ሰኑይ ፋሲካ፥ ክርስቶስ ተንሲኡ እዩ ሰኑይ ፋሲካ፥ ክርስቶስ ተንሲኡ እዩ 

ሰኑይ ፋሲካ፥ ክርስቶስ ተንሲኡ እዩ

ናይ ሰኑይ ዘፋሲካ ወንጌል ከምዘዘንትዎ፡ እቲ መልኣኽ ነተን ኣንስቲ ቅዶት ዓዲገን ሙት ኣካል ኢየሱስ ክቐብኣ ናብቲ ናይ መቓብር ስፍራ ዝኸዳ

ሰኑይ ድሕሪ በዓለ ትንሳኤ ብናይ ላቲን ስርዓት ሰኑይ ዘፋሲካ ወይ ሰኑይ ዘመልኣክ ተባሂሉ ይጽዋዕ፡ እቲ ነተን ናብቲ መቓብር ንኽርስቶስ ክደልያ ዝኸዳ ንዝነበራ ኣንስቲ እቲ መልኣኽ ተገሊጹ፡ ብሓሴት ኢየሱስ ብሓቂ ተንሲኡ እዩ እንክብሉ ዘበሰረላ ዕለት ዘዝከረሉ ብምዃኑ ሰኑይ ዘመልኣክ ዝብል ሊጥርጊያዊ መጸውዕ ስም እውን ይወሃቦ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሰኑይ ዘፋሲካ፥ ወይ ስምንቱ ዘፋሲካ፡ ድሕሪ ትንሳኤ ክርስቶስ ሰንበት ስዒቡ ዘሎ መዓልቲ ዝውክል ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ነዊሕ ሰሙን ፋሲካ ስዒቡ ኣብ ዝመጽእ ሰንበት መልኰታዊ ምሕረት ተባሂሉ ብዝጽዋዕ በዓል ይዛዘም፡ ኣብ ዋዜማ ፋሲካ እቶም ጸጋ ጥምቀት ዝቕበሉ ሓደስቲ ኣባላት ማሕበረ ክርስቲያን ንምሉእ ሰሙን ዝኽደንዎ ጻዕዳ ልብሲ ምኽንያት ብምግባር እውን  ጻዕዳ ሰንበት ዝብል መጸውዕ ይወሃቦ። እቲ ሰንበት ድሕሪ በዓለ ፋሲካ ዝመጽእ ሰንበት መለኰታዊ ምሕረት ዝበዓለሉ ዕለት ክኸውን ኣብ 1992 ዓ.ም. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እቲ ኢየሱስ ነታ ቅድስቲ ተወላዲት ፖላንድ ፋውስቲና ኮዋልስካ ዝበላ ቃል መሰረት ብምግባር ከምዝወሰኑ ይዝከር።

መልኣኽ ዘበሰሮ ቃል

“ሰንበት ምስ ሓለፈ፡ ማርያም መግደላዊትን ማርያም ኣደ ያዕቆብን ሰሎሜን ንስጋ ኢየሱስ ኪቐብኣ ምኡዝ ቅዶት ዓደጋ። በታ ቐዳመይቲ መዓልስቲ ሰሙን ንግሆ ጸሓይ ክትበርቕ ከላ ናብቲ መቓብር ከዳ፡ ንሓድሕደን ከኣ ‘ነቲ እምኒ ካብቲ ኣፍ መቓብር መን ኪግልብጠልና እዩ’ ይበሃሃላ ነበራ። እቲ እምኒ ኣዚዩ ገዚፍ ነበረ እሞ ንላዕሊ ኣቢለን እንተ ጠመታ ተገልቢጡ ረኣያኦ፡ ናብቲ መቓብር ኣትየን ከኣ ጻዕዳ ክዳን ዝተኸድነ በጽሒ ኣብ ወገን የማን ተቐሚጡ ምስ ረኣያ ኣዝየን ሰንበዳ፡ ንሱ ግና ‘ኣይትሰምብዳ! ንስኻትክንሲ ነቲ ዝተሰቕለ ኢየሱስ ናዝራዊ ኢኽን ኣትደልያ ዘሎኽን፡ ተንሲኡ እዩ ኣብዚ የሎን። እታ ኣብኣ ዘነብርዎ ቦታ እነሀ” (ማር. 16. 1-6)

ናይ ሰኑይ ዘፋሲካ ወንጌል ከምዘዘንትዎ፡ እቲ መልኣኽ ነተን ኣንስቲ ቅዶት ዓዲገን ሙት ኣካል ኢየሱስ ክቐብኣ ናብቲ ናይ መቓብር ስፍራ ዝኸዳ፡ ኢየሱስ ተንሲኡ እዩ እንክብል የበስረን፡ እታ ኢየሱስ ዝተቐበረላ መዓልቲ ንናይ በዓል ኣይሁድ ፋሲካ ዝተቐራረበት ዕለት ብምንባራ ብታህዋኽ እዩ ዝተቐብረ። እቲ ምስተን ኣንስቲ እቲ መልኣኽ ዝተራኸበላ መዓልቲ ሰንበት ንጐሆ እዩ ዝነበረ፡ ድሕሪ ሻባት በዓለ ፋሲካ ኣይሁድ ምዃኑ እዩ፡ ስለዚህ ቤተ ክርስቲያን እዚ ምንባብ’ዚ ሰኑይ ድሕሪ ፋሲካ ኣብ ዘሎ ዕለት ክንበብ ትገብር፡ እቲ መቓብር ባዶ ኰይኑ ረኸበኦ ሓዋርያት ብምኽንያት ስርዓት ሃይማኖት ኣይሁድ ኣብ ገዛ እዮም ዝነበሩ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኢየሱስ ዝተፈጸመ ኵሉ ክሳብ ምእማን ዝሰኣኖም እናስተንተኑ እንከለዉ፡ እተን ነቲ ባዶ መቓብር ዝረኣያን እቲ መልኣኽ ዘበሰረን ብስራት ትንሳኤ ክርስቶስ ሒዘን ናብኣቶም ይኸዳ ከምቲ እቲ መልኣኽ ዝበለን። እቲ ኵሉ ዘጓነፈን ይሕብራ። ትንሳኤ ክርስቶስ የበስራ።

ኣብ መገዲ ኤማኡስ

ክልተ ካብቶም ደቀ መዛሙርቲ እቲ ሓደ ቀለዮጳ ዝስሙ፡ ናይቲ ካልኣይ ግና ስሙ ኣብ ወንጌል ዘይግለጽ፥ ንነፍሲ ወከፍና ዝውክል ካብ ኢየሩሳሌም ዓሰርተ ሓደ ኪሎ ሜትር ናብ ዝርሓቐት ኤማሁስ ናብ እትበሃል ዓዲ እናኸዱ እንከለዉ፡ ኢየሱስ ኣብ መንገዶም ሕውስ በሎም፡ መን ምዃኑ ድማ ኣይፈልጠዎን፡ ይኹን ደኣ እምበር መስዩ ስለ ዝነበረ ምስኦም ናብ ቤቶም ንኽኣቱ ይዕድምዎ፡ ኣብ መኣዲ ድራር እንከለዉ፡ ህብስቲ ክፍትት እንከሎ ይግለጸሎም፡ ዓይነ ልቦናኦም ይኽፈት እሞ የለልይዎ፡ ንሱ ግና ካብኣቶም ተሰወረ። እቲ ካብ ሞት ዝተንስኤ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቲ ኤማሁስ ጥራሕ ኣይኰነን ዝግለጽ፡ እቲ ነቲ ካብ ሞት ተንሲኡ ዝግለጸሎም ዝነበሩ ብኡንብኡ ኣይኰኑን ዘለልይዎ ዝነበሩ፡ ስለዚህ ንምልላዩ ናይ መንፈስ ቅዱስ ተግባር ይድልይ፡ ናይ እምነት ጸጋ የድልይ፡ እቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ክርስቶስ ንምልላይ።

ሰኑይ ፋሲካ፥ ክርስቶስ ተንሲኡ እዩ
23 April 2019, 16:43