2019.03.04  ሃገራዊ መዓልቲ መንእሰያት 8-10 ለካቲት 2019 ኣስመራ 2019.03.04 ሃገራዊ መዓልቲ መንእሰያት 8-10 ለካቲት 2019 ኣስመራ  

ሃገራዊ መዓልቲ መንእሰያት 8-10 ለካቲት 2019 ኣስመራ

ብምኽንያት ዓለም ለኻዊ መዓልቲ መንእሰያት ``እኔኹ ኣነ ባርያ እግዚኣብሔር እየ ኸምቲ ዚበልካኒ ይኹነለይ`` ብዚብል ኣርእስቲ ኣብ ርእሰ ኤጳርቅና ኣስመራ ብሃገር ደረጃ ንመጀመርያ ግዜ መዓልቲ መንእሰያት ካብ ዕለት 8 ክሳብ 10 ለካቲት 2019 ተባዒሉ።
ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

ኣብዚ ብዓል እዚ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ መንግስትኣብ ተስፋማርያም፡ ጳጳሳ ርእሰ ኤጳርቅና ኣስመራ፡ ብፁዕ ኣቡነ ኪዳነማርያም የዕብዮ፡ ጳጳስ ሰበኻ ከረን፡ ብፁዕ ኣቡነ ፍቅረማርያም ሓጎስ፡ ጳጳስ ሰበኻ ሰገነይቲ፡ ካብ ኣርባዕቲአን ሰበኻታትና ዚመጹ 500 ዚኾኑ መንእሰያትን ዕድመ ዚተገብረልም ቆሞሳትን ካህናትን ደናግልን ብሓፈሻ 550 ዚኣኽሊ ተሳተፍቲ ነይሮም። ኣብቲ ዕለት 8 ዓርቢ ድሕሪ ቀትሪ ዚጀመረ መደብ፡ ተሳተፍቲ ናብ ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን እናዘመሩ ክኣትዉ እንከለዉ ጳጳሳትና ኣብ ኣፍደገ ቤተክርስቲያን ደው ኢልም እናባረኹ ተቀቢልሞም። ብድሕሪ እዚ ጳጳሳትና ሓደ ብሓደ ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ቃል ምስ ኣስምዑ መቁጸርያ መልኮታዊ ምሕረት ደጊሞም። ንጽብሒቱ ቀዳም ድሕሪ ቅዳሴ ብፁዕ ኣቡነ ፍቅረ ማርያም ንተሳተፍቲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዚሓለፈ ወርሒጥቅምቲ 2018 ``መንእሰያት፡ እምነትን ምልላይ ጸዋዕታን`` ብዚብል ኣርእስቲ ኣብ ሮማ ዚተኻየደ ሲኖድስ ጳጳሳት ብኣካል ተሳቲፎም ስለ ዚነበሩ ነዚ ዘላሊ ትምህርቲ ሂቦም። ብጹዕ ኣቡነ ፍቅረ ኣብ ትምህርቶም፡ ብመጀመርያ ሓፈሻዊ ኣመጻጽኣ እቲ ሲኖድስ ምስ ገለጹ ቀጺሎም እቲ ንሓደ ወርሒ ምለእ ዚተኻየደ ጉባኤ ጳጳሳት ከመይ ከምዚነበረ ብዚርዚር ምብርሂ ሂቦም፡ ኣብ መጨረሻ ድማ እቲ ጉባኤ ዘሕለፎ መልእኽቲ ንተሳተፍቲ ብሰፊሑ ገሊጾሙሎም። እቲ ትምህርቲ ሰፊህ ስለ ዚኾነ ኣብዚቅጽል መዓልቲ ከነብበልኩም ኢና።

ብድሕሪ እዚ ሕቶን መልስን ምስ ተገብረ ድማ ወኪል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኤርትራን ሱዳንን ኑንስዮ ብጹዕ ኣቡነ ሂዩበርት ማቴዎስ ቫን መገን፡ ትምህርቲ ሂቦም። ንሶም ኣብ ትምህርቶም ``ብመጀመርያ ነዚ ዕድል ዚሃብኩምኒ የመስግን። ዚሓለፈ ወርሒ ካብ ዕለት 22 ክሳብ 27 ጥሪ ኣብ ሃገረ ፓናማ ብፁዕ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዚተሳተፍዎ ``እኔኹ ባርያ እግዚኣብዚሔር እየ ከምቲ ዚበልካኒ ይኹነለይ`` ብዚብል ኣርእስቲ ብዓለም ደረጃ መዓልቲ መንእሰያት ተባዒሉ። ብዘሓት ካባኻትኩም ኣብቲ ብዓል ክትሳትፉ ድላይ ከምዚነበረኩም ርዱእ እዩ፡ ግን ብሓደ ሓደ ምኽንያታት ኣይተኻእለን። ይኹን እምበር እቲ ኣብኡ ዚነበረ ኩለ ነገር ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ናብ ኩልና በጺሑ እዩ። ሎሚ ኣነ ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ኣባኹም ዘለዎም ፍቅሪ ክገልጸልኩም፡ ናቶም ወኪል ኮይነ መጺአ ኣሎኹ። ር.ሊ.ጳ. ክንራኸብ እንከሎና ኩለ ግዜ ብዛዕባ ኤርትራ ይሓቱኒ እዮም። `እቲ ቅዱስ ሕዝቢ ከመይ ኣሎ?’ ይብሉኒ። ብሓቂ እዮም ዘፍቅሩኹም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ልዕሊ ኩሎም መንእሰያት ዓለም እውን ብርቱዕ ፍቅሪ ኣለዎም። ምኽንያቱ እቶም ናይ ጽባሕ ካህናት፡ ኣቡናት፡ ነገስታት፡ መምህራን፡ ደናግል፡ ኣቦታት፡ ኣደታት፡ መንእሰያት እዮም። ሎሚ ብዛዕባ መንእሰያት ክንግደስ ኣሎና፡ሎኣበይ ኩነታት ከምዘለዉ ክንፈልጥ ይግብኣና። ኣበየናይ መሰረት ኣለዉ ኢልና ክንከታተልምን ክንግደሰሎምን ይግባእ፡ ምኽንያቱ እቲ ናይ ሕጂ መሰረት እዩ ጽባሕ ዚመጽእ ወይ ኣብ ሕይወቶም ዚግለጽ።

ብፁዕ ኣቦና እቲ ኣብ መንእሰያት ዘሎ ሓይሊ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ሕጂ መንእሰያት ዘለዎም ሽግር ወይ ስቃይ እውን ይርድእዎ እዮም። ስቃይኩም ስቃዮም እዩ፡ እቲ ኩለ ተሕልፍዎ ዘሎኹም ኩነታት ይስምዖም እዩ። ኢየሱስ እውን ምሳኻትኩም ይሳቀ እዩ። ብዘሕ ነገር ይጽበየና ኣሎ፡ ንጸዋዕታና ብትብዓት ክንነብሮ ይግባእ፡ ቃልሲ ኩለ ግዜ ቀጻሊ እዩ። ኩለ ሽግር ሓላፊ እዩ፡ እቶም ገፋዕቲ እውን ኩሎም ሓለፍቲ እዮም። እቶም ናይ ትማሊ ገፋዕቲ ሎሚ የለውን። ኩለ ክሓልፍ እዩ። እምነትና ኣብ ኢየሱስ ንግበር። ኣብዚ ተኣኪብና ዘሎና፡ ሂወትና መርሚርና፡ እምነትና ከነሐይልን ክንበራበርን ኢልና ኢና። ነቲ ተሪፉና ዘሎ ጉዕዝ ብጉቡእ ምእንቲ ክንዚዚሞ ኣካይዳና ነጸብቅ። ከምቲ ኢየሱስ ነቶም ሰለስተ ሓዋርያት ኣብ ደብረ ታቦት ወሲደ፡ በቲ ራእይ ከምዚሕጎሱን ከምዚብርቱዐን ዚገበሮም፡ ንሕና ድማ ሎሚ፡ እዚ ኩለ ኣብዚ ተዳልዩልና ዘሎ መደብ ትምህርትን ጸሎትን መዚሙርን ቅዳሴን ምስጢረ ኑዚዜን፡ ክንሕደስን ክንብርትዕን ተባሂሉ እዩ።

ኣብ ዓለም ፈተና ኣሎ፡ ይኹን እምበር በቲ ዚውሃበና ዘሎ ትምህርቲ፡ ሓቅን ፍትሕን ሒዝና ክንቃለስ ይግብኣና። ኩልና ብቃልና ይኹን ብግብርና ጥዐም ብስራት ክንነግር ኢና ተጸዊዕና። እዚ ከኣ ከምቲ ንክርስቶስ ዚገበርዎ ተቃውሞን ጽልእን ክፈጥረልና ሙዃኑ ኣይንስሓቶ። ኢየሱስ ጽቡቅ ስለ ዚገበረን፡ ሓቂ ስለ ዚተዛረበን ተጻቢኦሞ፡ ንሕልናኦም ዚወቅስ ሂወት ስለ ዚነበሮ፡ ሱቅ ከብልዎ፡ ክቀትልዎ፡ ብምሉእ ሓይሎም ተጻቢኦሞ። ኩሉ ቃላቱን ተግባሩን ሕይወቱን ንስልጣኖም፡ ንኽብሮም፡ ንረብሓኦም፡ ዚትንክፍ፡ ንሕይወቶም፡ ዚርብሽ፡ ሰላም ዚኸልእ ስለ ዚነበረ ቀቲሎሞ። ንዓና እውን እዚ ዕድል እዚ ከጋጥመና ይኽእል እዩ። ኣብ ግዜ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ሓላፍነት ዚነበሩ ሰባት፡ ምስቲ ናይ ክርስቶስ ትምህርቲ ኣይተሰማምዑን። ኣብ ግዜና እውን ከምኡ ክህሉ ይኽእል እዩ። ብዘሕ ግዜ ንሕና ካብቲ ዚለመድናዮ ሕይወትን መደብን ከይወጻእና ክንከይድ ሰለ ንደሊ፡ በቲ ናይ ኢየሱስ ትምህርቲ፡ ወይ በቲ ቤተ ክርስቲያን ትህበና ትምህርቲ፡ ክንከይድ ይጽግመና እዩ። ይኹን እምበር ኣምላኽ ፍቅሪ ስለ ዚኾነ፡ ወትሩ ግዜ ድማ ንምርዳእና ኣብ ቀረባና ስለ ዚኾነ፡ በቲ ዚሓሸን ዚበለጸን እዩ ዚመርሓና፡ ካብ ዓቅምና ንላዕሊ ድማ ኣይሓተናን እዩ። ስለዚ ንኢየሱስ ካብ ምስዓብ ድሕር ኣይንበል። ብናትና ድላይ ክንመላለስ ኣይንጽዓር መወዳእታኡ ጥፍእት እዩ። ናይ ኢየሱስ ሕይወትን ትምህርትን፡ መንገድና ወይ ሕይወትና ክንቅይር ክዕድመና እንከሎ ብእምነት ሕራይ ፍቃድካ ይኹን ንበሎ። ኣብ ግዜ ኢየሱስ ዚነበሩ ሕዝቢ፡ እቲ ትምህርቱ ምስቲ ትጽቢቶም ሰለ ዘይከደ፡ ኣይተስማምዕዎን።

ሕጂ ንሕና ከመይ ኣሎና? ኣብቲ ናይ ኢየሱስ ድላይ ዱና ክንእቱ ወይስ ኣብቲ ናትና ድላይ ኢና ክንነብር። ከም ማርያም ኣደና ካብቲ ናትና ሕልሚ ወጺእና፡ ሕይወት ክርስቶስ ለቢስና፡ ኣበሰርቲ ወንጌል ክንከውን ሕራይ ከም ፍቃድካ ይኹነለይ ንበሎ ንኢየሱስ። ማርያም ናታ መደብ ገዲፋ፡ መሳርሒ ድሕነት ክትኮኖ ሕራይ ኢላ ተኣዚዚ። ማርያም ንፍቃድ ኣምላኽ ተኣዚዛ ሕራይ ክትብል እንከላ፡ ብዘሕ ትፈልጦ ነገር ኣይነበራን። ካብ ድኻ ቤተ ሰብ ሰለ ዚተወልደት ዓቢ ነገር ትጽበ ኣይነበረትን። በዚ መኽንያት እዚ እያ ድማ ነቲ መልኣኽ ‚እዚ ከመይ ኢለ ክኸውን እዩ‛ ኢላ ዚሓተተቶ። ይኹን እምበር ኣምላኽ ይመርሓ ከምዘሎ ስለ ዚፈለጠት፡ ኣብ ክእለቱን ምሕረቱን ምሉእ እምነት ነይርዋ እዩ። ማርያም ናይ መላእ ቤተክርስቲያንን መንእሰያትን ኣብነት እያ። ንማርያም ተኸቲልና ነቲ ግዚያዊ ጸገምና ከይርኣና፡ ንክርስቶስ ንከተሎ። ኣብ ዓለም መባኹዕቲ ኮይንና ንስራሕ። ኣምላኽ ናይቶም ኩሎም ዚሳቀዩ ዘለዉ ኣቦ እዩ እሞ፡ ከም ማርያም ወንገል ነበስር። ምስኣ ሓቢርና ድማ ‚ብቅልጽሙ ሓይሊ ገበረ ንዕቡያት ሓሳባት ልቦም በተነሎም ንሓያላን ካብ ዙፋኖም ኣውረድም ንዚተዋረዱ ብበረኸት ኣጽገቦም ንሃብታማት ከኣ ጥራይ ኢዶም ሰደዶም‛ ኢልና እናዘመርና፡ ኣብ ዓወት ከብጽሓና ሙዃኑ ተኣሚንና ንክርስቶስ ንስዓቦ። ር. ሊ. ጳጳሳት ኣብ መንእሰያት ዓቢ እምነትን ተስፋን ኣለዎም። በቲ ናትኩም ሕራይ ሓድሽ ጰራቅሊጦስ፡ ሓዲስ ዘመን፡ ሓዲስ ለውጢ፡ ተስፋ፡ ክመጽእ ይኽእል እዩ። በብወገንና ንበርትዕ፡ ኣምላኽ ጸጋኡ የብዚሓልኩም‛። ብምባል ትምህርቶም ዛዘሙ።

ድሕሪ ሓጺር ናይ ሻሂ ዕረፍቲ ድማ፡ ኣባ ማስያስ ኣርኣያ፡ ወዲ ማሕበር ዶንቦስኮ፡ ሃናጺ ዚኾነ ናይ ሕይወቶም ምስክርነት ኣቅሪቦም። እዚ ማለት ካብ ግዜ ንስእነቶም ክሳብ መዓርገ ክህነት ዚበጽሑ፡ ዘሕለፍዎ ነዊሕን ሕልኽላኽ ዚመልኦ ግዜን ብሓይሊ ኣምላኽ፡ ንኹሉ ሰጊሮም ናብ ዓቢ ነገር ከምዘብጽሖም መስኪሮም።

ኣብቲ ድሕሪ ምሳሕ ዚነበረ ክፍለ ግዜ ድማ፡ ካብ ሰበኻ ሰገነይቲ ኣልኣዛር እንድርያስ ዚብሃል መንእሰይ፡ ብዓል ሓዳር፡ ኣምላኽ ቅድሚ ቃል ኪዳን ምእሳሩን ሕጅን፡ ዚገበረሉ ሰናይ ነገር ምስክርነት ሂቡ። ካብኡ ብምቅጽል ድማ ንኹለ ዓይነት ጸዋዕታ ትምልከት ድራማ ብመንእሰያት ቀረበት፡፡

ቀጺሎም ክቡር ኣባ ተስፋስላሴ ገብረመድህን ወዲ ማሕበር ልኡካን (ላዛሪስት)፡ ‘ርክብ ጾታውነትን መንፈሳውነትን ኣብ መንእሰያት‛ ብዚብል እርእስቲ ትምህርቲ ሂቦም። ኣባቴ ኣብ ትምህርቶም፡ ‘ዚኸበርኩም መንእሰያትን ጾታ ክቡር ህያብ እዩ። ኣብ (ዘፍ. 1፡31) ‘ኣምላኽ ዚገበሮ ዘበለ ኩለ ረኣየ፡ እንሆ ኣዚዩ ጽቡቅ ነበረ።‛ ይብለና።

ካብ መጀመርታ ንጾታዊ ፍቅሪ ዚፈጠረ እግዚኣብሔር ኢዩ። ‘እንሆ ኣዚዩ ጽቡቅ’ ከኣ ኢዩ። ኣብ ዘመናት ግን ሰባት ንጽባቄ ፍጥረት ኣምላኽ ዘንጊዕና ብዘይመንገዱን መንፈሱን ስለዚወሰድናዮ ኣደናጊርናዮ።

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከየቋረጸት እቲ ክልተ ዕላማ ኪዳናዊ ሕይወት፡ ፍቅሪ ሓድሕድን ውሉድን ምዃኑ ትገልጽ። ተጻመድቲ ብኪዳናዊ ፍቅሪ ሓድሕድ ውለድ ክረኽቡ ከኣ ትባርኾምን ትጽልየልምን። መርዓ ከም ሓደ ጸዋዕታ ኮይኑ፡ ቃል ኪዳን ሓደ ካብ’ቶም ሸውዓተ ምስጢራት ኢዩ።

ቤተ ክርስትያን ኣብ ሞንጎ ሰብ ሓዳር ዚግበር ጾታዊ ርክባት ብመሠረቱ ዓቢይ ሓጢኣት ኢዩ ኢላ ምሂራ ኣይትፈልጥን። ቅደስ ዮሓንስ ጳውሎስ 2ይ፡ ከም እሙን ጓሳ፡ ብምሉእ ዕጋበት ቤተ ክርስትያን ኣብ ዕብየት ጾታዊ ፍቅሪ ንሕይወት ሰብ ኡነተኛ ሓጏስ ዚህብ ትምህርቲ ከምዘለዋ ይገልጹ።

ቅደስ ዮሓንስ ጳውሎስ ኣብ’ታ፡ ‘ፍቅርን ሓላፍነትን’ (Love and Responsibility) እትብል መጽሓፎም ነዚ ሥራሕ’ዚ እዮም ከርእዩ ፈቲኖም። ከም መጀመሪ ቅደስ ዮሓንስ ጳውልስ 2ይ፡ ኣዕሚቊና ክንፈልጦ ዘድልዩና፡ ንጹር ዕላማ፡ መንነት፡ ሥልጣንን ታሕጓስን እንታይ ምዃኑ እዩ። መሠረታዊ ህያብ ናጽነትና’ውን ክንርድኦ ኣሎና ይብሉ። ነዛ ሞራላዊት ህያብ እዚኣ ብየዋህነት ምስ እንጥቀመላ ኢና ምስ ካልኦት ክንወሃሃድ እንኽእል። ንካልኦት ከም መሳርሒ ክንጥቀመሎም የብልናን። ክልተ ናጻ ሕይወት እንተተራኺቦም ናብ ዚበለጸ ክጐዓዙ ይኽእሉ እዮም። እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ‘ትጥቀመለይ ኣልኻ’ ዘይብለሉ ክኸውን ኣለዎ። ፍቅሪ እንበኣር ርክብ ክልተ ናጽነት ኢዩ። ንዚተፈልየ ዚበለጸ ዕላማ ክልተ ብናጽነት ገዛእ ርእሶም ይወሃሃቡ። ምፍቃር ዚብል ቃል ኣንጻር ምጥቃም ኢዩ።1

ጾታዊ ፍቅሪ ካልእ መልክዕ ናጽነት ዘለዎ ግላዊ ግዝኣት ኢዩ። ኣብ’ዚ ከነስተውዕለሉ ዘሎና ዓቢይ ጉዳይ ሞራላዊ ሕይወት ኣሎ። ካብ ካልኦት ተፈሊኻ ንፉዕ ሰብ ክትከውን ኣይክኣልን ኢዩ ዚብል ኢዩ። ዋላ’ኳ ብስምረት ክልቴኻ ይኹን እንበር፡ ንሰባት ኣብ ደረጃ ጾታዊ ኣካልን ህያብን ነውርዶም ኣሎና ማለት እዩ። ከይተፋቀሩ ጾታዊ ርክብ ክህልዎም ይኽእል እዩ። እዚ ኣብ ሕይወት ሰባት ስቃይ ዘምጽእ እዩ።

ጾታዊ ሞራላዊ ትምህርቲ፡ ንጾታዊ ተሞክሮ ናብ ሰብኣዊ ክብሪ ኣደይቦም ብናጽነት ናብ’ቲ ኡነተኛ ታሕጓስ ክበጽሑ ዚገብር ኢዩ። ጾታዊ ርክባት ንስለ ጾታዊ ዕጋበት ጥራሕ ኢልካ ዚግበር እንተደኣኮይኑ ሰብኣውነት ዚጏደሎ ኢዩ ዚኸውን። መግለጺ ፍቅሪ ሰባት፡ ሓድሕድ ብምውህሃብ ርክብ ክልተ ናጽነት እንተኾይኑ ግን ሰብኣውን፡ ሰብ ዚገብረካን ኢዩ። ኣብ’ታ ‘ፍቅርን ሓላፍነትን’ እትብል መጽሓፎም ቅዱስ ዮሓንስ ጳውልስ 2ይ፡ እቲ ካልእ ሰብነት ዘይኮነስ፡ እቲ ካልእ ሰብ ኡነተኛ ሰብኣዊ ጾታዊ ፍቅሪ እዩ ዚቅበል ዘሎ። ዕላማ ኡነተኛ ሰብኣዊ ጾታዊ ፍቅሪ ንግላዊ ርክባት ምዕሟቊ እዩ። እቲ ታሕጓስ ጾታዊ ፍቅሪ ነዚ የዕቢ። ኣብ’ቲ ውህበት ናጻ ጾታዊ ፍቅሪ፡ እቲ ወሃብን ተቀባልን ንገዛእ ርእሶም እዮም ዚህቡ ዘለዉ። ህያብ ገዛእ ርእሱ እዩ። እዚ ምውህሃብ’ዚ ቀዋምን ውፉይን ክኸውን የድልዮ። ናይ ሓደ/ክልተ እዋን መግለጺ ፍቅሪ ኢዩ ኢልካ ክትጽውዖ ኣይትኽእልን ኢኻ። ብዘይ እዞም ዚጠቀስናዮም ሰብኣዊ ባህርያት፡ ጾታዊ ፍቅሪ ኡነተኛ ፍቅሪ ኣይኮነን። ጾታዊ ርክብ ሰብነት፡ ብዛዕባ ፍቅሪ ሓቂ ክዝረብ እንተደኣ ኮይኑ፡ ስሕበት ብተወፋይነት ክስነ ኣለዎ። ስለዚኾነ ጾታዊ ፍቅሪ ብማእሰር ኪዳን ጥራሕ ኢዩ ክግለጽ ዚኽእል።

በዚ ሰብኣዊ ካቶሊካዊ ኣጠማምታ’ዚ፡ ንጽሕና ክልከላ ኣይኮነን። ከምቲ ቅደስ ዮሓንስ ጳውልስ 2ይ ዚብልዎ፡ ‘ንጽሕና ምልኣት ፍቅሪ ኢዩ።’ መንፈሳዊት ኃይሊ ንጽሕና፡ ንሰባት ከምሰባት ከምዘፍቅሮም እትገብረኒ ኃይሊ ኢያ። ስለዚኾነ ንጹሕ ጾታዊ ፍቅሪ (ዚጋጮ ቃላት ኣይኮነን) ካብ ገዛእ ርእስኻ ዘውጽኣካ ፍቅሪ ኢዩ። ኣብ ንጹሕ ውፉይ ጾታዊ ፍቅሪ፡ ማእከል ስምዒተይ ኣብ ሓልዮት ካልኦት ኣውዒለዮ/ኣንቢረዮ ኣሎኹ። ናጻ ስለዝኾንና፡ ብናጽነትና ንካልኦት ከም ህያብ ኣቅሪብናልም ኣሎና። እዚ እዩ ባይታ ከውሒ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን። ብናጽነት ከነፍቅር፡ ናጻ ኰንና። ስለዚ ኡነተኛ ሰብኣዊ ፍቅሪ ነፍቅር። ንጾታዊ ሕይወትና ክመርሕ ዘለዎ ከኣ እዚ እዩ።

ኡነተኛ ካቶሊካዊ ጾታዊ ትምህርቲ ሞራል፡ ናጽነት ደኣ’ምበር ክልከላ ኣይኮነን።

ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ 2ይ፡ ብዛዕባ ጾታ እንክዛረቡ፡ ብዛዕባና ጥራሕ ዘይኮነስ ብዛዕባ ኣምላኽ እውን ከምዚገልጸልና ይሕብሩ። ኣብ’ታ ‘ናይ ሰብነት ትምህርተ መለኮት’ (Theology of the Body) እትብል መጽሓፎም ብሓቂ ንትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ብዛዕባ ጾታዊ ትምህርቲ ሞራል ይገልጹ።

ኣብ ምጅማር ትምህርቶም ታሪኽ ምፍጣር ኣዳምን ሔዋንን (ዘፍ. 2-3) ይገልጹ። እግዚኣብሔር ንምንታይ ዕላማ ተባዕታይን ኣንስተይትን ጌሩ ፈጢሩ ከብርሁ ይፍትኑ። ካብኡ ተበጊሶም ሰብነትና ምስ መንነትና ዓሚቊ ርክብ ኣለዎ። ሰብነትና እንኽደኖ ሥጋ ጥራሕ ኣይኮነን። ንገዛእ ርእሰይ ዚገልጸሉን፡ ምስ ካልኦት ዚዋስኣሉን፡ ውሳኔ ዚወስደሉን ሰብነተይ ኣብ መንነተይ ከም ካልኣይ ደረጃ ጥራሕ ክሰርዖ ኣይክእልን እየ። ብሥጋ ምንባርና ኢዩ ከም ሰባት ንነብር ኣሎና ዘብለና ዘሎ።

እዚ ትምህርቲ’ዚ ናብ’ቲ እግዚኣብሔር ንሰብኣይን ሰበይትን ‘ብመልክዕና ከም ምስልና’ (ዘፍ. 1፡26) ዚብል መሠረት ኣፈጣጥራና ይመርሓና። ብኣበሃህላ ዮሓንስ ጳውሎስ፡ ኣርኣያ እግዚኣብሔር እንኸውን፡ ስለ እንሓስብን እንመርጽን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ንገዛእ ርእስና ንካልኦት ክንህብን ሕብረት ክህልወናን ስለ እንኽእል እውን እዩ። ምእንቲ’ዚ ‘ምሉእን ፍጹምን ምፍጣር ‘ሰብ’‛፡ እግዚኣብሔር ንሔዋን ምስ ፈጠራ ንኣዳም ዚተፈልየት’ኳ ትኹን እንበር፡ ንሔዋን ካብኡ ዚመጸት ሰብ ምዃና ምስ ፈለጣን ኢዩ።  ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ኣዳም ንሔዋን ምስ ረኣያ ኣዚዩ ተሓጐሱ እዩ። ዚነበሮ ሰብኣዊ ጽምዋ በቲ ንገዛእ ርእስኻ ከየጥፋእካ ብፍቅሪ ንኻልኦት ሂብካ ምኽኣል ዚብል ምስጢራዊ መስርሕ ኣኽቲሙ እዩ። ብሓቀኛ ፍቅሪ፡ ማለት ንገዛእ ርእስኻ ንካልኦት ብምሃብን ምቅባልን፡ መንነት ሰብ ኣዕዚዙ ምልኣት ይረክብ።

እዚ ናይ ምሃብን ምቅባልን ትርግታ’ዚ ብዛዕባና ኮነ ብዛዕባ እግዚኣብሔር ዚምህረና ነገር ኣለዎ። ኣብ’ቲ ብዕጋበት ንሓድሕድም ዚወሃሃቡሉ እዋን ብምልኣት ኣርኣያ እግዚኣብሔር ይኾኑ። እቲ ዓሚቊ ናይ ምውህሃብ መንፈስ ናይ ቅድስቲ ሥላሴ ውሽጣዊ ሕይወት ኣርኣያ ኢዩ። ከምኡ ከኣ ኣርኣያ ፍቅሪ እግዚኣብሔር ኣብ ተፈጥሮ ኢዩ። ከመይ ምስ’ቲ ጾታዊ ፍቅሪ ኣብ ሞንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ህያብ ውሉድ ኣሎ። ከም’ቲ እግዚኣብሔር ብህያብ ፍቅሩ ንዓለም ዚፈጠረ፡ ደቂ ሰባት ከኣ በቲ ጾታዊ ፍቅሪ ሰብ ይወልዱ።

ካብ መጀመርያ ታሪኽ ደቂ ሰባት፡ ሰብኣይን ሰበይትን ከም ሓደ ሰብ፡ ክልቲኦም ምሉእ ሰብ ግን ዚተፈላለዩ ምዃኖም ምስጢራዊ (Sacramental) ኩነት ኢዩ። ሥጋ ዚለበስና ምዃንና ነቲ ዘይርአ ከምዚርአ ክንገብር ይሕግዘና። ተባዕታይን ኣንስታይን ምዃንና ካልእ ምልክት ብለጽነት ኢዩ።

ንምንታይ ደኣ እዮም ኣዳምን ሔዋንን ዕራቆም ምዃኖም ምስ ተረድኦም ‘ዚሓፈሩ’? ዮሓንስ ጳውሎስ ከምዚገልጽዎ፡ ከም ህያብ ሓድሕድ እናነበሩ፡ ከም’ቲ ዚተፈጥርዎ ብናጽነት እናነበሩ እንከለዉ ሕፍረት ይስምዖም ኣይነበረን። ‘ሓጢኣት ኣዳም‛ ምስ ተፈጸመ ግን እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ከም መሳርሒ፡ ወይ ከም ሓደ ኣቅሓ ጌሮም ተጠማሚቶም። ከም ተባዕታይን ኣንስታይን ካብ ፍቅሪ ሓሊፉ ናብ መሳርሒ ዓመጽ ስለዚኾነ ሓጢኣትን ሕፍረትን ኮይኑ። ቀጻልነት ደቂ ሰባት ኣብ ሓድሕድ ምውህሃብ ዚተሞርኮሰ እዩ። ብጾታዊ ፍቅሪ ህያብ ሓድሕድ ምዃን ከኣ ኣርኣያን መንገድን ናይ’ዚ ሓቂ’ዚ ኢዩ።

ኣብ ናይ እምባ ስብከቱ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ሓጐስን ብጽዕነትን ኢሉ ንክርስትያናዊ ባህርያት ክገልጽ እንከሎ፡ ‘ኣይትዘሙ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም ኣሎኹም። ኣነ ግና ንጓል ኣንስተይቲ ርእዩ ዚትምነያ ኩለ፡ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ፡ እብለኩም ኣልኹ።‛ (ማቴ. 5፡ 27-28) ኣይበርትዐን’ዶ? መፍትሒኡ ኣብ’ቲ ሰብኣዊ ርድኢት ጾታውነትን፡ ናቱ ትምህርቲ ሞራልን ፍቅርን ኢዩ ዚውሰን ይብለ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ።

ሓጢኣት ኣዳም ካብ ንገዛእ ርእስኻ ብፍቅሪ ምሃብ፡ ናብ ዓመጽ፡ ካብ ብዚግባእ መንገዲ፡ ብመገዲ ገዛእ ርእስና ስለዚወሰድናዮ ሓጢኣት መጺኡ። ነዚ ኢና ዝሙት እንብል ዘሎና። ዝሙት ኣንጻር ሓቀኛ ስሕበት ኢዩ። ብሓቂ ብሓደ ሰብ ተሳሒበ እንተደኣ ኮይነ፡ ገዛእ ርእሰይ ብምሃብ ሠናዩ እየ ዚደሊ። ዝሙት ግን ዋላ ብዓመጽ ይኹን ባህገይ ከዕግብ ጥራሕ እየ ዚደሊ። ሓደ ወዲ ተባዕታይ ንጓል ኣንስተይቲ (ጓል ኣንስተይቲ ንወዲ ተባዕታይ) ብፍቅሪ ዘይኮነስ ብዝሙት እንተብሂጕዋ፡ ንሳ ሰብ ኣይኮነትን። ግዚያዊ ዕጋበቱ ዚረኽበላ፡ ሓደ ኣቅሓ ኢያ። ኣብ ከም’ዚ ዚበለ ርክብ ምሃብ ኮነ ምቅባል ወይ ሕብረት የለን።

ካቶሊካዊ ጾታዊ ትምህርቲ ሞራል፡ ንጾታዊ ፍቅሪ ካብ መጻወድያ ዝሙት የድሕኖ እዩ። ካቶሊካውነት ንጾታዊ ርክብ ይኽልክል ኣይኮነን ዘሎ። ከም’ቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ዚብልዎ፡ ካቶሊካውነት ንጾታዊ ርክብ ‘ምልኣትን ብስለትን‛ ብምሃብ ሓርነት ይህቦ። ስለዚኾነ ክሳብ ግዜ እርጋን እንከይተረፈ በዚ ሓርነት’ዚ ተጻመድቲ፡ ንጾታዊ ፍቅሮም ክሕጐሱሉ ይርከቡ። ካቶሊካዊ ጾታዊ ሞራላዊ ትምህርቲ ንስምዒት ሥጋ ኣይድምስሶን ኢዩ። እኳደኣ ካብ ልቢ ከምዚውሕዝን ናብ’ቲ ኡነተኛ ሕብረት ሰብኣይን ሰበይትን ብምቅናዕ፡ ኡነተኛ ኣርኣያ ኣምላኽ ብርእሱን፡ ኣምላኽ ምስ ዓለም ዘለዎ ርክብን ከም ዚገልጽ ይገብሮ። እቲ ጸገም ርእስኻ ዘይምቁጽጻር ጥራሕ ዘይኮነስ ርእስኻ ዘይምምላኽ ኢዩ። ርእስኻ ምምላኽ ብምልኣት ነቲ ዘፍቅሮ ክህቦን ክቅበልን ዘኽእለኒ ሓይሊ ኢዩ።

በዚ ከም’ዚ እናነበርካ፡ ትምህርቲ ብጽዕነት ‘ጽሩይ ልቢ‛ ዚብል፡ ጾታዊ ፍቅሪ ንዓለም እንቅድሰሉ መንገዲ እዩ። ርእስኻ ብምሃብን ብምቅባልን ብሕብረት እናነበርካ ናብ ዕጋበት ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ናብ ቅድስና እውን ይመርሓካ። እዚ ቅድስና’ዚ ከኣ ነጸብራቅ ቅድስና ኣምላኽ ኢዩ። ቅዱስ ዮሓንስ ጳውልስ 2ይ፡ መርዓ፡ ነቲ እግዚኣብሔር ብኣኡ ጌሩ ንዓለም ዚፈጠረሉ ዓቢይ ፍቅሪ ስለዚገልጽ፡ `እዚዩ ጥንታዊ ምስጢር‛ ኢዩ ይብሉ። ቀጺሎም ዮሓንስ ጳውሎስ፡ መርዓ ምስጢር ወይ ኣርኣያ ድኅነትና ኢዩ ይብሉ። ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ቤተ ክርስትያን ንፍቅሪ ሰብኣይን ሰበይትን ብኣምሳል ፍቅሪ ክርስቶስ ንቤተ ክርስትያኑ ትርእዮ። ፍቅሪ ክርስቶስ ኢየሱስ ንቤተ ክርስትያኑ ብኪዳናዊ ፍቅሪ እዩ ዘፍቅራ። ከመይ ፍቅሪ ቃል ኪዳን ዚበለጸ መስትያት ርክብ ኢየሱስ መድኃንን ዘድኃኖም ሕዚብን ኢዩ።

 ቅደስ ዮሓንስ ጳውሎስ ነዚ ኣርእስቲ ክዛዝሙ እንከለዉ ትርጉም ጾታዊ ፍቅሪ ይገልጹ። ጾታዊ ፍቅሪ ኣብ ቃል ኪዳን ግብረ ኣምልኾ ኢዩ። ‘ሕይወት መውስቦ . . . ሊጡርግያዊ ቋንቋ ሰብነት ኢዩ።‛ ተሞክሮ ቅድስና፡ ተሞክሮ እግዚኣብሔር ‘ካብ መጀመርታ‛ ንዓናን ንዓለምን ዚመደበልና ኢዩ።

ትምህርቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ 2ይ፡ ኣብ ‘ትምህርተ መለኮት ሰብነት‛ ብዛዕባ ካቶሊካዊ ጾታዊ ትምህርቲ ሞራል ኣዚዩ ኣይበዚሐን’ዶ? ተሞክሮ ጾታዊ ፍቅሪ ምእመናን ሰበኪዳንን ኣብ ምዕባይ ቋልዑ ዘለዉን ኩለ ግዜ ከም’ዚ ዚበለ ተመስጦ የብሎምን። እኳደኣ ሓደ ሓደ ግዜ ኣዚዩ ዓለማዊ መንፈስ ዚሓዘ እዩ። ጾታሪ ፍቅሪ ናይ ሓጐስ እዋን ክኸውን ይግብኦ ይብሉ። ከም’ቲ ጽምኣት ኣምላኽ፡ ጽምኣት ሓጐስ ከም ጾታውያን ፍጥረት ኢዩ ኣባና ተደኲኑ ዘሎ። ነዚ ምኽሓድ፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስናን ፍቅርናን ሓደ ዓቢይ ኣገዳሲ ነገር ምኽሓድ ኢዩ።

 ኣብ ርእሲ’ዚ፡ እንታይ እዩ እቲ ኣማራጺ?

ኡነተኛ ካቶሊካዊ ጾታዊ ሞራል፡ ጾታዊ ፍቅርና ኣርኣያ ሕይወት ኣምላኽ ባዕሉ ኢዩ። ኣንጻር ዓለማዊ ሰብኣዊ ጾታዊ ርድኢት ኢዩ። ካቶሊካውያን ንጸዋዕታ ጾታዊ ፍቅሪ ብመንፈሳውነትን ሞራላዊ ኣረኣእያን ክንርድኦ ይግባእ። ንጾታን ፍቅርን በዚ ምስ እንርድኦ ኢዩ ግቡእ መኣዝኑ ዝሕዝ።

ንትምህርቲ ሞራል ጾታውነት ካብ ሓሳብ ቤተ ክርስትያን ወጻኢ ክንርድኦ እንተፈቲንና መንገዲ ንስሕት። ከም ኩሎም ጸዋዕታታት፡ ጾታዊ ፍቅሪ እውን ሓደ ጸዋዕታ ኢዩ። ሓደ ንሕጊ ህያባትካ እትነብረሉ መንገዲ እዩ። ጸዋዕታ እቲ ኣብ ልቢ ደቂ ሰባት ዚተቀመጠ ርእሰ ወፈያ ኢዩ። ጸዋዕታ ጾታዊ ፍቅሪ፡ ሓደ ካብ’ቲ ኣመንቲ ከም’ቲ እግዚኣብሔር ዚደልዮ ንዘለዓለም ምስኡ እትነብረለ መንገዲ ኢዩ።

በቲ ኡነተኛ ሰብኣዊ ሞራል ትምህርቲ፡ ትምህርቲ ብጽእነት ክንርእዮ እንተ ጀሚርና፡ እታ ቀዳመይቲ እትመጽኣና ሞራላዊ ሕቶ፡ ‘እንታይ ከይገብር እየ ተኸልኪለ?‛፡ ‘ከም ሰብ መጠን ከመይ ጌረ እየ ንጾታዊ ሕይወተይ ብሰብኣዊ ክብሪ ዚነብረሉ?‛ ዚብላ እየን። ኣብ ጾታዊ ፍቅሪ ክኾኑ የብሎምን ጥራሕ ዘይኮነስ ክውገዱ ዘለዎም፡ ንሕብረት ክቡራት ሰባት ዚዘርጉ ተግባራት ኣለዉ።

ጾታዊ ፍቅሪ መግለጺ ዓሚቊ ውፉይ ምውህሃብ ሓድሕድ እንተደኣ ኮይኑ፡ ቅድሚ መርዓ ዚግበር ጾታዊ ርክብ ንክብሪ ስሙር ፍቅሪ ይግህስ ኣሎ። ኣመንቲ ክርስትና ምስ ሓደ/ሓንቲ ቃል ዚኣተወላ ጥራሕ እዮም ሥጋዊ ርክባት ክገብሩ ዚኽእሉ። እዚ ቃል ማሕላ’ዚ ከም’ዚ ጾታዊ ፍቅሪ ዚሕብሮ ንወትሩን ብምሉእ ወፈያን ኢዩ ክኸውን ዘለዎ። ርእሰ-ዓመጻ (selfabuse)፡ ወይ ግብረ-ኅቡእ (masturbation) ጾታዊ ርእሰ ፍትወት ኮይኑ፡ ንሰብኣዊ ውህደትን፡ ስምረት ፍቅርን ይግህስ። ፍቅሪ ምስ ርእሰ ሃሴት (self-pleasure) እንተተደናጊሩ፡ ከም ኡነተኛታት ኣፍቀርቲ ክንገብሮ ዚግበኣና ርእሰ ወፈያ ንፋስ ይኣትዎ። ግልጸተ-ነውር (pornography) ንደቂ ሰባት ከም ኣቅሓ ንዕግበት ረኣዪ ብምግባርና፡ ዓመጽ ጾታዊ ፍቅሪ ኢዩ። ኣብ ሓሳባዊ ጾታዊ ግልጸተ-ነውር ዓለም፡ እተን ቀዳሞት ግዳያት ደቂ ኣንስትዮ እየን። ንመንፈሳዊ ሓይሊ ርእሰ ወፈያዊ ጾታዊ ፍቅሪ ክመሃሮ ዚደሊ ከኣ ኣይህሉን። ዓመጽ፡ ናይ’ቲ ቤተ ክርስትያን ‘መሠረታዊ ክፉእ ተግባር’ ኣናበለት እትምህሮ ሓደ ኣብነት እዩ። እዚ ከኣ ዚኾነ ኩነታትን ሓሳባትን ከመጻድቆ ዘይክእሎ ብባዕሉ ክፉእ ዚኾነ ነገር ኢዩ። ስምረት ካልኣይ ኣካል ዘይብሉ ብሓይሊ ዚግበር ጾታዊ ርክብ፡ ካብ’ቲ ክትግምቶ እትኽእል ግህሰት ክብሪ ደቂ ሰባት እቲ ዚዓበየ እዩ። ዓቢይ ስቃይ እዩ። ሰብኣዊ ጾታዊ ፍቅሪ ኩለ ግዜ ኣብ ሞንጎ ክልተ ናጻ ሰባት ዚግበር ርክብ ምዃኑ ብምልኣት ይነጽጎ።

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብዚኾነ መንገዲ ውለድ ክህልወና ዚብል ሥነ ሓሳብ ብመሠረቱ ትነጽጎ። ቤተ ክርስትያን ሰብ ሓዳር ‘ሓላፍነታዊ ሥድራ’ ክምሥርቱ ትምህር። ንገለ ቆልዑ ምእላይ ማለት ዘይኮነስ ብልቦና እትጉዓዝ ሥድራ ክህሉ እያ ትምህር። ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ 2ይ ከም ዚብልዎ መጻምድቲ ቁጽሪ ደቆም ክውስኑ እንከለዉ፡ ‘ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን’ ብሕልናን ብሓላፍነትን ክገብርዎ ኣለዎም ይብሉ። ቀጺሎም ካልእ ኣካል ኮነ ናይ ምምሕዳር ክፍልታት ኣብ ክንድኦም ኮይኑ ክገብሮ ዚኽእል የለን። ነቶም ሰብ ሓዳር ንብሕቱ ርዚኢ ጉዳይ እዩ።

ብኻልእ ኣዘራርባ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ንውጥን ሥድራቤት (family planning) ሞራላዊ ሓላፍነት ትምህር። እቲ ጉዳይ ናይ ሥድራቤቶም ውጥን ምግባር ዘይኮነስ፡ ነቲ መደብ ብኸመይ የተግብርዎ ኢዩ።

ከም ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ካብ’ቲ ከሚካላትን ካልእ ሰብ ዚሠርሖ መከላኸልን ዘይኮነስ፡ ንሰብኣዊ ክብርን ምስጢረ ተኽሊልን ብዚሕሉ ንባህርያዊ ናይ ሰብነት ትርግታ ተጠቂምካ ውሉድካ ምምጣን ኢዩ። ንባህርያዊ ናይ ሰብነት ትርግታ ተጠቂምካ ሥድራኻ ምምጣን፡ ንመደብ ኣምላኽ ኣብ ተፈጥሮን፡ ‘ንልኡኻት ኣተግበርቲ መደብ’ ዚኾኑ ሰብ ኪዳንን ክብሪ ዚህብ ኢዩ።

መደብ ኣምላኽ ኣብ ምፍጣርን ምድኃንን ብመርዓ ተገሊጹ። ኪዳናዊ ሕይወት ኣርኣያ ምፍጣርን ምድኃንን ኣምላኽ ካብ ኮነ ኣይፍታሕን እዩ። ከመይ ፍቅሪ ኣምላኽ ንዓለምን ፍቅሪ ክርስቶስ ንቤተ ክርስትያንን ንዘለዓለም ኢዩ።

 ግብረ ሶዶም ብመሠረቱ ንጾታዊ ፍሉይነትን ንጾታዊ ፍቅርን ምልኣት ዚህብ ብዘይምዃኑን፡ ነቲ ካብ ኪዳናዊ ሕይወት ክርከብ ዘለዎ ፍቅርን ውሉድን እውን ስለዘይብሉ፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሞራላዊ ጌጋ እዩ እናበለት ትነጽጎ። ሰብኣዊ ባህርይ ዘለዎ ጾታዊ ፍቅሪ ኣይኮነን።’’ ክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ።

ካብዚ ብምቅጻል ድሕሪ ድራር ንፍቅሪ ስድራቤት እትገልጽ ድራማ ብመንእሰያት ቀሪባ። ኣብ መጨረሻ ሰንበት ንግሆ እቲ መደብ ብጳጳሳዊ ቅዳሴ ክዛዘም እንከሎ ብጹዕ ሊቀጳጳሳት ኣቡነ መንግስትኣብ ድሕሪ ንባብ ወንጌል ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ‘ኣብዚ ዘንበብናዮ ወንጌል ሉቃስ ምዕራፍ ክልተ ኢየሱስ ወዲ 12 ዓመት ምስ ኮነ ምስ ወለዱ ናብ ኢዮሩሳሌም ምስ ከደ ንሰለስተ መዓልቲ ካብ ወለዱ ይጠፍእ። ምስ ወለዱ ከምቲ ዚምሃርዎን ዘልመድዎን ባህሉን ሃይማኖቱን ከኽብር እዩ ከይዱ። ግቡኡ ክፍጽም ማለት እዩ። ይኹን እምበር ከይነገሮም ምጥፍኡ ኣሻቂልዎም። ዉሉድካ ክጠፍኣካ ቀሊል ኣይኮነን። ስለምታይ ከምኡ ጌርካ ክብልዎ መሰሎም እዩ ነይሩ። ምስ ሓተትዎ ግና ሓቅኹም ኣይበሎምን፡ ኣብቲ ናይ ኣቦይ ስራሕ ክህሉ ከምዚግባኒ’ዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም እዩ ዚበሎም። ንሱ ፍጹም ኣምላኽን ሰብን ሰለ ዝኾነ ዕላማኡን ጸዋዕታኡን ይፈልጥ ነይሩ። ስለዚ ንማርያምን ዮሴፍን ከም ተራ ሰብ ኣይትርኣዩኒ ኣብዚ ምድሪ እዚ ዘምጽኣኒ ዕላማ ከምዘሎኒ ፍለጡ፡ ቀዳምነት ንፍቃድ ኣቦይ ክህቦ ከምዘሎኒ ተረድኡ ዚብሎም ዘሎ ይምስል። እዚ ማለት ኣብቲ ናይ ኣቡኡ ስራሕ ክህሉ ከምዚግብኦን ንዕኡ ኢሉ ከም ዚመጸን ንኸረድኦም እዩ እምበር ክሻቅሎም ኢሉ ኣይኮነን።

መንእሰያትና ኩለ ግዜ ንዝኾነ ነገር እኽእሎ እየ ብሃልት ኢኹም፡ ምኽንያቱ ሕማቃት ሰነፋት ከይንብሃል፡ ከምኡ እውን ከይንዐቁና ስለ ንፈርሕ እዩ። ግን ዘይምፍላጥ ወይ ዘይምኽኣል ሓጢኣት ኣይኮነን። ብሓደ ግዜ ኩሉ ዚፈልጥ ኣምላኽ ጥራይ እዩ። ኢየሱስ ኣብ መንጎ ሊቃውንቲ ተረኸቡ ይሰምዖምን ይሓቶምን ነይሩ። ንስኻትኩም ድማ ቅድሚ መምህራን ምዃንኩም ተምሃሮ ሙዃንኩም ፍለጡ ካብ መምህራንኩም ክትከስቡ ጽዓሩ። ከም ኢየሱስ ክንሰምዕን ክንሓትትን ይግባእ። ኢየሱስ ብጥበብ ብጸጋ ብቁመት ዓበየ ይብለና ቃል ኣምላኽ። ንስኻትኩም ድማ ብኸምኡ ክትዓብዩ ይግባእ። ኢየሱስ ምእንታና ሰብ ኮይኑ ኣብቲ ብዘሕ ወገን ናይ ሕይወቱ ከም ተራ ሰብ ኮይኑ ተመላሊሱ። እዚ ንመንእሰያት ዓቢ ኣብነት እዩ።

ንስኻትኩም ሰብ ጥራይ እምበር ምላኽ ኣይኮንኩምን፡ ምስ ወለድኹም ብትሕትናን ክብርን ተመላልሱ። ለባማት ኩኑ ሕተቱ ስምዑ፡ ፍቁራን መንእሰያት ቤተክርስቲያን ሎሚ ኣባኹም ዓቢ ተስፋ ኣሕዲራ ኣላ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ብጥበብ ብጸጋ ብቁመት ዕበዩ። እዚ ኣብዘን ሰለስተ መዓልቲ ዚተምሃርክምዎ ኣብ ቦታኩም ምስ ተመለስኩም ብግልን ብሓባርን ንብጾትክም ኣካፍልዎም እናበልና ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ንጢምቴዎስ ‘ንስኻ ግን በቲ ዚተምሃርካዮን ዚተረዳእካዮን ነገር ጽናዕ ካብ እንመን ከምዚተምሃርካ ትፈልጥ ኢኻ። ካብ ሕጻንነትካ ጀሚርካ ነተን ቅደሳት መጻሕፍቲ ትፈልጠን ኢኻ። ንሳተን ብክርስቶስ ኢየሱስ ብምእማን ናብ ምድሓን ከብጽሕ ዘኽእል ጥበብ ክህባኻ ይኽእላ እየን።‛ ዚበሎ እናደገምና ብሰላም ነናብ ቦታኹም ነፋንወኩም ኣሎና‛ ብምባል ትምህርቶም ዛዘሙ። ብድሕሪ ቁርሲ ድማ ናይ ሓባር ስእሊ ተሳኢሎም ነናብ ቦትኦም ተመልሱ።

ነጋ ኣየለ

 

 

Photogallery

ሃገራዊ ዕለተ መንእሰያት 8-10 ለካቲት 2019 ኣሥመራ
23 February 2019, 16:22