ብፁዕ ኣቡነ መንግሥተኣብ ምስ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብፁዕ ኣቡነ መንግሥተኣብ ምስ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ 

“ኣታ ደቂስካ ዘሎኻ ተበራበር” በዓለ ትንሣኤ፣ ፳ ሚያዝያ ፳፻፲፩፣ 28 ሚያዝያ 2019

ብፁዕ አቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ሊቀ ጳጳሳት ዘበኣሥመራ ንበዓለ ፋሲካ ኣመልኪቶም “ኣታ ደቂስካ ዘሎኻ ተበራበር፣ ካብ ምውታትውን ተንሥእ፣ ክርስቶስ ከኣ ከብርሃልካ እዩ” (ኤፈ 5፡14) ብዝብል ኣርእስቲ ዝጸሓፍዎን ብቃሎም ዘመሓላለፍዎን መልእኽቲ።
ብድምጺ ንምክትታል!

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ኣሜን!

ፍቁራትን ፍቁራንን ሕዝበ እግዚኣብሔር፡

ኣይብኃይልናን ብኃይሊ እግዚኣብሔር፣ እንሆ ሎምዘመን እውን፡ ናብቲ ምሥጢር ድኅነትና ዝተፈጸመሉ ቅዱስ ሰሙን ሕማማትን በዓለ ትንሣኤን መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብድኃነ ሰላም በጺሕና። ነቲ ወትሩ ዝመርሓናን ዘሰንየናን ኣምላኽና ከኣ ምስጋና ይብጽሓዮ።

ነዚ ቅዱስ ናይ ድኅነትና ጊዜ ብጽቡቕ ምእንቲ ከነስተማቕሮን ክንረብሓሉን ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ኤፈሶን ክጽሕፍ ከሎ ዝበሎ ከም መሪሕ ሓሳብ ክንወስድ ኣዝዩ ሓጋዚ ይመስለኒ። ከምቲ ቀደም ንሰብ ኤፈሶን፡ ሎሚ ድማ ንነፍሲ ወከፍና፡ “ኣታ ደቂስካ ዘሎኻ ተበራበር፣ ካብ ምውታትውን ተንሥእ፣ ክርስቶስ ከኣ ከብርሃልካ እዩ” (ኤፈ 5፡14) ዝብለና ዘሎ እዩ ዝመስል። መን እዩኸ እቲ ዝደቀሰ እሞ ክበራበር ዘለዎ? መንእያኸ እታ ዝደቀሰት እሞ ክትበራበር ዘለዋ? ንዝብሉ ሕቶታት ነፍስወከፍና ክንምልሶ የድሊ። እቲ ድቃስከ እንታይ የስምዕ? ንዝብል ሕቶ ግን ክፉእ ርኢካ ከምዘይረኣኻ፣ ክፉእ ሰሚዕካ ከምዘይሰማዕካ፣ ሱቕ ምባል፣ ወይ ምእንቲ ሓቅን ፍትሕን ዘይምግዳስ ማለት እዩ ክበሃል ይከኣል። ከምኡ ድማ በቲ እግዚኣብሔር ዝብሎን ዝገብሮን ዓበይቲ ነገራት ዘይንግረም፡ ወይ ዘይንስምብድ፣ ዘይንጒሂ ወይ ዘይንሓዝን፣ ብሓጺሩ ቃል ኣምላኽ ዘይወግኣናን ዘይልውጠናን እንተኮይኑ ኣብ ዓሚቚ ድቃስ ሰጢምና ንርከብ ኣሎና ማለት እዩ። እዚ ማለት ከኣ ንርእስና “ሃብታምን ፈሳስን እየ፡ ሓንቲ እኳ ዚጐለኒ ነገር የብለይን” እናበልና ነተዓሻሽዋ፣ መድኃኔ ዓለም ግን፡ ከምዚ “ብምባልካ፡ ሕሱርን ዘደንግጽን ድኻን ዕውርን፡ ዕሩቕን ምዃንካ ኣይትፈልጥን ኢኻ”(ራእ 3፡17) ክብለና ይርከብ። እንደገናውን፡ “ኣነ ንግብርኻ እፈልጦ እየ፣ ሕያው ተባሂልካ ኢኻ እትስመ፣ ግናኸ ምውት ኢኻ። ንግብርኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኸይ ፍጹም ኮይኑ፡ ኣይረኸብኩዎን እሞ ንቑሕ ኩን። ነቲ ተሪፉካ ዘሎ ከይሞተ ከሎ ኣበርትዓዮ። ደጊም እንታይ ከምዝተመሃርካን ከምዝሰማዕካን ዘክር።ሓልዎ ተነሳሕውን እንተዘይነቓሕካ ግና ከም ሰራቒ ክመጸካ እየ፣ በየነይቲ ሰዓት ከምዝመጸካውን ኣይትፈልጥን ኢኻ” (ራእ 3፡1-3) ዝብል ንጹር መጠንቀቕታ ይህበና። ከም ሓቁ እምበኣር ድቃስ ማለት፡ ዑረት ኅሊና፡ ዛሕሊ መንፈስ፡ ድንዛዘ ልቦና፡ ባርነት ፍትወት ሥጋ እዩ ዘስምዕ። ምብርባር ማለት ድማ፣ ብትግሃትን ንቕሓትን ኣብ ቀጻሊ ጸሎት፡ ቃል እግዚኣብሔር ኣብ ምስማዕ፡ ምሥጢራት ኣብ ምቕባል፡ ናይ ምሕረት ስራሓት ኣብ ምፍጻም ዝተጸመድካ ምዃን ማለት እዩ።

ንትንሣኤ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክንሓስብን ከነብዕልን ከሎና እምበኣር፡ ብዛዕባ ትንሣኤናን መንፈሳዊ ምብርባርናን ከነስተንትን ናይ ግድን እዩ። ንሱ ከብርሃልና ክንቅሓና ከበራብረና ድልው እዩ። ነፍስወከፍና ግን ንርእሱ ንርእሳ፣ ኣነኸ ክትንሥእ ክበራበር እደሊዶ? ንዝብል ሕቶ ክምልስ ይግባእ። ናይ እግዚኣብሔር ስራሕ ኲሉ ጊዜ ዘገርምን ዘስተንክርን እዩ። ሓቁ እዩ ኢሳያስ ነቢይ በቲ  እግዚኣብሔር ንሕዝቡ ዝገበረሎም ዓብይ ድማዕ፡ “ከምቲ ንስኻ ዝገበርካሎም ዚገብር ካልእ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ኣይተሰምዐን፣ ከምኡውን ኣይተራእየን። ነቶም ተሓጒሶም ጽድቂ ዚገብሩን ከም ፍቓድካ ዚነብሩን ትቀባበሎም”(ኢሳ 63፡4-5) እናበለ ብኣንክሮ ዝዛረብ። ብሓቂ ድማ፡ ብሕማማትን ትንሣኤን ፍቁር ወዱ ገቢሩ፡ “ዓይኒ ዘይረኣየቶ፣ እዝኒ ዘይሰምዓቶ፣ ልቢ ሰብ ዘይኃለኖ፣ ኣምላኽ ነቶም ዘፍቅርዎ ኣዳልዩሎም ኣሎ” (1ቆሮ 2፡9)። ነዚ ኲሉ ክንርእዮን ክንሰምዖን ክንቅበሎን ግን፣ ካብቲ ኣብ ሕማቕ ልማድናን ድንዙዝ ኅሊናናን ጸቒጡ ሒዙና ዘሎ መንፈሳዊ ድቃስ ወይ ትኽስታ ክንበራበር የድሊ። በዚ ምኽንያት እዩ ኣብዚ በዓላት ትንሣኤ፡ ንነፍሲ ወከፍና፣ “ወርቃዊ ዕድል ከይሓልፈካ ኣታ ደቂስካ ዘሎኻ ተበራበር፣ ጸጋ ኣምላኽ ከየምልጠኪ ኣቲ ድቂስኪ ዘሎኺ ተበራበሪ” ዝበሃለና  ዘሎ። መዝሙር ለይቲ ፋሲካ፡ “ፋሲካ ብሂል ማዕዶት እስመ ዐደወ እግዚእነ እሞት ውስተ ሕይወት”፡ ጐይታና ካብ ሞት ናብ ሕይወት ስለዝተሳገረ፡ ፋሲካ ማለት ምስጋር ማለት እዩ ይብል። ብሓጺርሩ፡ ምብርባር፣ ማለት ኃለዋትካ ፈሊጥካ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፡ ካብ ሞት ናብ ሕይወት፡ ካብ ባርነት ናብ ሓርነት ምልዋጥ፡ ምስጋር ማለት እዩ። ንርእሱ እቲ ምስባክ ናይ ለይቲ ፋሲካውን “ወተንሥኣ እግዚኣብሔር፣ ከመ ዘንቃኅ እምንዋም፣ ወከመ ኃያል ወኅዳገ ወይን ፣ወቀተለ ጸሮ በድኅሬሁ”፣ እግዚኣብሔር ከም ብወይኒ ባዕዚዙ ዝጸንሐ ኃያል፣ ከምዚ ካብ ድቃስ ዚበራበር ተንሥአ፣ንጸላእቱ ብድኅሪኦም ቀተሎም (መዝ 78፡65) እናበልና ኢና ብከቦሮን ብዕልልታን ተሰኒና ብዓብይ ድምጺ እንዝምሮ። ትንሣኤ ማለት እምበኣር መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ሞትን ኲሉ ካልእ ክፍኣትን ዝተዓወተላ ዕለት እያ። ንሕናውን  ምሳኡ ክንዕወት ምሳኡ ክንትንሥእ ዕድል ተዋሂብና ኣሎና። ስለዚ ካብ መንፈሳዊ ድቃስና ንበራበር። ሕይወትን ሞትን፡ ድቃስን ንቅሓትን ብባህርየን ኣየሳንያን እየ።“ንምንታይከ ነቲ ሕያው ምስ ምውታት ትደልያኦ ኣሎኽን?” (ሉቃ 24፡5)

ኢሳይያስ ነቢይ ንኢየሩሳሌም፡ “ኦ ኢየሩሳሌም ብርሃንኪ ወጺኡ፡ ክብሪ እግዚኣብሔር ከኣ ወጺኡልኪ እዩ እሞ፡ ትንሥኢ፡ ከም ፀሓይ ብርሂ” (ኢሳ 60፡1) ይብላ። መድኃኒና ካብ ሙታን ተንሢኡ ንሕናውን ንበራበር ንተንሥእ። ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ባዕሉ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ “እቶም ምውታት ድምፂ ወዲ ኣምላኽ ዚሰምዑላ ሰዓት ትመጽእ ኣላ፡ ንሳ ከኣ ሕጂ እያ፣ እቶም ዚሰምዑዎ ዘበሉ ድማ ብሕይወት ከምዚነብሩ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ” (ዮሓ 5፡25) ይብለና። ነዚ እዩ ቅዱስ ጳውሎስ እውን ደጊሙ “ነቲ ጊዜ ፍለጥዎ፣ ካብ ድቃስ እትበራበሩሉ እዋን በጺሑ እዩ፣ ከመይ ምድኃን ካብቲ ዝኣመንናሉ ጊዜ ሕጂ ኣዝዩ ናባና ቀሪቡ ኣሎ። ለይቲ ኃሊፋ መዓልቲ ቀሪባ እያ። ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢና ኣፅዋር ብርሃን ንልበስ፣ ብጓይላን ስኽራንን ብምንዝርናን ዕብዳንን ብባእስን ቅንኣትን ዘይኮነስ ከም ብመዓልቲ ብቅንዕና ንንበር። ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ እምበር ንዊንታ ሥጋኹም ከተርውዩ ኢልኩም ኣይትሕሰቡ” (ሮማ 13፡11-14)ዝብለና ዘሎ። ምብርባር ማለት እምበኣር ሓሳብ ጸልማት፡ ዘረባ ጸልማት፡ ግብሪ ጸልማት ገዲፍካ ብቕንዕና፡ ብሓቅነት ምንባር እዩ። ንሰብ ተሰሎንቄ ክጽሕፈሎም ከሎ ቅዱስ ጳውሎስ፡ “ንስኻትኩምሲ ደቂ ብርሃንን ደቂ መዓልትን ኢኹም። ንሕና ናይ ለይትን ናይ ጸልማትን ኣይኮንናን። እምበኣር ንንቃሕ፣ ገዛእ ርእስናውን ንግታእ ደኣ እምበር ከምቶም ካልኦት ደቀስቲ ኣይንኹን። ከመይ እቶም ዚድቅሱ ብለይቲ እዮም ዚድቅሱ፣ እቶም ዚሰኽሩውን ብለይቲ እዮም ዚሰኽሩ። ንሕና ግና ደቂ መዓልቲ ስለዝኾንና፣ እምነትን ፍቕርን ከም ድርዒ ለቢስና ናይ ድኅነት ተስፋ ከኣ ከም ቊራዕ ርእሲ ደፊእና፡ ገዛእ ርእስና ብምግታእ ንንበር” (1ተሰሎ 5፡5-8) ከምዝበሎም ንኣናውን ሎሚ ነዚ ዕድመዚ የቕርበልናን ምስ ክርስቶስ ክንትንሥእ የተባብዓናን ኣሎ። ግብሪ ጸልማት ንልብና የደንዝዞ፡ ንዓይንና የዕውሮ፡ ንኅሊናና ድማ የኽብዶ፡ እሞ፡ ጽቡቕ ካብ ሕማቕ፡ ሓቂ ካብ ሓሶት፡ ክንፈሊ ይጽግመና። በዚ እዩ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስውን ኣነጺሩ፡“እታ መዓልቲ እቲ ብሃንደበት ከይትመጽኣኩምሲ፣ ብስስዐን ብስኽራንን ብኃይልዮት ናብራን ልብኹም ክይከብድ፣ ንነፍስኹም ተጠንቀቑ” (ሉቃ 21፡34) ክብለና ዝርከብ። ቅዱስ ጴጥሮስ እውን ኣብታ ቀዳመይቲ መልእኽቱ “ገዛእ ርእሶም ዝገትኡን ጥንቁቓትን ኩኑ። ፍቕሪ ብዙኅ ኃጢኣት ትኸድን እያ እሞ ቅድሚ ኲሉ ንሓድሕድኩም ብምሉእ ልቢ ተፋቐሩ” (1ጴጥ 4፡7-8)ብምባል እውነተይና ፍቕሪ ኣብ ዘለዎ ጸልማት ቦታ ከምዘይብሉ የረድኣና። ቅዱስ ዮሓንስ ብወገኑ ኣብታ ቀድመይቲ መልእኽቱ፡ “እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ ትእዛዝ ሓዲሽ እዩ። ናይዚ ትእዛዝ እዚ ሓቂ ድማ ኣባኻትኩም ኮነ ኣብ ክርስቶስ ተራእዩ እዩ። ከመይ ጸልማት ኃሊፉ እዩ ብርሃን ሓቂውን ድሮ የብርህ ኣሎ”(1ዮሓ 2፡8)። ኣብዚ በዓላት ትንሣኤ እምበኣር፡ ነፍስወከፍና፡ ምስ ቅዱስ ጳውሎስ ኮይንና ነቲ እንነብሮ ሕይወት፡ ”በቲ ዘፍቀረኒ፡ ምእንታይ ከኣ ንርእሱ በጃ ዝሃበ፡ ወዲ ኣምላኽ፡ ብምእማን እየ ዝነብሮ ዘሎኹ”(ገላ 2፡20) ይበል።

ንሕና ኣመንቲ እምበኣር ሳላ እቲ ተሳቕዩ፡ ሞይቱ ዝተንሥአ ክርስቶስ መድኃኒና ሓቂ እንታይ ማለት ምዃኑ፣ መገዲ ድኅነት ከመይ ከምዝርከብ፣ ናብ ሕይወት ዘለዓለም በየን ከምዝብጻሕ፣ ብግብርን ብፍቕርን ተሓቢሩናን ተገሊጹልናን እዩ። ባዕልና ዓይንና እንተዘይዓሚትና፣ ባዕልና እዝንና እንተዘይዓጺና፣ ባዕልና ልብና እንተዘይኣትሪርና፣ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብርሃኑን ጸጋታቱን ሒዙ መጺኡልና ኣሎ። እቶም ኣዝዮም ሀብታማት መዛሙር ፋሲካ ሃገርና’ውን፣ “ክርስቶስ ምእንታና ምእንቲ ኃጥኣን ተሰቒሉ ካብ ሞት ተንሥአ፡ ብትንሣኤኡ ድማ ንዓለም ተበጀወ፡ ታሕጓስን ሰላምን ከኣ ኮነ” (ሰላም ዘዘመነ ትንሣኤ)። “እዛ ዕለት’ዚኣ መዘከርታ ትንሣኤ መድኃኒና ስለዝኾነት ዓባይ ፋሲካ እያ’ሞ፡ ምስጋናን ንጹሕ ጸሎትን ነዕርግ ኣሎና። እግዚኣብሔር ኣቦ ንወዱ ዘተንሥኣላ ዕለት ስለዝኾነት ከኣ ብፍስሓን ብታሕጓስን በዓል ፋሲካ ነኽብር” (ዋዜማ ዘዘመነ ፋሲካ) እናበሉ ኣብ ታሕጓስ ትንሣኤ መድኃኒና ብምሉእ ልብና ብኲሉ ኃይልና ክንሳተፍ ይዕድሙና ኣለው። ካብ ድቃስካ ምብርባር ምስ ክርስቶስ ምትንሣእ ማለት ግን ኣብ ናይ ምሕረት ስራሓት ብትግሃት ክንዋፈር እውን ይጽውዓና ኣሎ። “ጐይታና ንኣናውን ብትንሣኤኡ ምእንቲ ከተንሥኣና ንድኻታት እናተቐበልና ፋሲካ ነብዕል” (ሠለስት ዘዘመን ትንሣኤ)።

ኣብዚ በዓላት ትንሣኤ፣ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካባና ዝጽበዮ እንታይ ኣዩ? እንተበልና ከኣ፣ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ባዕሎም ዝተፈላለየን ንጹርን መብርሂ ይህቡና ኣለው። ንሰብ ቆላስይስ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ ቅዱስ ጳውሎስ፡ “ምስ ክርስቶስ ካብ ሞት ተንሢእኩም ኢኹም እሞ ቀልብኹም ኣብቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ነገራት፡ ኣብቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ ግበሩ። ኣእምሮኹም ናብቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኮነስ ናብቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ የቕልብ። ከመይ ሞይትኩም ኢኹም፣ ሕይወትኩምውን ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሠዊራ ኣላ” (ቆላስ 3፡1-3) ይብሎም። ቀጺሉ ከኣ “ንክርስቶስ ኢየሱስ ‘ጐይታ እዩ’ ኢልኩም ካብ ተቐበልኩምዎ ብእኡ ንበሩ። ከምቲ ዝተመሃርኩምዎ ኣብኡ ተሠሪትኩምን ተሓኒጽኩምን ብምስጋና መሊእኩምን ኣብ እምነት ጽንዑ” (ቆላስ 2፡6-7) ብምባል እምነት መሰረት ናይ ኲሉ መንፈሳውን ሞራላውን ሕይወት ከምዝኾነት የረድኦም። “ኣታ ደቂስካ ዘሎኻ ተበራበር”! ዝብል ጸዋዒት እቲ ካብ ሙታን ዝተንሥአ ክርስቶስ ክንሰምዕ ከሎና እምበኣር፡ ነቲ “ኣምላኽ ከምዝኃረዮም ቅዱሳንን ፍቁራትን ሕዝቢ ኰይንኩም ምሕረት ለዋሃት ትሕትና ሕያውነት ትዕግሥቲ ልበሱ። ንሓድሕድኩም ተጽዋወሩ፣ ኣብ መንጎኹም ቅር ዘብል ነገር እንተሎ ይቕረ ተበሃሃሉ፣ ከምቲ ጐይታ ይቕረ ዝበለልኩም ይቕረ ተበሃሃሉ። ኣብ ልዕሊ እዚ ኲሉ ግና ንኩለን ኣሲራ ኣብ ፍጻሜ እተብጽሐን ፍቕሪ እያ እሞ ልበስዋ” (ቆላስ 3፡12-14) ዝብል ድምጺ ኣምላኽ ሰሚዕና ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ማለት እዩ። ንሮማውያን ክጽሕፍ ከሎ ጳውሎስ ሓዋርያ፡ “ንስኻኩም ኃጢኣት ከይትገብሩ ከም ዝሞትኩም፣ ብክርስቶስ ኢየሱስ ግና ንኣምላኽ ሕያዋን ከም ዝኾንኩም ርእስኹም ቊጸሩ” (ሮማ 6፡11) እናበለ ደቂ ትንሣኤ ምዃኖም ፈሊጦም ብኃይሊ እቲ ካብ ሙታን ዝተንሥአ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ናብ ሕይወት፣ ካብ ባርነት ናብ ሓርነት፣ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፣ ካብ ድቃስ ናብ ንቕሓት ከም ዝተሳገሩ ኮይኖም ሕይወቶም ክመርሑ የተባብዖም። ሓቀይና እምነት ብተግባር እያ እትረአ፡ ናይ መልሓስ ጥራይ እምነት ግን ምውቲ እያ (ያዕ 2፡17 ረአ)።

መንፈሳዊ ድቃስ ማለት እምበኣር፡ ከምቶም ኢየሱስ፡ “ኣቱም ነቢያት ብዝተዛረብዎ ኲሉ ንምእማን ልቦም ዝደንጐየ ዓያሱ፣ ክርስቶስ ነዚ ሓሳረ መከራ እዚ ክቕበል እሞ ናብ ክብሩ ኪኣቱ ናይ ግዲዶ ኣይኮነን?” (ሉቃ 24፡25-26) ዝበሎም ብስቅያትን ሞትን ኢየሱስ ተዓንቂፎምን ተስፋ ቆሪጾምን እናጒረምረሙ ንኤማሁስ (ንምዕራብ) ገጾም ዝኸዱ ዝነበሩ ደቀ መዝሙር ምዃን ማለት እዩ። ካብ ድቃሶም ምእንቲ ከበራብሮም ግን፣“ኣብ መኣዲ ምስኣቶም ምስ ተቐመጠ ድማ እንጌራ ኣልዒሉ፣ ባሪኹም፡ ቆሪሱ ሃቦም። ሽዑ ዓይኒ ልቦናኦም ተኸፍተ እሞ ኣለለይዎ። ንሓድሕዶም ከኣ ‘እቲ ኣብ መንገዲ ኪዛረበናን ነተን ጽሑፋት ኪትርጉመልናን ከሎዶ ግዳ ልብና ይነደና ኣይነበረን’! ተበሃሃሉ”(ሉቃ 24፡30-31)። ኣብዚ ሰሙነ ሕማማትን በዓላት ፋሲካን እቲ ንሞት ዝሰዓረ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ሕያው ቃሉ ከስምዓና፣ ምሳና እንጌራ ክቆርስ፡ ዓይኒ ልቦናና ከብርሃልና፡ እሞ ከነለልዮ፡ ኣለሊና ከኣ ንካልኦት ከነበሥር እዩ ዝደልየና። ብሥራት ወንጌል ንርእስኻ ጥራሕ ሒዝካዮ እትነብር ህያብ ኣይኮነን። ብብሥራት ትንሣኤ እንተተበራቢርና፡ ምስ ክርስቶስ እንተተንሢእና ከምቶ ሰብ ኤማሁስ ብዘይ ወዓል ሕደር “እቲ ዝሞተ መድኃኒና ሕያው ከምዝኾነ” ክንምስክር ክነበሥር ክንብገስ ኢና። ብትንሣኤ ክርስቶስ ዝተበራበረ ሰብ ቅድሚ ኲሉ ልቡ ብሓጐስን ምስጋናን ዝተመልአ እዩ ዝኸውን። ምስ ዳዊት መዘምር “ኣብ ክንድ እቲ ዝገበረለይ ሠናይ ኲሉስ፣ ንእግዚኣብሔር እንታይ ክመልሰሉ እየ? ናይ ምድኃን መስዋዕቲ መስተ ክስውዕ እየ፣ ስም እግዚኣብሔር ከኣ ክጽውዕ እየ። ንእግዚኣብሔር ኣብ ቅድሚ ኲሉ ሕዝቡ  መብጽዓይ ክፍጽመሉ እየ” (መዝ 116፡12-14) እናበለ መዓልቲ መጸ ሞሳ ይመልስ። ኲልና ድማ ምስ እኖና እግዝእትነ ማርያም ኮይና፣ “እቲ ኲሉ ዝኽእል ዓበይቲ ነገራ ግይሩለይ እዩ እሞ ስሙ ቅዱስ እዩ። ምሕረቱውን ኣብቶም ዚፈርሁዎ ንዉሉድ ወለዶ እዩ” (ሉቃ 1፡49-50) እናበልና ክንዝምር ንዕደም ። “ኣታ ደቂስካ ዘሎኻ ተበራበር፣ካብ ምውታትውን ተንሥእ፣ ክርስቶስ ከኣ ከብርሃልካ እዩ” ዝተባህለ እምበኣርን ነዚ እዩ። ኣብዚ በዓላት ትንሣኤ ምስ ክርስቶስ ክንትንሥእ ኃይሉን ብርሃኑን ይዓድለና። ኲልና ከኣ “ትንሣኤከ ለእለ ኣመንነ፣ ብርሃነከ ፈኑ ዲቤነ” ፣ ኣብ ትንሣኤኻ ንዝኣመንና ብርሃንካ ፈንወልና፣ እናበልና እምነትና ነሓድስ፣ ካብ ድቃስና ንበራበር፣ ክርስቶስ ከኣ ከብርሃልናን ምስኡ ከተንሥኣናን እዩ። “ኣማን በኣማን፣ ትነሥኣ እምነ ሙታን” ብሓቂ ብእውነት ካብ ሙታን ተንሢኡ እዩ!!!። ዝተባረኸን ዝተቐደሰን በዓለ ትንሣኤ ይግበረልና።

ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም

ሊቀ ጳጳሳት ዘበኣሥመራ

27 April 2019, 13:46