ስቓይን ሞትን ትንሳኤን ኣብ ስነ ቅብእን ንድፍን  ጆቶ ስቓይን ሞትን ትንሳኤን ኣብ ስነ ቅብእን ንድፍን ጆቶ 

ስቓይን ሞትን ትንሳኤን ኣብ ስነ ቅብእን ንድፍን ጆቶ

ጆቶ ብዛዕባ ዓርቢ ስቕለት ሽዱሽተ ዓውደ ፍጻሜታት የቕርብ፡ እቲ ማእከልን ሰፊሕ ውዕዋዖ ዝረኣየሉ ኣብቲ ደብረ ዘይቲ ዝፍጸም ኢየሱስ ብይሁዳ ክሰዓም እንከሎ ዘርኢ ክሕደት ይሁዳን ጴጥሮስ ነዲሩ ብሰይፊ ንሓደ ጊልያ ሊቀ ካህናት እዝኑ ይቆርጽ እሞ ኢየሱስ ዝፈጸሞ ተኣምርን

ኣብ ኢጣሊይ ከተማ ፓዶቫ ኣብ ዝርከብ ናይ ስክሮቨኚ ልዑላን ስድራ ቤት ቤተ ጸሎት ኣብ ክፍለ ሃገር ቶስካና ከተማ ፊረንዘ ከባቢ ኣብ እትርከብ ንእሽተይ ኮለ ዲ ቨስፒኛኖ ቑሸት ኣብ 1267 ዝተወልደን ኣብ ከተማ ፊረንዘ ዕለት 8 ጥሪ 1337 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልየ ዓለም ለኻዊ ተፈላጥነት ዘለዎ ወሩይ ናይ ስነ ቅብእን ንድፍን ሊቅን ጆቶ፡ ስቃይን ሞትን ትንሳኤን ክርስቶስ ዝትርኽ ሳልስተ ፋሲካ ብቅብእን ስእልን ብሰፊሕ ዝትንትን ናይ ስነ ጥበብ ስርሑ ከምዝርከብ ክፍለጥ እንከሎ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጆቶ በቲ ዘለዎ ዓቢይ ናይ ስነ ቅብኢ ክእለት ኣቢሉ ዘዘንትዎ እንኰን መዳርግቲ ዘይብሉ ናይቲ ተልእዀኡ ዲያኰንያ - ኣገልግሎት ዝብል ተልእዀ ዘለዎ እምነት ክርስትናን ናይ ወንጌል ሓቂ ጽባቔኡ ህብረ ቀለም ኣወሃሂዱ ማጽ (ናይ ስእሊ ብሩሽ) ብምጥቃም ዝጭበጥን ስድህሰስን ገይሩ የቕርቦ፡ እዚ ናይ ስነ ቅብኢ ስርሓቱ ኣብ ዓለም ዓቢይ ናይ ስነ ባህሊ ውርሻ ተባሂሉ ዝግለጽን መስህብ በጻሕያን እውን ከምዝዀነ ይፍለጥ።

ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብራኽካ ዓጺፍካ ምቕራብ ጥራሕ ዝግብኣካ ደረት ሰገር ዝዀነ ፍቕሪ ብቅብእን ንድፍን ኣቢሉ ጆቶ ይትርዀ፡ ብዙሓት እውን ነዚ ናይ ሳስተ ፋሲካ ስርሓት ቅብኢ ናይ ጆቶ ልክዕ ከምቲ ናይ ዳንተ ኣሊገይሪ፥ መለኵታዊ ትረኻ ዝብል ድርሰቱ፡ ነቲ ናይ ጆቶ ናይ ስነ ቅብኢ መለኰታዊ ትረኻ ቢሎም ይገልጽዎ፥ እቲ ካብ ናይ ጐይታ ናይ መወዳእታ ድራር ጀሚሩ ክሳብ ትንሳኤ ዘሎን ዕርገትን ስዒቡ እውን ኣብ በዓለ ሓምሳ ምጽኣት መንፈስ ቅዱስን የዘንትው፡ ስነ ኢየኡስሳውን ስነ ክርስቶሳውን ቲዮሎጊያ ዘጠቓልል ብ12 ዓውደ ፍጻሜታት ቅብኣ ኣቢሉ የዘንትዎ።

ታሪኽ ኢያቄንም ሃናን ቅድስተ ድንግል ማርያምን ታሪኽ ኢየሱስ ካብ ዕሸልነት ክሳብ ወግዓዊ ምጅማር ተልእዀኡ ዘሎ ታሪኽ እውን ይድህስስ፡ ናይ ስነ ቅብእን ስነ ንድፍን ታሪኽ ሊቅን ተንታኒ ሮበርቶ ፊሊፐቲ፥ ኣብታ ጆቶ፡ ቤተ ጸሎት ዘስክሮቨኚ  ኣብ ዘርእስታ መጽሓፎም ብዕምቆት የብርህዎ፡ ቅብእን ንድፍን ተዘክሮ እዩ፡ እዚ ተዘክሮ’ዚግ ግና ምንፋቕ ኣይኰነን፡

ዘንበት ዘሆሳዕና

ንጽብሒቱ እቲ ንበዓል ዝመጸ ብዙሕ ህዝቢ፡ ኢየሱስ ናብ የሩሳሌም ከም ዚመጽእ ሰሚዑ፡ ጨናፍር ኦም ስየ ኣልዒሎም ኪቕበልዎ ወጹ። እናጨደሩ ኸኣ፡ ሆሳእና፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ንጉስ እስራኤል ብሩኽ እዩ፡ በሉ።  ከምቲ፥ ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ኣይትፍርሂ፡ እንሆ፡ ንጉስኪ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ይመጽእ አሎ፡ ኢሉ እተጻሕፈ፡ የሱስ ከኣ ጻዕብ ኣድጊ ረኺቡ ተወጥሖ (ዮሓ. 12. 12-15)

ጸሎተ ሓሙስ፥ መባእታ ሳልስተ ፋሲካ (ቅዱስ ሓሙስ)

ጸሎተ ሓሙስ/ቅዱስ ሓሙስ፡ ኣብዛ ዕለት እዚኣ ክልተ ስርዓተ ሊጡርጊያ ይፍጸም፡ እቲ ቀዳማይ ንጐሆ እቲ ካልኣይ ከእ ድሕሪ ቐትሪ ዝስራዕ እዩ፡ ጸሎተ ዘሰርክ ወይ ናይ ምሸት ቅዳሴ እዚ ኸኣ  ድራር ዘእግዚኣነ ዝብል መጸውዕ ዘለዎን ናይ ኢየሱስ ናይ መወዳእታ ሕማማትን ሞቱን ትንሳኤኡን ዝዝከረሉ ሳልስት መባእታ እዩ።

ቅዱስ ሓሙስ ወይ ጸሎተ ሓሙስ ብኻልእ ኣገላልጻ እውን ናይ ምስጢራት ሓሙስ ተባሂሉ ይጽዋዕ። መባእታ ሳልስተ ፋሲካ፡ እዚ ሊጡርጊያ ሳልስተ ፋሲካ’ዚ ሰንበት ኣብ ዋዜማ ዘትንሳኤ ጫፍ ምስ በጽሔ ኣብ ሰንበት ዘፋሲካ ብካልኣይ ጸሎተ ዘሰርክ ይዛዘም፡ ድሕሪ ሊጡርጊያ ድራር ዘእግዚኣነ ክርስቲያን ጉባኤ ብጽሞና ይፋነው፡ ኣብ ዓርቢ ስቕለት እውን ከምኡ፡ እዚ ጽሞናን ጸሎትን ጉባኤ ክርስቲያን ኣብ ዋዜማ ፋሲካ ይፍታሕ፡ ደወል ኣቢያተ ክርስቲያን ከም ትእምርቲ ሓሴት ኣብ ኩሉ ይስማዕን ማሕበረብ ክርስቲያን ቡራኬ ይቕበልን።

ምብራኽ ዘይት

ዕለት ቅዱስ ሓሙስ ወይ ጸሎተ ሓሙስ ክልተ ዝተፈላለዩ በዓላት ይስራዕ፡ እቲ ቀዳማይ ንጐሆ ኣብ ኵለን ካቴድራላት ባርዀት ቅብኣ ቅዱስ ይፍጸም፡ እዚ ኣብ ዕለተ ቅዱስ ሓሙስ/ጸሎተ ሓሙስ ዝባረኽ ዘይት ወይ ቅብኣ ቅዱስ ንምሉእ ዓመት ምስጢረ ጥምቀትን መሮንን ንምስጢረ ማዕርግን ንምስጢረ ቅብኣ ፈውስ ወይ ንምስጢረ ቀንዲልን ንቅብኣ ንኡሳን ክርስቲያን የገልግል። ነዚ ስነ ስርዓት ሊጡርጊያ ብውሉደ ክህነት ተሰንዩም ምብራኽ ቅብኣ ዝሰርዕ ጳጳስ እዩ፡ ኵሎም እቶም ውልደ ክህነት ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቁምስናኦም ናይ ጐይታ ናይ መወዳእታ ድራር ስርዓተ ሊጡርጊያ ይሰርዑ።

ድራር ዘእግዚእነ፥ እቲ መዳርግቲ ዘይብሉ ፍጹም ዓቢይ ገዛእ ርእሱ የትሕት/የንእስ

ኢየሱስ ከኣ ኣቦኡ ንዅሉ ኣብ ኢዱ ኸም ዝሃቦ፡ ካብ ኣምላኽ ድማ ከም ዝመጸ ናብ ኣምላኽውን ከም ዚኸይድ ፈሊጡ፡ ካብ ድራር ተንሲኡ ኽዳውንቱ ኣንበረ፡ ዓለባ ኣልዒሉውን ተዓጥቀ። ደሓር ማይ ኣብ ሒላብ ኣዕሪቑ፡ ኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ኺሐጽብን በቲ እተዓጥቆ ዓለባ ገይሩ ኺደርዝን ጀመረ (ዮሓ. 13. 3-5)

ዮሓንስ ወንጌላዊ ኢየሱስን ደቀ መዛሙርቱ በዓለ ኣዚሚ ወይ ከኣ እቲ ብሃይማኖት ኣይሁድ ዓብይ በዓለ ተባሂሉ ዝንገረሉ በዓለ ፋሲካ ንምብዓል ብሓባር ኣብ መኣድ ድራር ይቕመጡ። ብዘይ መባዅዕቲ ዝተሰናደው ህብስትን መሪር ኣሕምልትን ስጋ ዕየትን ልክዕ ከምቲ ኣይሁዳዊ ባህሊ ብዝሓቶ መሰረት ዝበዓል ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ድራር ንኢየሱስን ንደቀ መዛሙርቱን ዝተፈለየ ኣገባብን ዘለዎ ይኸውን፡ ናይ መወዳእታ ድራር እዩ ዝኸውን፡ እቲ ኵሉ ናይ ኣይሁድ ትእምርቲ ዝሕድስ ድራር፡ እቲ ዕየት ባዕሉ እቲ ንመላእ ድሕነት ዓለም ገዛእ ርእሱ ኣሕሊፉ ዝህብ ንዅሎም ኣብቲ መዓዲ ዝሓብሩ ዝፍተት ሕብስቲ ትእምርቲ ቅዱስ ቁርባን ወልደ እግዚኣብሔር ዝዀነ ኢየሱስ መላእ ዓለም ዘድሕን ገዛእ ርእሱ ንድሕነት ኵሉ ዝወሃብ እንጌራ ብዝኸውን ኢየሱስ ይትካእን ምልኣተ ትርጉም ይዕደልን። እቲ ካልእ ኣብ ጸሎተ ሓሙስ ንኢየሱስ ፍልይ ዘብሎን ብፍሉይ ዝገልጾን፡ ሰብ ኣብ መንጐ ሰባት ምዃኑ እዩ፡ ካብ ኵሎም ዝነኣሰ፡ ሕጽበተ እግር ዝፍጽም ኰይኑ ይቐርብ፡ ኣብቲ መዓድ ድራር ነጺሕካ ንምቕራብ እዩ ዘድልይ፡ ምእንቲ’ዚ ኣእጋሮም ይሓጽቦም፡ ናይ ምሉእን ፍጹም ኣገልግሎት መግለጺ። ጆቶ ኣብታ ጸሎተ ሓሙስ እተዘንትው ቅብኡ ሓጢኣት ኣዳምን ፍቕሪ እግዚኣብሔር ንነፍሲወ ወከፍ ሰብን … እንክብሉ ፕሮፈሰር ፊሊፐቲ ኣብ መጽሓፎም ይገልጹ።

ዓርቢ ስቕለት

ጆቶ ብዛዕባ ዓርቢ ስቕለት ሽዱሽተ ዓውደ ፍጻሜታት የቕርብ፡ እቲ ማእከልን ሰፊሕ ውዕዋዖ ዝረኣየሉ ኣብቲ ደብረ ዘይቲ ዝፍጸም ኢየሱስ ብይሁዳ ክሰዓም እንከሎ ዘርኢ ክሕደት ይሁዳን ጴጥሮስ ነዲሩ ብሰይፊ ንሓደ ጊልያ ሊቀ ካህናት እዝኑ ይቆርጽ እሞ ኢየሱስ ዝፈጸሞ ተኣምርን ዘዘንትው ታሪኽ እዩ።

ሽዑ ንየሱስ ካብ ቀያፋ ናብ መጋባእያ ወሰድዎ፡ ንግሆ ድማ ነበረ። ንሳቶም ግና፡ ገንሸል ፋስጋ ምእንቲ ኺበልዑስ፡ ከይረኽሱ ናብ መጋባእያ (ቤተ መንግስቲ)  ኣይኣተዉን።  ስለዚ ጲላጦስ ናብኣቶም ወጺኡ፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰብኣይ እዚ ዘሎኩም ክሲ እንታይ እዩ፡ በሎም። ንሳቶም ድማ፥ እዚ ገባር ክፉእ እንተ ዘይከውንሲ፡ ናባኻ ኣይመሕለፍናዮን ኔርና፡ ኢሎም መለስሉ (ዮሓ. 8.28-30)

ኣብ ኵለን ናይ ላቲን ስርዓት ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን፡ ኣብ ዝፍጸሙ ስርዓተ ሊጡርጊያ መዝሙር ኣይህልውን፡ ጽሞና ጥራሕ፡ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣይዓርግን፡ ስለምንታይ ኵሉ ቦታን ግዜን ኣብ ናይ ኢየሱስ ሕማናትን ሞትን ዘማእከለ ስለ ዝኸውን፡ ኣብ ምድሪ ተደፊእካ ዝስገደሉ፡ ሓመድ ምዃንካ ዘዘኻኽር፡ ኣብ ናይ ኢየሱስ ሕማማት ብምስታፍ ስቅያቱ ተስተንትን፡ ናይ ሓዘን መዓልቲ ኣይኰነን፡ ንምድሓን መላእ ዘርኢ ሰብ እቲ ንወዱ እውነተይና ናይ ፋሲካ ገንሸል ገይሩ ክሳብ መስዋዕቲ ኣሕሉፉ ዝህብ እቲ መዳርግቲ ዘይብሉ ናይ እግዚኣሔር ፍቕሪ እነስተንትነሉ ዕለት እዩ።

ስቓይ ኢየሱስ፥ ጭካኔ ዝተመልኦ ፍርድን፡ ዘጋጥሞ ክሕንደትን፡ ክሳብ ኣይንፈልጦን ዝብል ደጋፍን ተኻፋልን ዘይብሉ በይናውነት ኣብ ስቓይ፡ የባጭውሉን ይጸፍዕዎን፡ ጆቶ ናይ ኢየሱስ ፍኖተ ስቓይ ብጥልቂ ብቕብኣ ኣቢሉ የዘንትዎ፡ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብቲ ፍኖተ መስቀል እትነብሮ መሪር ሓዘን የርእይ፡ ፍኖት ዘጐልጐታ ትምሳሌኡ የዘንትው።

ንኽትገልጾ ዘጸግም መሪር ስቓይ ስቅላት፡ ሞት ኣብ መስቀል

እቶም ወንጌላውያን ዘዘንትውዎ ስቅላት ኢየሱስ፡ ጭካኔ ዝተመልኦ ምስማር ኣእድውካን ኣእጋርካን ሰንጡቑ ክሓልፍ፡ እቲ ትእምርቲ ቅዱስ ቁርባን ዝዀነ ካብ ጉድኑ ዝወጽእ ማይን ደምን፡ እዚ ቅዱስ ጽዋዕ’ዚ ጥልቂ ጽምኢ ህላዌ ዘርውይ፡ ሞቱ ሕውየት፡ ዝዀነሉ፡ ኣብ ናቱ ሞት ሕይወት ካልእ፡ እቲ ካብቲ ኣብ ርእሱ ዝተነብረሉ ናይ እሾኽ ኣኽሊል ካብ ርእሲ ኢደሱስ ደም ክንጠባጠብ ይገብር እሞ፡ እቲ ደመ ኣብቲ መስቀል ቀስ እናበለ ናብ ታሕቲ ገጹ ክወርድ እንከሎን መቕደላዊት ደሙ ክትሕብሰሉ፡ ኣብ ትሕቲ መስቀል ዓጽም ኣዳም ጆቶ የንብር፡ ዮሓንስ ንማርያም ኣብ ሕቕፎኡ ከጸናንዕ እንከሎን እቶም ጨካናት ንመን ወሰደ ናይ ኢየሱስ መንጠሊና ክጣልዑን፡ እቲ ሓለቓ ሚእቲ፥ ነቲ ስቑል ኢየሱስ ብሓቒ ወልደ እግዚኣብሔር እንክብል ክገልጾ እንከሎን፡ ናይ እምነት ኑዛዜ ዝተነብሮ ቅብኣ፡ በዚ ኑዛዜ እምነት’ዚ ኣቢሉ ብኽርስቶስ መግስቲ ኣምላኽ ከምዝወርስ ዘረጋግጽ።

ዝግዕር ሱቕታ፡ ቃል ኣልቦ ዝዀነ ካብ ቃላት ንላዕሊ ዝግዕር

ጆቶ ኣብቲ ዘቕርቦ ቅብኣ ቀዳም ዘስዑር፡ ኣብ ትሕቲ መስቀል ብወዳ ሞት ንበይና ዝተረፈትን ወዳ ኢየሱስ ትንፋሱ ቅድሚ ምሕላፋ ንዮሓንስ እነሄት ኣዴኻ እነሆ ወድኺ እንክብል ንሓድ ሕዶም ብሕድሪ ከወሃህቦም እንከሎን፡

ቅዱስ ቀዳም (ቀዳም ስዑር) ብላቲናዊ ባህሊ እውን መንጐኣዊ መዓልቲ ተባሂሉ ይስየም፡ ኣብ ስቓይ ስለ ሞት ኢየሱስን ሓሴትን ዓወትን ስለ ትንሳኤኡን ኣብ ዘሎ መንጐ ኩነት፡ ኣብዛ ዕለት እዚኣ ምንም ዓይነት ሊጡርጊዊ ስነ ስርዓት ኣይፍጸምን፡ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ጽሞናን ምጽባይን ኰይኑ፡ ነቲ ድሕሪ ሞት ኢየሱስ ደቀ መዛሙርት ዘጋጠሞም ስንባደን፡ ጥፉእነትን ብህራረን፡ ምድንጋራትን ኵሉ ዘስትንተነላ መዓልቲ እያ።

ቅዱስ ቀዳም ወይ ዓቢይ ቀዳም ዝብል መጸውዕ ዝወሃቦ እውን ክኸውን እንከሎ ገሊኣቶም እቲ ዝነወሐ መዓልቲ እንክብሉ ይገጽዎ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕይወት ሰብ ክሰፍሕ ዝኽእል ናይ ኣስተንትኖ መዓልቲ እዩ፡ ምንም ዓይነት ሊጡርጊያዊ ብዕሎት ዘይፍጸመሉ፡ ሱታፌ ቅዱስ ቁርባን ዘይንበረሉ፡ ብጽሞናን ጸሎትን ኣስተንትኖን እቲ ደቀ መዝሙርት ድሕሪ ሞት ክርስቶስ ዝተመከርዎ ስንባደን ፍርሕን ዝተሰምዖም ጥፉእነትን ናትካ ገርካ ብምንባር ንኢየሱስ ሃረር እትብለሉን እትጽበየሉን መዓልቲ እዩ። ቅዱስ ቁርባን ዘይስርዓሉ ዕለት ብምዃኑ ጦብላሕታ ጽሞናን፡ ሓሳብ ዘይኰነስ ብጭቡጥ ዝንበረሉ፡ ጥልቂ በይናውነት ምንባር ዘሕድሮ ምሉእ ውሳጣውን ደጋውን ጽሞና ዝንበረሉ።

ምሸት እቲ ዳርጋ ፋሲካ ትንሳኤ ተገይሩ ዝሕሰብ ናይ ዋዜማ ሊጡርጊያ ኣብ ቀዳም ዝጅምር ይኸውን፡ ናይ ቅልውላው መዓልቲ እውን ተባሂሉ ይግለጽ፡ ስለምንታይ ኣርባዕቲኦም ወንጌላውያን ብዛዕባ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዝብልዎ ነገር ስለ ዘልየለ፡ ድሕሪ ተቀብረ ክሳብ ተንስኣ እሙታን ዘሎ ኩነት ክትሓስብን ክትግምትን ጥራሕ ኢኻ እትኽእል። ሰብነት ኢየሱስ ኣብ መቓብር፡ ዕለቱ ብሃይማኖት ኣይሁድ መዓልቲ ዕረፍቲ ብምዃኑ፡ ደቀ መዛሙር ተዓጽዮም እንታይ ኰን ክኽሰት እዩ ቢሎም ይጽበዩ።

ማርያም እቲ ኣብ መስቀል ዝሞተ ወዳ ተሓቝይፋ እንከላ ዘርእይ ቅብኣ ጆቶ ልክዕ ነታ ኣብ መብልዒ ማል ዝተወልደ ወዳ ሓቝይፋ ንዝቐበኦ ስእለ ማርያም እትመሳሰል ገይሩ እውን እዩ ኣብ ትሕቲ መስቀል ዘቕርባ።

ናይ ጽሞና ግዜ ኣይነበረ

ፒዮስ መበል 12 ቀዳም ናይ ጽሞናን ኣስተንትኖን መዓልቲ ክኸውን ዝብል ንብዙሕ እዋን ተረሲዑ ዝነበረ ክርስቲያናዊ ልምዲ ዳግም ኣብ ሊጡርጊያ ስርዓተ ላቲን የተኣታትዉ፡ በዚ ኣገባብ’ዚ ሊጡርጊያዊ ሕዳሴ ከምዝገበሩ ናይ ሊጡርጊያ ሕዳሴ ታርኽ የመላኽት፡ እዚ ኸኣ ኣብ ናይ ክርስቶስ ሞት ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ካልእ እውን እንተዀነ ዘለዓለማዊ ሕይወት ኣብ ክርስቶስ ኣናሓሰበ ናይ ገዛእ ርእሱ ሞት ንኸስተንትንን ዘተባብዕ እዩ፡ መሲሕ ሞይቱን ተቐቢሩን እዩ፡ ስለዚህ ከኣ እምነት ዝፍተነላ መዓልቲ ትኸውን፡ ብምጽባይን ሃረር ብምባልን ዝንበረላ ዕለት። ዓርቢ ናይ መስቀል ቲዮሎጊያ ቀዳም ከኣ ናይ ሰቂለ ሕልና ቲዮሎጊያ ይንበር።

ናብ ሲኦል ወረደ

ኣብ ጥንቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ባህሊ ቀዳም ኢየሱስ ናብ ሲዖል ዝወረደላ መዓልቲ ተባሂሉ እውን ይግለጽ፡ ሰብ ብምልኣት ንምድሓንን ምስኡ ናብ ሰማየ ሰማይ ከሰጋግሮ ናብቲ ኣዚዩ ጥልቂ ዝዀነ ናብ ናይ ሞት መግስቲ ይወርድ፡ ኣብ ሲዖል ምስቲ ንዅሉ ሰብ ዝውክል ኣዳም ይራኸብ፡ ንኸበራብሮን ከኸተንስኦን፡ ዘይግብኦ ዘይብል ንዅሉ ዝተጸገወ ትንሳኤ የበስሮ፡ ኣብ መንጐ መቓብርን መንግስቲ ኣምላኽን ድልድል የቕውም፡ ኢየሱስ እቲ ዘተኣማምንን ፍቱን ዝዀነ ኣጽዋር መስቀል ምዃኑ ብምርግጋጽ፡ ሞት ብሞት ጥራሕ ከምዝሰዓር የበስር።

ሰዓታት እኖ (ቅድስቲ ድንግል ማርያም)እመ ጽሙረ
ካብ 30 ዓመታት ንነጀው ቅዱስ ቀዳም ወይ ቀዳም ስዑር ብናይ ቢዛንታይን ባህሊ መሰረት፡ ሰዓታት እመ ኣምላኽ ዝበዓለሉ ዕለት እዩ፡ ናይ ማርያም ተክለ ሰብነት ዝስትንተነሉን ብወዳ ሞት ምኽንያት ዝስምዓን እትነብሮን መሪር ስቓይን ተስፋ ኣብ ትንሳኤኡን፡ ቅዱስ ኢግናዚዮ ዘሎዮላ እመ ሕማማት ዝብል መጸውዕ ክህባ በዚ ምኽንያት’ዚ እዩ፡ ኣብ ትሕቲ መስቀል ብወዳ ሞት ንበይና ዝተረፈትን ወዳ ኢየሱስ ትንፋሱ ቅድሚ ምሕላፋ ንዮሓንስ እነሄት ኣዴኻ እነሆ ወድኺ እንክብል ንሓድ ሕዶም ብሕድሪ የዋሃህቦም፡ እዚ ኸኣ ማርያን ዝተቐበለቶ ናይ ኣደነት ተልእዀ ደረት ኣልቦ ምዃኑ የረጋግጽ። ብዘይ ደቂ ክትተርፍ ዘይከኣል እዩ፡ ቤተ ክርስቲያን ካብቲ ስቓይን እምነትን ማርያም ትውለድ፡ ምስኣ ኣብ ትሕቲ ናይ ኢየሱስ መስቀል ብተስፋ ትዅላዕ፡ ካብ 1987 ዓ.ም. ዓመተ ማርያም ካብ ዝተበዓለሉ ዕለተ ኣትሒዙ ቀዳም ስዑር ኣብ ሮማ ኣብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ ብሰበኻ ደረጃ ይበዓል፡ ቀዳም ምስ ማርያም።

ሰንበት ዘፋሲካ፥ ትንሳኤ ዘእግዚእነ

ኢየሱስ እቲ ካብ ሞት ዝተንስኤ ንመገደላዊት ብስማ ይጽውዓ፡ ንሳ እውን ትፈልጦ መምህር ክትብል ትጽውዖ፡ ጆቶ እቲ ርክብ ዝገልጽ ዘቕርቦ ቅብኣ ብሓቂ ዝምስጥን ርግኣትን ዕረፍትን ዝዓሰሎ ሃዋሁ ከምዘሎ ብዝጥቀሞ ሕብርታትን ቀለማትን ኣቢሉ ይሕብር፡ ቅዶት ዝተመልኦ ጥዑም መኣዛ ትእምርቲ ዘለዓለማዊ ሕይወት ዘመላኽት ሃዋሁ የመላኽት።

ነዚ ዅሉ ሕማማትን ትንሳኤን ኢየሱስ ብቕብኣ ኣቢሉ ዘቕረበ ጆቶ፡ ብሓቂ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ዘብሎ ምዃኑ ፕሮፈሰር ሮበርቶ ፊሊፐቲ ኣብታ ንንባብ ዘብቅዕዋ መጽሓፎም ይገልጹዎ፡ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅን ናይ ስነ ቅብኣ ሊቅን ኣብ ጆቶ ሓደ ይዀኑ፡ ኣብቲ ቅብኣ ኢደ እግዚኣብሔር፡ እቲ ንዅሉ ዝዀነ ነገር ብይዅን ዝብል ቃሉ ዝፈጠረ እግዚኣብሔር ኢድ።

ክርስቲያናዊ ስነ ቅብ፥ ናይ ድኻታት መጽሓፍ ቅዱስ

ስለዚህ ክርስቲያናዊ ስነ ቅብኣ፡ ዲያቆናውነት እዩ፡ ኣገልጋሊ ናይ ድሕነት ምስጢር፡ ብሓጺሩ ናይ ድኻታት ቅዱስ መጽሓፍ እዩ። እቶም ትምህርቲ ዘይረኽቡ ዝነበሩ ድኻታት እዮም ዝነበሩ፡ ትማሊ ከም ሎሚ፡ ናይ ትምህርቲ ዕድል ዝተነፍጐም፡ መደብ ምድሓን ኣምላኽ ዘንብብሉ እዩ፡ ንኣኣታም ቅዱስ መጽሓፎም፡ እቲ ንኣኡ ቢሉ ዝፈጠረና ኣምላኽ፡ ልብና ክሳብ ንኣኡ ዘይረኸበ ዕረፍቲ ኣይክህልዎን እዩ፡ ዝብል ናይ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ጥልቂ ኑዛዜ ዝንበሮ እውን እዩ፡ ክርስቲያናዊ ስነ ቅብኣ ካላአ ወንጌል እዩ እንክብሉ ፊሊፐቲ ኣብ መጽሓፎም ሰፊሕ መብርሂ የቕርቡ።

ስቓይን ሞትን ትንሳኤን ኣብ ስነ ቅብእን ንድፍን ጆቶ

Photogallery

ስቓይን ሞትን ትንሳኤን ኣብ ስነ ቅብእን ንድፍን ጆቶ
26 April 2019, 09:21