መሠረት ቤተመቅደስ ኢየሩሳኣሌም! መሠረት ቤተመቅደስ ኢየሩሳኣሌም! 

ሰንበት ዘምኵራብ ጾም ፵ የካቲት 8/ 2011 ዓ.ም. (3/17/ 2019)

መዝሙር፡ ቦአ ኢየሱስ ምኵራበ አይሁድ ወመሃረ ቃለ ሃይማኖት. . . . . ኢየሱስ አብ ቤት ጸሎት አይሁድ አተወ። ካብ መስዋዕቲ ምጽዋት እፍተወኒ አነ ዋንአ ንሰንበት አቦአ ንምሕረት እየ፥ ንቤት አቦይ ቤት ሸቐት አይትግበርዋ ቤተ ጸሎት እያ እትስመ፥ ሰንበት አኽብሩ ሠናይ ግበሩ ንብጻይኩም አፍቅሩ ንድኻታትን መሳኺንን ራሕርሑ እምነት ክተሕድሩ።
ብድምጺ ንምክትታል ኣብ`ዚ ጠውቑ!

ንባባት፡ ቆላ 2፡16-ፍ፥ ያዕ 2፡1-13፥ ግ.ሓ 10፡1-9፥  ሉቃ 19:፡45-ፍ።   ስብከት፡ እስመ ቅንአተ ቤተከ በልዓኒ፥ ትዕይርቶሙ ለእለ ይትዔየሩከ ወድቀ ላዕሌየ፤ ወቀጻዕክዋ በጾም ለነፍስየ” ንቤትካ ዘሎኒ መንፈሳዊ ቅንኢ ከም ሓዊ የንድደኒ አሎ፥ ጸርፊ እቶም ዝጸርፉኻውን አባይ ወደቐ፥ ንነፍሰይ ብጾም አሕሳእክዋ። መዝ. 69፡9።  

አብ መዓልቲ ሰንበት ንአምላኽ ዘሕጉስ ነገር ክንገብር፥ ሕይወትና ቤት አምላኽ ገርና ክንጉዓዝ። ሰናይ እናገበርና ንሓውና ሓፍትና ክነፍቅር እሞ እምነትና ሕያው ክንገብር ከም እንኽእል ይነግረና። ኢየሱስ ነዚ አብ ቤተ መቕደስ ሰቢኽዎ ሎሚ እውን አብ ልቢ ነፍሲ ወከፍና ብቤተ ክርስትያኑ ገሩ ይሰብኮ አሎ።

ኢየሱስ መድኃኒና አብዛ ምድራዊት ዓለም እንከሎ ደጋጊሙ አብ ቤተ መቕደስ ከምዝተመላለሰ ንርኢ እዛ ሎሚ ዘንበብናያ አብ ኩሎም ወንጌላውያን (ማቴ 21፡12-17፥ ማር 11፡15-19፥ ዮሓ 2፡13-22) እትርከብ ፍሉይ ጦባላሕታ አብ ቀደሞት ክርስትያን ከም ዘሕደረት ንርኢ። አነጻጺርና እንተ ረአናዮ ገለ ፍልልያት ንርእየሉ፥ ንቅ. ዮሓንስ ምንጻሕ ቤተ መቕደስ አብ 2፡13-22 ይዛረበሉ አብቶም ሰለስተ ካልኦት ወንጌላውያን ግና አብ መጨረሻ ይዛረቡሉ። ነዚ ክልተ መግለጺ ክውሃቦ ይክአል፥ ካብ መጀመርያ ክልተ ምጽራይ ቤተ መቕደስ ተገሩ ክኸውን ይክአል ወይ ከአ ዮሓንስ ነቲ ታሪኽ አብ ምጅማር ተልእኮ ኢየሱስ አምጺእዎ እዚ ኸአ ተሎጋዊ ትርጉም ክህቦ ስለ ዝደለ እዩ። ኢየሱስ እቲ መስሕ ምኻኑ ካብ መጀመርያ ኽገልጽ ስለ ዝደለ፥ እቶም ካልኦት ወንጌላውያን ግን መስሕ መዃኑ ቀስ ብቐስ እዩ ተገሊጹ። አብ ማእከል እቲ ፍጻሜ ፍልልይ አቀራርባ ንርእየሉ። ዮሓንስ አብዑር፥ አባግዕን ረገቢትን አብቲ ዕዳጋ ከም ዝነበረን ካብ ገመድ ጩግራፍ ተቲዑ ከምዝሰገጎም ይነግር። ማቴዎስን ሉቃስን አብዚ ሕጂ ሆሳዕና ኢልና እነብዕሎ እዋን ከም ዝተፈጸመ ይነግሩ፥ ንማርቆስ ግን ድሕሪአ ዘላ መዓልቲ ከም ዝኾነ ይነግረና (11፡1-17) በብናቶም ምስቲ ክብልዎ ዝደለዩ አሰማሚኦም ይነግሩና እቲ ፍጻሜ ግን ተገሩ እዩ።

አብ ጊዜ ኢየሱስ ንዝነበሩ አይሁድ ቤተ መቕደስ ኩሉ እዩ ነሩ። ማለት ማእከል ናይ ፖሎቲካዊ፥ ቍጠባዊ፥ ማሕበራውን ሃይማኖታውን ብምልኡ መንግስቲ እስራኤል እዩ ነሩ። ኢየሱስ አብዚ ማእከል ናይ ኩሉ ዝኾነ ቤተ መቅደስ ከይዱ ንኹሎም ነቶም አብኡ ዝነበሩ ዝሸጡን ዝሻያጡን ዝነበሩ ምስ ኩሉ ንብረቶም ገላበጦም “ቤተይ ቤት ጸሎት እዩ ንስኻትኩም ግን ቤት ሸቐት ገርክምዎ” እናበለ ሰጎጎም። እዚ ቤተይ ቤት ጸሎት ዝብል ካብ ኢሳ 56፡7 ከምኡ “ንስኻትኩም ብዓቲ ጉሓሉ ገበርኩምዋ” ዝብል ካብ ኤር 7፡11 ጠቒሱ ሰጒጉዎም።

ቤተ መቕደስ አብ ልዑል አምላኽ መስዋዕቲ ከም ስርዓት አምላኽኦም ገሮም ዘቕሩቡሉ ዝነበሩ ፍሉይ ቦታ እዩ ነሩ። ነጋድያን ካብ ዝተፈላለየን ርሑቕን ስለ ዝመጽኡ ዝነበሩ ምስኦም ንመስዋዕቲ ዝኸውን እንስሳ ከቕርቡ ነርዎም እንተ ኾነ እቲ እንስሳ ዝኾነ መንቅብ ዘይብሉ ብኹሉ ምሉእ ክኸውን አለዎ፥ አብ ጉዕዞ ዝኾነ ጉድአት ዘይወረዶ ክኸውን አለዎ፥ በዚ ምኽንያት ካብ ኢየሩሳሌም ኽገዝእዎ ዝቐለለ እዩ። አብ መጀመርያ እቲ ዕዳጋ ካብ ቤተ መቕደስ ርሕቕ ዝበለ እዩ ነሩ እንተ ኾነ አብ ገለ እዋን አብ መካባባያ ቤተ መቕደስ አብቲ ናይ አረማውያን ቦታ ዝብልዎ ይፍጸም ነሩ። ገንዘብ ዘሽርፉ እውን አብኡ ነሮም። መብዝሕትኦም ነጋድያን ናይ ሮማውያን ገንዘብ እዮም ሒዞም ዝመጽኡ ነሮም እንተ ኾነ እዚ ገንዘብ ናይ አምላኾም ምስሊ ስለ ዝነበሮ ከም መባእ ክቐርብ አይክአልን እዩ ስለዚ አብ ናይ እስራኤላውያን “ሸክል” ክቕየር አለዎ። ስለዚ መሽረፍቲ ገንዘብ እውን ንጥቕሚ ኩሉ አብኡ ነሮም። እዚ ግን አብ ክንዲ ቤት አምላኽ ዝገብሮ ናይ ዕዳጋ ናይ ጫውጫውታ ቦታ ገርዎ።

ቤተ መቕደስ ንዓለም አብኡ ዘሎ ቅድስና አምላኽ አብ ክንዲ ዘንጸባርቕ አብኡ ሸቐጥን ምጥፍፋእን ተራእዩ። አብ ቤት አምላኽ፥ አምላኽ ዘይቅበሎ ምጥፍፋእን ዓመጽን ክፍጸም ክትርኢ ብዝኾነ መለክዒ ቅቡል አይኮነን። አብዚ ሓደ እንርእዮ ወዲ ሰብ ንኽፍአት ናተይ ኢሉ ምስ ተተሓሓዞ አየሰክፎን እዩ። ወላ ሰባት ይኽዓብዎ ብአኡ ይዛረቡ ስክፍ አይብሎን እዩ፥ አብ ገለ እዋንስ ንአኡ ዘይስዕቡ ድሑራትን ምስ ግዚኦም ዘይከዱ ኮይኖም ይርአዩ። ዓለም ዕውረት ልቢ ምስገዝአ ቀዳማይ እትገብሮ ንቤት አምላክ ምርኻስን አንጻሩ ምዃድን እዩ እዚ አብ ታሪኽ ብተደጋጋሚ ተራእዩ።

ነዚ ዝተዓዘቡ ቀዳሞት ክርስትያን ነቲ ኢየሱስ አብ ኢየሩሳሌም ዝገበሮ ምንጽሕ ምስቲ ነቲ ቤተ መቕደስ አምላኽ ዝኾነ ልብና ክኸውን ዘለዎ ምንጻሕ እናአነጻጸሩ ይርእይዎ ነሮም። ወንጌል ሉቃስ ዝነገረና ምስቲ አብ ትምህርቲ ቅዱስ ጳውሎስ እንረኽቦ “ቤተ መቕደስ አምላኽ” ዝብል ነቲ አብ መንጎናና አብ መንጎ አምላኽን ዘሎ ርክብ ንምግላጽ እዩ። 

ሰውነትካ፥ ልብኻ፥ ኩሉ ህላዌኻ፥ ገዛእ ርእስኻ ቤተ መቕደስ አምላኽ ክትከውን እዩ ድላይ አምላኽ። አብኡ ቅድስና ተረኺቡ አምላኽ ክሓድሮ እሞ ጸሎትና አብኡ ዘተኮረ ክኸውን። አብቲ ቤተ መቕደስ አምላኽ ዝኾነ ሰውነትና ዘይመልክዑን ዘይናቱን ሒዙ ክጉዓዝ እንከሎ ከምቲ ቤተ መቕደስ ኢየሩሳሌም ዝኾኖ እዩ ዝከውን። እቲ ቤትን ማኅደርን አምላኽ ክኸውን ዝነበሮ ልብና ቤት ሰረቕቲ፥ ዓመጽትን ብልሽውናን ዝሰፈኖን ንገብሮ። እዚ አብ ዑረት ሕልና አብጺሑ ንኽፍአት ዓወት ንድንቁርና ክእለት ንዕብዳን ምዕባሌ ገርና ከም እንርኢ ገሩ አብ ጸላም የንብረና።

ሰብ ክቡር ብአምሳል አምላኽ ዝተፈጥረ፥ ንሓቀኛ ተፈጥርኡ አብ ኩሉ ከንጸባርቕ ሕድሪ ተዋሂቡ ጣዕሚ ፈጣሪኡ ክርኢ ዝተዓደለ እዩ፥ እንተ ኾነ ክብሩ ረሲዑ አብ ዝተሓደ ደረጃ ምንባር መሪጹ። እዚ እውን ካብ ፍቕሪ አምላኽ አይፈለዮን እኳ ድአ ወልደ እግዚአብሔር ባህሪ ድኹም ፍጡሩ ለቢሱ ዳግም ብዝበለጸ ፍቕሩን ምሕረቱን ገሊጽሉ። ዕርቂ ሰማይን ምድርን ተዓዲልና ደቂ ሰማይ ኮና እዚ ብወገን አምላኽ እዩ፥ ብወገና ቅልስ አድልይና ምኽንያቱ ውዱቅ ባህርና ጌና ይረባረበና አሎ። በዚ ምኽንያት እዩ ንቕሓትን ምብርባርን ዘድልየና። ካብ አምላኸይ ርሒቐ ዘሎኹ ወይስ ምስኡ አሎኹ ኢልና ምስ ነፍስና ክንዛረብ እዋኑ እዩ። ጾም ነዚ ክንዕወት ምቹእ ባይታ ይፈጥረልና።

ጸላኢና ሰይጣን ክዕወተልና ኢሉ ከይሰልከዮ ይረባረበና አሎ። ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብለና ኩሉ ጊዜ ንቍሓት ክንከውን ይግባእ፥ ዘይ ንቝሕ ብቐሊል እዩ አብ ትሕቲ ጸላእቱ ዝወድቕ፥ ንሕና እውን ጸላእቲ አለዉና፥ ዓለም ሥጋ ሰይጣን ዘይ ሕለሉ ጸላእቲ ስለዚ ክንበራበር አሎና። እሞ ሎሚ ብፍሉይ አብዚ ጾምና እንታይ ክንበራበረሉ ዝግብአና ነገር አሎና። ብርግጽ አሎና መጀመርያ ርክበይን ርክብ አምላኸይን ተዳኺሙ ከይህሉ፥ ርክበይን ርክብ ከማይ ዝበለ ሰብን፥ ርክብ ምስ ገዛእ ርእሰይ ደስኪሉ ከይህሉ ክንርኢ ይግብአና።

ዓለም ካብ አምላኽ ክትፈየና፥ ብልሽውና ኽነግስ እሞ አብ ኃጢአት ወዲቕና ከም ቀዳሞት ወለድና ክንህውትት እያ እትደልየና። አብ ዝተመሃርናዮ ት/ክ እግዚአብሔር ምእንቲ ምንታይ ፈጠረና አብ ዝብል፥ ክንፈልጦ ክንፈትዎ፥ አብዚ ሕይወት ክነገልግሎ ዝብል ተማሂርና። እዚ እዩ ዓላማ ቤተ መቕደስ ምዃና። ስለዚ እዚ ቤተ መቕደስ አምላኽ ዝኾነ ልብና ብኃጢአት ዓለም ከይረስሕ ክንሕልዎ አሎና።

ሓረስቶስ አየት ምስ ኾነ ግራውቶም ይጸግኡን ይቕርቡን ነቲ አብ ግራውቶም ዝርከብ ዘይድለ ነገራት አጽርዮም ንዘርኢ ቅሩብ ይግብርዎ ከምኡ ዘይገበረ ሓረስታይ እቲ ዝድለ እቶት ክረክብ አይክእልን እዩ። አብ መንፈሳዊ ሕይወትና እዚ ዘሎናዮ እዋን ፍረ ክነፍሪ ቆጥቋጥ ልብና እንወፍረሉን እነጽረየሉን ጊዜ እዩ፥ ነዚ አብ ግምት ገርና ነፍሲ ወከፍና ልብና ክነጽር ንዕደም አሎና። አብ ጻዕዳ ኽዳን ዝኾነ ምልክት ርስሓት ክርአ ቀሊል እዩ ስለዚ ብጥንቃቐ ኢና እንለብሶ ምኽንያቱ ሰባት ብቐሊል ክርእይዎ ስለ ዝኽእሉ። ልብና ናይ አምላኽ ቦታ ስለ ዝኾነ ዝኾነ ርስሓት ከይርከቦ ሓለዋ የድልየና። ሓደ ካብቲ ድልዱል መጽረዩ ምስጢረ ንስሓ/ኑዛዜ ምዝውታር እዩ። አብ መንበረ ኑዛዜ አቲና ክነጽሪ እዋኑ እዩ። አብዚ ጊዜ ጾም አርብዓ ፍሉይ ኑዛዜ ኃጢአትና ክነዘውትር አሎና።

ኢየሱስ ማእከል ናይ ሕይወትና ገርናዮ እንተ ዘየለና ካልእ ሰፊርዎ አሎ ማለት እዩ። ከምቲ አብቲ ቤተ መቕደስ ዝገበሮ ገዛ ሰማያዊ አብኡን መጸለይን ዝገበሮ ከምኡ ኽገብሮ ይደሊ አሎ። ንኃጢአትን ንኹሉ ካልእ ካብ አምላኽ ዝፈልየና ርስሓት አጽርዩ ማኅደሩ ክገብረና ይደሊ አሎ። አምላኽ አብ ልብና ኃዲሩ አብ ኩሉ እንገብሮ ዕለት ዕለት ካባና ዝድለ እናፈጸምና ክነመስግን።

እዚ ወንጌል ንቆልዑት ክትገልጸሎም ከሎኻ ኢየሱስ ብሓቂ ጽቡቅ አይገበረን ንቤተ መቅደስ ከጸሪ ኢሉ ኃጢአት ገሩ ርአዮ ክሳብ ክንደይ ተቖጢዑ አሎ እናበሉ ስምዒቶም ይገልጹ። እንተ ኾነ ኢየሱስ ዝኾነ ኃጢአት አይገበረን፥ ቍጠዓኡ አምላኽ ክሳብ ክንደይ ንነፍሳትና ከጽሪ ከም ዝደሊ እዩ ዝገልጽ ዘሎ። አምላኽ ዝኾነ ካልእ አብኡ ዘሎና ፍቕሪ ወይ አምላኾ ብኻልእ ክውሰድ ወይ ክንህቦ አይደልን እዩ። እዚ ተቖጢዑ እንከሎ ዝርአ እቲ ከም ሓዊ ዝቃጸል ፍቕሪና ንሕና አብ ባርነት ኃጢአት ከይንወድቕ ኢሉ እዩ። ብወገና ካብ አምልኾ ጣኦትን ንአይ ይጥዓመኒን ርእሲ ምልክን ነጻ ክንወጽእ አሎና።

ጾም ንቤተ መቕደስ አምላኽ ክንጽሪ ዝተዋህበና ምሩጽ ጊዜ እዩ፥ ወላ አብ ገለ ጊዜ ኢየሱስ ጩግራፍ ተቲዑ ክገርፈና እንተ ደለ ወይ እውን ዘሎና ጠረጴዛ ኽገላብጦ እንተ ደለየ ክነፍቅደሉ ዘሎና ጊዜ እዩ። ኢየሱስ ሎሚ ዕድል እንተ ትህቦ ካብ ልብኻ እንታይ ከውጽአልካ ምደለኻ? ክአቱ እንተ ተፍቅደሉ እንታይ ከጽርየልካ ምደለኻ/ኺ? ሎሚ አብ ልብኻ እቶ እሞ እታ ከም እምኒ ዓረ አብ ልብኻ ደሪቓ ካብ አምላኽን ሰብን ፈልያትካ ዘላ ዓባይ ኃጢአት አፍቅደሉ ከጽርየልካ/ኪ።

ንኢየሱስ አብ ልብና ክአቱ እንተ አፍቀድናሉ ብርግጽ አብኡ ተሓድሶን ለውጥን ክኸውን እዩ። እቲ ጸገም ንሕና ክንምሓር ንደሊ ኢና ካብ ናይ ቀደምና ግን ክንቅይር አይንደልን ኢና። ንኢየሱስ አብደገ አብ ወሰን አብ ውሽጢ ልብና ከይአቶ ክጸንሕ ኢና እንደልዮ። አይትፍርሕ ክአቱ አፍቅደሉ ነቲ ኽገብሮ ዝደሊ ኽገብር አፍቅደሉ ሽዑ ክትጸሪ ኢኻ።

ኦ ኦየሱስ መድኅኒና እቲ ዝግብአካ ቦታ አብ ልብና ሓዝ። ካብ ኩሉ ኃጢአትና አንጺሕካ ማኅደርካ ግበረና። ኩሉ ጊዜ አብ መንጎና ኃዲርካ ቅሳነት ልቢ ሃበና፥ ብሓጎስ ምልአና፥ ንፍቓድካ ክንምልእ ኃይሊ ሃበና አሜን።

ጾምና ንስሓን ሕድገት አኃጢአትን ዘውርድ ገጽ አምላኽ ዝመልሰልና ካብ ኩሉ ኃጢአትና አንጺሑ ሕድገት አበሳና እንረኽበሉ ቅዱስን ዓወት ዝመልኦ ይግበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

16 March 2019, 13:03