ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ናብ ኣቡዳቢ ቅድሚ ምንቃሎም ምስ ግዳም ሓደር ዜጋታት ዘካየድዎ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ናብ ኣቡዳቢ ቅድሚ ምንቃሎም ምስ ግዳም ሓደር ዜጋታት ዘካየድዎ ርክብ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ናብ ኣቡዳቢ ቅድሚ ምንቃሎም ምስ ግዳም ሓደር ዜጋታት ዘካየድዎ ርክብ

ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ወንጌል ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ኣቡዳቢ ንኽነቕሉ ኣብ ፊውሚቺኖ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ በጽሑ ቅድሚ ናብ ነፋሪት ምእታዎም ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ከባቢ ምስ ዝርከቡ ግዳም ሓደር ዜጋታት ከምእተራኸቡ ክንገር እንክሎ፡ ናይ ፊውሚቺኖ መዓርፎ ነፈርቲ ቤተ ክርስቲያን ቆሞስ ኣባ ጂቫኒ ሶኮርሲ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ናብ ኣቡዳቢ ቅድሚ ምንቃሎም ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ማእከል መውሃቢ ክንክን ጥዕናን መእለይን ግዳም ሓደር ዜጋታት ምብጻሕ ኣካይዶም፡ ምስቶም ኣብ ከባቢ ፊውሚቺኖ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ ዝርከቡ ግዳም ሓደር ዜጋታት ከምእተራኸቡ ገሊጾም፡ እቲ ነዞም ግዳም ሓደር ከባቢ መዓርፎ ነፈርቲ ፊውሚቺኖ ንዝርከቡ ዝወሃብ ኵለ መዳያዊ ሓገዝ ብናይቲ መዓርፎ ነፈርቲ ቤት ምሕደራን ብካሪታስ ናይ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ጨንፈር ሮማን ናይ ፖርታ ሳንታ ሩፉናን ሰበኻን ናይቲ መዓርፎ ነፈርቲ ቍምስና ቅድስተ ማርያም ንግስተ መላእክት ብምትሕብባር ዝቐርብ ምዃኑ ኣባ ሶኮርሲ ገሊጾም፡ እቲ ዘካይድዎ ርክብ ልብኻን ኵለንተናኻን ዝምስጥ እዩ ነይሩ፡ ማንም ዝተጸበዮ እውን ኣይነበረን እቶም ግዳም ሓደር ኣሕዋት ምስ ቅዱነቶም ክራኸቡ ዘርእይዎ ዝነበረ ሓጐስ ብንብዓቶም ይገልጽዎ ነይሮም፡ ናይ እግዚኣብሔር ፍቕርን ሓልዮትን ከምዘይፍለዮም ዘረጋግጽ ምብጻሕ እዩ ነይሩ፡ ኣብ ሕይወተይ ዘይርስዖ ተመክሮ ጥራሕ ዘይኰነ ከም ካህን ምግልጋል ማለት እንታይ ማለት ምዃኑ ሕጽር ብዝበለን ዓሚዩቕን መገድን ተግባርን በቲ ዘካየድዎ መብጻሕ ኣቢሎም ከስተውዕሎ ገይሮምኒ እዮ፡ ዘይፈልጦ ስለ ዝዀነኵ ዘይኰነስ ንሶም ኣብነት ኰይኖም ክረክቡ ንዓይ ተራ ካህን ናይ መንፈስን ሰብኣውን ብርታዔ እዩ ዝዀነኒ ይብሉ።

እቲ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ነገልግሎን ንናይ ፍቕሪ ስራሕ ዘበራትዕ እዩ፡ ነዚ መንፈስ እዚ እትስዕብ ቤተ ክርስቲያን ስለ ዘላትና ብሓቂ ደስ ከምዝበሎምን፡ ሰዓቢት ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ወንጌል ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን፡ መገሻኦም ብኸምዚ በቶም ስኡናትን ግዳም ሓደርን ኣሕዋት ዝተባርከ እዩ፡ ምስ በሉ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ እቲ በዛ ቁምስና ዝቐርብ ናይ ረድኤት ሓገዝ ካብ ካሪታስ ጥራሕ ዘይኰነ በቶም ኣብ ፊውሚቺኖ መዓርፎ ነፈርቲ ዝሰርሑን ብዝተፈላለያ ናይ መገዲ ኣየር ኣባይቲ ጽሕፈት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ብዘቕርብዎ ሓገዝ እውን ዝሳልጥ ምዃኑ ይገልጹ። ዝሓልፍ (በጻሕትን ገያሾን) ሕይወት፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሰብኣዊ ወጅሂ ብዝብል መደብ ዝካየድ ኣገልግሎት ምዃኑ ሓቢሮም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ናብ ኣቡዳቢ ቅድሚ ምንቃሎም ምስ ግዳም ሓደር ዜጋታት ዘካየድዎ ርክብ
04 February 2019, 16:32