ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ልዕሊ ኣባ ካርደናል ተደንጊጉ ዝነበረ ሕገ ቀኖናዊ ክህነታዉ ማዕቅብ ኣልዒሎም ር.ሊ.ጳ. ኣብ ልዕሊ ኣባ ካርደናል ተደንጊጉ ዝነበረ ሕገ ቀኖናዊ ክህነታዉ ማዕቅብ ኣልዒሎም 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ልዕሊ ኣባ ካርደናል ተደንጊጉ ዝነበረ ሕገ ቀኖናዊ ክህነታዉ ማዕቅብ ኣልዒሎም

ኣባ ካርደናል ናይ ቲዮሎጊያን ስነ ግጥምን ሊቅ ኣብ ሃገሮም ምሃይምነት ንምጥፋእን ናይ ዜግነትን መሰልን ማዕርነት ክረጋገጽ ኵሉ ናይ ሃገሩ ሃብቲ ረባሒ ንኽኸውን ዝተቓለሱን እቲ ዘካየድዎ ጻዕርን ዘዕተሮ ውጽኢት ብዓለም ሓቆፍ ናይ ሕንጸትን ባህልን ስነ ምርምርን ውድብ ኣፍልጦ ዝተወሃበሉን

ተወላዲ ኒካራጉዋይ ናይ ፖለቲካ ውድብ ኣባል ብምዃን ናይ መንግስቲ ኦርተጋ ናይ ባህሊ ሚኒስትር ኰይኖም ዘገልገሉ ነበር ካህን ኤርነስቶ ካርደናል  ናይ ፖሊቲካን ኣገልግሎት ኣብ መንግስትን ሓዲጐም ዝነብሩ ዝነበሩ ኣብዚ እዋን’ዚ ብብርቱዕ ሕማም ኣብ ሕክምና ዝርከቡ ኣብ ልዕሊኦም ተደንጊጉ ዝነበረ ሕገ ቀኖናዊ ማዕቅብ  ክህነታዊ ኣገልግሎቶም ክለዓል ቅዱስ ኣቦና ከምዝወሰኑን ቅዱነቶም ዝመሓላለፉሎም ቡራኬ ካብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሶመርታግ ከምእተመሓላለፈሎም ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ጃዳ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብዚ ኣዋን’ዚ ኣብ ሕክምና ዝርከቡ ወዲ 94 ዓመት እድመ ዘለዎም ድሕሪ ዕልዋ ምልካዊ ስርዓት መንግስቲ ሶሞዛ ናይቲ ጸረ ምልካዊ ስርዓት ዝቃለስ ናይ ዝነበረ ብዳንኤል ኦርተጋዝምራሕ ዝነበረ ፖለቲካዊ ቃልሲ ኣባልን ዝነበረ ምልካዊ ስርዓት ንምዕላው ዓቢይ ኣበርክቶ ዝሃቡ ኣባ ኤርነስቶ ካርደናል ብዝነበሮም ፖለቲካውን ናይ መንግስቲ ሓላፍነት ምስ ክህነታዊ ኣገልግሎቶም ዘይሰማማዕ ብምዃኑ ካብቲ ናይ ፖለቲካ ሰለፊ ገዛእ ርእሶም ክኣልዩ ንዝቐረበሎም ጽዋዕታ ብምንጻጐም ምኽንያት ዕለት 30 ጥሪ 1985 ዓ.ም. ብሕገ ቀኖና መሰረት ካብ ዝዀነ ይኹን ክህነታዊ ኣገልግሎት ክእገዱ ብዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ተወሲንዎም ድሕሪ ምጽናሕ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዞም ገዛእ ርእሶም ካብ ፖለቲካውን ናይ መንግስትን ንጥፈታት ብምውጋዶም ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. እቲ ዝተደንገገ ሕገ ቀኖናዊ ማዕቅብ ህልው ኩነታቶም ግምት ብምሃብ ክለዓል ከምዝወሰኑ ኣብ ኒካራጉዋ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ዋልደማ ሶመርታግ ሓቢሮም።

ናይ ቅዱስ ኣቦና ቡራኬ

ሊቀ ጳጳሳት ሶመርታግ ዕለት 17 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣባ ካርደናል ናብ ዝርከብሉ ቤት ሕክምና ብምኻድ ኣብቲ ድሕሪ 35 ዓመት ኣብ ዘዕረግዎ ቀዳማይ መሳዋዕተ ቅዳሴ ክምዝሓበሩን፡ ቅዱስ ኣቦና ዝሃብዎም ፍቓድን ማዕቅብ ክሕከኽ ዝብል ዘመሓላለፍዎ ውሳኔን ሓርዋርያዊ ቡራኬን ከምዝቐረቡሎምን ብወገኖም ኣባ ካርደናል ምስ ጐይታን ቤተ ክርስቲያኑን ሰላም ገይሮም ነዚ ስለ ዝበቕዑ ንቅዱስ ኣቦና ከምዘመስገኑን፡ ናይ መንፈስ ርግኣትን ሓጐስን ይስምዓኒ ከምዝበሉ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1983 ዓ.ም. ኣብ ኒካራጉዋ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ኣባ ካርደናል ካብ ናይ መንግስትን ናይ ፖለቲካን ሓላፍነቶም ገዛእ ርእሶም ኣልዮም ናብ ቤተ ክርስቲያን ክምለሱ ብወግዒ ሓቲቶምዎም ከምዝነበሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ ነዚ ብዘይ ምፍጻሞም ማዕርገ ክህነቶም ክለዓልን ሕገ ቀኖናዊ ማዕቅብ ከምዘመሓላለፍሎም ክፍለጥ እንከሎ፡ ካብ 1994 ዓ.ም. ካብቲ ሳንዲኒስታዊ ናይ ናጽነት ግንባር እቲ ዝተኻየደ ሶውራዊ ቃልሲ ነቲ ዝነበረ ምልካዊ ስርዓት ምስ ዓለወ ናይ ሶውራ ክብርታት ኩሉ ኪሒዱ እንክብሉ ገዛእ ርእሶም ከምዘርሓቑ ዘዘኻኸራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎ ክፍሊ ዚና ቫቲካን ኣኵይሊኖ ኣስዒበን፡

ኣባ ካርደናል ናይ ቲዮሎጊያን ስነ ግጥምን ሊቅ ኣብ ሃገሮም ምሃይምነት ንምጥፋእን ናይ ዜግነትን መሰልን ማዕርነት ክረጋገጽ ኵሉ ናይ ሃገሩ ሃብቲ ረባሒ ንኽኸውን ዝተቓለሱን እቲ ዘካየድዎ ጻዕርን ዘዕተሮ ውጽኢት ብዓለም ሓቆፍ ናይ ሕንጸትን ባህልን ስነ ምርምርን ውድብ ኣፍልጦ ዝተወሃበሉን ዕለት 2 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሶመርታግ ናብ ቤቶም ብምኻድ እውን ከምዝበጽሕዎምን ዕለት 11 ለካቲት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህሙማን ናብ ዝርከብሉ ቤት ሕክምና ብምኻድ ከዝበጽሕዎምን ዕለት 17 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ናይ ቅዱስ ኣቦና ውሳኔ ምስ ኣቕረቡሎም ብሓባር መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉ ኣፍሊጠን።

ኣባ ካርደናል

Photogallery

ኣባ ካርደናል
19 February 2019, 15:47