ድለ

ናይ ፈረንሳን ጀርመንን ስዊዘርላንድን ብፁዓን ጳጳሳት ብዛዕባ ናይ ኤውሮጳ መጻኢ ተመያይጦም ናይ ፈረንሳን ጀርመንን ስዊዘርላንድን ብፁዓን ጳጳሳት ብዛዕባ ናይ ኤውሮጳ መጻኢ ተመያይጦም 

ናይ ፈረንሳን ጀርመንን ስዊዘርላንድን ብፁዓን ጳጳሳት ብዛዕባ ናይ ኤውሮጳ መጻኢ ተመያይጦም

ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ሓባር ኤውሮጳዊ ረብሓ ኣብ ዝብል ሸቶ ጨሚቱ ሓድሽ ኤውሮጳዊ ውጥን ብምንቕቓሕ ዳግም ክብገስ ኣለዎ

ናይ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ዜጋታት ናይቲ ሕብረት ሕዝባዊ ባይቶ ንኽመርጹ ክልተ ወርሒ ተሪፍዎ ከምዘሎ ክፍለጥ እንከሎ ናይ ፈረንሳን ጀርመንን ዝዊዘላንድን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ብዛዕባ እዚ ምርጫን ሃገራ ሕብረት ኤውሮጳ ዘጋንፎ ዘሎ ካልኦት ዓበይቲ ጸገምታ ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ከምዝመኸሩን እቲ ጉባኤ ናይ ሓባር ረብሓ ከም ቀንዲ ረቛሒ ኣንቢሩ ዝተኻየደ ምንባር ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ጆኣኪን ታይገን ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ናይተን ሰለስተ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ዘሰናደዎ ካብ ዕለት 25 መጋቢት ክሳብ ዕለት 26 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ዋና ኣርእስቱ፥ ዘተ ኣብ ዛዕባ ናይ ኤውሮጳ ሓባራዊ ረብሓ ዝብል ምዃኡ ዝሓበሩ ታይገን ኣስዒቦም፡ ብናይ ማሲሊያ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ፈረንሳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣኡነ ጆርጀስ ፖንቲየርን ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበ ናይ ሙዩኒክ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካዲናል ራይንሃድ ማርክስን ናይ ኣብ ስዊዘርላን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ባለ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፈኢጽ ግሚዩር ተመሪሑ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ከምዝነረን ገሊጾም፡ ኣብቲ ዝተኻይደ ዓውደ ጉባኤ ካብ ሰለስትኤን ሃገራት ዝተዋጽኡ ናይ መንግስቲ ወኪላን ናይ መናርተ ጥበብ መምሃኣንን ጋዜጠይናታትን ከምኣተሳተፉ ኣፍሊጦም።

ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ሓባር ኤውሮጳዊ ረብሓ ኣብ ዝብል ሸቶ ጨሚቱ ሓድሽ ኤውሮጳዊ ውጥን ብምንቕቓሕ ዳግም ክብገስ ኣለዎ ከምዝበሉን፡ እቲ ቅድሚ ዝነበረ ውጥንት ኣብ መንጐ ሃገራት ኤውሮጳ ሰላም ክህሉ ዝብል እዩ ዝነበረ እዚ ንበይኑ ንሓዳስ ኤውሮጳ እዅል እይኰነን ምንእቲ’ዚ ነቲ ኣብ መንጐ ሃገራት ኤውሮጳ ዘሎ ህልው ኩነታት ግምት ብምሃብ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ናይ ኤውሮጳ ናይ ሓባር ጥቕሚ ዝረገጸ ኪደት የድልዮ ከምዝበሉ ታይገን ኣፍሊጦም።

ነቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝሰፍሕ ዘሎ ህዝብነትን ብራጥይን ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ምውጻእን ቅልውላው ምህዳርን እዚ ዅሉ እቲ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ውጥን ምሕዳስ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘመላኽቱ ፖለቲካውን ማሕበራውን ረስኒ ምዃኑ ገሊጾም፡

ዜጋታት ኤውሮጳ ኣብ ምርጫ ናይቲ ሕብረት ሕዝባዊ ባይቲ ክሳተፍ ብፁዓን ጳጳሳት ጻውዒት የቕርቡ

ልኡኽ ጋዜጠይና ታይገን ከምዝሓበርዎ፡ ብፁዓን ጳጳሳት እቲ ዓውደ ጉባኤ ይብጻሕ ናብ ዜጋታት ኤውሮጳ ዝብል እቲ ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎ ኵሉ ኣብቲ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ዝካየድ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ሕዝባዊ ባይቶ ንሕዳስ ኣብ ዝግበር ምርጫ ክሳተፍ ብዝዕድም ጻውዒት ከምዘበገሱ ክፍለጥ እንከሎ፡ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ኤውሮጳ ብብሔራዊ ደረጃ ዝፍታሕ ከምዘይኰነ እውን ብፁዓን ጳጳሳት ኣተሓሳሲቦም፡ ሕብረት ኤውሮጳ ወሳንን ኣአዳስን እዩ ከዝበሉ ታይገን ኣሊጦም።  

ናይ ፈረንሳን ጀርመንን ስዊዘርላንድን ብፁዓን ጳጳሳት ብዛዕባ ናይ ኤውሮጳ መጻኢ ተመያይጦም
29 March 2019, 17:30