ናይ ራባት ሊቀ ጳጳስ፡ ብሓባር ምስ ሃይማኖት ምስልምና ንሕንጸት ናይ ምሕረት ዓለም

ተኸኣኢልካ ምንባር ኣብቂዑ ብሓባር ኵላዊ ሕውነት ምሕናጽ እዩ ዘድልይ፡ ቅዱስነቶም ነዚ እዮም ዘተሓሳሰቡ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ዓማዊል ምብዛሕ ዘይኰነ መንግስቲ ኣምላኽ ምስፋሕ

ብፁዕ ኣቡነ ክሪስቶባል ሎፐዝ ሮመሮ ቅዱስ ኣቦና ካብ ዕለት 30 መጋቢት ክሳብ ዕለት 31 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሞሮኮ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ሚዛነ ጸብጻብ፥ ኣብ ሞሮኮ ኣብ መንጐ ኣስላምን ክርስቲያንን ኣብ ዘዘለኻሉን ተኸኣኢልካ ምንባር ካብ ዝብል ዓይነት  ማሕብራዊ ናብራ ዝበረኸ ምሕዝነትን ብሓባር ኵላዊ ሕውነት ኣብ ምሕናጽ ዝብል ድላይ ዝቖመ ዓይነት ናይ ሓባር ናብራ ክህሉን ህልው ኵነታት ናይ ኤክኖሚ ስልቲ ብምቕያር ዜጋታት ካብ ምርጫ ስደት ምድሓን ኣገዳሲ ምዃኑ ዘመላኸተ እዩ ይብሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ምድረ ሞሮኮ ምስ ረገጹ ካብ ዝኣተዉሉ መዓርፎ ነፈርቲ ኣትሒዞም ክሳብ ናብ ሮማ ዝተመለሱላ መዓልቲ ዝነበረ ኣቀባብላን ዘካየድዎ ርክባትን ምስ ናይ መንግስትን ሃይማኖታትን በርገሳውያን ማሕብራትን ምስታ ኣብ ሞሮኮ እትርከብ ንእሽተይ ቤተ ክርስቲያን ምእመናንን ኣብ ዘካየድዎ ርክባት ዝተነብረ ሃዋሁ ምዃኑን፡ ዝትገበረሎም ምዉዕ ኣቀባብላ ብምርኣይ ብሓቂ ንእግዚኣብሔር አመስግን፡ ነዚ ዝበሉ ናይ ራባት ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ክሪስቶባል ሎፐዝ ሮመሮ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ክኸውን እንከሎ፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦናን ንጉስ ሞሓመድ ሻድሻይ ዝፈጸምዎ ስጓመ ንቕድሚ ኩሉ ኣብ ከባቢኡን ኣብ መዳይ ዕዮኡን ተልእዀኡን ምስ ዝፍጽሞ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ተኻኣሊ ይኸውን፡ ተኸኣኢልካ ምንባር ኣብቂዑ ብሓባር ኵላዊ ሕውነት ምሕናጽ እዩ ዘድልይ፡ ቅዱስነቶም ነዚ እዮም ዘተሓሳሰቡ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ዓማዊል ምብዛሕ ዘይኰነ መንግስቲ ኣምላኽ ምስፋሕ እዩ ዘድልይ፡ ኣስዳዒ ምዃን ዘይኰነ ንኻልእ ቀረባን ሓውን ምዃኑ ከምዘድሊ ቅዱስ ኣቦና ይሕብሩ፡ ኣብዚ ከምዚ ዓይነት ምቅርራብ ጥራሕ እዩ እቲ ካብ እግዚኣብሔር ዝመጽእ ሰላምን ምኽባር ሕይወትን ፍቕርን ሓቅን ዝምዕብል፡ ምስ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ምሕረት ዝዓሰሎ ናይ ሓባር ብሉጽ ዓለም ንምሕናጽ ብሓባር ንኽናዓዪ ዘተባብዔ ምብጻሕ እዩ ኢሎም።

ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ሞሮኮ ጥራሕ ዘይኰነ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኵሉ ማሕበረሰብ ሞሮኮ እዩ ዝተዓደለ፡ ከምዚ ምዃኑ እውን ሞሮኮ ንቕዱስነቶም ንኽልተ መዓልቲ ኣብ ዘአንገደትሉ ዝተራእየ ሃዋዩ የረጋግጾ። ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ምብጻሕ’ዚ ኣብ ዘቕረብዎ ኣርባዕተ መደረ፡ ዝተጸንዔን ካብ መጻሕፍቲ ብምግልባጥ ዝተረኽበ ሓሳብ ዝተመልኤ ዘይኰነ ካብ ልቢ ዝነቐለን ንሞሮኮ ጥራሕ ዘይኰነ ንመላእ ዓለም ዝዛረብ እዩ።

ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘተባብዕን ኣብ ሞርኮ ኣብ መንጐ ክርስቲያን ኣስላምን ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕን ካብ ምሕዝነትን ናብ ሕድ ሕዳዊ ምልላይን ምስግጋር የድሊ፡ ስለዚህ ኵላዊ ሕውነት ካብታ እንነብረላ ቤትን ቝሸትን ሃገርን እዩ ዝብገስ፡ ካባይ እዩ ዝብገስ፡ ባዕሎም ንጉስ ሞሓመድ ሻድሻይ እውን ምክእኣል፡ ተኸኣሊልካ ምንባር እዅል ኣይኰነን ከምዝበልዎ፡ ሓቂ እዩ፡ ምክእኣል ዘይኰነ ኣብ ሕውነት ዝጸንዔ ርክብ እዩ ዘድልይ፡ …. ዜጋታት ኣብ ገዛእ ሃገሮም ክነብሩን ንስደት ከይዳረጉ ዓለም ዝኽተሎ ፖለቲካውን ኤኮኖምያውን ማሕበራውን ሕግታት ክምልከት ኣለዎ፡ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ናይ ተፈጥሮ ጸጋታት ንናይ ኵሉ ጥቕሚ ምውዓል ወሳኒ እዩ፡ እዚ ቅዱስነቶም ደጋጊሞም ዘቕርብዎ ምዕዳን እዩ ምስ በሉ ቤተ ክርስቲያን እትዓብይ ሃይማኖት ብምስዳዕ ዘይኰነ ከምቲ በነዲክቶስ መበል 16 ደሓር እውን ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝበልዎ ኣብዛ መሬት መንግስቲ ኣምላኽ ብምስፋሕ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም። 

02 April 2019, 17:37