ኒካራጉዋ፡ ብፅዓን ጳጳሳት ኣብ መደብ  ብሔራዊ ዘተ ከምዘይሳተፉ ኣፍሊጦም ኒካራጉዋ፡ ብፅዓን ጳጳሳት ኣብ መደብ ብሔራዊ ዘተ ከምዘይሳተፉ ኣፍሊጦም 

ኒካራጉዋ፡ ብፅዓን ጳጳሳት ኣብ መደብ ብሔራዊ ዘተ ከምዘይሳተፉ ኣፍሊጦም

ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ሃገረ ኒካራጉዋ፡ ኣብዚ ሃገሮም ኣብ እተሕልፎ ዘላ ጽንኩር ታሪኻዊ እዋን ከም ጓሶት ናይታ ነጋዲት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኒካራጉዋ ንሕዝቢ ኣብ ስቓዩን ኣብ ዘሕልፎ ዘሎ መከራን ኣብ ተስፋታቱን ሓሴታትን ሓቢሮም ከምዘሰንይዎን

ኣብ ኒካራጉዋ ተኸሲቱ ዘሎ ፖለቲካውን ማሕብራውን ቅልውላው ንምውጋድ ንኽመክር ኣብ ዝተጸውዔ ብሔራዊ መደብ ናይ ክቢ ጠረጴዛ ዘተ ተሳታፍነት ንኽህልዎዝተዓደመ ናይታ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ከም ጓሶት ነቢያዊ ተልእዀኦም ብምስዓብ ንሃገሮም ኣብቲ ኣጓኒፍዋ ዘሎ ጽንኵር ኩነት ብጸሎቶምን ብገልግሎቶም ቃለ እግዚኣብሔርን ተጸሚዶም ከሰንዩ ምዃንም ዝገልጽ ድላዮም ዘረጋግጽ መግለጺ ከምዝሃቡ ተሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ናይ ኒካራጉዋ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዕለት 9 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ንመንግስቶምን ንፍትሕን ደሞክራስን በርገሳዊ ቃል ኪዳናዊ ማሕበርን ብሓባር ስለ እቲ ዘካይድዎ ብሔራዊ ናይ ክቢ ጠረጴዛ መደብ ዘተ ኣመስጊኖም ኣብቲ ከም ኣሰናይትን መስካርትን ብዝብል ስያሜ ኣብቲ ናይ ብሔራዊ ናይ ክቢ ጠረጴዛ መደብ ዘተ ንኽሳተፉ ዝቐረበሎም ዕድመ ከምዘይቅበልዎ ብዘውጽኦ ወግዓዊ መገልጺ ከምዘፍለጡ  ልእኽቲ ጋዜጠይናታት ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ፓትሪሲያ ይነስትሮሳ ኣፍሊጠን።

ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ሃገረ ኒካራጉዋ፡ ኣብዚ ሃገሮም ኣብ እተሕልፎ ዘላ ጽንኩር ታሪኻዊ እዋን ከም ጓሶት ናይታ ነጋዲት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኒካራጉዋ ንሕዝቢ ኣብ ስቓዩን ኣብ ዘሕልፎ ዘሎ መከራን ኣብ ተስፋታቱን ሓሴታትን ሓቢሮም ከምዘሰንይዎን ምእንቲ ሕዝቦምን ሃገሮምን ኣብቲ ንናይ ሓባር ጥቕሚ ኣብ ዝኣመተ ድልያ ሰላማዊ መፍትሒ ዝመርሖም ጐደና ስልጣነን ፍትሕን ከለልዩ መታን ከምዝጽልዩ የረጋግጹ ዝበላ ላኡኻት ጋዜጠይናታት ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ይነስትሮሳን ካፐሊን ኣስዒበን፡

ተዛተይቲ ናይ ሓቂ ጐዳና ክስዕቡ

ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም ቅዱስ ኣቦና ኣብ ወንጌላዊ ሓሴት ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳኖም፡ ከም እንኰ መራኸብን ናይ ስምምዕን መጋበርያን ንዝዀነ ዘተ ሓለፋ ዝብል ባህሊ ንማንም ዘይንጽል ንኹሉ ዝሓቁፍ ብቕዓት ተዘክሮ ዘለዎ ቅኑዕ ሕብረተሰብ ምሕናጽ ካብ ዝብል ዕላማ ዘይንጸል መደብ ዝሕሰበሉ ግዜ እዩ፡ ዝበልዎ ሓሳብ ጠቒሶም፡

ድልያ ሓቅን ፍትሕን

እቲ ብሔራዊ መደብ ዘተ ሓቅን ፍትሕን ዝድለየሉ ክኸውን ጳጳሳት ኒካራጉዋ ኣብ መልእኽቶም ኣተሓሳሲቦም፡ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ህልው ኩነታት ዘድልይ መፍትሒ ንኸናድዩ ዝጽውዑ ብቐጥታ ናይ ማሕብራዊ ጉዳይ ሓላፍነት ዘለዎም ዓለማውያን ምእመናን እያቶም፡

ጾምን ጸሎትን

ምእንቲ ሃገሩ ብፍላይ ኣብዚ እዋን ዓቢይ ጾም ኵሉ ጾምን ጸሎትን ክፍጽም ጻውዒት ኣቕሪቦም ናይ ሰላም መጋበሪያ ክትከውን ዘብቅዕ ጸጋ እግዚኣብሔር ክጽግው ነማላድንነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንስግተ ሰላም ንምሕጸን እንክብሉ መልእኽቶም ከምዘጠቓለሉ ኣፍሊጠን።  

ኒካራጉዋ፡ ብፅዓን ጳጳሳት ኣብ መደብ ብሔራዊ ዘተ ከምዘይሳተፉ ኣፍሊጦም
11 March 2019, 16:47