይ ምትዕራቕ ተግባር[33]፣ ንኣይሁድን ንኣሕዛብን[34]፣ ወይ ከኣ ንዓለም ምስ ኣምላኽ ዘተዓርቐሉ ኣገባብ[35] የመልክት። እዚ ክርስቶስ ዝፈጸሞ ተግባር ዕርቂ ሎሚ ኣብዚ ምድሪ-ዓለም ይቕጽል እንተ’ልዩ፣ በታ ስራሕ ክርስቶስ ንኽትቅጽል ሕድሪ ዝተዋህበት ቤተክርስትያን እዩ[36]። ስለ’ዚ ንሕና’ውን ከም ናይ ቤተክርስትያን ልኡኻት፣ ምስ ቅ. ጳውሎስ ሓቢርና፣ “ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኮይንና ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ”[37] ንሓድሕድኩም እውን ተዓረቑ እናበልና ነማሕጽን። ኣብ ኵሉ’ቲ ዚካየድ መደብ፣ ዕርቂ ባዕሉ ብባዕሉ ኣይመጽእን’ዩ፣ ኪጽለየሉ፡ ኪስረሓሉ ኪድከመሉ እውን የድሊ፣ ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ናይ ጽልእን ጥርጥርን ህሞት፣ ኵሎም ወገናት ብርሑው ኣእምሮን፣ ነቲ ኻልእ ወገን መቓርብትኻ፣ ብምእማንን ብምፍቃርን ኪጅምሩ  ኣለዎም።

23. ብወገን ክርስትና እዚ ዕርቂ ዚብል ሓሳብ፣ በዚ ዚስዕብ ነጥቢታት ኪጠቓለል ይከኣል፦

1)     ዕርቀ-ሰላም ቅድሚ ዅሉ፡ ናይ ኣምላኽ ስራሕን ህያብን እዩ፣ ነዚ ዕርቀ-ሰላም ኣባና ከም ዚሰርሕ ዚገብሮ ኣምላኽ ባዕሉ እዩ።

2)    ብመሠረት’ዚ ክርስትያናዊ ርድኢት፣ መስርሕ ዕርቂ ዚጅምር፣ በቲ ገባር ክፉእ ዘይኮነስ፣ በቲ ግዳይ ንምዃን ዝተገደደ እዩ።

3)    መደብ ዕርቂ ኣብ ዚፍጸመሉ ዅሉ፣ እቲ ዓማጺ ኮነ እቲ ግዳይ ክልቲኣቶም “ሓደስቲ ፍጥረት” [38] ይኾኑ።

4)    ብዝተፈላለየ መንገድን ኣገባብን፣ በደል ዝፈጸመ ወገን ኸኣ፣ ጌጋኡ ኪእመን ኪጠዓስ ኣለዎ፣ ዘኬዎስ “ጐይታይ! ዝዓመጽክዎ እንተሎ’ውን፣ ኣርባዕተ ዕጽፊ ገቢረ እፈድዮ”[39] ከምዝበለ፣ክትእመን፡ኽትጠዓስ፡ ኽትክሕስ’ውን የድሊ።

5)    ንገበርቲ ክፉእ’ውን ግዳያትን ናብ ሓዲሽ ፍጥረት ዚልውጥ፣ እቲ ሥቓያትን ሞትን ዝተቐበለ፣ መወዳእታኡ ከኣ ዝተንሠአ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።

6)    ክርስትና ብዛዕባ ዕርቂ ዚህቦ ርድኢት፣ ብዛዕባ ዓለምን ዕላማኡን ድማ ነቲ ዓሚቝ ሓቁ ዚገልጸልና ንሱ እዩ።

ሀ) ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ሓይሊ ክፍኣት ከም ትርዳእ ይገብር፣ ዕርቂ ብቐዳምነት ኣምላኻዊ ተግባር’ኳ እንተኾነ፣ ክርስትያን ብዚገብርዎ ንጡፍ ተሳትፎ ነቲ  ዕርቂ ኸቀላጥፍዎን፣ ኣብ’ቲ መደብ ኣምላኽ ከበርክቱን ከምዘለዎም የኣምኑ። ኣብ መጨረሻ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ክፍኣት ዚዕወትን ዘዓውትን፣ መደብ ስራሕ ኣምላኽ  እዩ።

ለ) መስቀል ክርስቶስ፣ ኣምላኽ ንዓለም ዝሰዓረሉ፣ ነቶም ኣይሁድ ዕንቅፋት፣ ንግሪኻውያን ድማ ዕሽነት እዩ”[40]። ስለ’ዚ ድማ ኣብኡ እቲ ኡነተይና ሓይሊ ሰላም ከም ዘሎ ይነግረና።

ምሕረትከ እንታይ ማለት እዩ?

24. “እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝኾነ ኣምላኽ፣ ምእንት’ታ በኣኣ ገቢሩ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ፡....ነኣና ሕያዋን [ሕይወት ዘለዎም] ገበረና”።[41] “ምሕረት” ኪበሃል ከሎ ቅድም ቀዳድም፣ ናይ ነፍስወከፍ ሰብ ውሳኔ ዚሓትት፣ ንሕማቕ ብሕማቕ ኽትፈዲ ንዚድርኽ ባህርያዊ ስምዒትካ ምምላኽ ማለት እዩ። ከም’ዚ ዝበለ ኣገባብ መሠረቱ እቲ ፍቕሪ ኣምላኽ እዩ፣ “ኦ ኣቦይ! ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም’ሞ ይቕረ በለሎም”[42]። እዚ ማለት ግን ንግባራውነቱ ከምኡ’ውን ንሰብኣዊ ወገናቱ ዘይከኣል ዚገብሮ ኣይኮነን። እኳ ደኣ ኣብ ሃለዋትን ተመክሮን ሰብኣዊ ሕይወት ዝተሰረተ እዩ። ሰባት ከም ዚጋገዩ ብኡብኡ ዚርድእዎ ነገር’ዩ። እቶም ካልኦት ወገናት ከኣ ከም’ቲ ናታቶም ጌጋ ከም ዚገብሩ ምርዳእ፣ ከም’ቲ ነኣኻ ሰባት ኪርድኡኻን ኪምሕሩኻን እትደልዮን፣ ነቶም ካልኦት ከምኡ ዝበለ ኣገባብ ክትፍጽም የሓትት። እቲ ወንጌላዊ ቃል’ውን፣ “ከም’ቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ኵሉ፣ ንስካትኩም’ውን ከምኡ ግበሩሎም”[43] እዩ ዚብል። እዚ ኣገባብ’ዚ ነቲ መጻኢ ብሓባር ንምጥማት ዜኽእል እዩ።

ምሕረት ናይ ኅብረተሰብ ኣገባብን መደብን ቅድሚ ምዃኑ፣ ኣብ ልብታት ዚሰፍን ኵነት ኪኸውን የድሊ። ካብ ሰብኣዊ ልብታት ዚፍልፍል ኣንፈት ምስኮነ፣ ናይ ምሕረት ስነምግባርን ባህልን ኣተሓሳስባን ኣነባብራን ምስ ማዕበለ፣ ሽዑ ምሕረት ዝኣተናኡ ኣነባባር ወይ ኣከያይዳ ማለት “ፖሊቲካ” ይምዕብል፣ ኣብ ሕግታትን ፖሊሲታትን ኅብረተ-ሰብ ዚግለጽ፣ በኣኡ ኣቢሉ ከኣ፡ ፍትሒ ዚረጋገጸሉ ኣገባብን መደብን ኪመጽእ ይኽእል።

25.  “ ምምሓር ክንብል ከሎና፣ ገለ ነገር ንገብር ወይ ንህብ ከም ዘሎና ኮይኑ ይስመዓና ይኸውን፣ ከምኡ ግን ኣይኮነን፣ ገለ ተሰዊሩ ወይ ተኸዊሉና ዝነበረ መዳይ ኢና እንረክብ። ንሕና’ውን ከም’ቶም ክንምሕሮም ዘሎና ሰባት፣ ከም’ቶም ጐዲኦምና ወይስ ሃስዮምና እንብሎም ሰባት ምዃንና፣ ካብ’ኣቶም ከም ዘይንፍለ፣ ከም ኣቶም ድኹማት ምዃንና ኢና ነረጋግጽ። ስለ’ዚ ከኣ መብዝሕትኡ ጊዜ ክንምሕር እንኽእል፣ ክንምሕር ብቕዓት ከም ዘይብልና፡ [ንሕና’ውን ከም ዝበደልና] ኣብ ንርደኣሉ ደረጃ ምስ በጻሕና እዩ”[44]። ምእንት’ዚ ኸኣ ንመሓርን ተመሓርን ማዕረ ዜምጽእ ደኣ’ምበር፣ ልዕሎን ትሕቶን ዚገብር፣ “ነቲ ዚመሓር ከም ዚዋረድ ከምዚትሕት ዚገብር እምበር ከም ዚዕረቕ ከምዚዕረ፣ በቲ መባእስቱ ተቐባልነት ከም ዚረክብ ዚገብር፣”[45] ኣይኮነን።  “እዚ ዚመሓር ዘሎ ክፉእ እዩ፣ ኣነ ግና ቅኑዕ እየ...” ዝዓይነቱ መንፈስ ዘለዎ ኣገባብ፣ ንዕርቂ ዘይኮነ ንጠንቂ ከይኸውን ምጥንቃቕ የድሊ።

እቲ ናይ ክርስትና ስምዒትን ርድኢትን ምሕረት፣ ካብ’ቲ ብኸምኡ ዚወሃብ ደረት-ኣልቦ ፍቕሪ-ኣምላኽ ዚብገስ እዩ። ዝኾነ ይኹን ደረት ዘይብሉ፣ ዝኾነ ይኹን ውዕሊ ዘይግበረሉ ፍቕሪ እዩ። ካብ’ቲ ፍቕሪ ኣምላኽን ምሕረቱን ዚፍልፍል ውሽጣዊ ሃለዋት ዚገልጽ እዩ። ነቲ ጸላኢና እንብሎ ሕማቕ ኪረኽቦ እንተሓሲብና፣ ተስፋ ከም ዝቘረጽና፣ ካልእ ከምዘይመረጽና፣ ኣብ ጽልእን ጸብእን ተኣሊኽና ካብኡ ክንወጽእ ድልየትን ክእለትን ከምዚጐድለና፣ ስለ’ዚ ናብ ቅብጸት-ተስፋ ገጽና ምኻድና የመልክት።   

እዚ ንውልቀሰባት ጥራሕ ዘይኮነስ ንዅሉ ወገን ዚርኢ እዩ፣ ስድራቤታት፡ ጕጅለታት፡ ኅብረተሰብ፡ ሃገራት፡ መንግሥታት፣ ንርእሱ እቲ ዓለምለኸ ማኅበረሰብ፣ ነቲ ኵሉ ፋሕ ዝበሎን ዝተዘናበሎን ከተዓራሪ፣ ንመጻኢ ዚሓይሽን ዜሓድስን ዚብሎ ኣገባብ ኪሕዝ እንተኾይኑ ምሕረትን ይቕረታን የድልዮ። እዚ ናይ ምምሓርን ምምሕሓርን ክእለት’ምበኣር፣ እቲ ብፍትሕን ብርትዕን ዚፍለጥ መጻኢ ኅብረተሰብ ዚሕነጸሉ ጽኑዕ መሠረት እዩ። ብኣንጻሩ ከኣ ኣብ መደብ ምሕረትን ይቕረታን ዘይምዕዋት ማለት፡ መጻኢ ዕድልካን ዕጫ ሃገርካን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ማለት እዩ።

ፍትሒ፣

26. “ፍትሒ ወትሩ ምስ ሰላም ተጣሚሩ ዚኸይድ፣ ብተግባር ኪረአ ከሎ’ውን ምስ ሰላም ተኣሳሲሩ ዚርከብ እዩ። ፍትሕን ሰላምን ናብ ረብሓ ኵሎም ወገናት  ዝዓለመ ስለዝኾነ፣ ወትሩ ኣብ መደብ ሓቅነት ዝተመርኰሰ እዩ። ሓደ እንተ ተነኺኡ፣ ክልቲኡ ይነቓነቕ፣ ፍትሒ ኪጐድል ከሎ፣ ሰላም ትብደል ኣብ ሓደጋ’ውን ትወድቕ ማለት እዩ”[46]።

ኣብ ጕዕዞ ዕርቂ እቲ ቀዳማይ ስጕሚ፣ ወትሩ መደብ ፍትሒ እዩ። ስለ ምንታይ እዩ “ፍትሒ” ዚድለ? ነቲ ኅሊና ፈጣሪና ኣምላኽ ተኸቲሉ፣ ኅብረተሰብ ብቕኑዕ ርክባትን ሃለዋትን እንኪምራሕ ፍትሒ ነጊሡ ይበሃል። ስለ’ዚ ኣብ መንጎ ፈጣርን ፍጡርን፣ ኣብ መንጎ ሰባትን ሰባትን፣ ኣብ መንጎ ሰባትን ፍጥረትን እውን፣ ኣብ ቅኑዕን ብቑዕን ርክባት ኪብጻሕ ከሎ፣ ሽዑ ፍትሒ ኣሎ ንብል። ፍትሒ ዘይብሉ ኅብረተሰብ ሰላም ኣለዎ፣ ዕርቂ ወሪድዎ ኢልካ ምዝራብ ፍጹም ዘይሕሰብ እዩ። “ፍትሒ ብኽልቲኡ መዳይ ኪረአ ዚከኣል እዩ። በቲ ሓደ መዳይ ሞራላዊ መንፈሳዊ ኃይሊ እዩ፣ በቲ ኻልእ ወገን ድማ ናይ ሕጊ ጕዳይ’ውን እዩ።...ናብ ሰላም ዚመርሕ’ምበር ናብ በቐል ዜብጽሕ ኣይኮነን፣ ብሡረ መሠረቱ ኪረአ ከሎ’ውን ኣብ ፍቕሪ ዝተሓንጸ ስለዝኾነ፣ ሓቀይና መግለጺኡ ኣብ ምሕረት እዩ። ስለ’ዚ ፍትሒ ካብ’ቲ ምሕረት ዝዓዘዞ ፍቕሪ  [merciful love] እንተደኣ ተነጺሉ፣ ደረቕን ዝሑልን ይኸውን”[47]።

ሓቂ እንታይ ማለት እዩ?

27. ኣብ ኅብረተሰብ ዕርቀ-ምሕረት ወሪዱ ፍትሕን ሰላምን ዚነግሥ፣ ኅብረተሰብ ዳግማይ ዚሕነጽ፣ ኣብ ሓቂ ዝተሠረተ ጕዕዞ ምስ ዚሕዝ ጥራሕ’ዩ። ብመደብ ዕርቀ-ሰላም ኪብጻሕ ዚድለ መድረኽ፣ መሠረቱ ሓቂ ኪኸውን ኣለዎ። ዚበዝሕ ዓመጽን ፍልልይን፡ ሌላን ጕሌላን፡ ጽልእን ባእስን መሠረቱ ሓሶትን ሓሳዊ ሓበሬታን እዩ።

ብዛዕባ ኅብረተሰብ፣ ብዛዕባ ረብሓኡን መጻኢኡን ዚወሃብ ሓበሬታን ኵሉ ኣብ ሓሶት ዝተመርኰሰ ምስኮነ፣ ዝደለኻዮ ወይ ዝሓሰብካዮ ንምፍጻም፣ ካብ ዝበዝሑ ሓባቢእካ ሓባቢልካን ዚግበር እንተኾይኑ፣ ንግዜኡ ገለ ዘጨብጥ ይመስል ይኸውን፣ ግና ዘየዓውት እዩ፣ ዝኾነ ይኹን ነገር ካብ ኵሉ ሰብ፡ ንዅሉ ጊዜ ክትሓብኦ ዘይከኣል እዩ። ”ሓሶት እንተ ተደጋገመ ሓቂ ይመስል”፣  ወይ ከኣ “[ሓሳዊ] ፕሮፓጋንዳ እውን ፍርቂ ሓይሊ እዩ” ዚብል “ብልኃት ማኪያቬሊ”[48] ዝተኸተለ ኣገባብ፣ እቲ ቀንዲ ጠንቂ ሰላምን፡ ፀረ ሰብኣዊ መሰልን እዩ። ነዚ ብልኃት’ዚ ዚኽተል ሰብ፣ ዝኾነ ይኹን ነገር ንምፍጻም ዚጥቀመሉ መጋበሪ፣ ቅኑዕን ዘይቅኑዕን ምዃኑ ኣየገድስን ብዚብል ሓሳብ ይምራሕ። ንቕኑዕ ዕላማ ሰላም’ውን ብመንገዲ ሰላም ደኣ’ምበር፡ ዘይቅኑዕ ኣገባብ ምኽታል ኣይግባእን። ብዛዕባ’ቲ ዚምራሕ ሕዝብን መሰላቱን ጥራሕ ዘይኮነ፣ ብዛዕባ መሪሕነትን ኣብ ሥልጣን ዘሎ ወገን’ውን እንተኾነ፣ ኵሉ’ቲ ሓቂ ኪስወሮ፣ ምትእምማን ኪርሕቕ ከሎ፣ እቲ ኅብረተ-ሰብ ኣብ ሃማሚ መሠረት ከም ዝተሓንጸ የርኢ።

ገባር ክፉእን፡ እቲ ኣብ ክፍኣቱ ኪነብር ዚደልን ብዝገደፍካ ከኣ፣ ሓቂ ንማንም ኣይተፍርሕን እያ፣ ምኽንያቱ ሓቂ ክንብል ከሎና ናይ ዝተፈላለዩ ሰባት ሓሳባትን ርድኢትን ናብ ሓደ እትጥርንፍ፣ ኣቐዲሙ ተጻራሪ ንዝነበሩ ወገናት ነቲ ዜሕብሮም መዳይ እተርእዮምን፣ ነቲ ናይ ትማሊ ዘይትምእምማን እትቕንስ ወይ ፈጺማ እተልግስ፣ ፍትሕን ኅውነትን ስኒትን ንዝመልኦ ናይ ሰባት ሰላማዊ ሕይወት መንጸፍ እትዝርግሕ እያ። ምእንት’ዚ “ሓቂ ናይ ሰላም ሓይሊ ስለዝኾነት፣ በቲ ግቡእ ናይ ሰላም መጋበሪ ተጠቒምና ንሰላም ከነደልድላ የድሊ[49]።

28. ንሓቂ ብምልእታ ክንውንና ኢልካ ምዝራብ ድፍረት ይቝጸር ይኸውን፣ ከም’ዚ ዝበለ ክእለት ዝተዓደለ ሰብ የልቦን፣ ግና ናብ ሓቂ ገጹ ዝዓለመ ምብግጋስን ምንቅስቓስን፣ ብኻልእ መዳይ ከኣ ስኽፍታ ብዘይብሉ ኣገባብ ኣብ ሓሶት ምድቃስን፣ በበይኑ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ክንድ ሰማይን ምድርን ዚረሓሓቕ እዩ።

በዚ ምኽንያት’ዚ ዝኾነ ይኹን ዚግበር ናይ ፍትሕን ዕርቅን መደባት ኣብ መወዳእታኡስ፣ ናብ መደብ ሓቅን ዕርቅን ኪልወጥ ግዲ እዩ። መደብ ሓቂ ምኽታል ማለት እዚ ዚስዕብ መልክዕ ወይ መሥርዕ ኣለዎ።

ሀ) ኣብ ዝሓለፈ ዝተገብረ ዅሉ፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝወረደ ሞትን ሕልፈትን፡ ጭቈናን ውርደትን ብዚርኢ፣ እቲ ዝተባህለን ዝተገብረን ኵሉ፣ ሓቁ ከም ዚፍለጥ ምግባር የድሊ፣ ብዙሕ ጊዜ ነቶም ግዳያት ዝኾኑ ወገናት እቲ ሕልፊ ዚግድሶም ሓቁ ምፍላጥ እዩ፣ ከመይ ፍትሒ ፈጺምካ ወይ ጨቢጥካ እውን ነቲ ዝሓለፈ ዝተቐስፈ ሕይወት ኣይትመልሶን ኢኻ።

ለ) ንሓቂ ቍሊሕ ዘብለና ድማ፣ እቲ እንምነዮ ሓዲሽ ኅብረተሰብ ኣብ ሓቅን ርትዕን ምእንቲ ኪሕነጽ እዩ። እቲ ዝሓለፈ ዘቝሰለና ንኸይድገም እዩ። ስለ’ዚ ኣብ ሓቂ ዝተተኽለ ሓዲሽ ኅብረተሰብ የሃልወና። ኣብ ሓሶትን ኣብ ሽፍንፍን ኣገባባትን ዚምርኰስ ወትሩ ገለ ኪሕባእ  ዚድለ ምስ ዚህሉ’ዩ፣ ነዚ’ምበኣር ብግልጽነትን፣ ብናይ ነገራት ሓቀይና ፍልጠትን ምትካኡ ማለት እዩ።

ሐ) ሓቂ ብመደብ ፍቕርን ትሕትናን ደኣ እያ እትብጻሕ’ምበር ብመን ከማይ ብጃህራን ፈኸራን ኣይኮነትን። እንተ ዘይኮይኑ ተመሊሱ ናብ ካልእ ጌጋ ናብ ዚመርሕ ትዕቢት ምውዳቕ ዘይተርፍ እዩ። ብመንፈስ ትዕቢትን ጃህራን ዝተታሕዘት ሓቂ ግና፣ ተተሃላልኽንን ተታርኽን ደኣ’ምበር ናብ ሰላምን ዕርቅን ኣይትመርሕን፣ መደብ ቅንዕና ብምኽታል፣ ሓቂ ከኣ ብምዝውታር፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ’ውን ብትሕትና ብምምልላስ እዩ መደብ ሓቂ ዚዕወት[50]።

29. “ንሓቂ ክትፈልጥዋ ኢኹም፣ ሓቂ ሓራ ከተውጸኣኩም እያ”[51]፣ “ሰላም ብሓቂ ኣቢልካ ትብጻሕ፣ ኣብ ፍትሒ ከኣ ትሕነጽ ወይ ትሥረት፣ ብፍቕሪ ትምዕብል፣ ብዓቢኡ ከኣ ብናጽነት ትድልድል ....”[52]፣ ካብ’ቲ ቀንዲ መደባትን ኣገባባትን ናይ ዕርቀ-ሰላም ሓደ፣ ሓቂ ምግባርን ንሓቂ ምኽታልን እዩ። ሕዝቢ ኤርትራ ድማ እዚ ሓቂ’ዚ ናይ ምርካብ መሰልን ግዴታን ኣለዎ። ብፍላይ ብጕዳይ ሃገሩ፣ ናይ ዝሓለፈ ታሪኻዊ ፍጻሜታትን፣ ንዚመጽእ ዚእመም ፖሊሲታትን፣ ብህልው ኵነታቱን ንጹርን ጽጹይን ኣፍልጦ ንኺሕዝ፣ ኣብ ሓቂ ዝተመርኰሰ ግቡእ ሓበሬታ ብግዜኡን በኣጋኡን ኪወሃቦ መሰሉ እዩ።  “ኣብ’ዛ ሓቅ’ዚኣ ዝተመርኰሰ ተበግሶ ምግባር የድሊ፣ ከም’ዚ ዝበለት ሓቂ ሓራ እተውጽእ’ምበር፣ ናይ ፕሮፓጋንዳ ነገር ኣይኮነትን፣ ናይ ፕሮፓጋንዳ እንተኾይና ግን ተቐባልነት ንዘይብሉ ሓሳባትን መደባትን ንምጕልባብ እተገልግል እያ”[53]።

ሰላም፣

30. ሰላም ማለት ዚረአ ግርጭትን ናዕብታትን ብዘይ ምህላዉ ዚምዘን ኵነት ኣይኮነን፣ እዚ ግርጭታትን ናዕብታትን ከይሃድአ ወይ ከይተገትአ፣ ሰላም ኪመጽእ ከም ዘይኽእል ፍሉጥ’ኳ እንተኾነ፣ ሰላም ማለት ግን ውሽጣውን ግዳማውን ስኒትን ርግኣትን ዘሰነዮ፣ ናይ ፍትሕን ምልኣት ሕይወትን ውጽኢት እዩ።

ሕጂ ክንብሎ ዘሎና ግን፣ ሰላም ህያብ ኣምላኽ ምዃኑ ዚገልጽ ሓቂ እዩ። ሰላም ካብ’ቲ ንሕና ክንደልዮን ክንበጽሖን እንኽእል ንላዕሊ እዩ፣ ከም’ቲ ብዛዕባ ዕርቅን ምሕረትን ዝበልናዮ፣ ሰላም ዚመጽእ ብኽርስቶስ እዩ፣ ከመይ ክርስቶስ “በቲ ኣብ መስቀል ዝፈሰሰ ደሙ፣ ሰላም ኣምጸአ”[54]፣ ”ገብረ ሰላመ በመስቀሉ፡ትንሣኤሁ ኣግሀደ፣”[55] ብሓጺሩ ልክዕ ከምቲ መደብ ዕርቂ (Reconciliation)፣ ሰላም’ውን ዝተሓላለኸ ሃለዋት ሰጊርካ ዚጭበጥ እዩ። ንዘሎ ግርጭትን ተጻብኦታትን ንግዜኡ ተቘጻጺርካ ምኽኣል ዘይኮነስ (ዓለም ከምዚርደኦ)፣ ካብ ኣምላኽ ዚመጽእ፣ እሞ ወገን’ቶም ግዳያት ኮይኑ፣ ካብ ዝወደቑሉ ዜተንሥኦም እዩ። ንርእስኻ ምትዕብባይ ዘይኮነስ፣ ትሕት ኢልካ ምስ ርእስኻን ኵነትካን ምጥምማትን፣ ክትቅበሎን ክትእመነሉን ስንድው ምዃንን እዩ።

ብመንጽር’ቶም ንዕርቀ-ሰላም ዚሰርሑ ወገናት እንኪረአ፣ ሰላም በብደረጃኡን በብስጕምን ዚብጻሕ ኪኸውን ይኽእል። ብዘይ ሓቂ ንዅሉ ሸፋፊንካ ግን ሰላም ዚብልዎ ነገር ኣይሕሰብን፣ ፍትሒ ኸይነገሠ ሰላም ወሪዱ ማለት ዘበት እዩ። ምእንት’ዚ መስርሕ ሰላም ርኡይን ጭቡጥን መደባትን ኣገባባትን ዚሓትት እንኪኸውን፣ ምስኡ ማዕረ ማዕረ ከኣ ሰላም ህያብ ኣምላኽ ምዃኑ፣ ንሕና’ውን ኣብኡ ክንሳተፍን እጃምና ከነበርክትን ዝተጸዋዕና ምዃንና ምፍላጥ የድሊ።

31. እቲ ቅኑዕ መንገዲ ሰላም፣ ይቕረ ምብህሃልን እዩ። ምሕረት ምሃብን ምቕባልን፡ ምምሕሓር ኣብ መንጎ ሰባትን ኅብረተሰባትን ሓዲሽ ርክብን ምንብባርን ዜፍሪ እዩ። ንሕማቕ ብሕማቕ ዘይኮነስ፣ ብጽቡቕ ከተሸንፎ ከሎኻ፣ ክፉእ ንዝገበረካ ክትምሕሮን ከተፍቅሮን ከሎኻ፣ ንክፍኣት ኣጽዋሩ ከምዘራግፍን ተመሊሱ ምሳኻ ከም ዚተሓቛቘፍን ገቢርካ ማለት እዩ፣ በዚ ከኣ ወዮ ዓውዲ-ውግእ ኪኸውን ዝነበሮ፣ ዓውዲ-ዘተ ዓውዲ ምትሕግጋዝ ምትሕብባር ይኸውን።

ስለ’ዚ ኣብ’ዚ እዋንና ንሕና ኤርትራውያን ኣብ ውሽጥን ወጻእን፣ ነሓድሕድናን ምስ ርእስናን ምስ ጓናን፣ ናይ ሰላም ሕልምን ባህግን ናይ ሰላምን ጻዕርን ከነበጋግስ የድሊ። ከቢድ መሲሉ ይረአ ይኸውን፣ እንተኾነ ተስፋ ዝመልኦን ከምበሓዲሽ ከም ትብገስ ዚገብርን እዩ። “ሰላም ኪብጻሕ ኪጭበጥ ዚከኣል ነገር እዩ፣ ብርግጽ ቀጺልና ክንጽዕረሉ ዘሎና ሠናይ ነገር፣ እናተሓደሰ ብዚኸይድ ጻዕርና ዚብጻሕ እዩ። ነፍስወከፍ ወለዶ ብግዜኡ ንዕለታዊ ሕይወቱ ፍታሕ ዚኸውን ሃንቀውታ ሰላም ምስ ሓደሮ ዚጭበጥ እዩ”።[56]

ብተግባር ኪረአ ከሎ፣ ”ሰላምን ምዕብልናን ኪጭበጥ ዚከኣል፣ እቲ ኣብ ልቢ ኵሎም ሰባት ዝተጻሕፈ ሓባራዊ ሕጊ ሞራል ምስ ዚሕሎን ምስ ዚኸብርን እዩ”[57]። ሰላም ኣብ መንጎ መግሥታት ብዚግበር ውዕላት ጥራሕ ዚጸንዕ’ውን ኣይኮነን፣ ብስም ሰላም ናይ ውልቂ ረብሓን ጥቕምን መኽሰብን ሃሰስ ዚበሃለሉ  እንተደኣ ኾይኑ፣ ሰላም ክንዲ ዘስፍን፣ ብመሠረቱ ክብሪ ወድሰብ ስለዚግህስ፣ ጠንቂ ሰላም ይኸውን።

መሰልን ናጽነትን

32. ብ1961 ዓ.ም.ፈ. ዝነበረ ዓለም፣ ኣብ ዝሑል ኵናትን ኣብ ዕፁው ኵነትን ኣትዩ ብምፍልላይ፣ መጻኢኡ እንታይ ከም ዚኸውን ኣብ ዚሰግኣሉን፣ ናይ ተስፋ ዋግዋጎ ኣብ ዘይረኣየሉን ወቕቲ፣ ርእሰ ሊቃነጳጳሳት ዮሓንስ መበል 23፣ በታ “ሰላም ኣብ ምድሪ” እትብል መልእኽቶም፣ ነቲ ሓድነት ዝሰኣነ ዓለም፣ ክርስቶስ ኣብ ቤተልሔም ብዝተወል-ደሉ ጊዜ ብዝተዘመረ ቓላት’ዮም ሰላም ዘበሠርዎ[58]። ብናቶም ሓሳብ፣  ቀጺሉ’ውን ናይ ቤተክርስትያን ኮይኑ ብዝተረኽበ ትምህርቲ፣ ሰላም እትቐውም፡ ብዓሚቝ ኣገባብ ኣብ ሰብኣዊ መንፈስ ብዝተሠረታ በተን ኣርባዕተ ኣዕኑድ ምዃኑ ኣመልከቱ፦ እዚኣተን ከኣ ሓቂ፡ ፍትሒ፡ ፍቕሪ፡ ናጽነት እያተን።

ነፍስወከፍ ውልቀሰብ ንመሰሉ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ብመንጽር ካልኦት ንዚህልዎ ግዴታን ኪሓስብ እንከሎ፣ ሽዑ ሓቂ ንሰላም ተሓንጽ፣ ነፍስወከፍ ሰብ ብመንጽር ኻልኦት ዘለዎ ግቡኡ እንተፈጺሙ፣ መሰሎም እንተኣኽቢሩ፣ ሽዑ ፍትሒ ንሰላም ከተማዕብል ክንርኢ ኢና፣ ንናይ ካልኦት ሰባት ግድነትን ጸገማትን ከም ናቶም ገቢሮም ኪርእዩን፣ ዘለዎም ኵሉ ምስቶም ጽጉማት ኪካፈሉን ከለዉ፣ ሽዑ ፍቕሪ ንሕንጸት ሰላም መሠረት ኮይና ማለት’ዩ። ሰላምን ናጽነትን ንምርካብ ኣብ ዚገብርዎ ጻዕርን ጕዕዞን፣ በቲ ቕኑዕ ሰብኣዊ ኣእምሮን ኅሊናን ዚምርሑ ሰባት፣ ናይ ተግባራቶም ሓላፍነትን ተሓታትነትን ዚለብሱ እንተ ኾይኖም፣ ሽዑ ናጽነት ኣብ ሕንጸት ሰላም ዚግባእ ኣበርኪታ ኪበሃል እዩ።

33. ዝኾነ መንግሥተ-ሃገር፣ ሃይማኖታዊ ናይ እምነት ናጽነት ከኽብር፣ ብኻልኦት’ውን ከም ዚኽበር ኪገብር ዘለዎ መዝነት ኣብ ቦታኡ እንከሎ፣ ብወገን ውልቀ-ሰባትን ብሃይማኖታዊ ወገናትን ብኻልእ ኣካላትን እውን ኪኽበር ዘለዎ እዩ። ብቐዳምነት ሃይማኖታዊ ኣካላትን መራሕትን፣ ነቲ መደብ እምነቶም ብጽሩዩ ደኣ’ምበር ምስ ካልእ ከተሓሕዝዎ ኣይግባእን። ኣውራ ድማ ንናይ ካልኦት ናጽነትን ክብረትን ብዘይትንክፍ፣ ንሰላማዊ ጕርብትና ህልውናን ብዘይነክእ ኣገባብ፣ ካልኦት ውልቀ-ሰባትን ወገናትን’ውን እንተኾኑ፣ ብውልቂ ብማኅበር ሥርዓት እምነቶም ኪገልጹ ናጽነቶም ከረጋግጹ ከለዉ፣ ምስኣቶም ዘየለዉን፡ ናታቶም ንዘይኮኑን ዘኽብር መገዲ ደኣ’ምበር፣ “ከም’ቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደልይዎ፣ ንስኻትኩም ከኣ ከምኡ ግበሩሎም”[59] ዚብል ወንጌላዊ ትእዛዝን ወርቃዊ ሕግን ብዚጥሕስን፡ ስምዒት ካልኦት ብዚቕስቅስን፣ መሰል ብዚግህስን ኣገባብ ኪኸውን ኣይግባእን፣ እንተዘይኮነ ንሰላምን ንዕርቅን ጠንቂ ምዃን ማለት እዩ።[60] ኣብ ኣብያተ ክርስትያናትን ሃይማኖታዊ መደባትን’ውን ናይ መሰል ግህሰትን፣ ናጽነት ዚድርት ኵነታትን ኪህሉ ስለዚኽእል፣ እዚ’ውን ካብቲ ጠንቂ ሰላም ሓደ ኪኸውን ይኽእል።

መሰሉን ናጽነቱን ዝሰኣነ፣ ንግዜኡ’ውን ዝተነፍገ ወገን ንርእሱ ሰላም የብሉን፣ ንኻልእ’ውን ሰላም ኣይህብን። “ናይ ውልቀሰብን ናይ ሓደ ሃገርን ብስለትን ምዕቡል ሃለዋትን ዚምዘን ብመደብ ናጽነት እዩ። ናጽነት’ውን ልክዕ ከም ሰላም ንሰብ ምሉእ ሰብኣውነቱ ክሳብ ዘጨብጦ፣ ብቐጻሊ ኪዅስኰስን ኪሕደስን ኣለዎ። ምእንት’ዚ ሰላምና በቲ ተፈራሪሕካን ሚዛን ሓሊኻን፣ ወይ ረብሓ ርእስኻ ደሊኻን ዚግበር “ሰላም” ኪምዘን የብሉን። ሰላም ንምሕላው ብዚብል ምስምስ፣ መደብ ሰላምን ናጽነትን ክንጥሕስ’ውን ኣይግባእን። ሓቀይና ናጽነት ብምኽባር ክንብገስ ከሎና፣ እቲ ፍሬኡ ዝኾነ ሰላም ንዅሉ ዜሓጕስ ይኸውን፣ ምኽንያቱ ከኣ ኣብ ፍትሒ ዝተመርኰሰ ሰላም፣ ኣብ ልዕል’ቲ መዘና ዘይርከቦ ናይ ሰባት ክብረ-ግርማ [dignity of free human being] ዝተሓንጸ እዩ።[61]  ሓይሊ ሃገርን ሕዝባን፣ ካብ ውሽጣዊ ስኒትን ውህደትን፣ ካብ  ዕርቅን ሓቅን ዚመጽእ እዩ።     

ግብራዊ ስጕምቲ

34. መደብ ዕርቅን ሰላምን ምስጓም እምበኣር ርእሱ ዝኸኣለ ወፈራ የሓትት፣

1)  ሓፈሻዊ ናይ ዕርቅን ምሕረትን ኣዋጅን መደብን ምውጻእ፣

2) ድሕር’ዚ “ሃገራዊ ጕጅለ [ኮሚቴ] ዕርቀሰላም” ቆይሙስ፣ ናይ ሓቅን ዕርቅን መደባት ንምንቅስቓስ ኪጐሳጕስ፣ ብደረጃ ሃገር ዚካየድ ኮይኑ ዕላማኡን ኣገባብራ-ኡን ተነጺሩሉ ኪንቀሳቐስ የድሊ። ቀንዲ ስራሑ ነቲ ኣብ ውጥረትን ስግኣትን ዘሎ ዅነታት ኣልጊሱ፣ ናይ ምቅርራብን ምዝርራብን መንፈስ ከበጋግስ የድሊ።

3) ናይቲ ኣዋጅን ጕጅለን ዕላማኡ፣ ብሓፈሻዊ ምሕረትን ሕድገትን ኣቢልካ ናብ ምሉእ ሰላም ንምብጻሕ እዩ፣ በዚ ከኣ ንዝሓለፈ ዓጺኻ ወይ ዛዚምካ ናብ’ቲ ዚመጽእ መድረኽ ምስግጋር ይከኣል።

4)                 ኣብ መራኸብ-ብዙኃን ይኹን ኣብ መዕበያውን ትምህርታውን መደባትና፣ እቲ ንሰላም ዘይሕግዝን ዘየተባብዕን፡ ናይ ጸርፍን ዘለፋን ኣገባብ ተወጊዱስ፣ ቋንቋ ሰላምን ዕርቅን ምሕረትን ከነዘውትር የድሊ።

5) ብዓቢኡ ከኣ ኣቐዲምና ከም ዝበልናዮ፣ ሰላምን ዕርቅን ህያብ ኣምላኽ ብምዃኑ፣ ድፍእ ኢልና ነኣኡ ክንልምኖ፣ ከም’ቲ ሕዝቢ ነነዌን ንጉሡን፡ ብልቢ ተነሲሖም ዝተማህለሉ፣ ንሕና’ውን ተነሲሕና ጸሎትና ከነዕርግ ከሎና፣ ዘይንስመዓሉ ምኽንያት የልቦን።

“ሓቀይና ሰላም፡ ፍረ ፍትሒ እዩ፣.... እንተኾነ ግና ሰብኣዊ ፍትሒ ጐደሎን ተነካእን ብምዃኑ፣ ናይ ድኻምነትን ኣንነትን ግዳይ ኪኸውን ዚርከበሉ ግዜ ስለዘሎ፣ ነቲ ቀጺሉ ዚዘናበል ናይ ሰባት ርክባት፣ ብሡረ-መሠረቱ ዚፍውስን ዜሕውን ምሕረትን ይቕረታን ኪዝውተር ኣለዎ።”[62]     

መዛዘሚ

35. ምእንት’ዚ ናብ ኵሎም ኤርትራውያን እነቕርቦ መጸዋዕታና፣ ተስፋኦምን እምነቶምን ኣብ ኣምላኽ ንኺገብሩ እዩ፣ ብፍላይ ኣብ’ዚ ሕጂ፣ ሃገርና ብመሪርን ተሪርን ፈተና እተሓልፈሉ ዘላ እዋን፣ ካብ ካልእ ግዜ ብዝበለጸ ናይ ኣምላኽ ረድኤት ከድልያ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ እዋናት “ነዛ ሃገርን ሕዝባን ዘለዎ ፍቕሩን ሓልዮቱን ዝገለጸ” ኣምላኽ፣ ሕጂ’ውን ብጸሎትን ስእለትን ናብኡ ከነንቃዕርር ከሎና፣ ናባና ከም ዘድህብ ፍሉጥ እዩ። ናብኡ እነዕርጎ ጸሎትን፣ ኣብኡ ዘሎና እምነትን ከቋርጽ የብሉን።

ሰላም ዜምጽእን ንሕዝቡ ፈዊሱ ዜድሕንን እግዚኣብሔር እዩ። ሰባት “ሕይወት ኪህልዎም፣ አረ’ኳ ደኣ ሕይወት ብምልእታ ምእንቲ ኪረኽቡ”[63] እዩ ድልየት ኣምላኽ። ኣብ’ዚ ጽንኩርን መሪርን እዋን’ምበኣር፣ ሕዝብና ብዝተሓደሰ መንፈስን ብሓደ ልብን፣ ንመደብ ፍትሒ ዕርቂ፡  ንጽፉፍ ኣከያይዳ ንኺብገስ ነተባብዕ[64]። ነዛ ሃገርን ሕዝባን ብዚርኢ፣ ኣምላኽ ዘለዎ ሓሳብን መደብን ፈሊና ኣለሊና ንኽንክእል፣ ነቲ ዝተገልጸልና ንኽንክተል፣ ጸሎትን ጻዕርን የድሊ። በዚ ዓይነት’ዚ እዩ ሓድነትን ስኒትን፣ ሰላምን ፍትሕን ዝሰፈና ምዕብልቲ ኤርትራ ንምጭባጥ ሕልምና ገሃድ ዚኸውን።

ኣብ’ዚ ዝተናወጸን ዝተሃወኸን እዋን፣ መላእ ዓሌትሰብ ብፍላይ ከኣ እዚ ዞባናን ሃገርናን፣ ነታ ካብ ፍትሕን ምሕረትን እትውለድ ነባሪትን ሓቀይናን ሰላም ዚረክብ ይግበሮ፣ ንሕና’ውን እቲ “ምሕረተ ወፍትሐ አኀሊ ለከ፣ እዜምር ወእሌቡ ፍኖተ ንጹሐ” “ብዛዕባ ምሕረትን ፍትሕን ክዝምር፣ ምስጋና ከዝይመልካን፣ ብመንገዲ ንጹሓን ክመላለስን እየ”[65]፣ ዚብል መዝሙር እነዚመሉ ዕድል የሃበና።“ምሕረትን ሓቅን ተራኸባ፣ሓቅን ሰላምን ከኣ ተሰዓዓማ፣ሓቂ ወዲሰብ ካብ ምድሪ ኽትበቍል፣ ጽድቂ እግዚኣብሔር ከኣ ካብ ሰማይ ክትጥምት እያ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ ሠናይ ኪህበና፣ ሃገርና`ውን ፍርያታ ክትህብ እያ``66

እግዚኣብሔር ንሃገርና ይባርኽን፣ የሓልዋን፣

እግዚኣብሔር ገጹ የብረሃልና፣ ጸጋኡ ድማ የሃበና፣

እግዚኣብሔር ይጠምተና፣ ሰላሙ ድማ የሃበና።67

            *******************

ኣቡነ መንግሥተኣብ  ተስፋማርያም፣  ሊቀጳጳሳት ዘመንበረ ኣሥመራ

ኣቡነ ቶማስ ዖስማን፣  ጳጳስ ዘመንበረ  ባረንቱ  

ኣቡነ ኪዳነ የዕብዮ፣   ጳጳስ ዘመንበረ ከረን 

ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጎስ፣  ጳጳስ ዘመንበረ ሠገነይቲ

ኣሥመራ    በዓለ ትንሣኤ ፳፻፲፩       

ካብ ቚ.19 ክሳብ ፍጻሜ ብድምጺ ንምክትታል!

 

[1] ኤፌ.1፡2

[2] ኤፌ.2፡14

[3] ኤፌ.2፡27

[4] ገላ. 1፡4

[5] መዝ. 89/9

[6] መዝ. 66፡10-12

[7] ኤፌ. 2፡27

[8] ጸሎተ ኪዳን ዘነግህ

[9] 1ቆሮ.12፡12

[10] ፍሥሓን ተስፋን ቍ.1 ሰነድ ጉባኤ ቫቲካን 2

[11] ኤፌ.2፡13-17

[12] Sir Philip Gibbs; The Cross of Peace

[13] ነዛ ሃገር’ዚኣ እግዚኣብሔር የፍቅራ እዩ፣ ሓዋርያዊ መል. ካቶሊካውያን ጳጳሳት  2001።  ቀጺሉ ሓ.መ.ካ.ጳ.ኤ.

[14]   ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? (ቊ.23 ረአ) ሓ.መ.ካ.ጳ.ኤ.  2014፣

[15]   ካብ 1998 ጀሚሩ ንዝተኻየደ ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን  ንምዝዛም፣ ኣብ ኣልጄርስ ኣብ ዝተገብረ ሥነስርዓት ምፍርራም (13 ታኅ 2000 ዓ.ም.ፈ.)

[16] “ኣፓርታይድ” ማለት ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብሓይሊ ነጊሡ ዝነበረ፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ዚበዝሕ ጸሊም ሕዝቢ ዝወረደ ናይ ውሑዳት ጸዓዱ መግዛእትን ጨቋኒ ሥርዓትን እዩ።

[17] The time for the healing of the wounds has come. The moment to bridge the chasms that divide us has come. The time to build is upon us.

[18] ማቴ.5፡7 ረአ

[19] ነዛ ሃገር’ዚኣ እግዚአብሔር የፍቅራ እዩ፣ ቍ.17

[20] ሉቃ. 11፡17፣ ማቴ. 12፡25

[21] “ክዋመ ንክሩማህ” ማለት ናይ’ታ ናጻ ዝኾነት ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ጋና ፈለማ መራሕን፣ ኣብ ጕዳይ ኣፍሪቃዊ መንነትን ርእዮትን [Pan-Africanist] ዕዙዝ ቦታ ዝነበሮም እዮም።

[22] ኤፌ.5፡14  ሮሜ 13፡11-14 ረአ

[23]  ርእሰ ሊቃነጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ-ጳውሎስ  2ይ    22.03.1998     ኣብ     ኦኒትሻ     ናይጄርያ ዝበልዎ።

[24] ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? ቊ 23 ሓ.መ.ካ.ጳ.ኤ.  ረአ

[25] Do not be overcome by evil but overcome evil with good: John Paul II; 01.01. 2005;  World Peace Day Message,  hence WPD Message.                                                               

[26] ሮሜ 12፡21

[27]  Dialogue for peace: a challenge for our time:  John Paul II  1983 WPD Message.                                                                                                                                                                              

[28] ጥቑስ

[29] ዘፍጥ. 33

[30] ዘፍጥ. 45

[31] ዘሌዋ. 16

[32] ሉቃ.15

[33] ሮሜ 5፡11

[34] ኤፌ.2፡12-16

[35] ቈላስ. 1፡19-20

[36] 2ቆሮ. 5፡11-21

[37] 2ቆሮ. 5፡21

[38] 2ቆሮ.5፡ 17

[39] ሉቃ.19፡8

[40] 1ቆሮ. 1፡25

[41] ኤፌ.2፡4

[42] ሉቃ.23፡34

[43] ማቴ.7፡12

[44] John Patton;  Is Human Forgivness Possible?: A Pastoral Care Persp. (Nashville 1985)

[45] John Gartner; The Capacity to Forgive: in “Journal of Religion and Health 27:4 [1988]

[46] From the Justice of each comes peace for all; 01.01.1998  John Paul II: WPD Message.

[47] ጥቑስ

[48] ኒኮሎ ማኪያቬሊ፣ ኣብ ፖሊቲካ ሓቅን ሓሶትን ሕማቕን ጽቡቕን ዚበሃል ነገር የልቦን፣ ዜዓውተካ ጥራሕ ይኹን . . . ዚብል መሥመር ዝተኸተለ ናይ ማእከላይ ዘመን መምህር ፖሊቲካ እዩ።

[49]  Truth the power of Peace: John Paul II  01.01. 1980  WDP Message.                                                                                                                           

[50] ሚክ.6፡8 ረአ

[51] ዮሓ. 8፡32

[52] “ሰላም ኣብ ምድሪ”፣ Pacem in Terries;   Encyclical of John XXIII [11 Apr. 1963]

[53] Pacem in Terris: A Permanent Co mmitment; 01.01.1983 WPD Message

[54] ቈላስ. 1፡20

[55] ማኅሌት ዘቀዳም ሥዑር

[56] To Serve Peace, Respect Freedom; John Paul II 01.01.1981፡ WPD Message.                                                                                                                                                                              

[57] John Paul II, Adress to the United Nations General Assembly 05.10.1995 n.3

[58] ሰላም ኣብ ምድሪ “Pacem in Terris” John XXIII [13.04.1963]

[59] ማቴ.7፡12/ ሉቃ. 6፡31

[60] Religious Freedom: Condition for Peace   John Paul II  1988 WPD Message.                                                                                                                                                                              

[61] ጥቑስ

[62] No Peace without Justice No Justice Without Forgiveness;  John Paul II

01.01.2002  WPD Message.                                                                                                                                                                              

[63]  ዮሓ.10፡10  

[64]  እዮ. 2፡12-13

[65]  መዝ.101(100)፡1

27 April 2019, 19:49