ኤል ሳልቫድሮ፡ ጻውዒት ብፁዓን ጳጳሳት ንሓቀይና ብሔራዊ ዕርቂ ኤል ሳልቫድሮ፡ ጻውዒት ብፁዓን ጳጳሳት ንሓቀይና ብሔራዊ ዕርቂ  

ኤል ሳልቫድሮ፡ ጻውዒት ብፁዓን ጳጳሳት ንሓቀይና ብሔራዊ ዕርቂ

ሃገራውን ዕርቂ ብመሰረት ፍትሒ እምበር ተሓታትቲ ካብ ተሓታትነት ናጻ ምግባር ከገበን ምዃኑ ኣስተዒሉ

ናይ ሳን ሳልቫድሮ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኾሴ ልዊስ ኤስኮባር ኣላስ መንግስቲ ሃገሮም ናይ ብሔራዊ ዕርቂ ዝብል ዘርቀቖ ንድፈ ሕጊ ካብ ተኸሳስነትን መቕጽዕን ናጻ ዝብል ዓንቀጽ ዘጠቓለለ ብምዃኑ ኣባላት ሕዝባዊ ባይቶ ክቃወምዎ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 16 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ናይ ኤል ሳልቫዶር ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መበል 39 ዓመት ዝኽሪ ሰማዕትነት ቅዱስ ኦስካር ሮመሮ ኣብ አብዓለትሉ ዕለት ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘስምዕዎ ስብከት ከምዝሓተቱ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ልክዕ ከምቲ ኣብ 1993 ዓ.ም. ዘጽደቖ ኣክንዲ ንስድራ ቤት ጉዱኣትን ዝተቐትሉን ካሕሳ ዝብልን ንኣኣቶም ዝሓልይን ፍትሒ ዝህብ ዘይኰነስ፡ ብድብድቡ ዘይቅኑዕን ዘይፍትሓውን ዝዀነ ዘጽደቖ ዘይስሉጥን ዝዀነ ናይ ምሕረት ሕጊ ልክዕ ከምኡ ዝሕጂ እውን ናይ ብሔራዊ ዕርቂ ዘርእስቱ ተሓተትቲ ዘድሕን ዘርቅቖ ዘሎ ሕጊ ክቃወሞ ድሕሪ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብፁዕነቶም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡

ንፍትሒ ሓለፋ ዝብል

ሕዝባዊ ባይቲ ነቲ ዕለት 13 ሓምለ 2016 ዓ.ም. ጸዲቑ ዝነበረን ብባይቶ ኣኽባሪ ሕገ  ውድቂ ዝዀነ  ልክዕ በቲ መንፈስ ብሔራውን ሃገራውን ዕርቂ ብመሰረት ፍትሒ እምበር ተሓታትቲ ካብ ተሓታትነት ናጻ ምግባር ከገበን ምዃኑ ኣስተዒሉ ነዚ ሓድሽ ብሔራው ዕርቂ ዝምልከት መንግስቲ ዘርቀቖ ሕገ ንድፊ ክነጽጐ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ቤተ ክርስቲያን ሎሚ ከም ቀደም ኣብ ጐድኒ ዝተጐድኡን ኣብ ስቓይን መከራን ምስ ዝርከቡ እያ፡ ዝበሉ ብፁዕ ኣቡነ ኤስኮባር ኣላስ፥ ተሓተትቲ ብዘይ ፍርዲ ክተርፉ የብሎምን፡ ብዙሓት ዜጋታት ሕጂ እውን ይጭወዩን ኣበይ ከምዝኣተዉ ንምፍላጥ ዘጸግም ኵነት እዩ ዘሎ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎ ኣፍሊጡ።

ዝኽሪ ቅዱስ ኦስካር ሮመሮ

ብፁዕ ኣቡነ ኤስኮባር ኣላስ ኣብ ዝኽሪ መበል 39 ዓመት ሰማዕትነት ቅዱስ ኦስካር ሮመሮ፡ ምእመናን ዕለት 23 መጋቢት ኣብ ዝበዓል ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ኦካር ሮመሮ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴን ሰዓት ሓሙሽተ ኣብ ዝካየድ መንፈሳዊ ዑደትን ኣብ ቅርዓት ካቴድራል ምሸት ሰዓት ሸውዓት ኣብ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሲ እውን ንኽሓብሩ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

19 March 2019, 15:55