ድለ

2018.09.06 ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ 2018.09.06 ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ  

፭ይ ሰንበት ዘአስተርእዮ የካቲት 17 2011 ዓ.ም. (2/24/2019)

መዝሙር፡ ተበሃሉ ጻድቃን በበይናቲሆሙ . . . ጻድቃን አብ ነነድሕዶም ነቲ ጻድቕ ዝረአዮ ዘሎ እናበሉ ተሓተቱ፥ ኢሳያስ ንልዑል ርእየዮ በለ፥ ርእይዎ ግን ክሓቶ አይከአለን፥ ሙሴ እውን ብዓምዲ ደመና ዝረአዮ ርእዩ ግን ክሓቶ አይከአለን። ማርያም እውን አብ ከርሳ ዝጾሮቶ ንልዑል ርአኽዎ በለት ርአየቶ ክትሓቶ ኸአ ክኢላ። ዮሓንስ አብ ሩባ ዮርዳኖስ ዘጠመቖ ርእዩ ግን ክሓቶ አይከአለን፥ አሕዋተይ ብሓጎስ ብዓልና ንግበር ምኽንያቱ እቲ ዘይርአ ተራእዩ፥ ክርስቶስ ፀሓይ ጽድቂ ተገሊጹ እዩ።”
ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

ንባባት፡1ቆሮ 15፡45- 49፥ 1ዮሓ 4፡7-13፥ ግ.ሓ. 7፡29-35፥ ሉቃ 6፡27-38     ስብከት፡“እግዚአብሔር ስቡሕ በምክረ ቅዱሳን፥ ዓቢይ ወግሩም ዲበ ኩሎሙ እለ ይዓውዱ፥ እግዚኦ አምላከ ኃያላን መኑ ከማከ።”  ኦ እግዚአብሔር አብ ጉባኤ ቅዱሳን አዚኻ እትፍራህ፥ ካብቶም አብ ዙርያኻ ዘለዉ ኹላቶም አዚኻ ዝኸበርካ፥ ከማኻ ዝበለ ኃያል የልቦን (መዝ. 89፡7-8)።

ዕብየትን ክብሪ አምላኽን ክርኢ ዝኽአለ አብ ዝልዓለ ቅድስናን ሓጎስ ይነብር። መን ከማኻ ዝብል መዝሙር ንአምላኽ ልዕሊ ዝኾነ ሰሪዕና ክንክእል እሞ ንመገዲ ቅድስና አብዚ ምድሪ ክንተሓሓዞ የዘኻኽረና። ናይ ሎሚ መዝሙር ነዚ ከብርሃልና ኢሉ ንአምላኽ ዝርአዮ ዘሎ እናበለ ንአምላኽ ርኢኻ ምኽአል እንታይ ከምዝኾነ ይነግረና። ጻድቃን፥ ሙሴ፥ ኤልያስ፥ ዮሓንስ መጥምቕ ከም ዝርአይዎ ግን በቲ አብኡ ዘሎ ዕብየትን ግርማን ክርእይዎ ክገልጽዎ አይክአሉን። ንዕብየትን ምስጢር አምላኽን ክገልጽ ወይ ክርዳእ ዝኽእል ማንም ፍጡር የለን።

ንሕና ደቂ ሓዲስ ኪዳን በቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሃበና ጸጋ ተኻፈልቲ ምስጢር አምላኽ ኮና በዚ ኸአ አማልኽቲ ተሰሚና። እዚ ነቲ ብክርስቶስ ዝረኸብናዮ ዕብየት ጸጋ ርኢና ሕይወትና ዕለት ዕለት ክንሕድሶ እሞ አብ ቅድሚ አምላኽ አሎኹ ኢልና ብቅድስና ክንጉዓዝ የዘኻኽረና። አሕዋተይ ብሓጎስ ብዓልና ንግበር ምኽንያቱ እቲ ዘይርአ ተራእዩ፥ ክርስቶስ ፀሓይ ጽድቂ ተራእዩ እዩ ዝብለ ጸሎት ክንከዶ ዝገብአና መገድን ክንለብሶ ዘሎና ሕይወትን አብሪሁ ይገልጸልና። ክርስቶስ ሎሚ ከም ትማሊ ምሳና አሎ ሓንትስ ርኢና ንኽአል።

አብዚ ናይ ሎሚ ሰንበት ቤተ ክርስትያን እተዘኻኽረና እቶም ቀንዲ ክነስተውዕለሎም ዘሎና ነገራት እመነትናን ክርስትያናዊ ሕይወትናን እዩ። እዚ ኸአ ምሕረትን ርሕራሐን፥ ፍቕሪ አምላኽን ብጻይን፥ ንርእስኻ ምግታእን ንዝተዓደልካዮም ጸጋታት አመስጊንካ ምኽአል፥ ናይ ኃጢአት ጉድአት ጽቡቕ አፍልጦን ርድኢትን ምህላው፥ ናይ ቅዱስ ነገራት አስተውዒልካን ተረዲእካን ምኽአል ዘጠቓለለ እዩ። እዚኦም ናይ መንፈሳዊ ምዕባሌን ክርስትያናዊ ዕብየትን ምልክታት እዮም።

አብ ዝተነበና ወንጌል ካብ ሉቃስ 6፡27-38 ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይመጠን አድላይን ቀንድን ስብከት ብዛዕባ እቶም አብ ክርስትያናዊ ሕይወትናን ተግባራትናን ዝሕግዙን መምርሒታትን ነገራት ሰቢኹ። ሓዲስ ትእዛዝ እዩ ነጊርዎም ምኽንያቱ ነቲ አብ ብሉይ ኪዳን ዝነበረ ትእዛዝ ንዝበደለካ ሕነ ክትፈዲ ዘፍቅድ ጨሪሹ ገልቢጥዎ። ብርግጽ እዚ ትምህርቲ ኢየሱስ ብሰብአዊ ርድኢት ክንርእዮ ከሎና ክትቅበሎን ክትርድኦን ከቢድ እዩ።

አብ መዓልታዊ ሕይወትና ንዝገጥመና ነገራት አብ ግምት አእቲና ብኸመይ ንርትዕን ፍትሕን ሓቅን ምሕረትን ርሕራሔን ንርድኦም? አብ መንጎ ንክልቲኡ ማለት ንምሕረትን ርትዕን ብማዕረ ዝሕዝ ነገር ክህሉ ይኽእልዶ? አብዚ እንነብሮ ዘሎና ዓለም ብሓደ ወገን ርትዕን ፍትሕን ክግበር ንዛረብ በቲ ሓደ ወገን ከአ ኩሉ ከከም ግብሩ ክፍረድን መቕጻዕቲ ዝግብኦ እንተ ኾነን ክቕጻዕ ወይ ማዕረ እቲ ዝበደሎ ክኽሕስ አለዎ ንብል። እዚ ወላ ናይ ሞት ፍርዲ ነቶም ዝበደሉና ዝርኢ እዩ።

አብ እንገብሮ ጸሎታት ብርትዒ አምላኽ ይፈርደና ብምሕረት ከአ የድሕነና ንብል፥ እወ እዚ እዩ እቲ ቀንዲ ነገር፥ ርትዕን ምሕረትን አብዚ እንነብሮ ዓለም ደቂ ሰብ ወሲኖም አንጻር ከም ዝኾኑ መዲቦምልና አለዉ፥ ማለት አብ ዓለም ፍትሕን ሓቂን ክብሃል እንከሎ ንጸላኢኻ ንዝበደለ እቲ ዝግብኦ ፍርድን መቕጻዕትን ክውሃቦ አለዎ ዝብል እዩ፥ እዚ ኸአ ወላ ብበደሉ ተአሚኑ ምሉእ ምሕረት እንተ ሓተተ ብዘይ ምሕረት ፍርዱ ክውሃቦ አለዎ ወላ ሞት ዝግብኦ እንተ ኾነ ክመውት አለዎ ዝብል እዩ።

ብርግጽ ዝቆሰለን ዝተጎድአን ልቢ ብቐሊል ክሓዊ አይክአልን እዩ። አብ ገለ እዋን በሰላኦም ክሳብ ብሕይወት ዘለዉ ክጠፍእ አይኽእልን እዩ። እዚ አብ ብዙሓት ይርአ እንተኾነ ኢየሱስ ነዚ ጽቡቕ ገሩ እናፈለጦ እንከሎ ሓዲስ ርድኢትን መንፈስን ከልብሶ ኢሉ ንሰማዕቱ አስተምሂርዎ። አብዚ አስተምህሮ ጥራሕ አይኮነን ሰቢኹ፥ ብሕይወቱ ነርዎ እውን እዩ ማለት ብግብሪ አብ ሕይወቱ አርእይዎ። ስለዚ ንሱ ንዘይገበሮ አይኮነን ክንገብር ዝሓተና ዘሎ። አርድእቱ ስለ ዝኾና አሰሩ ክንክተል እዩ ዝግብአና። ስምዒትናን ርድኢትናን ምስ ናይ ኢየሱስ ዘይከይድ እንተ ኾይኑ ጸገም አሎና ማለት እዩ።

ቅ. ጳውሎስ አብ ዝተነበት ካብ 1ቆሮ 15፡45-49 ሰውነትናን ኩሉ አነባብራና ካብ ምድራዊ ሰብ (አቦና አዳም) ዝወሰድናዮ እዩ። እቲ ሕይወት ዝህብ መንፈስ ካብ ሰማያዊ ሰብ ከም እንውለድ ዝገበረና ካብ አምላኽ እዩ። ኩሎም እቶም ንክርስቶስ ዝተቐበልዎ ዝአመንዎ ብመንፈስ ቅዱስ እዮም ዝምርሑ። ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝተወልዱ እዮም። ወላእኳ እዚ ሓዲስ ትእዛዝ ብርቱዕን ዘይክአልን እንተ መሰለ መንፈስ ቅዱስን ጸግኡን ነቲ ቀንድን መሰረታውን ትእዛዝን ንክርስትያናዊ ሕይወትና ከምቲ ንሱ ዝደልዮ ከም እንመርሕ ክገብረና እዩ። እቲ መፍትሕ አብ ኢድና እዩ ዘሎ ማለት ንኹሉ አምላኽ ባዕሉ፥ ብቤተ ክርስትያኑ ብኸማና ዝበሉ ሰባት ዝብለና ክንገብርን ክንፍጽምን። ብዙሕ ጊዜ አምላኽ ባዕሉ አይዛረበናን እዩ፥ ብልኡኻቱ ብቤተ ክርስትያኑ ገሩ እዩ ዝዛረበና።

ካብዚ ናይ ሎሚ ቃላ አምላኽ ብዙሕ ነገራት እንምሃሮ አሎና። መጀመርያ ንአምላኽ ሕነና ክንፈድዮ ዝብል ስምዒት ወይ ርድኢት ምሕዳግ ክንምሃር አሎና። እዚ አብቲ ንኻልኦት ዝበደሉና ሕነ ከይንፈዲ ይሕግዘና። አብ ገለ እዋን ንዝበደሉና ሕነ ክንፈዲ ኸሎና ነቲ ብአርአያ ስላሴ ዝተፈጥረ ሰብ ስለ እንፍደ ብተዘዋዋሪ ነቲ ፈጣር ኩሉ ዝኾነ አምላኽ ኢና እንፈዲ ዘሎና ስለዚ ሕነ ምፍዳይ አንጻር አምላኽ እዩ። ምሕረትን እቕረታን ምግባር ንኹሉ ዘሎና ቍስሊ ከሕዊ ይኽእል። መንድዓት ዝኾነ ቂምታን ሕርቃንን ሒዝና አይንጉዓዝ መሓርቲ ንኹን ክንምሓር። ቅ. ዮሓንስ አብ መልእኽቱ ነቲ ዝርእዮ ኃዉ ዘየፍቅርስ ነቲ ዘይርእዮ አምላኽ ኬፍቅሮ አይክአሎን እዩ እሞ ንኃዉ እናጸልአስ ንአምላኽ አፍቅሮ እየ ዝብል እንተሎ ንሱ ሓሳዊ እዩ (1ዮሓ 4፡20) እናበለ ፍቕሪ አምላኽን ፍቕሪ ኃውናን ዝተተሓሓዘ ከም ዝኾነ ይገልጸልና።

ካልአይ፡ ክፉእ ወይ ኃጢአት ንኽንገብር በቲ ካብ ከባቢናን ወይ ካብ ብሰባት ብዝመጽእ ተጽዕኖን ክንጽሎ ወይ ክንድሃል የብልናን። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከአ ክልተ ጌጋ ወላ ሓደ ቅኑዕ ክገብሩ አይክእሉን እዮም። ሕነ ምፍዳይ ወይ ቂምታ ምሃዝ ካብቲ ክፉእ ዝገበረ እቲ አብ ልቡ ቅምታን በቐልን ሕነ ክፈዲ ዝሓስብን ብዝያዳ ይጉዳእ። በዚ ምኽንያት ንውግእ ክንስዕር ንኽእል ኢና ግን ሰላም፥ ፍቕሪ ምሕዝነት/ዕርክነት ክንስዕር አይክአልን እዩ። ብሕነ ምፍዳይን ብቕምታን ዝርከብ ፋይዳ የለን።

ማኅደር መንፈስ ቅዱስ ዝኾነ ልብና ብቒምታን ጽልእን ብሕማቕ ሓሳብን አይንምልአዮ፥ አብ መንበር ዕርቂ ትሕትና ለቢስና ንቕረብ ሽዑ ዕረፍቲ መንፈስን ልብን ክንረክብ ኢና።

ብርግጽ ብብዙሓት ንዝበደለካ ወይ ንዝወቕዓካ ከምቲ ዝገበረካ ክትገብሮ ባህርያዊ እዩ፥ እዚ ኸአ ብሓቁን ብዝይሓቁን ክግበር ይክአል። አብዛ መን ከማይ ዝመልአ ዓለም ንሱኻ ብርቱዕ ምዃንካ እተመስክር ነቶም ገለ ዝገበሩኻ ዕጽፊ ክትምልሰሎም ከሎኻ ጥራሕ እዩ። ዘየዳግም ጽፍዒት ጸፊዐዮ እናተባህለ ይዝረብ እዚ ኸአ ብትሪ ሕነኻ ፈዲኻ ማለት እዩ። ስለዚ እቲ ሓያል ዝብሃል ከምኡ ምስ ገበረ ዳርጋ ቅቡል እዩ። ብሓቂ ክንርእዮ ከሎና ንሓደ ዝበደለካ ጽቡቅ ክትምልሰሉ  ዓቕልን ጽንዓትን ርእሰ ምልክን የድሊ እዚ ኸአ ካብ ፍርሂ ዝተላዕለ ዘይኮነ ሕነ ምፍዳይ አብ ደረጃ እቲ በዳሊ እዩ ዘውርደካ። ነቲ ክፉእ ዝገበረ ከምታ ዝገበራ ክትምልሰሉ ከሎኻ እቲ ሓደ በደል ጥራሕ ዝነበረ ክልተ በደል ይኸውን። እዚ አብ እንታይ ይውድእ አብ ታሪኽ ዝደጋገም ነገር እዩ ንአብነት አብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጢአማውያንን ንርአ፥ አብ መንጎ ብዙሓት ሃገራት ዝግበር ውግእ ንርአ፥ አብ መንጎ ኤሪትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ን20 ዓመት ምፍኽኻርን ምትፍናንን ዘስዓቦ ህልቂት ብዙሓት መንእሰያት ርኢናዮ ኢና ዝተረኽቦ ፋይዳ እውን የለን ብኽልቲኡ ወገን። አብ ኩሉ ብቅርሕንትን ጽልእን ዝተገብረ ውሳኔታት ሳዕቤኑ ሞት ጥፍአትን ጓህን አብ ክልተ ተጻባእቲ እዩ። አብ ሓደ ምልክታከምዚ ዝብል ይርአ ነሩ፥ ምእንቲ ሰላም ኢልካ ክትቀትል ድልው ኢኻ ምእንቲ ሰላም ክትመውትከ ስንድው ዲኻ? እዚ እዩ ዘድልየና።

አብ መወዳእታ ኩነታትናን ወይ አብ ከባቢና ዘሎ ሃለዋት ብዘየገድስ ኩሉ ጊዜ ነቲ ጽቡቕ ነገር ካብ ምሕሳብ ድሕር ከይንብል ምጥንቃቕ የድልየና። አብ ኃጢአት አብ ክፍአት ከይንወድቕ ሓለዋ የድልየና። ልዕሊ ኩሉ ክንሓስቦ ዘሎና ጽባሕ አብ ቅድሚ መንበር አምላኽ ክንቀውም ከሎና ኵነኔ ከይጸንሓና ሎሚ መገዲ ድሕነትና ንጽረግ። አብ ቂምን በቐልን ሕነ ምፍዳይን እንከሎና ፀሓይ ከይትዓርበና ንጠንቀቅ። አብ ቅድሚ አምላኽ ተደፊእና ምሓረኒ ሓግዘኒ እናበልና ጸሎት ንግበር። አምላኽ እንታይ ከምዝገብር ከመይ ኢሉ ከም ዝገብርን አበናይ ጊዜ ከም ዝገብርን ይፈልጦ እዩ። ንአምላኽ ዝግብኦ ክብርን ቦታን አብ ሕይወትና ንሃቦ ሽዑ ሰላም ምሕረትን ፍቕርን አብ መንጎና ክነግስ እዩ።

አብ 1ዘነገሥት 26፡2-23 ዘሎ እንተ አንበብና ዳዊት ነቲ ክቐትሎ ኢሉ ዝሃድኖ ዝነበረ ሳኦል ሓደ መዓልቲ ብለይቲ አብቲ ደቂስዎ ዝነበረ ከም ዝመጽአ ግን ንቅቡእ አምላኽ ክቐትል አይግብአንን ኢሉ ከም ዝነሓፎ ነንብብ። ብርግጽ ዳዊት በቲ ሳኦል ዝገብሮ ዝነበረ ክቐትሎ ምኽአለ ነሩ ወላ ብጾቱ ከይተረፉ ሎሚ አምላኽካ ንጸላኢኻ አብ ኢድካ አኅሊፉ ሂቡካ አሎ ቅተሎ ክብልዎ ከለዉ ንሱ ግን ክገብሮ ፍቓደኛ አይኮነን፥ እግዚአብሔር አብቲ እዋኑ ባዕሉ ክፈድዮ ሓዲግዎ። ንሱ አብ ቃል አምላኽ ጥራሕ እዩ አድሂቡ። አብ ስምዒትን ምኽሪ ክፉአትን ክወድቕ አይደለን፥ ንሕና እውን በዚ መንፈስ ሕይወትና ክንመርሕ ይደልየና።

ካብ ቂምን ቅርሕንትን ወጺእና አብ ምሕረትን ሰላም ክንወርድ ይግብአና። እዋና ብኽፍአትን ቅሚምታን ሕነ ምፍዳይ ጽልእን እዩ ዝልል ዘሎ። አብ ልብኻ ካብ ሓጺን ዝተርር ክፍአት ሒዝካ ምጉዓዝ ይጎድአና አሎ ዝገደደ አብ ከምዚ ከሎና ንሥጋኡ ወደሙ ንቕበል አሎና ብሓቂ አብ ልብና ንመለስ እሞ ንስሓ ገርና ዕርቅን ሰላምን ምሕረትን ንግበር። ምሓሩ ክትምሓሩ ሕደጉ ክሕደገልኩም ንዝበለና አምላኽ ሰሚዕና አብ ቤት አቦና ንእቶ ሽዑ ብጸግኡ ክንሽለም ኢና። ነቲ አብ ቅድሚ ኹሉ ሰብ ቅኑዕ ዝኾነ ደአ ሕሰቡ እምበር ንሓደ እኳ ኽፉእ አብ ክንዲ ኽፉእ አይትፍደይዎ፥ ብወገንኩም ምስ ኩሉ ሰብ ብሰላም ክትነብሩ ዚከአለኩም ግበሩ (ሮሜ 12፡17-18)፥ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ (ዘዳ 32-35) ይብለና አሎ።

ኦ መሓሪ አምላኽ አብ ኩሉ ሕይወትና መሓርትን ዘራእቲ ፍቕርን ግበረና ንበሎ።

ብሩኽ ሰንበት ይግበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

23 February 2019, 19:53