ናይ ሃገራት ሰሜን ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት፥ መጻኢ ብመንጽር ተስፋ ናይ ሃገራት ሰሜን ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት፥ መጻኢ ብመንጽር ተስፋ 

ናይ ሃገራት ሰሜን ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት፥ መጻኢ ብመንጽር ተስፋ

ብፁዓን ጳጳሳት ሃገራት ሰሜን ኤውሮጳ እቲ ኣብ ኖርወይ ካብ ዕለት 21 ግንቦት ክሳብ ዕለት 24 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ዝካየድ ናይ ሰሜን ኤውሮጳ ሃገራት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሳልሳይ ጉባኤ ስድራ ቤት መርሕ ቃል፥ ፍቕሪ ኣብ ስድራ ቤት ንቤተ ክርስቲያን ሓይሊ ዝብል

ናይ ሃገራት ሰሜን ኤውሮጳ፡ ኖርወይን ደንማርክን ስዊድንን ፊንላንድን ኣይስስላንድ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ኖርወይ ከተማ ትሮንድሃይም ዕለት 2 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ኣብ ዝዛዘሞ ዓውደ ጉባኤ፡ እቲ ኣብ 2020 ዓ.ም. ናይ ዝካየድ ጉባኤ ስድራ ቤት መርሕ ቃል፡ ፍቕሪ ኣብ ስድራ ቤት ንቤተ ክርስቲያን ሓይሊ እዩ ብዝብል ቃል ዝምራሕ ምዃኑ ከምዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

መጻኢ ብመንጽር ተስፋ፡ እዚ ሓሳብ’ዚ ኣብቲ ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ዝወጸ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ተመልኪቱ ከምዘሎ ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፡ ናይቲ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጠቕላሊት ዋና ጸሓፊት እናቴ ኣና ሚሪዣም ካሽነር፥ ኣብ ዝሃበኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ ሃገራት ሰሜን ኤውሮጳ ብዝሒ ካቶሊካውያን ክብ ይብል ከምዘሎን፡ እዚ ኸኣ ብጸኣት ስደተናታት ምኽንያት ምዃኑ ሓቢረን፡ ስደተይናታት ንናይተን ከባቢ ሃገራት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ንዝኣትዉለን ሃገራት እውን ዓቢይ ሃብቲ ምዃኖም ገሊጸን፡ ብዙሓት ካብ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝመጹ እውን ብምዃኖም ንኣኣቶም ብብቕዓት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንምቕራብ ዝሕግዝ ተመክሮ ካብ ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ንምምልላይ፡ ኣብቲ ጉባኤ ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ጀርመን ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ምስ መንበረ ጴጥሮስ ውህደት ዘለወን ካቶሊክ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ድርገት ሓላፊ ብፁዕ ኣቡነ ዶሚኒክ ማየር ተረኺቦም ዘረባ ክምዘስምዑን ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክንክን ስደተይናታት ሰዓብቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ናይ ሓሳብ ልውውጥ ከምእተኻየደ ኣብ ዝሃበኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሓበራ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ኣብ 2020 ዓ.ም ጉባኤ ስድራ ቤት

ብፁዓን ጳጳሳት ሃገራት ሰሜን ኤውሮጳ እቲ ኣብ ኖርወይ ካብ ዕለት 21 ግንቦት ክሳብ ዕለት 24 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ዝካየድ ናይ ሰሜን ኤውሮጳ ሃገራት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሳልሳይ ጉባኤ ስድራ ቤት መርሕ ቃል፥ ፍቕሪ ኣብ ስድራ ቤት ንቤተ ክርስቲያን ሓይሊ ዝብል ምዃኑ እቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ከምዝወሰነ እናቴ ካሽነር ገሊጸን፡ ናይቲ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ደንማርካዊ ብፁዕ ኣቡነ ክዘስላው ኮዞን፡ እቲ ጉባኤ ስድራ ቤት ነቲ ኣብ ሃገራት ሰሜን ኤውሮጳ ውሁድ ክፍሊ ሕብረተሰብ ብምዃኑ ተነጺሉ ዝነብር ምእመን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቁጽሩ ክብ ይብል ከምዘሎ ንኸስተውዕል ዝድግፍ እውን እዩ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ፡ ኣተሓሒዙ፡ ተጋባእያን ብፁዓን ጳጳሳት ታውትራ ኣብ ዝርከብ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ኣብ ሰሜን ኤውሮጳ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፍርያማነት ትእምርቲ ተባሂሉ ዝግለጽ ገዳም ምብጻሕ ኣካይዶም ብዝሒ ገዳምውያን ካብ ሸውዓት ናብ 14 ክብ ከምዝበለ እውን የዘኻኽር።

ናይ ሃገራት ሰሜን ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት፥ መጻኢ ብመንጽር ተስፋ
06 April 2019, 16:18