2018.09.06 ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ 2018.09.06 ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ  

፬ይ ዘአስተርእዮ ፫ የካቲት 2011 ዓ.ም. (2/10/2019)

መዝሙር፡ መሃሩነ እለ ቀደሙነ. . . “ቅድመና ዝነበሩ ናይ ክርስቶስ ልደቱ ጥምቀቱ ግልጸቱ መሂሮምና። መልአኽ ንማርያም ከበስራ እንከሎ ወዲ ክትወልዲ ኢኺ ኢልዋ። መዓልቲ ምውላዳ ምስ በጽሔ ክአ ወለደቶ፥ ዮሓንስ አጠሚቕዎ መለኮቱ ንምሕታቱ ግን አይከአለን፥ ስምዖን አብ ሕፅኑ ተቐቢልዎ ሕልንኡ ገሊጽሉ፥ የማናዩን ምኽሩን ንአቦ ዝኾነ ክድሕነና መጽአ”

ንባባት፡  1ቆሮ 15፡1-11፥ 1ዮሓ 4፡7-13፥ ግ.ሓ. 7፡29-35፥ ሉቃ 5፡1-11   ምስባክ፡ እበውእ ቤተከ ምስለ መባእየ ወእሁብ ብፅዓትየ ዘነበብኩ ብአፉየ ዘእቤ በከናፍርየ አመ ምንዳቤየ” “አብ ቤትካ መሥዋዕቲ ምሕራር ከቕርበልካ እየ፥ ነቲ       ዝአተኽዎ መብጽዓታት እውን ክፍጽመልካ እየ፥ ነቲ ብጊዜ ጸበባይ ዝተመባጻዕክዎ ኽፍጽም እየ” መዝ. 65፡13-14።

ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

ተፈጥሮ ሰብ ህያብ ካብ አምላኽ እዩ፥ አምላኽ ደልዩ ንአኡ ክንመስል ፈጢሩና። ሰብ አምሳል አምላኽ ብምዃኑ ክቡር ፍጥረት ይገብሮ ከምኡ ነቲ አምላኽ ዝገበረሉ ሞሳ ክመልስ ግብኡ እዩ። ተመስገን አምላኸይ ምባል ንአምላኽ እንውስኸሉ አሊና ዘይኮነ አብቲ ንሱ ዝሃበና ተራና ስለ እንገብር እዩ። አብ ቅድሚ አምላኽ መብጽዓ ክንአቱ እሞ ነቲ ዝአቶናዮ ክነኽብር ናይ ሎሚ ምስባክ የዘኻኽረና። ብጥምቀትና ደቁ ክንከውን ኃጢአት ክፍአት ኮታስ ኩሉ እኩይ ግብሪ ክንክሕድ እሞ አብ ኩሉ መገዲ አምላኽ ሒዝና ክንጉዓዝ ንአምላኽ ናቱ ኮና ክነብር መብጽዓ ዝአቶና ፍጥረት ኢና። እሞ መብጽዓና አኽቢርና ዘሎና ወይስ ዘንጊዕና አሎና ኢልና ምስ ሕልናና ክንተሓታተት አሎና። ዝአተኽዎ መብጽዓ ሒዘ አሎኹ አኽቢረ አሎኹ እናበልና ክርስትያናዊ ትምክሕቲ ለቢስና ክንርከብ አሎና።

አብ ጊዜ አስተምህሮ ኢና ዘሎና። ክርስቶስ ባዕሉን፥ ብቅዱስ ቃሉን ብቤተክርስትያኑ ይግለጸና። እግዚአብሔር መልአኹ ሰዲዱ ንማርያም መድኃኒ ዓለም ከም እትወልድ ምስ አበሰራ ከም ዝበልካዮ ይኹን እናበለት ንግልጸት አምላኽ ተቐቢላ፥ ዮሓንስ መጥምቕ እውን ናይ ኢየሱስ እንታይነት ተገሊጽሉ እንሆ የዋህ በግዕ እግዚአብሔር እናበለ ነርድእቱ አብ ክርስቶስ አሰጋጊርዎም። ስምዖን ነብይ እውን ንኢየሱስ አብ ሕቕፉ ተቐቢሉ ነቲ አምላኽ ዝገለጸሉ ተንብዩ። እዚ ኹሉ ግልጸታት ኢየሱስ ክርስቶስ ንአና ንደቂ ሰብ ሓዲስ ሕይወትን ሓዲስ ርክብ ምስ አምላኽ ከም ዝገለጸልና ይነግረና። ነዚ ርድኢት መሰረት ገሩ መዝሙርና ዕሙቕ ብዝበለ ይገልጸልና። ሎሚ ብምስጢራቱ ብቃሉ ብቤተ ክርስትያኑ ገሩ አብ መንጎና አሎ። ክንሓዊ ክንሕደስ ክንቅበሎ ይግብአና። አምላኽ ንዝገለጸልና ርኢና ክንክእል ሓግዘና ንበሎ ከምኡ ፍቓደኛታት ኮና አብ መገዱን ፍቕሩን ጸኒዕና ንንበር ሽዑ ኩሉ ርኢና ክንክእል ኢና።

ቃል አምላኽ ንሎሚ ዝተነበና እግዚአብሔር ምስ ኩሉ ድኽመትናን ክፍአትናን ንቃሉ ክነብጽሕ ከም ዝደሊ ይገልጽልና። ኩልና እግዚአብሔር ብአና ገሩ ክሰርሕ ከምዝደሊ ንአምን ኢና እንተኾነ አብ ሓቂ ዝስምዓና ካልኦት እምበር አነስ ብቑዕ አይኮንኩን ንብል። ንዝሓለፈ ሕይወትና ወይ ዘሎናዮ ሕይወት ርኢና ንአምላኽ ክልአኾ ብቑዕ አይኮንኩን ዝብል መንፈስ ሒዝና ንጉዓዝ። ንሰባት እውን ብቕዓቶምን ዘይብቕዓቶምን ባዕልና ንውስን፥ ነዚ አብነት ክኾነና ነዚ ዝስዕብ ዛንታ ንስማዕ።

አብ ሓደ ቁምስና ዜማ ዘይክእል እሞ ከዝይም ዝደሊ ሓደ ሰብ ነሩ። ሊቀ ድያቆናት ናይ እቲ ቁምስና እዚ ሰብ ዜማ ስለ ዘይክእል ክለብስ ወይ ከዝይም የብሉን እናበለ አብ አኸባ አብ ዝተገብረ ሓሳቡ እናገለጸ ተዛሪቡ። ብዙሓት ካብቶም አብ አኸባ ዝተረኽቡ ዜማኡ ከመሓይሽ ጊዜ ይወሃቦ ኢሎም ርኢትኦም ሂቦም። እቲ ሊቀ ድያቆናት ግን ነገሩ አብ ቆመስ ክሓልፍ እሞ ቆመስ ሓዲኡ ክውስኑሉ አለዎ እንተ ዘይትአለ አነ ሓላፍነተይ ከቋርጽ እየ ኢሉ ንቆመስ እናአፈራርሔ ነጊርዎም። ቆመስ ናብቲ ሰብአይ ከይዶም ዜማ ምግባር ክሳብ አጽቢቕካ እትመልኮ እንተ ዘይተዝይም ወይ እንተ ዘይትለብስ ምሔሸ ኢሎም ብህድአት ተዛረብዎ። ሰብአይ ብሕርቕ ዝበለ መንፈስ ስለምንታይ ዝሓድጎ ኢሉ ንቆመስ መሊሽሎም። ቆመስ ነገሮም ከረድኡ ኢሎም አርባዕተ ሓምሽተ ዝኾኑ ሰባት ዜማ ከምዘይትኽእል ከምኡ ክተዝይም እንከሎኻ ንብዙሓት ተጋግዮም ከምዘሎኻ ሓቢሮምኒ ስለዚ እንተ አቋረጽካ ይሓይሽ ኢሎሞ። ወዮ ሰብአይ አባቴ እዚ ሓንቲ አይኮነን አርብዓ ወይ ሓምሳ ዝኾኑ ንስኹም ስብከት ከምዘይትኽእሉ ሓቢሮምኒ ኢልዎም ይብሃል። አብ ናይ ሎሚ ንባባት ሓንቲ ክእለት ዘይብሎም ዝመስሉ ሰባት ንሰማያዊ መልእኽቲ ከብጽሑ ከምዝልእኮም ንርኢ። እግዚአብሔር ክልእኽ እንተ ደለየ አብ ክእለትና ወይ አብቲ አብ ቅድሚ ሰባት ዘሎና ርኢቶ ግምት ገሩ አይኮነን ዝልእከና፥ መገዲ አምላኽን መገድናን በበይኑ እዩ።

አብ ቀዳመይቲ ንባብና ናይ ጳውሎስ መጸዋዕታ፥ አብ ወንጌል ከአ ናይ ጴጥሮስ ሕርየት ንርኢ። አብ ኦሪት ነዚ ዝመሳሰል ናይ አብርሃም፥ ናይ ኢሳያስ ነብይ፥ ናይ ኤርምያስ ነብይ፥ ናይ ዳዊት ንጉሥ አብ ክእለቶም ዘይኮነ አብቲ አምላኽ ዝደልዮ መሰረት ከም ዝተሓርዩ ንርኢ። እዚኦምን ካልኦት እግዚአብሔር ዝሓረዮም ምዃኑ ምስ ፈለጡ ከመይ ኢሎም መሊሶም? ኩሎም ነቲ አምላኽ ዝብሎም ዘሎ ብቝዓት ከምዘይኮኑ ብነጹር ይፈልጡ ነሮም እንተ ኾነ አብ አምላኽ አሚኖም ሕርየቶም ተቐቢሎም። አብ ሓዲስ ኪዳን እውን ማርያም መልአኽ ተላኢኹ ምስ መጽአ እሞ ኩሉ ምስ ነገራ አነ ድአ ብዓልቲ እንታይ ኮይነ እናበለት ንድላይ አምላኽ ቀዳምነት ሂባ ንኹሉ ዝተባህላ ክትገብር ሕይወታ ንአምላኽ አፍቂዳትሉ። ሓዋርያት ኢየሱስ ተኸተሉኒ ገፈፍቲ ሰብ ኽገብረኩም እየ ምስ በሎም ሕራይ ኢሎም ተኸቲሎሞ። ብዙሓት አብ ታሪኽ ክርስትና ንመጸዋዕታ አምላኽ ተቐቢሎም ዓበይቲ ነገራት ከም ዝገበሩ ታሪኽ ይነግረና። አብ ታሪኽ ክርስትናና እምብአር ሓደ ፍርሃት አምላኽ ዘለዎ ሰብ ሕይወት ኩሉ ጊዜ ንአምላኽ ክልአኽ ልቡ ሕይወቱ ከም ዝኸፍት ንርኢ።

አብ ትንቢት ኢሳያስ 6፡1-8 ዘሎ እንተ አምበብና ኢሳያስ ናይ እግዚአብሔር ግርማን ቅድስናን ምስረአየ ንነፍሱ ንኃጢአቱ ርእዩ ንአምላኽ ዝበቅዕ ከምዘይኮነ አለልዩ። “ከናፍረይ ዝረኸሰ ኃጥእ እየ፥ አብ ማእከል እቲ ኸናፍሩ ዝረኸሰ ኃጥእ ሕዝቢ ኸአ እነብር አሎኹ እሞ ወይለይ” ክብል ንሰምዖ። እንተ ኾነ አብ 8ይ ክፍለዘመን ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ዝነበረ ህዝቢ እስራኤል ዘይፈርሕ ደፋር ሰባኻይ የድልዮም ነሩ፥ በዚ ኸአ አምላኽ ንኢሳያስ ኃጢአቱ ብዘየገድስ ነቲ አምላኽ ዝደለዮ ከይፈርሐ ክነግር ሓርይዎ። እግዚአብሔር ንዝልአኽዎ መሳርሕቱ ንዝኾኑ ጸግኡ ዓዲሉ ቃሉ እና ንናነገሩ ብናቱ መገዲ እዩ ዝመርሖም። ክመርጽ እንከሎ ዓለት ሃብቲ፥ ፍልጠት አይደልን እዩ ንሱ ባዕሉ እዩ ኩሉ ዝህቦም።

ጳውሎስ ሓዋርያ ክብሃል አይግብአንን እዩ ምኽንያቱ ንቤተ ክርስትያን አምላኽ አሳዲደ እየ (1ቆሮ15፡9) እናበለ ሕርየቱን ድኻምነቱን እና አወዳደረ አምላኽ ክሓሪ እንከሎ ብግብርና ከምዘይድረት ይገልጽ። ጴጥሮስ አብ እግሪ ኢየሱስ ተደፊኡ “ጎይታይ አነ ኃጢአተኛ ሰብ እየ ካባይ ርሓቕ” (ሉቃ 5፡8) እናበለ መን መዃኑ ይገልጽ። አብ ሕይወት ሰባት እታ ቀዳመይቲ ስምዒት ብቝዕ ዘይምዃንካ እትገልጽ ምልክት ናይ ሓንቲ ንፍሲ ንአምላኽ ክትርኢ ከም ዝጀመርት ምልክት እዩ። በዚ ምኽንያት እዩ ትሕትና መጀመርያን ቀንድን ጸጋ ናይ ሓደ ሓቀኛ ልኡክ አምላኽ ንዝኸውን ምልክቱ ከም ዝኾነ ገርና እንርእዮ።

ነፍስና ኃጢአኛ ምዃና ምስተአመነትን አብ ቅድሚ አምላኽ ዘይብቕዕቲ ምዃና ምስ አላለየት እግዚአብሔር አብአ ይመጽእ እሞ ነቲ ኃጢአታ ይምሕሮ እሞ አብቲ ንሱ ዝደልዮ አገልግሎት ብቕዕቲ ከም እትኸውን ይገብራ። አብ ናይ ኢሳያስ እንተ ረኤና “ካብቶም ሱራፌላት ሓደ ድማ ጓህሪ ኻብቲ መሠውዒ ብጉጤት ወሲዱ ናባይ ነፈረ ብአኡ ኸአ አፈይ ተንከየ እሞ እንሆ እዚ ንኸናፍርካ ተንከዮ አበሳኻ ረሓቐልካ ኃጢአትካውን ጸረየልካ” ይብሎ (ኢሳ 6፡7)። አብ ናይ ስምዖን ጴጥሮስ እንተ ረኤና እውን ኢየሱስ ከምዚ ኢልዎ “አይትፍራህ ካብ ሕጂ ንድሓር ገፋፍ ሰባት ክትከውን ኢኻ” (ሉቃ 5፡10)። አብዚ እንርእዮ ናይ እቲ ስርሖም ብቕዓት ባዕሎም ብግላዊ ክእለቶም ዘምጽእዎ ዘይኮነስ ናይ አምላኽ ጸጋ እዩ። በዚ ምኽንያት እዩ ጳውሎስ ከምዚ ክብል ዝኽአለ “እቲ ኾይነዮ ዘሎኹ ግና ብጸጋ አምላኽ እየ ኾይነዮ ዘሎኹ” (1ቆሮ 15፡15፡10)።

ኲኖ እቲ አብ ሰባት ዝርአ ዘይብቕዓት ኲንኡ ካልእ ሓይሊ ካብ አምላክ ዝውሃብ አሎ። እዚ ውህበት እዚ ንሰባት ንድላይ አምላክ ክገብሩን ነቲ ንሱ ዝብሎ ከም ዝስዕቡ ይገብሮም። ኢሳያስ ነቲ ድምጺ አምላኽ “ንመን ክንልእኽ ኢና መንከ ክልአኸና እዩ” ዝብል ምስ ሰምዐ እታ ቀዳመይቲ መልሱ “እነኹ አነ ልአኹኒ በልኩ” ይብል (ኢሳ 6፡8)። አብ ጉዳይ ጴጥሮስ እንተ ረኤና ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩን “ኩሉ ሓዲጎም ሰዕብዎ” (ሉቃ 15፡11) ይብል። ጳውሎስ እውን ብብርቱዕ ቅንአት ተደፊኡ አብ አገልግሎት አምላኽ ወፊሩ ልዕሊ ኹሎም ሓዋርያት ከአ ሰሪሑ ተቐላጢፉ ኸአ “አነ አይኮንኩን እቲ አባይ ሓዲሩ ዘሎ ጸጋ አምላኽ እዩ” (1ቆሮ 15፡10) እናበለ አምላኽ ብአኡ ገሩ ከምዝዓየየ ይነግር። ሱቕ ኢልካ ብስምዒት ጥራሕ ዘይብቑዕን ዘይትወዳደርን ኮንካ ምቕራብ አብ ግራት አምላኽ ከምእንወፍር አይገብረናን እዩ። ብወገና ነቲ አምላኽ ዝደልዮ ክንገብር ፍቓደኛታትን ስንድዋትን ንኹን ንዝተረፈ አብ ኢዱ ሓዲግና በቲ ዝነግረናን ዝብለናን ንከተል።

ሽዑ ሕይወትና በቲ አምላኽ ዝደልዮ ምስ መራሕናዮ አእምሮና አብ ፍረ ከም ዝበጽሕ ንገብሮ። እዚ እዩ አብ ጴጥሮስ አብቲ ብተኣምራት ዝተታሕዙ ዓሣ እንርእዮ። ንሱን ብጾቱን ምሉእ ለይቲ ሰሪሖም ሓንቲ ክሕዙ አይከአሉን። አብ ተመክሮኦም አብቲ እዋንን ተመርኲሶም ክገፉ ሓዲሮም ግን ክዕወቱ አይከአሉን። ስኣን ሓንቲ ቃል ልቢ ገርካ ምስማዕ አብ ኪቢድ ውድቀት ክንአቱ ይክኣል። አብ ጉዳይ ጴጥሮስ እንተ ረኤና ነቲ ናይ ጎይታ ቃልን መምርሕን ምስ ሰምዑ (ብአተሓሳስባ ሰብ ክንርእዮ ከሎና ትርጉም ዘይብሉ) እቲ ውጽኢት ዓቢ ዓወት አምጺኡ። ንቃል አምላኽ ብልቢ ሰሚዕና እንተ ተጎዓዝና ዓወት ሰላም ቅሳነት አብ ሕይወትና አሎ።

ሎሚ ከም ቀደም አምላኽ ቀጺሉ ከምዚ ይብል አሎ “ንመን ክልእኽ እየ መን ክልአኸና እዩ”። ሎሚ እውን ዝልአኽዎ አሰብኡት አንስቲ ከም ኢሳያስ ከም ጳውሎስ ከም ጴጥሮስ ይደሊ አሎ። ንሰናይ መልእክቲ ዘብጽሑ ንፍቕሪ አምላኽ ንደቂ ሰብ ዝነግሩ ይደሊ አሎ። ከም ጳውሎስ አብ ዓዲ ጓና ከይዶም አብ ኩሉ አጽናፍ ዓለም ከይዶም ቃል አምላኽ ዘስምዑ የድልዩ አለዉ። ከም ጴጥሮስ ናብ ናይ ስራሕ ቦታን አብ መዓልታዊ ሕይወቶም ንሰባት ናብ አምላኽ ዘምጽአሎም እሞ ንአምላኽ ከምዝኽተሉ ዝገብር የድሊ አሎ። አነ ብቝዕ አይኮንኩን ክእለት የብለይን ዝብል ስምዒት እንተ አሎ አብ ከምዚ ዝበለ መንፈስ ዝርከብ ሰብ ናይ አምላኽ ድለት አብኡ አሎ ማለት እዩ። ካብ ሰባት ዝድለ ቆራጽ ስጉምቲ ምውሳድ እሞ “እነኹ አነ ንአይ ልአከኒ” ምባል ጥራሕ እዩ። እግዚአብሔር ባዕሉ እዩ ነቲ ክልእኮ ዝደለ ነገር ብቑዕ ዝገብረካ። ከምቲ ምስ ኢሳያስ ምስ ጴጥሮስ ምስ ጳውሎስ ዝገበሮ ከምኡ ምስ ነፍሲ ወከፍና ክገብር ይደሊ።

ብርግጽ ኃጢአተኛታት ወደቕቲ ኢና አምላኽ ካብ ግን ምጽዋዕና በዚ አይዕገትን እዩ፥ መሳርሕቱ ልኡኻቱ ክንከውን ይጽውዓና አሎ። አብ ሕልናና አምላኽ እንታይ ክገብር ይሓተኒ አሎ ንበል እሞ ድምጹ ክንሰምዕ ኢና። ንመጸዋዕታ አምላኽ ክንቅበል መጀመርያን ቀንድን ነገር ዘድልየና ናይ ክርስቶስ አፍልጦን ተመክሮን ክህልወና ይግባእ። እዚ ማለት ከአ አብ ኩሉ ኩነታት ሕይወትና ምስኡ ድልድሉ ርክብን አፍልጦን ክህልወና ይግባእ።

አምላኸይ ክሰምዓካ ክልአኸካ እደሊ አሎኹ እሞ ሓግዘኒ ንበሎ አምላኽ ክንሰምዖ ክንልአኾ ጸግኡን መንፈሱን የውርደልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

09 February 2019, 12:51